Source StylesFormatFontSize

"እቲ ናይ ቄሳር ንቄሳር"
~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~
ደምበ ተቓውሞን ህግደፍን ተመላላእቲ እምበር ተጻረርቲ ኣይኮኑን√√√
==============================
ሓደ ፖሎቲካዊ ጥርናፈ፡ ብፍላይ ድማ በትረ ስልጣን ናይ ሃገር ዝሓዘ ሓይሊ፡ ባዕሉ'ዩ ፈተውቱን ጸላእቱን ዝፈጥር። ንደምበ ተቓውሞ ይኹን ንህዝቢ ኤርትራ ጸላኢ ህግደፍ ንክኸውን ዝሰረሐ፡ እቲ ኣንጻር ፍትሕን ሰላምን ህዝቢ ኤርትራ ዘትከለ ህግደፍ'ዩ። ባህልን ወግዕን ሕብረተሰብ ብበረኻዊ ልምድታት ዓብሊልዎ። ፈሪሃ እዝግሄርን ሃይማኖታዊ ክብርታትን ህዝቢ ብተመልከተለይ ኣዕንዩ። ምንጪ ቁጠባ ህዝቢ ኤርትራ፡ ጫዂሩ ዝነረላ ናይ ሕርሻን መጋሃጫን መሬቱ ኢያ። ህግደፍ ግን፡ "መሬት መሬት መንግስቲ" ኢሉ ንሃገር ምልእቲ ብዘይ ንሕስያ ገቢቱ። እኽሊ ሓረስቶት ካብ ዓውዲ ናብ ህግደፍ ዝግዕዘሉ እዋን በጺሑ። ንጤለ-በጊዕ ከይተረፈ ግብሪ ኣኽፊሉ።

በዝን ኪኖዝን፡ ህግደፍ ንህዝብን መሬትን ኤርትራ ናብ ጸላእቱ ቀይርዎም። ክንዲ ዝኾነ ክኣ ህዝብን ህግደፍን ዝነበሮም ናይ ወላድን ውሉድን ዕትብቲ ይኹን ህዝባዊ እምነትን ተስፋን ተበቲኹ። በዚ ድማ ህዝባዊ ሰረቱ ተማሕዩ። ወተሃደራዊ ማሓውር ህግደፍ ብሚሒር ጭቆና ምስ ሰራዊቱ ሕቖን ከብድን ኮይኖም። ምስ ናይ ውሽጥን ወጻእን ዲፕሎማስያዊ ልፍንቲታቱ በቲኽዎ'ዩ። ቁጠባዊ ኣካላት ህግደፍ ክለምሱ ዝሰረሐ ውን ባዕሉ'ዩ። እዚ ኩሉ ድማ ውጽኢት ፖሎቲካዊ ፍልስፍና ህግደፍ ኣብ ሰላም ከነብር ዘይክእል መፈጠር ስለ ዘለዎ'ዩ። ህግደፍ በዚ ኩሉ ምኽንያታት ንገዛእ ርእስይሱ'ኳ ንኸይ ነብር ሰሪሑ'ዩ። ደምበ ተቓውሞ ድማ ነዚ ኩሉ ዕድላት ተቐቢሉ ስለ ዘባኸኖ ህግደፍ ሂወት ሶዂዑ ትልኽ ንክብል ሰሪሑ'ዩ። ህላወ ህግደፍ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሱ ፖሎቲካዊ ሞቖምያታት ዝተተኸለ ዘይኮነስ፡ ደምበ ተቓውሞ ውጽኢት ውደብኡ ልዕሊ ንደምበ ተቓውሞ ንህግደፍ ዘርብሕ ብምዃኑ'ዩ። ህግደፍ ንረብሓ ደምበ ተቓውሞ ክውዕል ዝኽእል፡ ኩሉ መዳያዊ ሃብቲ ኣሕሊፉ ንደምበ ተቓውሞ ሂብዎ'ዩ። ደምበ ተቓውሞ ግን ናብ ረብሓ ቃልሱ ከውዕሎ ኣይከኣለን። በዚ ድማ ህግደፍ ንኽቕጽል መሰረታዊ ዋሕስ ኮይኑዎ'ዩ ደምበ ተቓውሞ።

