Septenber 23 2018

 

ቅልዕቲ ደብዳቤ ንኹሉኽን ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ
ሓላፍነትና ዝኾነ እንተኾነ ፈጺምና ዕሽሽ ኣብ ዘይንነብለሉ እዋን በጺሕና

ኽቡራት ኣሓተይ፡ ደቀይ፡ ደቂ ደቀይ፡  ከምይ ኢልክን ቀኒኽን? ኣነ እግዚኣቢሄር ይመስገን ጽቡቅ ኣሎኹ። 

እምበኣር ሎሚ “ሓላፍነትና ዝኾነ እንተኾነ ፈጺምና ዕሽሽ ኣብ ዘይንብለሉ እዋን በጺሕና” ዝብል ኣርእስቲ ሒዘ እንሆ ቀሪበ ኣሎኹ።

ንጓል ኣንስተይቲ ደቂ ወሊዳ  - ኣህዛብ ብኾኑ ፈርያ- ከተዕቢ እግዚኣቢሄር ስልጣን ሂብዋ’ዩ።  ተራ ኣደ ዓለም ብዝፈልጦ ዝዋዳደሮ የብሉን።  ኣደ ኩሉ ክትከውን፡ ናይ ኩሉ ሓላፍነታት ክትወስድ ትኽእል’ያ ፡ ስፍራ ኣደ ዝወስድ፡ ንኣደ ዝትክእ ግን ማንም የለን።  ኣደ እታ ወላድ ጥራይ ኣይኮነትን እንታይ ደኣ፡ ሓላፍነት ናይ ወላዲት ትውሰድ ጓል ኣንስተይቲ’ውን ኣደ’ያ።

ኤርትራ ኣብ ኣገዳሲ ዝኾነ ስትራተጂካዊ ቦታ ስለ ዘላ ፡ ብኣብ ስግር ባሕሪ ዝርከቡ ጎበልል ዓምጽትን ኣብ ክንዲ ብሰላም ወዳባትና ዝጥቀሙሉ ብሓይሊ ናትና እያ ዝብሉ ትምክሕተኛታት ጎረባብቲ -  ምስ ምዕራባውያን ጽቡቅ ዝምድና ዝነበሮም -  ክትጥመትን፡ ኩትጉበጥን፡ ክትምክትን መከራ ዘሕለፍትን ገና ተሕልፍ ዘላ ሃገር’ያ። ሃገርና ኤርትራ ወጻእተኛታታ ድላዮም ኣስማት ይሃብዋ እምበር፡ ህዝባ እቲ ናይ ኣማኢት ዓመታት ንዓለም ክጠቅም ዝኽእል ስርዓተ ሕግን፡ ባህልን፡ ወግዕታትን ዘለዎ ኳዕናን ህዝቢ’ዩ። ህዝቢ ኤርትራ ኩሉ ዓይነት ወራር ብዝመጾ ጊዜ ተቃሊሱ ኢዩ፡ እወ ተቃሲሱ ሓንሳእ ብብልሓት፡ ሓንሳእ ብእምኒ ሓንሳእ ብሽቶል ብጉራዴ፡ ሓንስእ ድማ ብብረት። ኢዱ ኣይሃበን። እንተሃበ ድማ፡ መድሎ ክሳብ ዝረክብ ጥራይ’ዩ።  ህዝቢ ኤርትራ እዚ ኹሉ ዘይሕለል ቃልሲ ዘካየዶ፡ ንሃይማኖት ወይ ንቋንቋ ወይ ንስም ኢሉ ኣይኮነን እንታይ ድኣ ሰብኣዊ መሰሉ ተሓልዩሉ፡ ኣብ ትሕቲ ሕግን ስርዓትን ካብ ድኽነትን ድንቁርናን፡ ተጋላጊሉ ብሰላም ብኽብሪ ምእንቲ  ክነብር’ዩ።

