ብሃለፍታ ዝቐዝፋ …ሕጊ-ኣልቦ ትካላት ፍሊጶስ
(ቤ/ማእሰርቲ ዓዲ ኣቤቶ ዝሰተረቶ ሚስጥራት)

3ይ ክፋል

ከም መቐጸልታ ኣብዚ ቅንያት ዝጀመርኩዎም ጽሑፋት፡ ንሎሚ ድማ ልኡኻት ኢሳይያስ ብስም “ሰብኣዊ መሰላት” ንዘሰላስልዎም እዋናዊ መደባት ብጭብጢ ዘቃልዑ፡ ብግብሪ ዝረትዑ፡ እቶም ዝወዓልዎን ኣንዳዕዲዖም ዝፈልጥዎን ዜጋታትና ዝምስክርዎ፡ ካብ ውሽጥን ካብ መላእ ዓለም ዝተኣኻኸቡ መርተዖታት ብምድራኽ፡ ካብቶም ብጀነራል ፍሊጶስ ዝመሓደሩ ሕጊ ኣልቦ “ትካላት” ሓደ ዝኾነ፡ ብዛዕባ ቤት ማእሰርቲ ዓዲ ኣቤቶ ዘዳለኹዎ ዝርዝራዊ ሓበሬታ እንሆ!

ካብ ኩሉ ኩርንዓት ሃገርና ዘዝተገፈፈ ስለ ዝዳጎነላን ብሓደራ ስለዝጸንሓላን፡ ንኹሎም ሰብ “ውራይ” ስለትዕቁብን ንኣስመራ ብዘለዋ ቅርበትን፡ ኣብ ሃገርና ካብ ዝርከባ ቤት ማሕዩራት፡ ክንዲ ዓዲ ኣቤቶ ውርይቲ ቤት ማእሰርቲ ዳርጋ የላን፡፡ ብዛዕባ ቤት ማእሰርቲ ዓዲ ኣቤቶ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ሚዲያታት ብዙሕ ተዘሪቡን ተባሂሉን’ዩ፡፡ ኣብ ቀጽሪ ዓዲኣቤቶ ተዳጊኖም፡ ኣሰቃቒ ግፍዕታት ዘጓነፎምን ዝረኣዩን ዜጋታትና፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ሚዲያታት ቀሪቦም፡ ኣደንጊጾምናን ንብዓትና ክዛሪ ጌሮምናን’ዮም፡፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣብ ውሽጢ ቀጽሪ ዓዲኣቤቶ ዝካየዱ “ንጥፈታት” ዘመልክት፡ ብሕቡእ ዝተስኣለ ቪዲዮ ውን ኣብ መርበባት ተዓዚብናን ሰኪሕናን ኢና፡፡

እወ! ቤት ማእሰርቲ ዓዲ ኣቤቶ፡ ከምቲ ካብ እሱራት ዝሰማዕናዮ፡ ብቪዲዮ ዝተዓዘብናዮን ብግብሪ እንፈልጦን፡ ኣብ ውሻጠኣ፡ ኣሸሓት ዜጋታት ብረስኒ ዝጥጠቑለን፡ ብሃለፍታ ዝቕዘፉለን፡ ብኣባትርን ሻፍሻፎን ዝስንኩልለን፡ ልዕሊ 7 ናይ መርመርቲ ቤት ጽሕፈታት፡ ልዕሊ 5 ናይ ሓለዋ ኣባላት መንበሪታት፡ ከምኡ ውን እንዳኬዝ፡ እንዳ ግፉፋትን እንዳ ኣዋልድን ዝተብሃሉ ካሜራታት ዝሓቖፈት ቤት ማሕቡስ እያ፡፡ ላዕለዋይ ኣዛዚኣ ድማ እቲ ሕሱም ጀነራል ፍሊጶስ’ዩ፡፡

ብፍሊጶስ ሙሉእ ዘይጉድል ስልጣንን ሓላፍነትን ዝተዓደሎም፡ ጨካናት ኣሳሰይቱ፡ ኣብ ቀጽሪ ዓዲ ኣቤቶ ብዘይፍርድን ፍርዳዊ መስርሕን (Due process of law) ብዙሓት ዜጋታት ይቐዝፉ ኣለው፡፡ ዓዲ ኣቤቶ ዘይምልከታ ገበን ዳርጋ የለን፡፡ ካብ ስርቂ ክሳብ ጾታዊ ዓመጽ፡ ካብ ባእሲ ክሳብ ቅትለት፡ ካብ ብልሽውና ክሳብ ዓይነታዊ ህያብ፡ ካብ ሓዋላ ክሳብ ኮንትሮባንድ፡ ካብ መሸጣ ብረት ክሳብ ምጉዳል እምነት፡ ካብ መንፈሳውያን ክሳብ ዘረባ ዝመለቖም ሙሁራት፡ ካብ ሰገራይ ክሳብ ኣስጋራይ፡ ካብ ሃዳምነት ክሳብ ኩብለላ፡ ካብ ጉዳይ ፖለቲካ ክሳብ ሃብታማት፡ ካብ ጠንቋሎ ክሳብ “ዘይሕጋውያን” ሸቃሎ፡ ካብ ጉዳይ ተኻረይቲ ክሳብ ምፍራስ ኣባይቲ፡ ካብ ነዳዲ ክሳብ ናይ ጎደና ንግዲ፡ ካብ ምትምያን ክሳብ “ምሕጻብ” መንቀሳቐሲን ምንጻል ጥንሲን… ኮታስ ኣብ መላእ ሃገር “ገበን” ዝብል ታቤላ ዝጥቀዓሉ ዓውዲ ንዓዲ ኣቤቶ ዝምልከት እዩ፡፡