ህግደፍ ንደምበ ተቓውሞ  ካብ ህዝቢ ዝዓቢ ወገን ክኾኖ ዝኽእል ደጀን ክፈጥረሉ ኣይክእልን'ዩ። ኣብ ሑቑፊ ህዝቢ ተዓቚቡ ኣንጻር ህግደፍ ከቃልስ ዘኽእል ዕድል ብገዛእ ኢዱ ኣርሕይሉ'ዩ። ይኹን እምበር ደምበ ተቓውሞ ኣብ ክዲ ኣብ ከርሲ ምድሪ ኤርትራን ኣብ ክንዲ ኣብ ሕቕፊ ህዝቢ ኤርትራን ኮይንካ ምቅላስ፡ ሰውራ ስደት ከካይድ ሓርዩ። ምስ ህዝቢ ብቐጥታ ንክራኸብ ብህግደፍ ንዝኸፈተሉ ዓቢ ዕድል ኣይተጠቐመሉን። ዝምድና ህዝብን ደምበ ተቓውሞን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ተሓጺሩ ተሪፉ። ዘነይት ምትእስሳር ምስ ህዝቢ ክገብር ውን ኣይበቐዐን።

ደምበ ተቓውሞ ብባህሪ ደረጃ ፍላይማንታ ህግደፍ ብምዃን፡ ሕቶ ህዝቢ ክምልስ ዓቕሚ ሲኢኑ። ህዝቢ ድማ "ኩሎም ሓደ" ኣብ ምባል ወዲቑ። ወረ ልዕሊ ደምበ ተቓውሞ ንህግደፍ ዘጉንዕ ክፋል ሕብረተሰብ ውሑድ ኣይኮነን። ህዝቢ ካብ ህግደፍን ደምበ ተቓውሞን ተስፋ ቆሪጹ። ኣብ ስደት ብዘይ ተወደበ መልክዕ ንንውሕ ዝበለ ዓመታት ሰለማዊ ሰልፊ ብምክያድ ንህግደፍ ተቓሊስዎ። ኣብ ውሽጢ ድማ ከም ኣብ ዓዲ ቐይሕን ኣኽርያን ካልእን ዘጋጠመ ህዝባዊ ማዕበል ኣበጊሱ። ደምበ ተቓውሞ ግን ንዝተላዕለ ህዝባዊ ማዕበል ተቐቢሉ ኣብ ጎድኒ ህዝቢ ምህላዉ ብግብራዊ ቃልሲ ኣየረጋገጸን። ውጽኢቱ ድማ እቲ ብዘይተወደበ መልክዕ ዝተላዕለ ህዝባዊ ማዕበል ከይተዓወተ ተሪፉ። ህዝቢ ድማ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ተስፋ ቆሪጹ። እዚ ድማ ደምበ ተቓውሞ ህግደፍ ንኸይዓኑን ኣብ ህላወ ጭቆና ህዝቢ ኤርትራ ሱር ንኽተክልን ዕድል ከፊቱ።

ህግደፍ ምስ ኩለን ጎረባብቲ ሃገራት ኲናት ወሊዑ ናብ ጸላእቱ ቀይርወን። ንደምበ ተቓውሞ ድማ ብቐጥታ ምስ ጎሮባብቲ ሃገራት ንኽዛመድ ዘኽእሎ ዕድል ከፊትሉ። ህዝባዊ ሰረት ደምበ ተቓውሞ ኣብ ስደት ከስፋሓሉ ዝኽእል ባይታ ረኺቡ። ምስ ህዝቢ ኤርትራን ጎረባብቲ ሃገራትን ተዛሚዱ ናይ ፖሎቲካ፡ ዲፕሎማስን ቁጠባን ጸጋታት ክረኽበሉ ዝኽእል ረሓ ዕድል ጎኒፍዎ። እዚ ኩሉ ህግደፍ ባዕሉ ጸላእቲ ፈጢሩ፡ ንደምበ ተቓውሞ ኣሕሊፉ ዝሃቦ ጸጋታት ቃልሲ'ዩ። ደምበ ተቓውሞ ግን ናብ ረብሕኡ ናይ ከውዕሎ ብቕዓት ሲኢኑ።

