March 30, 2018

 

ተጀሚሩ እምብር ኣይተዛዘመን

ክቡር ህዝቤ ኤርትራ፡ ክቡራት ኣሓተይ፡ኣሕዋተይ፡ ደቀይ፡ ደቂ ደቂ ደቀይ፡

ከምይ ኢልክን ቀኒኽን፡ ከመይ ኢልኩም ቀኒኹም፡  ኣነ ኣምላኽ ይመስገን ድሓን ኣሎኹ። እምበኣር ሎሚ ቃልሲ ተጅሚሩ፡ እምበር ኣይተዛዘመን ዝብል ኣርእስቲ ሒዘ ቀሪበ’ሎኹ።

ኩላትና ከም ንፈልጦ ሕቡራት መንግስትታት ድሕሪ 10 ዓመታት ፈደረሽን ምስ ኢትዮጵያ ህዝቢ ኤርትራ ዕድሉ ክውሰን ኢሎም በይኖም ከብቅዑ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንኤርትራ ብዓመጽ ሓንቲ ካብ ጠቅላይ ግዝኣቶም ገይሮማ። ፓርላማኡ ምስ ፈረሰ፡ መንነቱ ምስ ተገፈ፡ ወግዓዊ  ቋንቅኡ ብናይ ገዛእቲ ምስ ተተክኤ፡ ገለ ካብቲ ጽቡቕ ባህልታቱ ምስ ተናሸወ፡ ዓበይትን ንኣሽቱን ኢንዱስትርያታት፡ ካብ ኤርትራ ተማሕዮም፡ ናብ ኢትዮጵያ ምስ ተተኽሉ፡ ስራሕ ኣልቦነት ምስ በዝሔ፡ ነጻነቱ ንምራካብ ብረት ክጥቀም ተገዲዱ፡ ወናን መሬቱ ባዕሉ ኮይኑ ሓርነቱ ክረክብ፡ ነጻነቱ ክረክብ፡  እወ ነጻነት ካብ ድኽነት፡ ነጻነት ካብ ድንቁርና፡ ነጽነት ካብ ፍርሒ፡ ነጻነት ካብ ቅንኢ፡ ቅርሕንቲ፡ ጽልኢ፡ ነጻነት ካብ ስደት ከልበትበት፡  ኣብ ትሕቲ ሕጊ ነጻ ኮይኑ ሓሳቡ ክገልጽ፡ ክከታዕ ክመራመር፡ ክምዕብል፡ ዘገልግሉ እምበር ዝግልገሉ መራሕቲ ባዕሉ ክመርጽ፡ መገዲ ጸገም ክሕዙ ፍትሒ ክዕምጽጹ ምስ ዝረከቡ ድማ ናይ ኣገልግሎቶም ጊዜ ከይተወድኤ ካብ ስልጣን ከውርድ።

እቲ ኩሉ መዓልቲ ንጽብጽቦ ተንቲንካ ዘይወዳእ ከቢድ ዋጋ ተኸፊሉ ከብቅዕ ግን ሜራትና፡ መሬት ደቅና፡ ደቂ ደቅና መጻኢ ወሎዶና እቲ ፕረዘደንት ከም ድላዩ ይሸጦ ይልውጦ፡ ይዕድሎ። ህዝቢ ድማ ናይ ኩሎም ቀዳሞት ገዝእቲ ተደሚሩ ዘይማዓራረ  ብዘይፍርዲ እናተኣስረ እናተቀትለ፡ እናሓቀቀ ተረፍ ማእሰርቲ ድማ ኣብ ጥሜትን ብርቱዕ ፍርሕን፡ ስደትን ምብትታትን ይርከብ ኣሎ። ኣብ ወጻኢ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ግን ፡ ንነዝተጀመረ ቃልሲ ንኽዛዘም እጃሙ ክገብር እዋኑ ዝጠልቦ ጉዳይ’ዩ።  ሰብ ሓደ ነገር ክገብር ብሕልፊ ንህዝቢ ዝጠቅም ናይ መንግስቲ ወይ ናይ ገንዘብ ስልጣን ክህልዎ የብሉን።  ነብሲ ወከፍ ሰብ እግዚኣቢሄር ዝሃቦ ሓይልን በቢዓነይቱ ተኽእሎታትን ኣለዎ’።  ኣብ ሓቅን ፍቅርን ኣሚንካ ንስስዔን ኣንነትን ወጊድ ኢልካ ሕልናና ምምርማርን ሕልናና ዝብለና ብህድኣት ምእዛዝ’ዩ።  ኣዘን ዝስዕባ ሕቶታት ርእስና ንምፍላጥን ሕልናና ንምምርማርን ይጠቅማና እየን ኢለ እኣመን፡

