"ዓሰብ ናብ ኢትዮጵያ ትመለስ" ኣብ ዘተ ኣዲስ ኣበባ ልኡኽ ጉጅለ ህግደፍ ነዚ ክምልስ ብቕዓት ኣለዎ'ዶ?

"ወደብ ዓሰብ ናይ ኢትዮጵያ ኢዩ! ዓሰብ ምስ ናጽነት ኤርትራ፡ ኣካል ኤርትራ ኮይና ካብ ኢትዮጵያ ክትፍለ ዝገብር ሕጋዊ ደገፍ ዝህቡ ውዑላትን ሰነዳትን የብሉን። ወያነ ንናጽነት ኤርትራ ብምድጋፍ፡ ሕጋዊ መንግስታዊ ትካል ከይ ሰረዐ (መሰጋገሪ መንግስቲ እንከሎ)፡ ኤርትራ ካብ ወላዲት ኣዲኣ ኢትዮጵያ ክትግንጸል ሰሪሑ። ወደብ ዓሰብ ድማ ካብ ኢትዮጵያ ነጺሉ ንኤርትራ ኣሕሊፉ ሂብዋ። በዚ ምኽንያት ድማ ወያነ ሃገራዊ ክሕደት ፈጺሙ። ንሉኡላውነት ኢትዮጵያ ጊሂሱ።" ዝብል መርገጺ ዘለዎም ፖሎቲከኛታት ኢትዮጵያ፡ ንናጽነት ኤርትራ ዘይኣምንሉን ኣንጻር ሉኡላውነት ኤርትራ ዝቃለሱን ግን ድማ ኣብ ኤርትራ ዝዓስከሩን ኣለው።

እዞም ውድባትን ውልቀ ሰባትን፡ እቶም ብመንግስቲ ኢትዮጵያ "ሓይልታት ግብረ ሽባራ" ተባሂሎም ዝተኸሰሱን፡ ናይ ሞት ፍርዲ ዝተወሰነሎምን ኮይኖም፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ግን ምሉእ ምሕረት ተጌሩሎም ናብ ኢትዮጵያ ተመሊሶም ማሕበራውን ፖሎቲካውን ቃልሶም ከካይዱ ፍቓድ ዝተዋህቦም ኢዮም።

ንኤርትራ ከም መቃለሲ ባይትኦም ሒዞም፡ ኣንጻር ሉኡላውነት ኤርትራ ዝተወደቡ፡ ከም ብዓል ጉምቦት ሸውዓተን ቅንጅትን ውልቀ ሙሁራንን ፖሎቲከኛታትን "ዓሰብ ኣካል ኤርትራ ኣይኮነትን። ናብ ኢትዮጵያ ክትምለስ ኣለዋ። ነዚ ውን ሕጋዊ መርትዖታት ኣለና።" ዝብልዎ ብምትንታን፡ ኣብ ዘተ ሰላም ልኡኽ ህግደፍ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ናይ "ክልዓል ኣለዎ!" ዝብል ሓሳብ ይህቡ ኣለው። እቲ ዝርዝር ጭብጥታቶም እዚ ዝስዕብ'ዩ።

#1 ግጭት ዶብ ኢትዮ-ኤርትራ ንምፍታሕ፡ ኣብ ናይ ኣልጀርስ ስምምዕ መበገሲ ዝኾኑ ዉዑላት፡ ናይ 1900 / 1902 / 1908 ኣብ ሞንጎ ሃጸይ ምንሊክን ጥልያንን ዝተገብሩ ውዑላት ኢዮም ኔሮም። ሃጸይ ምንሊክ ነዞም ዉዑላት ዶብ ክፍርመሎም እንከሎ ብጸቕጢ ተገዲዱ'ዩ ፈሪምዎም። እቲ ምኽንያት ድማ፥-

"እንግሊዝ ኣብ ብሱዳን። ፈረንሳይ ብጅቡቲ፡ ጣልያን ብሶማል ኮይነን ተጽዕኖ ብምፍጣር፡ ብዘይ ፍታዉን ከይ ኣመነሉን'ዩ ሃጸይ ምንሊክ ንዉዑል ዶብ ክፍርመሉ ተገዲዱ። ሓደ ሰብ ድማ ተገዲዱ ንዝፈረሞ ተሓታቲ ኣይኮነን።"