ካብ 2014 ንደሓር፡ ሓለቓ ስታፍ ሚ/ሪ ምክለኻል ተባሂሉ ዝተመዘ ጀነራል ፍሊጶስ፡ ኣብ ሓ/ምክልኻል ካብ ዝተዓደሎ ዕዮታት ንላዕሊ፡ ብትሪ ዝሰርሓሉ ዓውዲ እንተሎ፡ ጉዳይ እሱራትን ፍርዲን ቤት ማእሰርታት ዓዲ ኣቤቶ፡ ማይስርዋ፡ ማይሑጻ፡ ዓላን ቀሓውታን እዩ፡፡ ኣብ ትሕቲ ዘን ኣብያተ ማእሰርቲ ዝቕየድ ዜጋ ድላዩ ዓይነት ታሪኽ፡ ድሕረ-ባይታ፡ ቅያ፡ ደረጃ ትምህርትን ሃገራዊ ኣበርክቶን ይሃልዎ ብዘየግድስ፡ ካብ ዝቐየደሉ ካልኢት ኣትሒዙ፡ ሰብኣዊ ክብሪ ዘይብሉ ትንፋሱ ኣብ ኢድ በዓል ፍሊጶስ ዝኾነ “ገበነኛ” እዩ፡፡

ኣብ ዝሓለፉ 10ታት ዓመታት፡ ኮነ ተባሂሉ፡ ንኣስመራን ህዝቢ ኣስመራን ዘናውጹ ብበዓል ውጩን ፍሊጶስን ዝእዘዙ፡ ጎባልል ሰብ ግዜ ተራእዮም እዮም፡፡ ካብ 2000 ክሳብ 2007 ኣብ ዝነበረ ግዜ፡ ከም በዓል ሌ/ኮ ብርሃነ ተስፋማርያም (ቅጫ/ወዲ ቁማርጂ)፡ ሌ/ኮ ሓዱሽ ዓንደማርያም (ወዲ ወለላ)፡ ኢሳቕ ሃብተማርያም (ወዲሙቁር)ን የውሃንስ ገበረመስቀል (ወዲ ጋላ)ን ዝኣመሰሉ እሙናት ኣገልገልቲ ኣብ ኣስመራ ንህዝቢ ኣከላቢቶም ሓሊፎም እዮም፡፡ ብፍላይ ወዲ ቁማርጂን ወዲ ሙቁርን፡ ጎባልል ዞባ ማእከል ብምኻን፡ ብዙሓት መንእሰያት ዝኣሰሩን ዘሰንከሉን ኮይኖም፡ ኣብ መወዳእታ ከምቲ ልሙድ ዕጫ “ዝኣረገ ዝብኢ” በጺዎም፡ ከም ቃንጫ መጺዩ ደርቢይዎም እዩ፡፡ ወዲ ሙቁር ምስ ብዙሓት ሓለፍቲ ብምስሕሓቡን ብምኽንያት ብልውሽውናን ን8 ዓመት ተፈሪዱ፡ ኣብ ቤ/ማእሰርቲ ጸጸራት፡ ኣብ ካሜራ ቁጽሪ 3፡ ምስ ሓደ ሌ/ኮ ሓጎሰ ዝተብሃለ እሱር ብሓባር ተቐይዱ ኣሎ፡፡ ወዲ ቁማርጂ ድማ ደድሕሪ ኣስመራ፡ ናብ ዶባት ተዛዊሩ ሓለቓ ስታፍ ክ/ሰ 23 ብምኻን ከገልግል ድሕሪ ምጽንሑ፡ ቅድሚ ዓመት ኣቢሉ ደስኪሉ ኣሎ፡፡ ኣባል ሃ/ኣገልግሎት ዝነበረ እቲ ሕሱም መርማሪ ነበር፡ የውሃንስ ወዲ ጋላ ውን፡ ኣብ ጸልማት ካሜራ ካርሸሊ ተጓሒፉ ይሳቐ ኣሎ፡፡ እንሆ! ካብ 2007 ንነጀው ድማ ብፍሊጶስ ዝእዘዙ ነባራትን ሓደስቲን ጎባልል ተፈጢሮም፡ ከምቲ ልሙድ ነቲ ሚስክን ህዝቢ የበሳብስዎ ኣለው፡፡

ከም በዓል ብርሃነ ከበደ ዝኣመሰሉ ነባራት ሓለፍትን፡ አእግሪ በዓል ቅጫን ወዲሙቁርን ዝተተክኡ ምእዙዛት መርመርቲን እውን ካብ ምጽራይ፡ ምክትታልን መርመራን ጀሚርካ፡ ክሳብ ምቕያድን ፍርድን ዘሎ ስርሓት፡ ገቢቶም ብዘይ ተሓታትነት ይዓምዎ ኣለው፡፡ እዞም ብፍሊጶስ ዝምርሑ ንኹሉ ስርሓት ዝበሓቱ እሙናት መርመርቲን ሓለፍትን፡ ብሓፈሻ ልዕሊ 25 ኮይኖም፡ እቶም ቀንዲ ንዓመታት ንህዝቢ ከሳቕዩ ዝጸንሑ ዝስዕቡ’ዮም፡፡