ኣብዚ ሰዓት’ዚ ህይወተይ ኣበይን ከምይን ኣሎ? ብኽሎ ዓይነት መነባብሮይ፡ ማለት - ብጥዕናይ፡ ብኣታሓሳስባይ፡ ብኣብ ምስ ቤተሰብይን ፈተውተይን ኩሉ ሰብን ዘሎኒ ርክብ - ብስርሓይ ኣብ ሓቅን ፍትሕን ኣሚነ ብኹሉ ዕጉብድየ? እንተዘይኮንኩኸ እንታይ ክገብር ይግባኣኒ?

ሕያውነተይ፡ኣብ ቤተሰብይን ፈተውተይን ዝተወሰነ ድዩ ወይስ ንኹሉ ኣብ ዘለኽዎ ኣብ ዝኸድክዎ ብዓይኒ ፍቅሪ ብዓይኒ ሓልዮት ዝጥምትየ?

ርእሰይ ቀጻሊ ከማዕብል፡ ፍልጠት ክድልብ፡ ካብ ዓብን ንእሽቶን ኽማሃር ጽን ኢለ ዝሰምዕ ድየ ወይስ እንተበዚ እንተበቱ ንዓይ ዝኾና ፍልጠት ኣለዋኒ ኢለ ክዛረብን ክስምዓን ጥራይ’የ ዝደሊ?

ከምቲ ኣነ ዘለኒ ጸጋታት ንኻልእ ከጸጉ ይጽዕር ድየ? ወለድኻን መማሃራንካን ኣይኮኑን ጥራይ ዘምህሩኽ እቲ ህብረተሰብ ብሙሉኡ እዩ። እሞ ተማሂረ ጽቡቅ ስራሕ ሒዘ ንሰብ እንተዘይኣግልግልኩ ከምቲ ክኽፍል ዝኽእል ክነሱ ዕድኡ ክኽፍል ዘይድሊ ሙኻነይ ይፈልጥ’ዶ?

ነቶም ተካእቲ ወለዶ ዝኾኑ፡ ንክልተ ዓመት ተባሂሎም ብሓጎስ ከይዶም፡ ንዓመታት ኣብ ሳዋ ኣገልጊሎም፡ ካብ ውትህድርና ናብ ባሮት ተሊዊጦም፡ ተስፋ ሲኢኖሙሉ ዝረኸበ ይርከበና ኢሎም ወጺኦም፡ ተፈፍ ማሕረድትን፡ ባሕሪ መዲተራንያንን፡ ኣብ ፈቀዶ መዓሰክራት ሱዳንን ኢትዮጵያን፡ ልብያን እስራኤልን ዘለው ስቃዮም ንምቅላል እንታይ ይገብር ኣሎኹ? ሃገር ማከት’ኮ ሰብ’ዩ’

