ቅርሺ!

እዛ ከባብ ምድሪ

ቀላያት ምስ ባሕሪ

ጻዕዳ በረድ ምስ ዛሕሊ

ሙቐት ጸሓይ ከም ጓህሪ፡

ብዘይ ኮረሻ ናይ በቕሊ ኣብ ዝባና ክትረሪ

ዘይትሕለል ብዓቕሊ፡

ንቕርሺ ክትደልስ

ምስ ለይቲ ምስ ቀትሪ ትገላብጥ ባህሪ!

ንጓልን ንወድን ትሳጺ ከም ፍቕሪ!

ቅርሺ መናበሪ

ብማዕዶ መህረሪ መማቕርቲ ጻዕሪ፡

ስግር እምኒ ምድሪ ዘሊላ ከም ዋሪ

ዓምቢባ ክትፈሪ ክትለምዕ ከም ሳዕሪ፡

ኣብ ዓድን ኣብ ዓውድን

ክትጭበጥ ከም ዕትሪ

ክትምቅር ከም ተምሪ

ከም ሩባ ክትዛሪ ጥበብ’ያ ትደሊ፡

ከም ገልዒ መጽሓሪ ንረመጽ መዝሓሊ።

ቅርሺ መናበሪ!

እንዳ ምሩቓት’ሲ

ተንጽፊ’ሞ ማእሲ ትውስኺ መተርኣሲ፡

ድኽነት ክትብቁሲ ሓዲርኪ ትውዕሊ

ሰሲንኪ ተቕስኒ።

እንዳ ዝንጉዓት ግን

ትመስሊ’ሞ ወርቂ ትኽደኒ ብቂ

ብደረት ጠሪርኪ እቶን ተሳውሪ።

ንቕርሺ ክንደሊ ንሕና ከም ትጽቢትና

 ድማዕ ዘይረኸብና።

ወያ ብጽሒትና

ዕዳጋ ገዲፋ ባንዴራ’ወንዚፋ፡

ምስ ዝና ምስ ባህታ ክትዘልል ክትፍልል

ጎላጉል ገዲፋ ጠረር’ያ ሃቲፋ።

ካብ ፓሎ ጸዲፋ ኣብ ባይታ ዓሪፋ።

ድፍእ’ያ ዝበለት ንቑልቁል ዝ’ኣፋ።

እዛ ብጽሒትና ስማ ተጻሒፋ

እነኹ ምስ በለት

መኣስ ጥዒሙዋ ንፋስ ምስ ጎነፋ።

ታሪኽ ጸቒጡዋ ሕሉፍ ምስ ወጠጣ

ከም ሕማም ፍንጣጣ በዚሑዋ ጣጣ፡

ናብራ ፈናቒላስ

ብስማ ሓኒኻ ዓይና ተዓሚታ

ኣብ ባንኪ ሓኪላ እሔው ትብል ዘላ።

ውዒላ ሓዲራ ከም’ተን መሓዙታ

 ዕዳጋ ዘውርዳ ጸሓይ ዘብርቐላ

ሰላም’ዩ ፍሽኽታ እዋን ዘውግሓላ።

እንተዘይኮነ ግን በዚሑ ፈኸራ መሪሩ መከራ

ብመወልዒ ሽጋራ ነዲዳ ባንዴራ

ብናይ ፖለቲካ እሳተ ጎመራ እንተተቓጺላ፡

እዋን ምቕያራ

ናብ ባንኪ ሰሊኹ ንቕርሺ ዝነግራ

 ምሩቕ ክፈጥረላ፡

ከም’ቲ ልሙድ ባህሊ

ኣወል ቡን ክንሰቲ 

ምስ ዕጣን ምስ ትኪ

ንልዑል ወ’ለ’ዝጊ ይነገሮ ሓቂ።

ቅልቅል እንተበለ ኣራእያ በርቂ

ብዝሑል ማ’ጨሎት መሬትና ክትጥልቂ

መኣዲ ቁርሲ ቡን ምምቓል’ዩ ስንቂ

ምልዛብ’ዩ ወርቂ

ኣብ ምድሪ ዓንጊሉ ዝወስድ ናብ ጽድቂ።

ዳንኤል ተስፋዮውሃንስ ተኽለጊዮርጊስ

This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it. 09/25/16

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...