1. ሜጀር ብርሃነ ከበደ (ወዲ ከበደ)፡ ዓዱ ከባቢ ሰገነይቲ፡ ሓላፊ ቤት ማእሰራታት ዓዲ ኣቤቶ፡ ማይሰርዋ፡ ማይ ሑጻ፡ ዓላን ኣባል ኮሚቴ ፍርድን 
2. የማነ ካሕሳይ (ወዲ ካሕሳይ)፡ ዓዱ ዓዲብዛሓንስ (ዱባሩዋ)፡ “ስማዊ” ሓላፊ መርመርቲ ኣባል ኮሚቴ ፍርድን (ሓውሲ ድስኩል ‘ዩ) 
3. ካህሳይ ሃይለ (ወዲ ሃይለ)፡ ዓዱ ከባቢ ሰንዓፈ፡ ምክትል ሓላፊን ኣባል ኮሚቴ ፍርድን 
4. ሚኪኤለ ኢሳቕ ባህታ፡ ዓዱ ዓዲሞጎቲ፡ ኣባል 5ይ ዙርያ ሃ/ኣገልግሎት ቀንዲ መርማሪን ኣባል ኮሚቴ ፍርድን 
5. ም/ተለንተ መሓሪ ኢሳቕ፡ ዓዱ ከባቢ ደቂምሓረ፡ ቀንዲ መርማሪን ኣባል ኮሚቴ ፍርዲን (ተጋዳላይ) 
6. ም/ተለንተ ኣምባሳጀር ሰለሙን፡ ኣባል 5ይ ዙርያ ሃ/ኣገልግሎት ቀንዲ መርማሪን ኣባል ኮሚቴ ፍርድን 
7. ሃብተማርያም ሚኪኤለ፡ ዓዱ ከባቢ ሰገነይቲ ኣባል 5ይ ዙርያ ሃ/ኣገልግሎት መርማሪ
8. ሱሌማን ኣደም፡ ዓዱ ከባቢ ዓዲ ቀይሕ ኣባል 3ይ ዙር ሃ/ኣገልግሎት ቀንዲ መርማሪ
9. ምሕረትኣብ እያሱ (ሳንዲያጎ)፡ ዓዱ ሰገነይቲ ኣባል 14 ዙርያ ሃ/ኣገልግሎት መርማሪ
10. ሳሚኤል ደባስ፡ ዓዱ ዓዲጓዕዳድ ኣባል ሃ/ኣገልግሎት ቀንዲ መርማሪ 
11. ሙሴ ሃብተማርያም፡ ዓዱ ሰገነይቲ ናይ 90 ተጋደላይ መርማሪ
12. ጌድዎን ብርሃነ፡ ዓዱ መንደፈራ ኣባል ቤ/ት ሰውራ ነበር መርማሪን ኣባል ክፍሊ ዓሻራን
13. ም/ተለንተ ተስፋማርያም ብኢዱ (ወዲ ሓደራ)፡ ዓዱ ዓዲኳላ ናይ 87 ተጋ. መርማሪ
14. ም/ተለንተ ተኽለገርግሽ ምልሽ፡ ዓዱ ዱባሩባ መርማሪ (ተጋዳላይ)
15. ስእላይ ብርሃነ፡ ዓዱ ማይምነ ኣባል 2ይ ዙርያ ሃ/ኣገልግሎት መርማሪ 
16. ዮሴፍ ብርሃነ፡ ኣባል ሃ/ኣገልግሎት ቀንዲ መርማሪ፡ ከምኡ ውን ዓብደላ፡ ሮሞዳንን ቬኑስን ዝተብሃሉ መርመርቲ ኣባላት ሃ/ኣገልግሎት እዮም፡፡

ብሕግታት “ግበር ኣይትግበር”ን ብስጡም ወትሃደራዊ እዝን ቁጽጽርን፡ ኣብ ትምራሕ ሃገር፡ ዜጋታት ኣብ ዘይኣምንሉ ዓውዲ ተወዚዖም፡ ብኣስገዳድ ግፍዕታት ናይ ምፍጻም ተኽእሎ ኣለዎም፡፡ እንተኾነ፡ እዞም ክብ ኢሎም ዝተገልጹ መርመርቲ፡ ተገዲዶም ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንናይ ፍሊጶስ ትእዛዛት ተቐቢሎም ብወለንታ ህዝቢ ዘጽንቱ፡ ጽባሕ ተሓተቲ ክኾኑ ዝግበኦም ገበነኛታት መጋበርቲ ጉጅለ ምልኪ’ዮም፡፡ ብፍላይ “ቀንዲ መርመርትን ኣባላት ኮሚቴ ፍርድን” ተባሂሎም ዝፍለጡ፡ ናይ ኩሉ ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ዜጋታትና ዝወረደ፡ ኣካላዊን ስነ-ኣእመራዊን ግፍዕታትን ማህሰይትን ተሓተቲ’ዮም፡፡

ብፍላይ ብርሃነ ከበደ (ወዲ ከበደ)፡ ሚኪኤለ ኢሳቕ፡ ሙሴ ሃብተማርያም፡ ሱሌማን ኣደም፡ ሳሚኤል ደባስ፡ መሓሪ ኢሳቕ እቶም ኣዚዮም፡ ንወዲ ሰብ ርህራሄ ዘይብሎም ጨካናት መርመርቲ ኮይኖም፡ ኣብ ካልኣይ ኩናት ዓለም፡ ኣብ ጀርመን ኣብ ጎዳጉዲ ጌስታፖ፡ ዝካየዱ ዝነበሩ ዓይነት፡ ናይ መርመራ ቴክኒካት ተጠቒሞም፡ ብዙሓት ዜጋታት ዝቐዘፉ እዮም፡፡ እዞም ሰባት ሽኮር ማይ በጽቢጾም፡ ኣብ ነብሲ እሱራት እንዳኸዓው፡ ሃመማ ኣዕሲሎም፡ ንእሱራት ኣብ ልዕሊ ጽምእን ጥምየቶምን ዝቕጥቅጡ፡ ዓሻ ፌሮ ኣስጢሞም፡ ዝሓበጠ ኣእዳውን ኣእጋርን ዝራገጹ፡ ኣብ ኣፍ እሱራት ረሳሕ ጭርቂ ወቲፎም፡ ብመሸኒ ብዕራይ ብዘስካሕክሕ ኣገባብ ቆርበት ወዲ ሰብ ከም ደርሆ ዝመልጡ፡ ፍረ ነብሲ ረጊጾም ትንፋስ ዘስእኑ፡ ርህራሄ ዘይብሎም ዘይደቂ ሰባት ጨካናት መርመርቲ ‘ዮም፡፡

እዞም መርመርቲ፡ ኣብ በዓል ዓዲኣቤቶን ዓላን፡ ንጹሃት ዜጋታት ብኣባትር ጥራይ ኣእጋሮም ዝቕጥቅጡ፡ ዓንዲ ሑቐ ሰባት ብበትሪ ዝንጽሉ፡ ጅማውቲ ደቂ ሰባት ብበትሪ ዝጠናንጉ፡ ኣብ ሞንጎ ኣእዳውን ኣእጋርን ሓኽሊ ባዴላ ኣእቲዮም ኦቶ ዝቕጥቅጡ፡ ጨካናት ኣባላት ‘ዮም፡፡