ህግደፍ ንሰለማዊ ናብራ ኣይጻወርን'ዩ። ብሰንኪ'ቲ ኣብ ኲናት ናይ ምንባር ባህሪኡ ድማ፡ ሃገራውን ዞባውን ጸላእቲ ኣብዚሑ። ምምስራት ጽላል ሰንዓ-ፎርም ናይዚ ውጽኢት'ዩ። ሰንዓ-ፎርም ናይ መንግስታት ሱዳን፡ የምን፡ ኢትዮጵያን ልፍንቲ'ዩ።  እዚ ዕድል'ዚ ደምበ ተቓውሞ ባዕሉ ፖሎቲካውን ዲፕሎማስያውን ቃልሲ ኣካይዱ ዝፈጠሮ ኣይኮነን። ይኹን እምበር እቲ ንዝረኸቦ ዕድል ንረብሓ ህግደፍ ዝመልስ ደምበ ተቓውሞ፡ ነዚ ውን ናብ ረብሕኡ ኣየውዓሎን።

ኣብ ምሕዝነት ሰንዓ-ፎርም ካብ ባህርያት ህግደፍ ተገዲደን ዝተጠርነፋ ሱዳንን የመንን፡ ብሰንኪ ሕመቕ ደምበ ተቓውሞ በብግዚኡ ኣብርክቶኣን ካብቲ ጽላል ስሒበን። መንግስቲ ሱዳን ኣብ ልዕሊ'ቲ ካብ ቃልሲ ዝቦኾረ ደምበ ተቓውሞ፡ ተስፋ ቆሪጹ። ንኣብ ኲናት እምበር ኣብ ሰላም ክነብር ዘኽእል መፈጠር ንዘይብሉ ህግደፍ ብምምራጽ ዝምድንኡ ምስ ህግደፍ ኣማሓይሹ። ንደምበ ተቓውሞ ድማ ምእንቲ ንህግደፍ ከፍቱ፡ ካብ ሱዳን ጠቕሊሉ ሰጒጉዎ። ደምበ ተቓውሞ ካብዚ ስዕረት'ዚ እኳ ክመሃር ኣይከኣለን።

ህግደፍ ኣብ ጉዳይ ካልኦት ሃገራት ብዝሓዞ ፖሊሲ፡ ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ተኣጊዱ። ናይ ቁጠባን ወተሃደራዊ ዕድግን ከየንቀሳቕስ ተኸልኪሉ። ብዲፕሎማሲን ፖሎቲካን ካብ ዓለም ተነጺሉ። ደምበ ተቓውሞ ነዚ ዝኣክል ዕድል ናብ ረብሓ ቃልሲ ንከውዕሎ ኣይተዓጥቀን። ኮርተገልበጥ ደምበ ተቓውሞ እቲ ንህግደፍ ዝተገብረሉ እገዳ፡ "ኣንጻር ህዝቢ ኤርትራ ዝተኣለመ ሽርሒ'ዩ" ኢሉ ክውንጅሎ ግዜ ኣይወሰደሉን።

ኩለን ሃገራት ዓለምን ኣህጉራውያን ውዳበታትን ብመገዲ ኤምባሲታተን ኣቢለን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተወኪለን ኣለዋ። ሕብረት ኣፍሪቃ እሞ ክኣ ብዓንዳ ርእሱ ማእከሉ ኣዲስ ኣበባ ኢዩ። ህግደፍ ምስ ኢትዮጵያ ብዝወለዖ ግርጭት፡ ደምበ ተቓውሞ ኣብ ርእሰ ከተማ ኣፍሪቃ ዝኾነት ኣዲስ ኣበባ ክዕቆብ ዕድል ረኺቡ።  ክንድ'ዚ ዝኣክል ጸጋ ከይበቐቐ ህግደፍ ብሳላ ጸረ ሰላም ሞቦቆሉ ንደምበ ተቓውሞ  ኣሕሊፉ ሂብዎ'ዩ። ውድባትና ግን ኣብ ረብሓ ቃልሲ ኣየውዓለኦን።

ህግደፍ ምስዚ ኩሉ ኣብ ሰላም ክነብር ዘይክእል መፈጠሩ ክቕጽል ዝገበሮ ቀንዲ ምኽንያት ሕመቕ ደምበ ተቓውሞ'ዩ። እዚ ሕጂ ክረኽቦ ዝኽእልን ዝረኽቦ ዘሎን ናይ ዲፕሎማስያዊ፡ ፖሎቲካው፡ ቅይጠባውን ህዝባውን ደገፋት ውን ባዕሉ ሰሪሑ ዘጸምጽኦ ዘይኮነስ፡ ምስ ስንፍና ደምበ ተቓውሞ፡ ኢትዮጵያ ምስ ህግደፍ ብዝፈጠረቶ ጻውዒት ሰላም ዝረኸቦ ለውጢዩ።