#2 "ኣብ 1947 ውዱብ ሑቡራት ሃገራት ነዞም ዉዑላት እዚኣቶም ጢሒስዎም ኢዩ። ምኽንያቱ ኢጣልያ ድሕሪቲ ዉዑላት ምፍርራማ ንኢትዮጵያ ወሪራታ። ው/ሕ/ሃገራት ድማ ነቲ ውዑል ኣፍሪስዎ። ስለዚ እቲ ውዑል ዝፈረሰ ክሳብ ዝኾነ ብዝፈረሰ ውዑል ድማ ሕጋዊ መወከሲ ክትገብሮ ኣይክኣልን'ዩ።"

#3 ጥልያን ውን ንገዛእ ርእሳ፡ ድሕሪ ስዕረታ ንዝፈረመቶም ዉዑላት ሙሉ ብምሉእ ሰሪዛቶም ኢያ። በዚ መዐቀኒ ውን እቲ ውዑል ዋጋ ከምዘይብሉ ምርግጋጽ ይከኣል።"

#4 ናይ ሽዑ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ 1952 ዓ/ም፡ ኣብ ነጋሪት ጋዜጣ ዝተኣወጀ ብሕጊ ናይ ኢትዮጵያ እዞም ዉዑላት ምፍራሶም ብወግዒ ተገሊጹ'ዩ።" እዚ ውን እቲ ውዑል ከም ዝሞተ ዘረጋግጽ'ዩ።"

#5 "ስለዚ ናይ ኣልጀርስ ስምምዕ ኣብ ዝፈረሰ ዉዑል ተሞርኪሱ'ዩ ውሳነ ሂቡ። እዚ ድማ ሕጋዊ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ኣብ ዝተጣሕሰ ሕጊ ተሞርኲሱ ውሳነ ምሃብ ሕጋውነት የብሉን። ሕጊ ጢሒሱ ዝተገብረ ስምምዕ ድማ ዋጋ የብሉን።"

#6 ኣብ 1964 ናይ ካይሮ ስምምዕ፡ ሓደ ኣብ መግዛእቲ ዘሎ ሃገር ነጻ ክወጽእ እንከሎ፡ ዝሓዞ ቦታ ሒዙ'ዩ ነጻ ዝወጽእ ኢዩ ዝብል። ኤርትራ ነጻ ክትወጽእ እንከላ ድማ ዓሰብ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሳ ምምሕዳር (ራስ ገዝ) ኢያ ኔራ። ዓሰብ ኣካል ኤርትራ ኣይነበረትን። ስለዚ ኤርትራ ናጽነታ ክትረክብ እንከላ ዓሰብ ኣካል ኤርትራ ኮይና ካብ ኢትዮጵያ ክትፍለ ዝገብር ሕጋዊ ምኽንያት የብላን። እዚ ድማ ደጊምና ክንሰርሓሉን ዝተመንዛዕናዮ ኣፍደገ ባሕና ናብ ኢትዮጵያ ሃገርና ክንመልሶ ዘኽእል ሕጋዊ መሰላትን ውዑላትን ኣለና።

#7 ኮምሽን ዶብ ኢትዮ-ኤርትራ ናይ ኣልጀርስ፡ ኣብ ወረቐት ንዝሰፈረ ስምምዕ፡ ኣብ ባይታ ሸኻል ብምትካል'ዩ ስርሑ ከጽፍፍ ዝግብኦ። ይኹን እምበር ብሰንኪ ሻዕብያ ተጣሒሱ'ዩ። ኮምሽን ዶብ ብሰንኪ ሻዕብያ ናይ ጸጥታ ስግኣት ስለ ዘጋጠሞ ስርሑ ከይወደኣ ገዲፍዎ ወጺኡ። እቲ ስምምዕ ብተደጋጋሚ ብሻዕብያ ፈሪሱ'ዩ። ስለዚ ስምምዕ ኣልጀርስ ውን ተቐባልነት የብሉን። ሻዕብያ ባዕሉ ብዝጠሓሶ መሰረት ስምምዕ ኣልጀርስ ፈሪሱ'ዩ። ከም ባሓዱሽ ኣብ ስምምዕ (ድርድር) ክእቶ ኣለዎ።