እዞም መርመርቲ፡ ዜጋታት ብዘይወዓልዎ ገበናት “ሓቂ እንተዘይተዛሪብካ ሬሳኻ እዩ ካብዚ ዝወጽእ፡ ቆርቦትካ ከይተበላሹ፡ ቀጠሊያ ክትስይብ ኢኻ” እንዳበሉ ዝህድዱ፡ ዝጭፍጭፉ፡ ቀትርን ለይትን “ብሰራሕ ተደሊኺን ኣለኽን” ኢሎም ንብዙሓት ኣሓትና ዝዕምጹ፡ ብዘይ ሕንከት ንጥኑሳት ኣሓትና ብሚሒር ማህረምቲ ጥንሰን ክሳብ ዝኸደን ዝቕጥቅጡ፡ ንኣቦታትናን ኣዴታትናን ከይተረፈ ብጽፍዒት ከበሮ ኣእዛን ዝቐዱ፡ ኣካላት ዘልምሱ ቀተልቲ ሰባት’ዮም፡፡

ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ 10ታት ዓመታት፡ ኣብ ዓዲ ኣቤቶን ካልኦትን ዝተፈጸሙ ግፍዕታት ጸብጺብካ ዝውዳእ ኣይኮነን፡፡ ብዛዕባ ዓዲ ኣቤቶ ምፍጽሓፍ ካብ ዝጀመርኩሉ ዕለት ጀሚሩ፡ ማእለያ ዘይብሉ ሓበሬታ፡ ካብ እሱራት ዝነበሩ፡ ኣባላት ሓለዋን ገለ ሓለፍትን በጺሑኒ እዩ፡፡ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ብፍላይ ምስ ናይ ግዜ ሕጽረት፡ ንምርግጋጽን ከምኡ ውን ንገለ ንጹሃት ኣብ ሓደጋ ንዘይምእታውን፡ ንኹሉ እቲ ሓበሬታ ክፍንዎ ኣይደለኹን፡፡

ኣብዚ ሰዓት እዚኣ፡ ኣብ ዓዲ ኣቤቶ ኣብ እንዳ ኬዝ፡ በዓል ግንባር ወልዳይ (ስታፍ ታዕሊም ክ/ሰ 25)፡ ኣፍወርቂ ኣንጀቤ (ስታፍ ብርጌድ)፡ ኢሳቕ ተስፋስላሰ (ኣባል ስታፍ ምልክት ተወርዋሪ እዚ)፡ ከምኡ’ውን ከም በዓል ላጺ፡ ዳዊት የውሃስን ኣማኒኤል የውሃንስ ዝኣመሰሉ ሃብታማት ዝርከብዎም ብጠቕላላ 658 እሱራት፡ ከም ሃመማ ኣብ መኻዚኖ ተጸፍጺፎም ኣለው፡፡

ብዘይ ግቡእ ፍርዳዊ መስርሕ ኣብ ካሜራታት ዓዲ ኣቤቶ ንልዕሊ 5 ዓመታት ካብ ዝተኣሰሩ እሱራት ንምጥቃስ፡ 
1. ዑመር ኣቡቦከር፡ ብኣስጋራይ ዝተጠርጠረ ወዲ ባጽዕ ኮይኑ፡ ኣብ ዓዲ ኣቤቶ ውን ከም ካቦ እሱራት ብምኻን ነዊሕ ዓመት ዘገልገለ፡ ልዕሊ 8 ዓመት ዝተኣሰረ፡ (ሓደ ግዜ “እሙን” ተባሂሉ ብዋሕስ ወጺኡ ተመርዕዩ መሊሶም ዝኣሰርዎ ‘ዩ)
2. ወልዱ ረዳእ (ብሄር ብሌን) ልዕሊ 8 ዓመት ዝተኣሰረ 
3. ሓመድ ናካ (ብሄር ብሌን) ልዕሊ 8 ዓመት ዝተኣሰረ
4. ግርማይ ኣድሓኖም ልዕሊ 6 ዓመት ተኣስረ 
5. ዓወት ዓብደላ ኣረ (ብሄር ናራ) ልዕሊ 6 ዓመት ተኣሰረ 
6. መባረክ ጅምዕ፡ ዓዱ ከረን ልዕሊ 5 ዓመት ዝተኣሰረ ሕማም ሽኮርያ ዘላቶን እዮም፡፡ 
ብቆሎ ጥጥቖ ዘረባ፡ ብጥቆማን ብድሌት መርመርትን ዝተኣሰሩ፡ መብዛሕትኦም መንእሰያት ዝርከብዎ 145 እሱራት ኣብ ወርሒ 4/2014፡ ቦታ ስለዝጸበበ ናብ ዓላ ተዛዊሮም’ዮም፡፡ እቲ ዘሕዝን፡ ብዙሓት ካብኣቶም ፍርዶም ከይፈለጡ፡ ልዕሊ 4 ዓመታት ተኣሲሮም ዝጸንሑ ኮይኖም፡ ዓሊ ሓሰበላ፡ መለስ ሃብቶም፡ ኣማኒኤል ሃይለ፡ መኮነንን መሓመድን ዝትብሃሉ ይርከብዎም፡፡ ካብዚኣቶም ኣማኒኤል ሃይለ ዝተብሃለ ብ “ምስናዕ መንቀሳቐሲ” ዝተቐየደ ኮይኑ መርማሪ ሚኪኤለ ኢሳቕ ብተደጋጋሚ ቀጥቂጡ ዘሰንከሎን ልዕሊ 6 ዓመት ዝተኣሰረ ‘ዩ፡፡