ኣብ ቃልሲ ሓይልካ ድኣ ምበር ሚዛናዊ ሓይሊ ሒዝካ ምዕዋት ኣይክኣልን'ዩ። እንተ ዘይሓይልካ ብዝሓየለ ትስዓር። ህግደፍ ኣብ ገዛእ ርእሱ "ፖሎቲካዊ ነብሰ ቕትለት" ክባሃል ብዝኽእል ዓቐን ንደምበ ተቓውሞ ዝሃቦ ዕድላት እልፊ'ዩ። ኣብ ደምበ ተቓውሞ ግን ሓያል መሪሕ ውድብ ክፍጠር ኣይተኻእለን። ብኣንጻሩ'ኳ ድኣ ደምበ ተቓውሞ፡ንባህርያት ህግደፍ ከምዘለዎ'ዩ ተላቢስዎ። ክልቲኦም ኣንጻር ህላወ ገዛእ ርእሶም ዝቃለሱ ሓይልታት ኢዮም። ክልቲኦም ውን ጸረ ህዝብን ዲሞክራስን ኢዮም። ኩሎም ድምጺ ህዝቢ ሰሚዑ ቅኑዕ ምላሽ ዝህብ ዓይነ ልቦናኦም፡ ካብ ንቡር ናይ ሰብ-ኣውነት ሕልና ወጻኢ ኢዩ ኣቃውምኦም።

ልዕሊ ንቡር ብዝሒ ቁጽሪ ደምበ ተቓውሞ፡ ካብ ህዝብን ሰንዓ-ፎርምን ደገፍ ክረክብ ኣጸጋሚ ይገብሮ'ዩ። ሳላሳ ውድባት እንተ ሃልዮም፡ ሳላሳ ኣቦ ወምበራት፡ ሳላሳ ናይ ወተሃደራዊ ቤ/ጽሕፈታት፡ ሳላሳ ናይ ቁጠባ መራሕቲ፡ ስላሳ…ሳላሳ…ሳላሳ ……ናይ ውድባት ማሓውር ኣለው ማለት'ዩ። ዋላ'ኳ ንኽትሕግዝ ዓቕሚ ዘድሊ እንተኾነ፡ እቲ ዝሕገዝ ውን ንኽሕገዝ ብቑዑ ዝኾነ ተሓጋዚ ኣካል የድልዮ'ዩ። ደምበ ተቓውሞ ካብ ሰንዓ-ፎርም ይኹን፡ ካብ ህዝቢ ክሕግዝ'ዩ ዝደሊ እምበር፡ ንኽሕገዝ ብቑዕ ዝኾነ ኣቃውማ የብሉን።

ውድባት ደምበ ተቓውሞ፡ ንሓደ ፖሎቲካዊ ንድፈ-ዕዮ ብዘይ ምኽንያት ተጎጃጂለን ዝሓዘኦ ዘይምኽንያታውያን ውድባት ኢየን። ንብሄራዊ መደብ ዕዮ ዝተሰከማ ብሄራውያንን ሕብረ-ቢሄራውያንን ውድባት፡ ስትራተጂካዊ ግምባር ክምስርታ ዓቕሚ ኣየጥረያን። እቶም ብፖሎቲካዊ ኣረኣእያ ፍላይ-ማንታ ህግደፍ ዝኾኑ ውድባት፡ ህግደፍ ዘይኮነ ቀዳማይ ጸላኢኦም፡ እቲ ንዕኦም ዝመስል ውድብ ምዃኑ ብግብሪ ዝርኣ ሓቂ'ዩ። እቶም ጃሃዳውያን ውድባት፡ ልዕሊ ህዝብን ውድባትን ኤርትራ፡ ምስ ኣብ ሶርያን ግብጽን ዘለው ኣኽረርቲ ጉጅለታት ናይ እስልምና'ዩ ጉንዖኦም።

መሪሕነታት ደምበ ተቓውሞን ህግደፍን ብማዕረ ዝልለይሎም ባህርያት፡- ኩሎም በትረ-ስልጣን ምስ ሓዙ ምልቃቕ የለን። ከውርሱ ዓቕምን ድሌትን ዘይብሎም ክንሶም፡ ድኻሞም ንምሕባእ፡ ኣጻብዕቶም ናብቲ ተማላሊኦም ዘጽንትዎ ህዝቢ ብፍላይ ከኣ መንእሰይ ወለዶ የዋጣውጡ። ሓንቲ ውድብ ኮይኖም ጀሚሮም፡ ናይ ዕላማን ራእን ፍልልይ ዘይብሎም ክንሶም ፋሕ ይብሉ። ኣባላት መሰረታቶምን መሪሕነታትን ጠንጢኖሞም ይስደዱ።

