February 25, 2018

ኣራራት  እዮብ

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ -   ኣሓተይ፡ ኣሕዋተይ ደቀይ፡ ደቂ ደቀይ፡ ከመይ ኢልክን ቀኒኽን፡ ከመይ ኢልኩም ቀኒኹም፡  ኣነ እግዚኣቢሄር ይመስገን ጽቡቅ ኣለኹ።

ኩላትና ከም ንፈልጦ፡  ሓደ ሰብ ካብዛ ዓለም እዚኣ ብሞት ምስ ተፈልየ፡  ኣብ ባህልና ኣብተን ዝተፋላለያ ሃይማኖታት ብበቢዓይነቱ ኣጋባባት ብሕልፊ ኣብታ ቀዳመይቲ ዓመት፡ ወግዓዊ መዘከርታ ይግበረሉዩ። ንምሳሌ ኣብ ኦርቶዶክስ፡ ካቶሊክ ኣብ 12, 40 ፈረቃ ዓመት፡ ዓመት፡ ቀረባ  ቤተስባን ፈተውትን ተኢኪቡ ናብ ቤተክርስትያን ይኸይድ፡   ካህናት ንምዉት ፍትሓት ይገብርሉ፡ ቤተስብ ድማ ከምኡ ጸሎቱ ናብ ኣምላኽ የዕርግ፡ ብድሕሪኡ ኣብ ቤት ከድካ ካብቲ እተቀረበ እኽለ ማይ  ትካፈል።

ክብርቲ ሓፍትና ኣራራት እዮብ ካብዛ ዓለም እዚኣ ካብ ትፍለ እንሆ ኣርባዓ መዓልቲ ኮይኑ።  ኣራራት ኣብ 40 ማዕልቲ ወይ ኣርባዕተ ዓመት ኣይኮነትን ጥራይ ትዝከር። እንታይ ድኣ ታሪኻዊት እያ’ሞ፡ ዛንትኣ ኣብ ኤርትራ ህያው ኮይኑ ዝነብር’ዩ።

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣራራት ካብተን ዉሕዳት ደቂ ኣንስትዮ ኣብቲ እዋና ናይ ትምህርቲ ዕድል ረኺባ፡ ብተጋድስነታን፡ ብልሓን ጻዕራን፡ ብምትብባዕ ናይ ዝተማህሩ ወለዳን፡ ኣብ ኣስመራ ትምሃርታ ጨሪሻ፡ ኣብ ኣመሪካ ድማ ዝልዓለ ትምህርቲ ቀሲማ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራውያንን፡ ብዙሓት ዓለምለኻዋያንን ዝና ዘትረፈት’ያ። ንኣራራት ሎሚ ኣብዚ ናይ 40 መዓልቲ ተዘክሮኣ፡ ብወገነይ ዝዝዝከራ ዘለኹ ልዑል ዝኾነ ትምህርቲ ብምቅሳማ ኣይኮነን   እንታይ ድኣ በቲ ተማሂራ ኣብ ህዝባን ንህዝባን ዝገበረቶ ዓቢ ኣበርክቶ እዩ። እወ ኣራራት  ፍልጠታ ንርእሳ ጥራይ ኣይገበረቶን፡ ድልየታን፡ ህርፋናን ጻዕራን፡ ከምቲ ንሳ ዝተማህረቶ ኤርትራውያን ክምሃሩ ካብኡ ንናብኡ ድማ ደቂ ኣንስትዮ ክምሃራላ ኣፋዊ ዘይኮነ ልባዊን ግብራውን፡ ጻዕሪ ስለ ዘየካየደት’ያ።  ኣራራት፡ ብልሓን፡ ድልየታን ጻዕራን፡ ቃላት ክገብረሉ እንተድእ ኮይነ ከምዚ ምበልኩ፡ “እቲ ኣነ ዝረኸብክዎ ብርሃን፡ እቲ ኣባይ ዘሎ ብርሃን ንኹሉ ይብራህ።” ኣብቲ ኣብ 2001 ኣብ ኣስመራ ብስም Against All Odds ዝተኻየደ ዓለምለኻዊ ኣኼባ ኣብ ምድንፋዕ ስነጽሑፉን ባህልን ዘተኮረ፡ ኣራራት ልብኻ ዝትንክፍ ሃናጺ ዝኾነ ግጥምታት ጺሒፋ ኣንቢባ። በቲ ልዋም ኣዛራራብኣ ድማ ነቲ ሰማዒኣ እቲ ናታ ፍልጠት ድልየትን፡ ጻዕረን እምበር ካልእ ፍሉይ ተውህቦ ከምዘይድልዮ ገሊጻ፡ ካልኦት ከምኡ ክግበሩ ከም ዝኽእሉ፡ ርእሰ ታእማምነት ከም ዝሓድሮም እያ ዝገበረት። ነተን ደቂ ኣንስትዮ ድማ ብሐቂ ኣብነት ኮይናትና።  ኣነ ንባዕለይ ኣብ ሓዳስ ኤርትራ ከምኣ ዝኣመሰላ ምቁሉላት፡ ብሱላት ደቂ ኣንስትዮ ተማሂረን፡ ክምህራ  ድልየት ዘለውን ምርኣየይ ኣድኒቀን፡ ብዙሕ ተሓጉሰ።

