ድምጺ ደሊና ዜና 
ኣዳላዊ፡ ሳምሶን ሃይለስላሴ
ኣንባቢት፡ ራሄል ሰሎሙን 

22 ታሕሳስ፣ 2014


ስርዓት ኣስመራ ዝቐተሎም 13 ቆልዑ

ስርዓት ኣስመራ ፥ ናብ ጎረቤት ሃገር ሱዳን ክሰግሩ ኣብ ጉዕዞ ካብ ዝነበሩ 16 ኤርትራውያን ቆልዑ ነቶም 13 ብጥይት ወቒዑ ድሕሪ ምቕታል ኣብ ከዉሊ ከምዝደርበዮም፥ መርበብ ሓበሬታ ዓዋተ ካብ እሙናት ምንጭታቱ ንዝረኸቦ ሓበሬታ መርኲስ ብምግባር ኣቃሊዑ።

እቶም ካብ ጊንዳዕ ንፖርት ሱዳን ዝወስድ መንገዲ ተኸቲሎም ብኣሰጋገርቲ ዝጓዓዙ ዝነበሩ ግዳያት ኩላቶም ትሕቲ ዕድመ ከምዝኾኑን ዝበዝሑ ካብኣቶም ከኣ ደቂ ላዕለዎት ሰበስልጣንን ወተሃደራውያን ሓለፍቲን ስርዓት ኣስመራ ምዃኖም ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

መርበብ ዓዋተ ኣብ ሓበሬታኡ፥ እቶም ቆልዑ ቅድሚ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ኣቢሎም ምስ ኣሰጋገርቲ ብምስምማዕ ካብ ጊንዳዕ ከምእተበገሱ፥ ዛጊት ኣብ ዘይተነጸረ ቦታ ጉዕዘኦም እንከለው፡ ካብ ኣባላት ጸጥታ ስርዓት ኣስመራ ብዝተኸፍተሎም ጠያይቲ ሂወቶም ከምዝሰኣኑ ፥ ካብ’ቲ ዘስካሕክሕ ፍጻሚ ብሂወት ዝደሓኑ 3 ካልኦት ድማ ንውሕስነቶም ብምስጋእ ነቲ ምስጢር ከይዛረብሉ ከምእተገደዱ ክርዳእ ተኻኢሉ።

ካብቶም ሂወቶም ዝሰኣኑ 13 ቆልዑ፥ እተን 3 ኣሕዋት ደቂ ሓደ ኣብ መደበር ታዕሊም ሳዋ ናይ ኮሎኔል መዓርግ ዘለዎ ሓላፊ ምዃነን ዘመልከተ መርበብ ሓበሬታ ዓዋተ ፥ ጥይስቲ ተጋዳሊት ኣዲአን ኣብ ከተማ ቶሮንቶ ናይ ካናዳ ኣብ መገሻ ከምእትርከብ ፥ እተን ኣብ ክሊ ዕድመ 14፡ 18ን 19ን ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ ኣሕዋት ኣብ ሓደ ህሞት ሂወተን ከምዝሰኣና ኣገንዚቡ።

እቶም ግዳያት ተቐቲሎም ዝተደርበዩሉ ከባቢ ዛጊት ከምዘይተነጸር፥ ስድራቤት ናይ’ቶም ዝበዝሑ ግና ኩነተ-ህላዌ ደቆም ብዝተፈላለየ መንገዲ ተረዲኦም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ተኣሚቱ ኣሎ።

“ንሓርነት ሃገር ዝተጋደሉ ተጋደልቲ ደቆም ናብ ስደት ከፋንዉ ክትርኢ ክሳብ ክንደይ ሃገርና ኤርትራ ብጸቕጢ ስርዓት ኣስመራ ተጨቊና ከምዘላ ዘመስክር’ዩ!” ዝበለ ሓደ ካብ ምንጭታት መርበብ ሓበሬታ ዓዋተ፥ እቲ ስርዓት ዋላ ንፍረ ዘርኢ ናይ’ቶም ዘገልግልዎ ሰዓብቱ ዝምሕር ከምዘይኮነ ኣተሓሳሲቡ።

ስርዓት ኣስመራ፥ ኣባላት ጸጥታኡ ኣብ ልዕሊ ዶብ ዝሰግሩ ኤርትራውያን ተሓታትነት ዘይብሉ ብረታዊ ስጒምቲ ክወስዱ ብዘመሓላለፎ ተሪር ትእዛዝ ፥ ኣብ ልዕሊ’ቶም ናብራን ጸቕጥን መሪርዎም ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ዝሃድሙ ዘለዉ ዜጋታት ካብ ኣባላት ሓለዋ ዶብ ብዝኽፈት ተዂሲ ብዙሕ ሂወት ንጹሃን ይጠፍእ ከምዘሎ ይፍለጥ።


ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ካምፓላ

ኣብ ከተማ ካምፓላ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናይ ዑቕባ ወረቓቕቶም ንኽሕዙ ዝተሓለለኸ ጸገማት የጓንፎም ከምዘሎ ገሊጾም።