ኣብዚ ኹሉ ኣብ ላዕሊ ዝጠቀስክዎ  ንሰብኡተን ስረ ዘዕጠቃን፡ ቀጥታ ባዕላተን ዝዓጠቃን ደቂ ኣንስትዮ ከም ዝኾና ታሪኽ ዝምስክሮ ሓቂ’ዩ። ቀዳሞት ኣማሓደርቲ’ውን እንተኾኑ፡ እቶም ህዝቦም እንታይ ዝብል ከም ዘሎ ብኹሉ ወገን ክስምዑ ዝደልዩ፡ “ኣዋልድ ዓድና ማይ ክወርዳ ከለዋ እንታይ ኢለን ይደርፋ ኣለዋ እስኪ ስምዕወን” ይብሉ ነይሮም።  ወቀሳ ይኹን ናእዳ  እዘን ኣዋልድ እዚኣተን ብደርፊ ድሓን ጌረን ክገልጽኦ ከለዋ፡  ካበይ እየን ተማሂረነኦ? ካበይ እየን ሰሚዔንኦ?  ካብ ኣዴታተን’ዩ። ከምኡ’ውን ኣብ መንጎ ዓድታት ብመሬት ይኹን ብኻል ምስሕሓብ ጽልኢ ክልዓል ከሎ፡ ደቂ ኣንስትዮ ሕበሩ ኢለን ኣሕቢረን ከም ዘፈትሕኦ ብዙሕ ዝፈልጦ ሓቂ’ዪ።

ኣብ ኤርትራ  ብሐደጋታት ውግእ፡ ብማይ ምስኣን፡ ብኣንበጣ ምኽንያታት ጥሜት ነይሩ’ዩ።  ከምቲ ኣብ “ኣደ ህንዲ - Mother India” ትብል ኣብ ኣስመራ ትርኤ ዝንበረት ህብብቲ ፊልም፡ ኣዴታት ኤርትራ ድማ፡ ካብ ሞሮር ይኹን ካብ ገለ ገበላታት ቆጽለ መጽሊ ሸማጢጠን ኣብ ቁራዕ ኣብሲለን፡ ሕሩጭ እንተዘይብለን ለሚነን ንደቀን ይዕንግላ ነይረን። ንሳተን ጻሕሊ ሓሲሰን፡ ቅናት ይዕጠቃ፡  ደቀን ንእሽቶ በሊዖም ጥሜት ከይስምዖም ዘስሕቆም ጽውጽዋይ እናነገራ ኣታዓሻሽየን ይሓልፋኦ ኔይረን።

ናይ ኣዴታት ፡ ናይ ደቂ ኣንስቲዮ ብሓፈሻ ኣብቲ ንሰላሳ ዓመት ዝተኻየደ ብረታዊ ቃልሲ ዝገብርኦ ኣስተዋጽኦ ተዘንትዩሉ’ዩ።  ብዘይ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ተኻፋልነት ገድሊ ኤርትራ ኣይምተዓወተን።

እሞ እዚ ኹሉ ጅግነንት፡ እዚ ኹሉ ቆራጽነት፡ እዚ ኹሉ ሕብረት እዚ ኹሉ ንሓቂ ጠጠው ምባል ድኣ ሎሚ ድሕሪ ነጻነት ኣበይ ኣበለ?