ብተመሳሳሊ ልዕሊ 55 ዓመት ዝዕድሚኦም፡ ዓበይቲ ወለዲ’ውን፡ ከምሰቦም ምስ ደቆም ብሓባር፡ ንጎድኒ ኮርቴሎ እንዳደቀሱ፡ መሳፍሒ ቦታ ምስ ዝስእኑ፡ ከም ዓንዲ ብደዎም ተተኺሎም ዝሓድሩ ኣቦታት ምርኣይ፡ ኣብ ዓዲ ኣቤቶ ልሙድ ‘ዩ፡፡ ናይ ካልእ እዋን ፍጻመታት ሓዲግና፡ ኣብ ቀረባ፡ ኣቦይ በረኸት ዝተብሃሉ ወዲ 55 ዓመት፡ ልዕሊ 4 ዓመት ዝተኣሰሩ ነባሪ ጉልጅ፡ ኣቦይ ሃለቃ ዝተብሃሉ ወዲ 69 ዓመት ልዕሊ 4 ዓመት ዝተኣሰሩ ነባሪ ከባቢ ዝግፈት፡ ከምኡ’ውን ነባሪ ገጀረት ወዲ 61 ዓመት ናይ 1976 ተጋዳላይ ነበር፡ ክፍለ ተከስተ ተኣሲሮም ‘ዮም፡፡ ካብዞም ዓበይቲ፡ ሜጀር የውሃንስ ኣባል ሜካናይዝድ 74 ተጋደላይ እውን ብሰንኪ ማህረምትን ሚሒር ሕርቃንን ኣብ ዓዲ ኣቤቶ ተሰዊኡ እዩ፡፡ ኣደይ ኣሰፋሽ ኣርአያ ዝበሃላ ሰበይቲ ውን፡ “ወድኽን ኣብ ሲናይ ይቕርስን እዩ” ብዝብል ልዕሊ 6 ዓመት ተኣሲረን እየን፡፡ 
ብሰንኪ እቶም ጨካናት መርመርቲ፡ ናይ ብዙሓት እሱራት ህይወት ተናዊጹ፡ ስድራ ተበቲኖም፡ ቆልዑን ኣንስትን ኣብ ስደትን ከልበትበትን ክኣትው ተገዲዶም’ዮም፡፡

ብዙሓት ወለዲ፡ ብሻቕሎት እሱራት ደቆም፡ ኣብ ዘይዕድሚኦም ክኣርጉን ግዳይ ድኽነትን ሕማምን ኮይኖም’ዮም፡፡ ብዙሓት እሱራት መንእሰያት፡ ዕድመ ጉብዝነኦም ኣብዘን ቤት ማእሰርታት ተወዲኡ፡ ተመርዒዮም ሓዳር ጌሮም ክወልድሉን ክመስልሉን ዝግበኦም ግዜ፡ ብዘይ ፍርዲ ኣብ ዓዲኣቤቶ ከርተት ኢሎም ኣሕሊፎምዎ ‘ዮም፡፡ ብዙሓት ደቂኣንስትዮ ኣሓትና ውን፡ ናይ ውላድ ግዜአን ኣብቂዐን፡ ካብ ደቀንን መነባብሮአንን ብማስርቲ ተፈሊየን፡ መዓልታዊ ዝርንዛሕ እንዳነብዓ ኣዕንተን ቆርቂሩ፡ ሕዱር ስነ-ኣእመራዊ በሰላ ፈጢረን፡ ካብ ቅድስተ ማርያም ብዝዕደለን መድሓኒት ዝድቅሳ እየን፡፡ ናይዚ ኩሉ ዘስካሕክሕ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ተሓተቲ ድማ እቶም ብደም ንጹሃን ዝጨቀው ሓለፍትን መርመርትን ዓዲኣቤቶ’ዮም፡፡ (ዝኸበርኩም ተኸታተልቲ ናይ 39 ኣሓት ዝርዝር ሓበሬታ ከምዝበጽሓኒ ክገልጸልኩም እፈቱ)

ብስንጊጢር ፍጻመታት፡ ኣብ ዝተመልአት ዓዲኣቤቶ፡ ዘይረአ ዓይነት ግፍዒ፡ ዘይፍጸም ዓይነት ገበን የለን፡፡ “ስግረ ዶብ ክትሰግሩ ፈቲንኩም፡ ስግረ ዶብ ዝኸዱ ኣብ ገዛኹም ኣሕዲርኩም፡ ከምዝኸዱ እንዳፈለጥኩም ኣይሓበርኩምን…” ተባሂሎም ዓመታት ዝተኣሰሩ መንእሰያትን ወለድን ሕጂ እውን ኣለው፡፡ ካልእ ይትረፍ ንጓይላታት ህግደፍ ዘዳምቑ ብዙሓት ስነ-ጥበባውያን እውን ኣብ ዓዲ ኣቤቶ ስሒኖምዋ እዮም፡፡ ኣብ 2011 ወርሒ 8 ስነ-ጥበባዊት ኤልሳ ኪዳነ “ወድኺ ንሱዳን ኣስጊርኪ” ተባሂላ ኣዋርሕ ተኣሲራ ወጺኣ እያ፡፡

ኣብ ቤት ማእሰርታት ፍሊጶስ፡ ሙሉእ ዘይጉድል ስልጣን ዝተዓደሎም፡ በዓል ሚኪኤለን ወዲ ከበደን፡ በማዕርግ ንመዘኑኦምን ልዕሊኦም ዝኾኑ ላዕለዎት ሓለፍቲ ክኣስሩን ክጭፍጭፉን መሰሎም እዩ፡፡ ከም ኣብነት ናይ ካልኦት ሓዲግና ካብ 2010 ጀሚሩ፡ ደስኪሉ ዝጸንሐ ሓለቓ ስታፍ ክ/ሰ 12 ነበር፡ ኮሎኔል ኣብርሃ ተኽለማርያም፡ ብትእዛዝ ፍሊጶስ “ብዘይፍቓድ ትካል ጌርካ” ብዝብል፡ ኣብ ወርሒ 2/2016 ኣስታት ሓደ ሚሊዮን ናቕፋን መኪንኡን ተወሪሱ፡ ኣብ ዓዲ ኣቤቶ ተኣሲሩ ብበዓል ሚኪኤለ ኢሳቕ ተገፊዑ እዩ፡፡ ኮ/ል ኣብርሃ፡ ናይ ዓይኒ ጸገምን ናይ ርእሲ ማህረምትን ዘለዎ ኮይኑ፡ በዓልቲ ቤቱ ገዲም ተጋዳሊት ካፒተን ረዘነት መስፍን ውን፡ ንፍሊጶስን ንበዓል ሚኪኤለን ክትምሕጸን ላዕልን ታሕትን ትብል ኔራ፡፡