ሓያሎ ካብ’ቶም ስደተኛታት ናብ ሬድዮ ድምጺ ደሊና ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ናይ ዑቕባ ወረቐት ንኽትሕዝ ልዑል መጠን ገንዘብ እናኸፈልካ እኳ ንጋዶ ኮይኑ ከምዘሎ፥ ኣብ’ቲ ናይ ዑቕባ ወረቐት ዝዕደለሉ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር (OPM) ዝሰርሑ ኣባላት ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዘለዎም ኣጠማምታ ድማ ካብ’ቶም ካልኦት ስደተኛታት ዝተፈልየ ምዃኑ ኣገንዚቦም።

ብፍላይ ካብ እስራኤል ናብ ሩዋንዳ ዝጥረዙ እሞ ሻቡ ናብ ከተማ ካምፓላ ናይ ኡጋንዳ ዘምርሑ ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ፥ ገንዘብ ኣለዎም እናተባህለ ናይ ዑቕባ ወረቐት ኣብ ዝሓትሉ ልዑል መጠን ገንዘብ ክኸፍሉ ከምዝጥለቡ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ኣብ ከተማ ካምፓላ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ኤርትራውያን ስደተኛታት ከምዝርከቡ ፥ ናይ ዑቕባን ምሉእ ስደተኛነት መሰሎም ዘመስክሩ ወረቓቕቲ ንምሓዝ ስለዝጽገሙ ከኣ ሰሪሖም ነብሶም ክኽእሉ ከምዝጽገሙን ዝበዝሑ ካብ ስድራኦምን መቕርቦምን ብዝለኣኸሎም ናይ ሓዋላ ገንዘብ ከምዝናበሩን’ዩ ዝንገር።

እቶም ናብ ሬድዮ ድምጺ ደሊና መረረኦም ዘስምዑ ኤርትራውያን ኣብ መወዳእታ፥ እቲ ኣብ ካምፓላ ዘሎ ኤምባሲን ማሕበረኮምን ስርዓት ኣስመራ ንዂነታቶምን ውሕስነቶምን ዘይውክል ከምዝኾነ ብምጥቃስ፥ ኣብ ወጻኢ ዝርከባ ፖለቲካውያን ሓይልታት ንለውጢ - ንጉዳዮም ኣቕሪበን ከትኲራሉ ጸዊዖም።


ደሃይ ዘጥፈአት ናይ ውግእ ሄሊኮፕተር ኢትዪጵያ

ክልተ ኣባላት ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኤም-ኣይ 35 ዝዓይነታ ናይ ውግእ ሄሊኮፕተር ሒዞም ተሰዊሮም ከምዘለዉ ኢትዮጵያን ሳተላይት ዝተባህለ መደበር ቴሌቪዥን ኣቃሊሑ።

እቶም ብ 20 ታሕሳስ 2014 ዝተሰወሩ ኣባላት ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ናበይ ከምዘምርሑ ዛጊት ዝተፈልጠ ነገር ከምዘየለ ዘመልከተ እቲ መደበር ቴሌቪዥን፥ ናብ’ቲ መቐናቕንቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝኾነ ስርዓት ኣስመራ ተዓቚቦም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ግና ንግምታት ዝተፈላለዩ ምንጭታት መርኲስ ብምግባር ሓቢሩ ኣሎ።

እቶም ካፕቴን ሳሙኤል ግደይን ሌተናንት ዪሊሊጅ መኮነንን ዝተባህሉ ኣባላት ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ንኣበየ ቦታኦምን ኩነታቶምን ኣመልኪቶም ዝሃብዎ ወግዓዊ መግለጺ ብዘይምህላው’ውን ናይ ምስትላም ዕላማ ኔርዎም ንዝብል ጽንጽንታታት ንምርግጋጹ ኣሸጋሪ ኮይኑ ከምዘሎ ሓያሎ ወገናት ይገልጹ ኣለው።


Join VoD

VoD is looking for highly motivated candidates to collect, draft, edit and present relevant news items from various sources exclusively but not limited to Eritrea and the rest of the Horn of Africa. Excellent writing skills in both English and Tigrinya, proficiency in using technology, and ability to scan social media are essential. The candidate should be an active listener, able to communicate with persons of interest, and share timely information with the public.

The Main objective of Voice Of Delina is to collect and disseminate economic, social and political developments pertaining to Eritrea and Eritreans at home and in the Erespora.

We are also determined to develop the media capacity by grooming the new generation of Eritreans to articulate the aspirations of our country.

We are particularly looking for candidates who are keenly interested to play an active role in helping foster peace and democracy in Eritrea.

VOLUNTEER INTERNSHIP OPENINGS

• Media Director/Program Coordinator
o manage the team
o prepare editorials
o make editorial decisions on programs to be broadcast
o edit other program contents

• Researchers
o research topics required for programming
o assist in drafting stories

• Writers and Editors
o draft a regular feature story
o assist in news preparation

• Anchor-Reader
o read program items
o assist in news preparation

• Sound Engineer
o arrange programs, add music and repackage programs for dispatch to the studio

• Translator from English into Arabic and Tigrinya (and, on a limited basis, Amharic)
o translate copy of stories into appropriate language for broadcast
o when necessary, read stories in correct language or dialect

To participate please send email to This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.
Please provide your personal CV, Skype ID, telephone number and best time to call you.

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...