ደቅና ንሳዋ ኢሎም ወሲዶም ንዓምታት ምስ ሓዝዎም፡ መዝነት መንግስቲ ኣብ ትሕቲ ስርዓተ ሕጊ ህዝቢ ክማሓድር ድኣ እምበር ትም በል ዝበልናካ ግበር፡ ሃይ እንተበልካ ኣብኣ ትዴኻ ክብልን  ክጨፋልቅን፡ ክኣስርን፡ ክቅትልን ክቀትልን  ከም ዘይኮነ ክንገዘብ ከይደለና  ምስ መንግስቲ ኣንጻር መንግስቲ ተባሃሂልና፡ ተጋማሚዕና ህድእ ኢልና ”ጉዳይ ደቅና ከመይ’ዩ”  ኢልና፡ ሓቢርና ክንዋሳእ ኣይከኣልናን። ሓደ ሲሶ ናይ ተጋደልትና ደቂ ኣንስትዮ’የን ነይረን፡ ንነጻነት ሀገረን ጥራይ ኣይኮናን ተቃሊሰን ንማዕርነተን እዉን እየን።፡ ሕጂ ድሕሪ ነጻነት ማዕርነትስ ይትረፍ ብዝገደደ ተሃይስየን ዘለዋ ድማ ንሳተን እየን። ብቀሊል ዘይሃስስ በሰላ ተሰኪመን ይኸዳ ኣልዋ።  ምንም ግን ኣይበልናን፡ ትም ኢና ኢልና። ሓንቲ ዩኒቨርሲቲ ተዓጽያ  ኣስታት 300 ፍሉጣት ቤትማእሰርታት ዓንቢበን፡ ኮንተይነራት ተወሲኽወን። ደቅና ንዊዓ ሰዲዶም ኣደዳ ሕማምን ብጽሓይ ሞትን ምስ ገበርዎም፡ ኣብ ማእከል ኣስመራ ብዘይ ፍቃድ ካብ ማኪና ወሪድኩም ተባሂሎም ብዝይ ምሕረት ምስ ረሽረሽዎም ስቅ ኢልና። ደቅና ንዓመታት ግደ ሕሱም ማእሰርትን፡ መግረፍትን፡ ስደትን፡ ከልበትበትን፡ ግህሰትን፡ ክፉእ ዓይነት ኣማውታን - ኣብ ባሕሪ መዲተራንያን  ቀለብ ዓስ ሙዃን -  ኣጓኒፍዎም፡ ናይ ኣደ ሓላፍነት፡ ናይ ጓል ኣንስተይቲ ርሕራሔ ጠፉኡና፡ “ዋይ ኣንታ እንታይ’ዩ ወሪድና፡ ነዚ ዲና ተቃሊስና፡ ዋይ ደቅና” እይበልናን።  ካብ ሓሳረ መከራ ወጺእና እንተበሉ፡ ኣመሪካን ኤውሮጳን ነብሱ ዝኸኣለ ሚዲተራንያን ኮይንውም ደምበርበር ኢሎም ጸቢብዎም ርእሰ ቅትለት ክፍጽሙ ከለው - ነነጢርካ ውልቀ ሰባን ይኹን ጉጅለታት ዘይኮነስ -  ሓቢርና ተጓይና ኣይረዳእናዮምን።

እተን ቀዳሞት ኣዴታታ ተማሃሮ ደቀን  መንግስቲ ሃጸይ ሃይለ ስላሴ ኣድማ ጌርኩም ኢሉ ምስ ዝኣስሮም፡ ሓቢረን ቤተ መንግስቲ ከይደን፡ “ወረ እንታይ ዝገበሩ ቆልዑ’ዮም መዓንጣ ዘይቆጸሩ”  ኢለን ኣእውየን ደቀን የፍትሓ ነይረን።  ቅድስቲ ማርያም የሱስ ክስቀል ክኸይድ ከሎ፡ ምስ ኣዋልድ እስራኤል ኮይና “ወደይ ወደይ፡ ወደይ” እናበለት ደድሕሪኡ ከይዳ።   ኣብ መበል ሻብዓይ ዘመን ድሕሪ ልደተ ክርስቶስ ዝነበረት ራብያ ኣል ኣዳውያ ዝተባህለት ኣስላመይቲ ቅድስቲ ዘበለት፡ ዘኽታም ኮይና ዓብያ ከም ባርያ ተሸይጣ፡ ብእምነታ ካብ ጎይትኣ ነጻ ወጺኣ መንፈሳዊ ማዕበል ኣላዓዒላ ንህዝባ ረዲኣ እያ። ኣብ  ቤት ጸሎት፡ ኣብ መስጊዳትን ቤተክርስትያናትን እናኸድና ከነብቅዕ ፡ ሐቂ ምዝራብን ንገበን ያዕ ምባልን ትእዛዝ ኣምላኽ ክነሱ ልብና ኣትሪርና። ናይ ኣደ፡ ናይ ጓል ኣንስተይቲ ርሕራሔን ሓላፍነትን ወሰን ኢልና ኩሉ ንፓለቲካ ኣጸጊዕና፡ ትም ኢልና። ካብቲ እምነት ዘይብሉ፡ እምነት ከልዎ ካብ ንእግዚኣቢሄር ንሰብ ዘምልኽን ዝፈርሕን ኣበስኡ ይገድድ።  ሞይቱ ከሎ ብዓይንኻ እንራኣኻዮ፡  ሓደ ከጥቅዓኒ ይኽእል’ዩ ትብሎ  “ፈጺሙ ኣይሞተን ትንፋሱ ጥራይ እያ ተሓቢኣ፡ ኪዱ ጥራይ ክትንስእ’ዩ” እንተበለካስ፡ “የለን ሞይቱ’ዩ ንዓ ድኣ እቲ ንሙዉትን ንስድራቤቱን ዝግባእ ንግበር ” ኢኻ ትብሎ እምበር ካብ በልካስ ንስኻ ትፈልጥ ኢልካ ጠንጢንካዮ ኣይክየድን’ዩ።  እዛ ዓለም እዚእ ንጊዚኡ ንነብረላን ንፍተነላን ዓለም’ያ እምበር ንዘለኣኣለም ንነብረላ ኣይኮነንትን። ኣይትጠለም ኣማኒኻ ከይጠልመካ ፈጢርኻ ክብሃል ከሎ፡ ኣይትጥለም ዉላድካ፡ ኣይትጥለም፡ ህዝብኻ፡ ኣይትጥለም ሀገርካ፡ ማለት’ዶ ኣይኮነን?