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፡ ሓደ ተማሃራይ ወለዱን፡ መማሃራኑን  ጥራይ ኣይኮኑን ዘምህርዎ  እንታይ ድኣ እቲ መላኣ  ህብረተሰብ’ዩ።  ዝተማህረ ሰብ ንኻልእ ከምህር ፡ በቲ ትምህርቱ ንህዝቢ ከገልግል፡ እምበር  ምሁር ተባሂሉ፡ ኣብቲ ህዝቢ ከም ብሉጽ ኮይኑ ተራእዩ፡ ፍልጠቱ ንርእሱ ጠቂሙ ስቅ ክብል ኣይኮነን። ሓንቲ ቀንዴል ኣብ ስግርፎኦ ኣይኮንካን ተምብራ፡  እንታይ ድኣ ነታ ምልእቲ ክፍሊ ምእንቲ ክተብርህ ኣብ ብርኽ ዝበለ ቦታ ኢኻ ተቀምጣ። ተማሂሩ ዘይምህር፡ ልክዕ ከምቲ ተሊቂሑ ዕድኡ ክኽፍል ዝኽእል ከሎ ዕድኡ ዘይከፍል’ዩ። ምስምሳት ፈጢሩ መንእሰይ ከም ዘይምሃር ንዝገብር፡ እቲ ምሁር ብኹሉ ሓይሉ፡ ብኹሉ እንትንኡ፡ ተንሲኡ ተቃዊሙ ትምህርቲ  ከስፋሕፍሕ ሓላፍነቱ’ዩ። ሕክምና፡ ማሃንዲስነት፡ ጋዚጣኝነት፡ ንግድ፡ ጽሕፈተ መጻሕፍቲ፡ ጥብቅና፡  ኩሉ ዓይነት ስነጥበብ... ወዘተረፈ  ተሚሂሮም ክምኦም ዝኣመሰሉ ኣሽሓት ከም ዝምሃሩ፡ ተማሂሮም ኣብ ስራሕ ከም ዝዋፈሩ ምስ ዝገብሩ እዮም  ሀገር ብኹሉ ትምዕብል። ብትምህርትን፡ ብትሕዝቶን ምስ ፍትሑ ዝማዕበለት ህገር ሰላም ክሰፍና ናይ ግድን’ዩ። እሞ እንደግና ክድግሞ፡ ተሚሃሩ ትምህርቱ ኣብ ጠቅሚ ህዝቡ ዘይውዕል፡ ጥቅሙ ከይትትንከፎ ንሐቂ ዝዕምጽጽ፡ ወይ ሓቂ እናራኣየ ከም ዘይርኣየ ዘስቅጥ፡ ዓይኑ ዝዕመት፡ ልክዕ ከምቲ ዕድኡ ክኸፍል እናኻኣለ ዕድኡ ዘይከፍል ነውራምን፡ ሕሱርን ሰብ’ዩ። ሰብ ክጻባጸበካ ሓይሊ ክህልዎ እንተዘይከኣለ ላዕላዋይ ተጻባጻባይ ኣሎ።

ኣራራት ስለ ነጻነትነትን ሓርነትን ሃገራ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝተሳቀየት፡ ኣብ ስድት ንስደተኛ ህዝባ ዘገልገልት፡  እቲ ንሳ ዝረኸበቶ ናይ ትምህርቲ ዕድል ካልእ ክረኽቦ ዝጽዓረት፡ ብኹሉ ዝተማልኤት ዕዳኣ ኮሪዓ ክፊላ፡ ዘይበሊ፡ ዘይሃስስ፡  ታሪኽ ገዲፋ ኣብ ኣምላኻ ኸይዳ።  ወይልኡ ዕድኡ ከይከፈለ ዝኸይድ።

