ዕዮ 'ለና

ኣይፋል ምፍልላይ ኣብ ንከዶ ጉዕዞ
ሃየ ደኣ ንጠመር ከም ሓንቲ መኣዶ
ነስምሮ ሱግምና ክንኣሊ ጸገምና
ስለ ውጹዕ ህዝቢ ዓቢና ንኡስና
ስለ ውጹዕ ህዝቢ ዓቢና ንኡስና

ሓደ እንድዩ ባህግና ኩሉ ድሌታትና
ዓንዲ ማእከል ሓቂ ፍትሒ ክነግሰልና
ሕጊ ኣልቦ ስርዓት ከኽትም እዋኑ
ዕዮ ኣለና ዕዮ ሎሚ ንሰርሓሉ
ውሕስቲ ኤርትራ ጽባሕ ንክትህሉ

ክምለስ ክብርና ሎሚ ንንቀሓሉ
ክውዳእ ሽግርና ሓንሳብ ንሓዋሩ
ሎሚ ንንቀሓሉ

ብመትከል ንቃለስ ረብሓ ሓድነትና
ወጊድ እናበልና ዓንቃፊ ጉዕዞና
ሓቅታት ኣይንጉሰ ታሪክ ከይሓተና
ዓቅምና ነበርክት ግቡእና ፈሊጥና

ደቂ ሓደ እምባ ደቂ ሓደ ሩባ
ሃየ ባ ንጠምት ናብ ርሑቅ ቀረባ
ኣሕዋት እኮ ኢና ዘይብልና ጓና
ሓደ ዝደምበና ሓደ መጋርያና

ንታሪክ ንግደፎ እቲ ዝሓለፈ
ዘሎ.ንዶ ይበዝሕ እቲ ዝተረፈ
ኢድን ጓንትን ንኩን ወጽዓና ኣለሊና
ሓድነት ያ መፍትሕ መርሆ መጻኢና

ደቂ ሓደ እምባ ደቂ ሓደ ሩባ
ሃየ ባ ንጠምት ናብ ሩሑቅ ቀረባ
ኣሕዋት እኮ ኢና ዘይብልና ጓና
ታሪክና ንወከስ ምስሊ መንነትና