ብኣረሜን ተግብራቱን፡ ሕሉፍ ስድነቱን ዝልለ ሚኪኤለ ኢሳቕ፡ ኣብ ውሽጢ ቀጽሪ ዓዲኣቤቶ ብተነጻጻሪ ዘይቅጥቅጦን ዘይጭፍጭፎን ዜጋ እንተሎ፡ ካብ ዝተፈላለየ ኩርናዕት ሃገርና ተገፊፉ ዝመጽእ “ኣብ እንዳግፉፋት” ዝቕየድ ዜጋ ጥራይ እዩ፡፡ ሃብታም ዝተብሃለ፡ ብምስምስ ኣስጋሪን ተሓባባሪን ዝተኣሰረ፡ ከምኡ ውን ጽቡቋት ዝተብሃላ ኣዋልድ፡ ናይ ሚኪኤለ ኢሳቕ ታርጌታትን ፍሉይ ጠመተ ሂቡ ዘሳቕዮምን ዘጋፍዖምን ሰባት’ዮም፡፡ ቅድሚ 4 ዓመት ኣቢሉ ወዲ ሬስትራንት ካስቴሎ፡ ዲያቆን ሚልኪያስ መሓሪ ብሓዋላ ተጠርጢሩ፡ ብኣባላት ዓዲኣቤቶ ተቐይዱ ኔሩ፡፡ በቲ እዋን ሚኪኤለ ኢሳቕ ኣብ ግዚያዊ ቤት ማእሰርቲ ቀሓውታን ዓዲኣቤቶን ብበትሪ ቀጥቂጡ፡ ክልተ ኣእጋሩ ኣልሚስዎ ‘ዩ፡፡ ዲያቆን ሚልኪያስ ዶላር ኣሽሪፉለን ዝተብሃላ ሸዊት ብርሃነን ይርጋለም መሓሪን ዝተብሃላ አዋልድ ውን፡ ተዓፊነን ናብ ዓዲ ኣቤቶ ኣትየን እየን፡፡ እታ ይርጋለም ዝተብሃለት ጓል ምስ 6 ወርሒ ዘይመልአት ውላዳ ዝተኣሰረት ኮይና፡ ክልቲአን ኣብ ዓዲ ኣቤቶ ከቢድ መርመራን ማህረምትን ኣሕሊፈን እየን፡፡

ሰለስተ ዓመት ተኣሲረን ከብቅዓ ነብሰ ወከፈን 500 ሺሕ ናቕፋ ከፊለን ክወጻ ተኣዚዘን፡፡ ይርገጋለም ካብ ስድራን ካብ ፈተውትን ለሚና ከፊላ ክትወጽእ እንከላ እታ ሸዊት ግን “የብለይን” ስለዝበለት ንተወሳኺ 4 ዓመት ተፊርዳ እያ፡፡ 
ከም በዓል ተኽለ ማንጁስን ኣብርሃም ዓፋንን ዝኣመሰሉ ላዕለዎት ሓለፍቲ፡ ብመካይኖም ብኣማኢት ኣሻሓት ኣኽፊሎም፡ ሰባት ንሱዳን እንዳሳገሩ፡ መርመርቲ ዓዲ ኣቤቶ ድማ፡ ብስም “ኣስገርቲን ተሓባበርትን” ዝወዓልዎን ዘይወዓልዎን ዜጋታት ኣብ ቀይዲ እንዳውዓሉ፡ ኣብ ቀጽሪ ዓዲኣቤቶ ብሸፍሻፎ ኣባትር ቀጥቂጦም የሰንክሉን ይቐዝፉን ኣለው፡፡ እቲ ዝገርም ባዕሉ ሜጀር ብርሃነ ከበደ (ወዲ ከበደ)፡ ክሳብ ሱዳንን ሊብያን ዝዝርጋሕ፡ ናይ ረብሓ መሓውራት ምስ ዘለዎን፡ ብውሽጣዊ ጸጥታ ክድለ ዝጸንሐ ምስ ጀማል ሙሳ (ወዲ ሙሳ) ዝትብሃለ ፍሉጥ ኣስጋሪ፡ ሰባት ኣብ ምርኻብን ኣብ ረብሓን ጥቡቕ ምትእስሳር ኔርዎም፡፡ ን3 ናይ ቀረባ ቤተሰቡ ውን ናብ ኤውሮጳ ከምዘስገረሉ ተፈሊጡ እዩ፡፡ ፍሊጶስ ግን ነዚ ኩሉ እንዳፈለጠ ብዘለዎም ስወር ናይ ረብሓ ምትእስሳርን ሚስጢራትን ክሳብ ሕጂ ዝተወሰደሉ ስጉምቲ የለን፡፡ ምስ በዓል ጆን ኣምሓራይ፡ ኣንገሶም ወጅሃይ ብምኻን፡ ኣብ ሱዳን፡ ዩጓንዳ፡ ዱባይን ሊብያን እንዳተንቀሳቐሰ ኣሻሓት ዜጋታትና ግዳይ መቕዘፍቲ ዝገበረ ወዲ ሙሳ፡ ምስ ተኽለ ማንጁስ ውን ጥቡቕ ርክብ ከምዝነበሮ ብኣካላት ወኪል ሃገራዊ ድሕነት ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብ 2016 ኣብ ካርቱም ተታሒዙ ናብ ኤርትራ ክኣቱ ተገይሩ ‘ዩ፡፡