#8 ኣቐዲሙ ወያነ ብዝገበሮ ሃገራዊ ክሕደት ዝፈጠሮ ክሳራ፡ (ዓሰብ ናብ ኤርትራ ኣሕሊፉ ብምሃቡ) ንዝተኸሰረ ምግሃስ ሉኣላውነት ኢትዮጵያ፡ እሞ ድማ ኣብ ትሕቲ ዝፈረሱ ውዑላትን፡ ሻዕብያ ብዝጠሓሶ መስርሕ ዘይ ምጽፋፍ ውዑል ኣልጀርስን ተመርኲስካ፡ ከም ብሓዱሽ ጉዳይ ዓሰብ ክልዓል ኣለዎ። እንተ ወሓደ ድማ፡ ዓሰብ ናይ ኢትዮጵያን ኤርትራን ሉኡላዊት ወደብ ኮይና ክትቅጽል ዘኽእል ንክልቲኡ ሃገራት ዘርብሕ ስምምዕ ክብጻሕ ይኽእል'ዩ።" ዝብል ሞጎት የቕርቡ ኣለዉ ኢትዮጵያውያን ፖሎቲከኛታት።

ኣብዚ ውልቃዊ እምነተይ ከጽንዕ!! ንፍጹም ናተይ ዝኾነ ወላድየይን ሓወይን ህዝቢ ትግራይ ኣግሊሉ፡ ንዓይ ካብ ሽዋ ናብ ኤርትራ ተመጣጢሩ ክሓቑፈኒ'ዩ።" ኢለ "ንደመር" ስለ ዝተባህለ ደምበርበር ዘብል የብለይን! ህግደፍን "የማሃል ኣገር ሰው"ን ንትግራይ ጎስዮም ንኤርታራ ሰላም ዎ ፍቕሪ ክህቡ ኢዮም ኢለ ብቐሊሉ ክግራህ ዝኽእል ኣብዲ ኣይኮንኩን!! ኣንጻር ህዝቢ ትግራይ ዝለዓል ጸላእየይ ምዃኑ ካብ ዋላሓደ መረዳእታ ኣይደልየሉን'የ። ኣብትሕቲ ዝኾነ ይኹን እዋን ድማ ኣብ ጎድኒ ህዝቢ ትግራይ ክስለፍ'የ! ምኽንያቱ ኣነ ኣብ ዓለም ምሉእ ባህለይ፡ ቋንቋይ፡ ድሕረ-ባይታ ታሪኸይ፡ ቁጠባዊ ምትእስሳረይ፡ ስነ-ልቦናዊ ኣቀራርጻ ሕብረተሰበይ ዝሃበኒ መንነት ትግራዋይ ስለ ዝኾንኩ! ጻዓዱ ብዝሓንጸጽዎ ዶብ ተዓጊት ኣብ ገስልዛእ መንነተይ ዶብ ኣየንብርን! ቀደሙ ውንኮ "እዚ ዓንዲ መንተኸሎ፡ እዚ ገመል መን ሰቐሎ" ንዝብል ሕቶ ኣብ ጉዳይ ሉኡላውነትን ምትካል ሃገረ ኤርትራን፡ ከም ህዝቢ፥ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ! ከም ውድብ ድማ፥ ልዕሊ ህወሓት ዝስራዕ ንእንኡ ኣይኹና!!

ኣብ ዘተ ሰላም ኣዲስ ኣበባ ንሉኡኽ ጉጅለ ህግደፍ እዞም ናብ ላዕሊ ዝተጠቐሱ ብድሆታት ምስ ዘጋጥምዎ ብትኽክል ሰለማውን ሕጋውን ዝኾኑ መርትዖታት ኣቕሪቡ፡ ንሉኡላውነት ኤርትራ ከይተሸራረፈ ዓቂብዋ ክወጽእን ሙሉእ ሰላም ከውሕስን ይኽእልዶ?

ደምበ ተቓውሞ ኤርትራኸ ከም ሓደ ሃገራዊ ሓይሊ ኣብዚ ሞጎት ኢትዮጵያውያን ንምብዳህ፡ ንሃገራዊ ሉኡላውነትን ረብሓን ማእከል ዝገበረ እንታይ እወንታዊ ተራ ክጻውት ይኽእል? ብሓፈሽኡ ደላይ ለውጢ ንገዛእ ርእስና "ሓርነታዊ ቃልሲ ነካይድ ኣለና።" ክሳብ ዝበልና እንታይ ኢዩ እጃምና?

ጸጋይ ኣስመሮም