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፡ ድሕሪ ሰንሰላታዊ በብዓይነቱ ነዊሕ መግዛእትታት፡  ህዝቢ ኤርትራ ዘላቂ ሰላምን፡ ራህዋን፡ ቅሳነትን ምእንቲ ክረክብ፡ መምዘኒ ዘይርከቦ ከቢድ ዋጋ ዝኸፈለሉ ናይ 30 ዓመታት መሪር ኩናት፡ ብትኽክል መንገዲ ሀገር ምህናጽ ብሰበስልጣን ኤርትራ ፉጹም ኩልኩል’ዩ።  ኣብ መላእ ሀገር ትርከብ ዝነበረት ሓንቲ ዩኒቨርስቲ ዓጽዮም፡ ንቅኑዕ ኣማራርሓ፡ ንፍትሒ ብሒም ዝበለ ዘፋራርሑን፡ ዝኣስሩን፡ ዘሕቅቁን፡ ማዕረ ስንኩላን ከይተረፉ ዝቀትሉን፡ ስድራ ቤት ዝበታትኑን፡ ዘድክዩን፡ ቅስሙ ዝሰብሩን፡ ካን ነዛ ምንባር ሲኢኑ፡ ካብዝስ ዝረኸበ ይርከበኒ እናበለ ዝፈትዋ ህገሩ ከም ዘይናቱ ቁሊሕ እናበለ ንድሕሪት ገዲፉ ብብዝሒ ከም ዝስደድ ዝገብሩን፡  መሬት ኤርትራ ከም ድላዮም ዝሸጡን ዝልውጡን፡ ባህርያዊ ሃብታ ዝጉሕጉሑን፡ ወደባታታ ብዱዓት፡ትዕበኛታት፡ ሃብታማት ጎረባብታ ከም ድላዮም ዝዕንድሩሉን፡ ጠባዮም ዝፈጠሮ ናይ ብሕቲ ጸላእቶም ጸላእቲ ኤርትራ ከም ዝኾኑ ኣረዲኦም፡ ንህዝቢ  ከም ዳሕራይ ቀዳማይ ኣብ ኩናት ዝነቅቱ፡ ህላዌ ኤርትራ ከም ሀገር ኣብ ምልክት ሕቶ ዘእትዉ እዮም። ከምኡ ስለ ዝኾነ ኣራራት፡ ከምቲ ትምኒታ፡ ትምህርታን፡ ተመክሮኣን ኣብ ህንጸት ትፈትዋ ሃገራ ከትውዕሎ ኣይከኣለትን። ከምኡ ስለ ዝኾነ ድማ ጓህን፡ ሕማምን ዘይፍለያኣ ብጾት ኮይነንኣ።  ኣራራት ነታ ትህርፋ ኤርትራ ክትረኽባ ኣብ ዓድታት ከይዳ፡ ኣይረኸበታን ግን። ሞት ንወዲ ሰብ ዝተዋህቦ መሪር ጽዋእ’ዩ። ሓቂ ዓምጺጽካ፡ መሰል ደቂ ሀገር ገፊፍካ፡ ሒዝካዮ ንዘይትኸይድ መላይን ገንዘብ ናይ ህዝቢ ኣብ ናይ ወጻኢ ባንክታት ኣቀሚጥካ፡ ስኽራንን፡  ዝሙትን መሎዮኻ ጌርካ ዓዲ ኣምላኽካ ምኻድ’ዩ ናይ ሞት ሞት። ኣራራት ብስጋ ተኽዊላትና እምበር ኣይሞተትን።  እምነታን፡ ኣብነታን፡ ኣጎልጉሎታን ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ወርቃዊ ቦታ ኮይኑ ንዘንቲ እለት ክነብር’ዩ።

ስለ ኣራራት ኣስማሪኖ  ኣብ ደንቢኣ ዘሰፈረቶን ዘቃላሓቶን፡  ኣብዚ ናይ ኣርባዓ መዓልቲ ዝኽሪ ዳግማይ ከንብቦ’የ።

 

ኣራራት ብሰናይ ሓልዮት፡ ንፍትሒ ትምድር

ስለ ብዱል፡ ትሓዝን ትጽዕር

በዓልቲ ሕልና፡ ንክዉን ትነግር

ቅንዕቲ ሰብ፡ ንሓቂ ትምስክር፤

 

አብነት ብግብሪ፡ አብነት ብቃላ

ተቓሊሳ፡ ተኣሲራ፡ ተጋዲላ

ፈልሲ ናይ ሓርነት፡ ጥዑይ ዘርኢ አብቁላ፡

እሂን ምሂን ምባል፡ ምክብባር ምስምማዕ ሓድሕድ ምጽውዋር

ባህልና ክኸውን፡ መኺራ ምዒዳ

መሓዛ አዝማሪኖ፡ ተፋንያ ከይዳ!

ንፈተውታ፡ ሰናይ ንዝዝምሩ

ንመፍቀርታ፡ ቅኑዕ ንዝመኽሩ

ዓቢ ሓዘን፡ ሓቂ ንዘፍቅሩ!

እንተኾነ እዛ በዓልቲ ሓቦ - ፈታዊት ዓደቦ፡

 ርሑቕ እንተገሸት፡ እንተተኸወለት

 ናይ ጽሑፍ ምስክር፡ ባዕላ ዝኸተመቶ

አለዋ ሓወልቲ፡ ባዕላ ዝተኸለቶ

ተኸዊላ'ምበረ፡ አይሞተትን ከቶ!

ኣራራት ዓባይ ሰብ፡

ሳላ ሕልናኣ

ሳላ ቅንዕናኣ

ሳላ ተበግሶኣ፡

ትማሊ ምሳና

ሎሚ አብ ሕልናና

ጽባሕ አብ ልብና

ክትነብር ኢያ ወትሩ፡ አይትርሳዕን ኢያ!!

 

ዕረፍቲ ዘልኣለም፡ ንኣራራት!

 

ንቤተሰብ፡ ጽንዓት!

 

የቀንየለይ\

ኣበባ