ባዕሎም ኣሰርቲ፡ ባዕሎም ፈረድቲ፡ ባዕሎም ኣስገርቲ፡ ባዕሎም ቀርሰንቲ ክንሶም፡ በዓል ወዲ ከበደ ግን ዓቕሎም ጸቢብዎም፡ ንዝስደዱ ዜጋታትን ኣስገርትን ሕጂ ውን ንጹሃት ተመሲሎም ይቐዝፉ ኣለው፡፡ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ኣስገርቲ፡ ሰገርቲ፡ ኮንትሮባንዲስታ ካልእን ተባሂሎም፡ ብስንኪ ሕሱም ማህረምቲን ገደብ ዘይብሉ ምንዋሕ ማእስርትን፡ ካብ ዝሰንከሉ፡ ዝለመሱን ኣካላዊ ስነ-ኣእምራዊን ጸገማት ካብ ዘጓነፎም እሱራት ንሎሚ ናይ ገሊኦም ዝርዝር ከስዕበልኩም፡

1. ፍሊሞን ሽሞንዲ፡ (ወዲ ገዛማንዳ ብሓደ ሙርኩስ ክንቀሳቐስ ዝተገደደ)
2. ሳልሕ መሓመድ ዓሊ፡ (ብክልተ ምርኩስ ክንቀሳቐስ ዝተገደደ) 
3. ፍስሃጽዮን ብርሃነ፡ (ናይ ዓንዲ ሕቖ ጸገም ዘጓነፎን ከበሮ እዝኑ ዝተቐደደን)
4. ሚልኪያስ መሓሪ፡ (መሓውራቱ ጠሊምዎ ማዕረ ሰብ ሓፍ ኣቢሉ ዘሽኖ)
5. ተስፋለም ሃብተ ገብረልኡል፡ (ናይ ምርኣይ ጸገም ዘጓነፎ)
6. ኣቦይ ኣስመላሽ ኪዳነ፡ (ናይ ምርኣይ ጸገም ዝገበረ)
7. ሙሴ ግርማይ፡ (ናይ ምርኣይ ጸገም ዝገበረ ገዛውቱ ዕዳጋ ዓርቢ)
8. መሓሪ ዘርኣይ፡ (ናይ ዓይኒ ጸገም ዝገበረ)
9. ኪዳነ በላይ፡ (ናይ ዓይኒ ጸገም ዘጓነፎ)
10. ሮቤል ሰመረ፡ (ናይ ዓንዲ ሕቖን ናይ ዓይነን ጸገም ዘጓነፎ)
11. መኮነን ላኣከ፡ (ናይ ዓይኒ ጸገም ዝገበረ ናብ ዓላ ዝተቐየረ)
12. ኣብርሃም ጊላዝጊ፡ (ሓደ እግሩ ዝለመሰ)
13. ተስፋለም ባራኺ ኣርአያ፡ (ናይ ኣእምሮ ጸገም ዝገበረ)
14. ጽጋብ ኪዳነ፡ (ናይ ኣእምሮ ጸገም ዝገበረ)
15. ሄኖክ ጸሃየ፡ (ናይ ኣእምሮ ጸገም ዝገበረ) ይርከብዎም፡፡

ብካልእ ገጽ ካብ ወጻእ ብዝሕ ዝበለ ገንዘብ ንዝመጾም ሰባት፡ “ኣመጻጽእኡ ከመይን ካበይን እዩ?”፡ ወይ ድማ “ናይ ቅርሰና ገንዘብ እዩ” ብዝብል ምስምስ፡ ከምኡ ውን ዜጋታት ብራሃጾም ዘጥረይዎ ሃብቲን ንዋትን ንምምንዛዕ፡ “ካበይ ኣምጺኹምዎ?፡ ደሞዝኩም ክንደይ እዩ?” እንዳተብሃሉ በዓል ወዲ ከበደ ናይ ብዙሓት ዜጋታት ሃብቲ ዘሚቶም ኣብ ቋሕ ሰብ ጥራሕ ኢዶም ኣትሪፎምዎም እዮም፡፡ ከም መርኣያ መርማሪ ወዲ ከበደ ዝጥቀመላ መኪና፡ ካብ ሓደ ዓብዱ ሑሴን ኢብራሂም ዝብሃል እሱር ሓኪም ዝመንጠላ እያ፡፡ ኣብ ምቕያር ባጤራ ውን፡ ካብቶም ቅዩዳት ዝተውሃለለ ልዕሊ 67 ሺሕ ናቕፋ ተቐቢሉ በሊዕዎ እዩ፡፡

ንስድራ እሱራት “ወድኹም/ጓልኩም ከቢድ ገበን ፈጺሙ” እንዳበልካ ብምፍርራሕ ገንዘብ ምቕባል እቲ ካልእ ናይ ዓዲ ኣቤቶ ልሙድ ተርእዮ’ዩ፡፡ ካብ ስድራ እሱራት ልዕሊ 50 ሺሕ ናቕፋ ዝተቐበሉ መርመርቲ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ንኣሽካዕላል ተኣሲሮም ወጺኦም ‘ዮም፡፡ ከም በዓል ቢንያም (ፐርሰነል)፡ መሓሪ፡ ሳንዲያጎን ሙሴን ካብ ስድራ እሱራት ገንዘብ “ተቐቢልኩም” ተባሂሎም ተኣሲሮም ካብ ዝተፈትሑ እዮም፡፡