ክቡራት ኣሐተይ፡ ደቀይ፡ ደቂ ደቀይ ህዝብና ኣብ ወጻኢ ተቀሚጡ’ውን ይዋእ  መኣስ ጢዕምዎ፡ ማኪና እንተዘወርና፡ ኣብ ክሳዕ ንሽምግል ዕድኡ ዘይወዳእ ገዛ እንተተቀመጥና፡ ከም ናይ ዓድና መሲሉና፡ ሕማም እምበር ጥዕና ዘይህብ ጸብሒ ደራውህ እንተጸባሕና ሃብታማት ይመስለና እምበር ኣብ ዓዲ ሃብታማት ዝደኸና ድኻታት ኢና።  ትምህርቲ ቀጺልና  ኣብ ጽቡቅን ህዱእን መነባብሮ ከይንኣቱ፡ ዝበዝሔ ክፋል ሰብና ኣብ ታክሲ ምዝዋርን  ክልተ ስራሕ እንተዘይሰሪሕካ ሸተት እንተበልካ ሸተት ትብለሉ ስራሕ እዩ ዝርከብ ዘሎ። ካብ ዓዲ ዝመጹ ሓካይምን፡ ኢንጂነራታትን  ካልእ ንምዕባሌ ሀገር  ክጠቅም ዝኽእል ተመክሮታት ዝነበሮም፡ ዓዶም ብማዕዶ ሪኦማ እንሆ ሓለውቲ ቤትጽሕፈታትን  ሰራሕተኛታት ጋራጅትን ኮይኖም።  ንሱ ጥራይ ኣይኮነን፡ እቲ ዘለና ትሕዝቶንውን፡ ዓዲ ዘለው ወለድና ክንዕንግል፡ ካብ ሞት ኣድሑኑና ኢሎም ዘእዉዩ ኣሕዋትናን፡ ቤተሰብና ኣሽሓት ክንሰድድን፡ ሬሳ ኣብ ወጻኢ ዝመጹ ንዓዲ ክንሰድድ፡ ቅለቱና ኢልናን ተዓዳዲናን ክንልእኽን ኣብዚ ገደብ ዘይብሉ ምፍጣርካ ዘጽልእ ሓሳረ መከራ ወዲቅና። ብኣታሓሳስባና  ኣብቲ ብ 1991 ታሪኽ ጌይሩ ክድምደም ዝግብኦ ዝነበረ እዋን ገና ዘለና ኮይኑ እስማዓኒ። ናይ መራሕቲ ገድልታት ኤርትራ ቀላጽሞም እንተርኣዩ፡ እቲ ተጋዳልይ ኣብቲ ሓዲ ዉድብ ይንበር ኣብቲ ኻልእ ንሱ’ዩ፡ ድሓር ድማ ከምቲ ናይ ክረምቲ ክዳን፡ ጽቡቅ እኳ እንተኾነን ንሓጋይ ፈጺሙ ዘይከውን፡ ናይ ኩናት ኣመራርሓ ንሰላም ክኽውን ኣይክእልን’ዩ። መራሕቱ ዝሸይምን ዘዉርድን ድማ ህዝቢ’ዩ።