ኣብ ወጻኢ እንዳተቀመጥኩ ልክዕ ኣብ ኤርትራ ከም ዘለኹ ርክበይ ምስ ደቂ ሀገራይ ጥራይ ድዩ፡ ወይስ ቋንቋን፡ ባህልን ልምድን ናይቲ ዘለኹዎ ዓዲ ኣዳዕዲዔ ፈሊጠ ልክዕ ከምቲ ወዲ ዓዲ፡ ጓል ዓዲ ኮይነ ኣብ ማሕበራዊ ይኹን ፖለቲካዊ ካልእ መዳይት ተኻፊለ ከምኡ’ውን ዕድል እብ ዝረከብኩሉ ስለታ ዓለም ሙሉእ ኢ-ሰብኣውነት ተግባራት ከም ዝፍጸመላ ዝተኣመነላ ዘይተዓደለት መከረኛ ሃገርና መከረኛ ህዝብና የቃልሕ’የ?  መንግስቲ ክሸመና የብሉን ከምቲ ብእዋን ቃልሲ ዝነበረ ነብሲ ወክፍ ኤርትራዊ ኣብ ወጻኢ ዘሎ ኣምባስደር ናይ ሃገሩ ሙዅኑ፡ እቲ ንሱ ዝግብሮ ጽቡቅን ሕማቅን፡ ንህገሩ ከም  ዘንጸባርቅ ይዝክሮ’ዶ?

ዓለም ሎሚ ብኹሉ እናናኣሰት ትኸይድ ኣላ - ዕድመ ንዘመናዊ ተክኖሎጂ - ከም ኤርትራዊ ጥራይ ድየ ዝሓስብ ወይ ድማ ከም ኣፍሪቃውን ኣካል ናይ ዓለም ህብረተሰብ ኮይነ፡ ርእሰ ታእመንነት ኣሕዲረ፡ ናብ ሰላም ዝመርሕ ለውጢ ብዓቅመይ፡ ካብ ከባብየይ ጀሚረ ከምጽእ ይሓስብ’የ?

ኣብዛ ዓለም እንነብረሉ ጊዜ ኣዝዩ ድሩት ቋሕ ኢልካ ሰም’ዩ። ኩላትና 24 ሰዓታት ኣብ ማዓልቲ ጥራይ እየን ዘለውና፡  ወጊሓ ክትዓርብ ሰሙን መጺኣ ሰሙን ክትከይድ፡ ዓመት መጺኣ ዓመት ክትውዳእ እይፍለጣካን’ዩ። እሞ ጊዝየይ ብኸመይ የጥፍኦ ኣሎኹ? ኣብ social media፡ ኣብ websites እቲ ዘድልየኒ ሓበሬታት ወሲደ ሰሚዕ ድየ ዝኸይድ ወይ ንወረ ከምዚ ተገይሩ ከምዚ ተሰሪሑ እናበልኩ መታዓለሊ እየ ዝገብሮ፡ ወልፊ ናይ መጥፍእ ጊዜ ዕላላት ተገብረ ተስርሐ እንተሎኒኸ ከመይ ጌይረ’የ ዘጥፍኦ?

 