ኣብ ህግደፍን ደምበ ተቓውሞን፡ ናይ ሃይማኖት፡ ናይ ኣውራጃ፡ ናይ ቢሄር፡ ናብ ባዓል ስልጣን መንቀረበን ረብሓታቱን ዝፈጥሮ ጎንጽታት መለለይኦም'ዩ። ብፍላይ እቶም መሪሕነታት ድማ ኣብዘን ድሕረታት እዚኣን ጥራይ ኢዮም ዝነብሩ። ኣብ ጉባኤን ሰሚናርን ምስ ተኣከቡ፡ ንሓሳብ ብሓሳብ ዘይኮነስ፡ ንሓሳብ ምስ ወሃቢ ሪኢቶ ዝኾነ ሰብ (ውድብ) ብምንጽጻር ወትሩ ኣብ ባእስን ጸረ ዲሞክራስን ይነብሩ።

ህግደፍን ደምበ ተቓውሞን፡ ክልቲኦም ኣብ ገዛእ ርእሶም ኣይተኣማመኑን ኢዮም። ደምበ ተቓውሞ ባዕሉ ከዐውቶ ንዝግበኦ ቃልሲ፡ "ሱዳን መቃለሲ ባይታ ከልኪላትና። ካብ ሃገራ ጠቕሊላ ሰጒጓትና። ወያነ ድማ ከም ልብና ምንቅስቓስ ከሊኣትና። ምስ ህዝብና ከይንራኸብን ንህግደፍ ከይንሃርምን ኣየፍቀደትልናን" ይብሉ። ህግደፍ ንህዝብን መሬትን ኤርትራ ብገዛእ ፍታው ናብ ጸላኢ ቀይሩ ንደምበ ተቓውሞ ሂብዎ ክነሱ፡ ደምበ ተቓውሞ ምስ ህዝቢ ክራኸብን ንህግደፍ ከወግድን ፍቓድ ናይ ወያነ ይኹን መቃለሲ ባይታ ናይ ሱዳንን ኢትዮጵያን ተኸሊኣ ዝብል ምኽንያት መቸም ታሪኽ ይሰንዶ!

ህግደፍ ክኣ "ስሉሳዊ ኪዳን ብምፍጣር ብስርዓት ወያነ ዝዝወር ናይ ሱዳንን የመንን ኢትዮጵያን ተጻብኦታት ኣጋጢሙና።" ይብል። ክልቲኦም ወያነ ብሰንኪ ኣብ ባድመ ኮፍ ምባላ ሽግር ኤርትራ ምፍታሕ ከም ዝኣበየ ይኣምኑ። ህግደፍን ደምበ ተቓውሞን ተመላላእቲ እምበር ተነጻጸግቲ ኣይኮኑን።

ህግደፍ ንደምበ ተቓውሞ፡ ምሁራት፡ ፖሎቲከኛታት፡ ተማሃሮ፡ ሙኩራት ወተሃደራት፡ ኣዘዝቲ ሰራዊት፡ ኣብረርቲ ነፈርቲ፡ ሓካይም፡ ስፖርተኛታት፡ ስነ ጥበባውያን፡ ዓቀብትን መውረስትን ባህልን ልምድን ናይ ሕብረተሰብ፡ ሓረስቶት፡ ሸቃሎ፡ ጋዜጤኛታት፡ ኮታስ ካብ ኩሉ ጾታ፡ ካብ ኩሉ ሃይማኖት፡ ካብ ኩለን ቢሄራትን ከባብን ካብ ኩሉ ዓይነት ሞያ ዘለዎም ሰባት፡ ናብ ጸላእቱ ቀይሩ ንደምበ ተቓውሞ ሂብዎ። 
ደምበ ተቓውሞ ድማ፡ እዚ ኩሉ ጸጋታት ናብ ቃልሲ ጸረ ህግደፍ ንኸይ ውዕል ንብሙልኣን ናይ ህግደፍ ጠባያት ደጊሙ ካብ ቃልሲ ቦዂሩ። በዚ ምኽንያት'ዚ ህግደፍን ደምበ ተቓውሞን ተመላላእቲ እምበር ተነጻጸግቲ ኣይኮኑን።