ክቡራት ኣሓተይ ደቀይ ደቂ ደቀይ፡ ነቲ ዝገደደ ዝገደደ ኣለዎ። እዚ ሕጂ ንሪኦ ዘለና ተዋስኦታትን፡ ዉዲት ዓመጽቲ፡ ህዝብታትን ደገፍቶምን ብዘይኣገድስስ፡ ሓዲሽ መራሒ ናይ ኢትዮጵያ ናይ ፖለቲካ እስረኛታት ኢትዮጵያውያን ፈቲሑን ኣብ ደገ ዝነበሩ ተቃወምቲ ድማ ዓድኹም ኣቲኹም ተቃለሱ ምስ በለ፡ መራሒ ኤርትራ  ድማ ከምኡ ክገብርን ኣሸባሪ ሙዃኑ ኣሚኑ ንህዝቢ ኤርትራ ይቅረ በለለይ ክብል’ዩ ዝግብኦ ዝነበረ።  እቲ ህዝቢ ዘይመረጾ፡ ኤርትራ ካብ ናይ ሰላሳ ዓመትት ኩናት ወጺኣ ገና ታተ ከይበለት፡ ካብ መስዋእቲ ዝተረፉ ተጋደልትን፡ ናይ ሳዋ መንእሰያት ናይ ኩናት ተመክሮ ዘይብሎምን ሰዲዱ ምስ፡ ጎረባብትና በዓል ዓደን፡ ሱዳን፡ ጂቡቲ፡ ድሓር ድማ ምስ ኢትይጵያ ጽልእን ኩልናትን ዝፈጠረ፡ ኣብ ሰላም ክነብር ዘይክእል፡  ውርደትን ብኽያትን ጓል ኣንስተይቲ ከም ክብረትን ሰሓቅን ጌሩ ዝወስዶ፡ ደም ሰብ ከም ጸባ ጌይሩ ዝሰትዮ፡ ብናይ ሕቡራት መንግስትታት  መርማሪት ኮምሽን ዝኣክል መርትዖታት ተረኽቡ ኣብ ቤት ፍርዲ ዓለም ገበነኛ ከም ሙዃኑ መጠን ተኪሲሱ ክፍረድ ዝግብኦ፡ ዉልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ግን  እሽምባይዶ ከምኡ ክገብርስ ነቲ ዓው ኢሉ ኣብ ሕምብርቲ ኣስመራ ኮይኑ ንህዝቢ ኤርትራን ንዕኡን መልእኽቲ  ዘማሓላለፈ፡ ታሪኻዊ መጽሓፍ ዝጽሐፈ ጅግና ተጋዳልይ ብርሃነ ኣብርሄ እውን ኣብ ጽባሕ መበል 17 ዓመታት ናይቶም ግቡእኩም ጊርኩም ኢሉ ዝኣሰሮም  ሚንስተሪታት እንሆ ኣሲርዎም።   ንዶክቶር ኣብይ ኣሕመድ ሰላም ምስ ኤርትራ ማለት፡ ንሱ ዝመርሖም ህዝቢ ወደብ ዓሰብ - ብኽራይ ድዩ ብምንታይ ኣይፈልጥን - ክጥቀሙላ፡ ባጽዕ  ናይ ዕረፍቲ ቦትኦም ክገብርዋ፡ ኣብ ኤርትራ ትካላት ክገብሩ ክነግዱ እዩ። እቲ ዘይኢዱ ዝረኸበ፡ ዝተጠልመ ውጹዕ  ህዝቢ ኤርትራ ግን ሰላም እንዳተባህለ ኣብ ዝገደደ ባርነት ኣትዩ ይሳቀ ኣሎ።  ኣብዛ ሰዓት እዚእ ጥራይ’ኳ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ምስ ሕጻናውቲ ደቀን ዝርከብኦ ኤርትራውያን ኣብ  ልብያ ኣብ መንጎ ክልተ ዝዋግኡ ደቂ ዓዲ ዕጾው ቦታ ተዳጉኖም፡ “ንሞት ለሚናያ ኣብያትና፡ በጃኹም ኣሕዋትና ርድኡና፡ ካብዛ ሲኦል እዚኣ ኣውጹኡና” ይብሉ ኣለው።  እቲ ብጓሂ ምዓንጣካ ዘሕርርን ዘሕፍረን ድማ ዶብና ከይጥሓስ፡ ልእላውነትና ከይድፈር ተባሂሉ  ኣብ ክልተ ዓመት ፍርቂ እቲ ኣብ 30 ዓመታት ኩናት ዝጠፍኤ ህይወት ጠፊኡ ከብቅዕ ሕጂ ኣብ ምድማርን ምጉዳልን፡ ተኣትዩ፡ ልኡላውነትና ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ኣብ ምእትዎ ዝኸይድ ዘሎ ይመስል። ሕጂ ብዘይካ ሓቢርና ምቅላስ ካልእ ሓንቲ ምርጫ ፈጺምና የብልናን።  ኣብዛ ሰዓት እዚኣ ውዓል ሕደር ዘይብሉ ደቂ ኣንስትዮ ሓቢርና፡  ምስ ደቂ ተባዕትዮ ኮይንና፡ ተወለድቲ ናይቲ ዘለና ሃገር  ኣታኣውዩና ኢልና ከነእዊ ኣሎና። ሕጂ ሕጂ ዓለም ክትሰምዓና ትኽእል እዚ ኣቀዲመ ዝጠቀስክዎ ኣብ ልብያ ጅሆ ተታሒዙ ዘሎ ህዝብና፡ “ኡይ” ምስ ንብለሉ’ዩ። እዚ ኣውያት እዚ ድማ ነቲ ቅድሚ ሕጂ ዓለም ዝተዛረበሉ ኣውያት ናይቶም ኣብ ሲናይ ዝተሓርዱን፡ በቢግዚኡ ኣብ ባሕሪ መዲተራንያን ከም ባዓል ላምፓዱስ ዝጥሓሉን፡ ከዛኻኽር’ዩ።