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፡ ሓደ ካብቲ ዝኸፍኤ እዚ ስርዓት’ዚ ዘታኣታተዎ ክቱር ፍርሕን፡ መለክዒ ዘይብሉ ጭከኔ፡ ሰብ ሙዃንካ ዘጽልእ’ዩ። ካብኡ  ዝኸፍኤ ድማ፡ ነዚ ጭካኔ እዚ ከም ቅቡል፡ ከም ንቡር ጌርካ ምውሳድ’ዩ። እዚ ናይ ውድቀት ውድቀት እዩ። ብሓቂ ሕሪሕራይ ጌርና ኢና ወዲቅና። ክፉእ ዝገበረን ክፉእ እናተገብረ ንኻልእ እናሓመየ ስቅ ኢሉ ዝርኣየን ክልቲኦም ገብኛታት ከም ሙኻኖም መጠን፡ ንሕና ናይ ትማሊ ጀጋኑ፡ ናይ ሎሚ ገበኛታት ሽለታት ኮይንና ንርከብ ኣሎና!  ነቲ ግፍዒ፡ ግፍዒ፡ ነቲ ሞት ሞት ምባል ንምንታይ ግዲና ተቃሊስና ፍትሒባ ይሃሉ ምባል  ኣብ ፈቀዶ መዓስክር ዝሳቀ ዘሎ ቁጽሩ ማእለይ ዘይብሉ ህዝብና  ሃየባ ኣሎናልካ ንበሎ ምባል ፖለቲካ’ዩ ኢልካ ገጽካ ትጠዊ እንተኾንካ  ሽፈጥ’ዩ። ንሰብ ንተወሰነ ጊዜ ክትሽፍጦ ይካኣል’ዩ። ነቲ ዝፈጠረካ እግዝኣቢሄር፡ ጽባሕ ዝጻባጸበካ ግን ክትሽፍጦ ኣይከኣኣልን እዩ። ሐጎስ ህዝብኻ ከም ናይ ብሕቲ ሓጎስካ ወጽዓ ህዝብኻ ከም ናይ ብሕቲ ወጽዓኻ ወሲድካ ምንቅስቃስ ጠቅሙ መጀመርታ ንዓኻ ሙኾኑ  ዘይማትእ ሓቂ’ዩ። ደቂስካ ትሓድር።እንተኾነ ዓይንና ኽሳብ ዝርኣየ ብርክና ክሳብ ዝጎየየ፡ ኣእሙሮና ክሳብ ዝሰርሔ ዕድሜና ብዘይ ኣገድስ ብፍቅርን ብሓልዮትን ተንሲኢና፡ ዝጀመርናዮ ቃልሲ  ምዝዛም ግዜኡ ዝጠልቦ ህጹጽ ጉዳይ’ዩ።  እሞ ካብ ዝውደቅናዮ ምትንሳእ ጥራይ ዘይኮነ ክንጎይ ንኽእል ኢና። ሙግያይ ጥራይ ዘይኮነ ጎይና ክንቅድም’ውን ተኽእሎ ኣለና። ክምብል በለ እምበር ኣይፈሰሰን።  እምባርከስ ልክዕ ከምቲ ደርሆ መሬት ጻህቲራ ፍጹም ዶሮና ተኸዲና ክተብቅዕ ክት ምስ በልካያ ዶረናኣ ነጊፋ ጨቀዋታ ትሕቁፍ። ሕጂ ድማ  ንሕና ዶረናና ንንገፍ።

ክቡር ህዝቤ ኤርትራ፡  ሓደ ነገር ክንግንዘቦ ዘለና ህዝቢ ኣብ ክንዲ ብነጻ ሓሪሱን ሽቂሉን ነጊዱን ናብርኡ ዘካይድ፡ ከይትሓርስ፡ ከይትሽቅል ከይትነግድ፡ ዝበልናካ ጥራይ ተኣዘዝ፡  ሓረስቶት ባዕልና፡ ሽቃሎ ባዕልና ነጋዶ ባዕልና ምስ ተባህለ ኣብ ሐውሲ ጥሜት ኣትዩ፡ ዓዳላይ እንተኾይኑ ዝብላዕ ክንዲ ዝዕድል፡ እቲ ስርዓት ንነብሲ ወክፍ ስድራ ጠበንጃ ዓዲሉ።  ህዝቢ ኤርትራ ኳዕናንን ፡ ወሪድዎ ድኣ እምበር ደላይ ሰላም ኮይኑ እምበር፡  በቲ ዘጋጠሞ ጥልመተ ሀገርን ጸብጺብካ ዘይውዳእ ናይ ብሕቱ ሓሳረ መከራን በቲ ዝተዓደሎ መሳርያ ነንሕድሕዱ ምተዃሳተረ። ግን ሎሚ ዶኽን ጽባሕ ይሓልፍ እናበለ ሰኑ ነኺሱ ክብርትዖ እናተሰደ ይሓልፎ ኣሎ። እምበኣር ሃየ ኩላትና ሕልናና እናተወኪስና፡ ርእሰ ለውጥ ጌርና ዝተወድኤን ዝመስል ግንከ ዘይተዛዘመ ክዛዘም  እጃምና ክንገብር ንጓየ።

እምበኣር እንሆ ዘረባይ ኣብዚ ይዓጹ ኣሎኹ። ዘለኣለማዊ ክብርን መስጋናን ንዕኡ ንኣምላኽና ይኹን።  ኣሜን።

የቀንየለይ

 

ኣበባ