ሓቂ'ዩ ወጽዓ የቃልስ ንቕሓት ድማ የዐውት'ዩ። ደምበ ተቓውሞ ኣካል ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ'ዩ። ይኹን'ምበር ጨቋኒኡን ወጽዕኡን ብንቕሓት ከለሊ ኣይከኣለን። ንቑሕ ዝኾነ ሓበራዊ ቃልሲ ከካይድ ኣይበቐዐን። ስለ ዝኾነ ድማ ካብ ህግደፍ ዝፈሊ ዘይብሉ ክንሱ፡ ኣንጻር ህግደፍ ዝተወደበ'ዩ። ንሃይማኖታዊ ዕብለላን ብሄራውን ኣውራጃን ልዕልና ከረጋግጽ ብረት ዝዓጠቐ ሓዋዊሱ ዝጠርነፈ'ዩ ደምበ ተቓውሞ።

ሽግር ኤርትራ ህግደፍ'ዩ። ኣብ ኤርትራ ሱር ነቀል ለውጢ'ዩ ዘድሊ። ዝዕረቕ ይኹን ዝጽገን ሽግር ኣብ ኤርትራ የለን። ሽግር ኤርትራ መሰረታዊ ለውጢ'ዩ ዝደሊ። ህግደፍ ዋላ ውን ቅዋም የተግብር፡ እሱራት ይፍታሕ፡ ፖሎቲካውያን ሓይልታት የፍቅድ፡ ምርጫ የካይድ ብዘየገድስ፡ እዚ ጥራይ ኣብ ኤርትራ ምሉእ ሰላም ከረጋግጽ ኣይክእልን'ዩ። ህግደፍ ነዞም ዝተጠቕሱ (ኣየተግብሮምን'ዩ) ግን ዋላ እንተ ኣተግበሮም ተዛማዲ ለውጢ ደኣምበር ውሕስነት ዘለዎ ሰላም ክረጋገጽ ኣይክእልን'ዩ። ምኽንያቱ ኩሉ ቅዋም ዘለዎ፡ እሱራት ዝፈትሕ፡ ተቓወምቲ ሰልፍታት ዘፍቅድን ምርጫ ዘካይድን ስርዓት፡ ፍትሓውን ሰለማውን ከም ዘይኮነ ኣብ ኣፍሪቃና ጥራይ ምዕዛብ እኹል'ዩ። ህግደፍ ድማ ብመሰረቱ ካብ ኣብ ኲናት ወጻኢ ኣብ ሰላም ክነብር ዘኽእል ሞቦቆል የብሉን።

መራሕ መንግስቲ ናይ ሃገር ምዃን፡ ላዕለዋይ በትረ ስልጣን ናይ ሃገር ምሓዝ ኣይኮነን። መንግስቲ ማለት መሰረቱ ስርዓት'ዩ። ላዕለዋይ ባዓልስልጣን ሃገር ህዝቢ ምዃኑ ብግብሪ ምትግባር'ዩ። ሕገመንግስቲ ምቋም ፖሊሲ ምሕንጻጽ፡ ፍትሓዊ ምርጫ ምካያድ ተወካልነት ህዝቢ ምሓዝን ካልኦትን እዮም መለለይ መንግስቲ። ህግደፍን ደምበ ተቓውሞን ነዚ ዝበቅዕ ሞራልን ንቕሓትን የብሎምን። ጎሮባብቲ ሃገራት ከም መንጠሪ ባይታ ቃልሲ ናይ ደምበ ተቓውሞ ዝኾናሉ ምኽንያት ተጸንቂቑ'ዩ።

እታ ቅንዕቲ ህዝባዊ ቃልሲ ትውለደላ መድረኽ ሕጂ'ያ!! ካብ ህዝቢ ወጺኡ ምስ ህዝቢ ተወሃሂዱ ህዝባዊ ሓርነት ከረጋግጽ ዝቃለስ ህዝባዊ ውደባ ዝፍጠረሉ ግዜ በጺሑ ኣሎ። ብውሽጥን ስደትን ደገፍ ናይ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ተወሃሂድዎ፡ ካብ ማእከል ደምበ ተቓውሞ ዝወጽእ ብኣጻብዕ ዝቑጸር ገስጋሲ ሓይሊ ክህሉ'ዩ። ንሱ ድማዩ ምስ ናይ ውሽጥን ስደትን ህዝቢ ተላፊኑ ዝዕወት!!

ጸጋይ ኣስመሮም