 ህዝቢ ኢርትራ ሓቢሩ ንዕላምኡ ቆሪጹ ብፍቅሪ ተኣሳሲሩ፡ ኣነ ክእሰር ንስኻ ህደም፡ ኣነ ክጋድል ንስኻ ኪድ ተማሃር ኣብታ ትመጽእ ሀገር ክተበርክት፡ ኣነ ክስዋእ ንስኺ ጽናሒ ስለ ዝበለን፡ ንስኻትክን ደቂ ኣንስትዮ ብብረት፡ ብጉልበት፡ ብምኽሪ፡ ብገንዘብ፡ ብዘለክን  ትሕዝቶ ስለ ዝተወፈኽን እዩ።  ኣመሪካን ሩስያን ኩባን እናተባራረዩ ዓጢቆሙልና፡ ከንሶም ምስቲ ዋሕድና ከቢድ ዋጋ ዝኸፈልናሉ ነጻነትና ጨቢጥና።  ሕጂ ድማ ዝኾነ እንተኾነ፡ ኣብዚ 27 ዓመታት ኩሉ ዓይነት ስቅያት ይብጻሓና፡ ኣብ ኩሉ ፋሕ ንብል፡ ዝነበረ ጽቡቅ ባህልታት ተዓማጺጹ፡ ዘይነበረ ሕማቅ ባህልታት ንገበን ሸለል ዝብል ይታኣታቶ እምበር፡ ሎሚ ከም ትማሊ ዘይኮነሉ ምኽንያት የለን። ንብርቱዕ ህባብላ ዝተሓወሶ ሓዊ ኣግራብን ገዛውትን፡ ሰብን ዘጥፍእ ብቁሩብ ቅራቦ ማይ ኣይኮነን ዝዕገት፡ እንታይ ድእ ብብርቱ ማይ’ዩ።

  ብኣፍልጦን፡ ብንስሓን ፍቅርን ተንሲእና ካብዚ ዘለናዮ ሰይጣናዊ ባዕዳዊ ኣጋዛዝኣ፡ ድኽንደትን ድንቁርናን ዝሕመረቱ ወጺእና ዝጠፍኣና ክብርና ክንመልስ ቆሪጽና ክንትስእ ኣለና።  ካልእ ምርጫ የብልናን። ክንዕወት ኢና ኢልና ከም ቀደምና ንእመን፡ እቲ ቅድሚ ሕጂ ነጻነትና ክንረክብ ዝሓገዘና ህያው ኣምላኽ ሕጂ’ውን ህያው’ዩ።

ኢሳይስ ኣፈወፍቂ ዝገብሮ ዘሎ ንሪኦ ኣለና፡ ኣይንትዓሾ ጊዜ ኣይንሃቦ። ኣደ ውላዳ ኣይትርድብርን እያ፡ ‘ንርስቲ ይዋጋኣላ ኣንስቲ” እውን ይባሃል’ዩ።   ወላዲት ንውላዳ’ያ ትነብር እግዚኣቢሄር ዝሓባ ሓላፍነት ድማ እዩ። እቲ ርስቲ ድማ ርስታ፡ ርስቲ ደቃ’ዩ።

ዘረባይ ንሕጂ ኣብዝኣ ክዓጹ’ዩ፡ ዘለኣለማዊ ክብርን ምስጋንና  ንዑኡ ንኣምላኽና  ይኹን። ኣሜን።

የቀንየለይ

ኣበባ