ክቡራት ተኸታተልቲ! 
ሕጂ’ውን “ኣብ ሃገርና ከምዚ ዓይነት ግፍዒ ኣሎ” ኢሎም ዘይኣምኑ፡ ደቂ ገርሂልባን፡ ደቂማማን ብዙሓት እዮም፡፡ እቲ ሓቂ ግን ኣብ ትሕቲ ስርዓት ኢሳይያስ፡ ኣብ ኤርትራ፡ እሱር ማለት ብዘይፍርዳዊ መስርሕ ንቡር ቀብሪ ዘይረኸበ ምውት ማለት’ዩ፡፡ ኣብ ዓዲኣቤቶ፡ ሕጻብ ዓደስ ተመጊቦም፡ ከብዶም ብጥሜት ተላጊቡ፡ ጎረርኦም ብማይ ጽምኢ ሓሪሩ፡ ብማህረምቲ ሕብሪ ቆርበቶም ተቐይሩ፡ ጸማሊያ ምስ መሰሉ፡ በዓል ሚኪኤለ ኢሳቕ ኣብ ኢዶም ከይሞትዎም ኣብ ሓሊበት “ፕሪዚን ዋርድ” ተባሂሉ ናብ ዝጽዋዕ ናይ እሱራት ስማዊ ክፍሊ ሕክምና ይልእኹዎም፡፡ ናብ ሓሊበት ተላኢኾም ምስተመለሱ፡ ካብ ዝተሰውኡ እሱራት ሓደ፡ ኣቶ ኣብርሃ ተኪኤ ይበሃሉ፡፡ ኣብርሃ ተኪኤ፡ ወዲ 60 ዓመት ኣባል መዘጋጃቤት (ምንቹቤ) ኮይኑ፡ ብምጥፍፋእ ተጠርጢሩ ኣብ ዓዲ ኣቤቶ ተኣሲሩ ኔሩ፡፡ ብሰንኪ ተደጋጋሚ ማህረምቲ፡ ኣብ 2014 ካብ ፕሪዚን ዋርድ መስተመልሰ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ኣቤቶ ሞይቱ፡፡ ኣብ ቀጽሪ ዓዲኣቤቶ፡ ካብ እንዳኬዝ 150 ሜትሮ ርሒቑ (ሕጂ ሽቓቕ ተሰሪሑሉ ዘሎ ቦታ) ከባቢ ተቐቢሩ፡፡ (ናይዞም ግዳይ ስድራ እንተሃሊኹም ንተወሳኺ ሓበሬታ ብኢንቦክስ ክትረኽቡኒ ትኽእሉ ኢኹም)

ዕጫ ናይ ኣቶ ኣብርሃ ተኪኤ ዝበጽሖም ስድርኦምን ደቆምን ንዓመታት ከይረኣዩ ብሞት ዝፍለዩ እሱራት እውን ብዙሓት እዮም፡፡ ካብቶም ዝበጽሑኒ ማእለያ ዘይብሎም ኣብ ዓዲ ኣቤቶ ካብ “ዝተሰውኡ” ዝርዝር እሱራት ብልክዕ ካብ ዘረጋገጽኩዎም ንሎሚ ዝስዕቡ የቐርበልኩም
1. ጸጋይ ካሕሳይ ኪዳነ
2. ቱብሊ ሎጎ ኦላ (ኩናማ) 
3. ሓምድ ማንታይ ሓምድ
4. ኑር በሽር ኑር 
5. ሙሴ ኣብርሃ 
6. ኢብራሂም መሓመድ (ጉልጅ)
7. ጸጋይ ሓጎስ (መንደፈራ) ከምኡ ውን ምብራቕን ዑመርን ዝትብሃሉ ጓልን ወዲን፡ ኣማኒኤልን ዳኒኤል ዝትብሃሉ ምንቹቤታት ደቂ 4 ኣስመራ ይርከብዎም፡፡

ክቡራት ተኸታተልቲ!
ኣብ ታሪኽ ቃልስን ናጽነትን ሃገርና ካብ ትፍለጠሉ ጉዳያት ሓደ፡ ጉዳይ ቤት ማእሰርትን ኣብ ልዕሊ ቅዩዳት ዝፍጸሙ ግፍዕታትን እዩ እንተበልና ምግናን ኣይኮነን፡፡ ምልስ ኢሉ ንዘስተብሃለ ዜጋ፡ ኣብ ሜዳ ውን፡ ብልክዕ ገበን ንዝፈጸሙ ሰባት ከምኡ’ውን፡ ንስነ-ሓሳብን መትከላትን “ህዝባዊ ግንባር” ተቓዊሞም ዝተብሃሉ፡ ተጋደልትን ሲቪላትን ዝኣስር፡ ዝሃድን፡ ዝቕጥቅጥን ዝቐትልን ብስም “ሓለዋ ሰውራ” ዝፍለጥ ኣካል ምንባሩ ይፍለጥ፡፡ ኣብ “ሓለዋ ሰውራ” ገበን ፈጺሞም ዝተኣሰሩን፡ ስጉምቲ ዝተወሰደሎምን ቅዩዳት ዋላ እንተነበሩ፡ ንጹሃት ሰባት’ውን ብዘይፈጸምዎ ገበን ወይ ድማ “ብዛዕባ ሚስጢራዊ ሰልፊ ሓበሬታ ረኺቦም” ብዝብል ሃጢሞም እዮም፡፡ ኣብ 1978 “ካብ ከረን ናብ ኣስመራ ንምንታይ ኣቲኹም?” ተባሂሎም ብስለያ ዝተጠርጠሩ 16 ጥሮተኛታት፡ ኣብ “ሓለዋ ሰውራ” ከምዝተቐተሉ እዝክር፡፡ በቲ እዋን ኣብ “ሓለዋ ሰውራ”፡ ብሰንሰለት ትእዛዛት ኢሳይያስ ተቐቢሎም፡ ዜጋታት ካብ ዝቐዝፉ ዝነበሩ ዕሉላት ቀተልቲ ሰባት ናይብን ሙሳ ኣባተን ዝተብሃሉ ኔሮም፡፡

እንሆ! ካብ “ሰውራ” ጀሚሩ ብደም ሰባት ዝጠጠዑ ኣባጓይላ ኢሳይያስን ጀነራል ፍሊጶስን ድማ፡ ኣብዚ ዘመን ውን ከም በዓል ሜጀር ብርሃነ ከበደን ሚኪኤል ኢሳቕን ዝኣመሰሉ ዕሉላት ኣዋፊሮም፡ ንዘለኣለም ዘይሃስስ ታሪኽ ይሰርሑ ኣለው፡፡ 

…….ይቕጽል 
(ኣብ ቀጻሊ ክፋላት ብዛዕባ ቤት ማእሰርታት ቀሓውታ፡ ማይ ሰርዋን ከምኡ ውን ካልእ ተወሳኺ ሓበሬታ ዓዲ ኣቤቶ ከምዘቕርበልኩም ብኣጋጣሚ ክገልጽ እፈቱ)

https://www.facebook.com/sacttism/