ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፡ ክቡራት ፡ ኣሓተይ፡ ኣሕዋተይ፡ ደቀይ፡ ደቂ ደቀይ፡

ከመይ ኢልኩም ቀኒኹም፡ ከምይ ኢልክን ቂኒኽን፡  ኣነ እግዚኣቢሄር ይመስገን ጽብቅ ኣሎኹ። እምበኣር ሎሚ  ኣብዚ ስዓትዚ ከም ህዝቢ ናይ ግደን ክንብሮ ኣለና ኢለ ዝኣምነሉን፡ “በትሪ ሐቅስ ትቀጥን እምበር ኣይትስበርን” ትብል ኣርእስትን ሒዘ ቀሪበ’ሎኹ።

ከም ንፈልጦ መንግስቲ እስራኤል ነቶም 40,000 ስደትድኛታት- ልዕሊ 30,000 ዝኾኑ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ዝተረፉ ድማ  ደቂ ሱዳን፡  ካብ መሬታ ተባሕጉጎም ክወጹላ ምእንቲ  “እዚኣቶም ስደተኛታት ኣይኮነኑን እንታይ ድኣ ናይ ኤኮነሚ ሽገር ዘለዎም ዓዶም ክኸዱ ዝኽእሉ ጽላቋት(Infiltrators) እዮም”  ብዝብል ጉልባብ ምስ ኣፍሪቃዊት መንግስቲ ሩውንዳ ተሰማሚዓ ንርዋንዳ ክትሰዶም ወሲና። እስራኤል ሓንቲ ካብተን  ነቲ ናይ 1951 ናይ ስደታኛታት ውዕል መጀመርታ ዝፈረመት ሃገር’ያ።  ከምኡ ስለ ዝኾነ ድማ እዩ ሽፋን ትፈጥር ዘላ።

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፡  ካብ መግዛእቲ ባዕዳውያንን፡  ድኽነትን፡ ድኽነት ዘስዕቦ ሕማማትን፡ ድንቁርናን ፍርሕን፡ ገዛእቲ ንኽጥዕሞም ዘይነበረ፡ ዘታኣታተዉዎ፡ ናይ ሃይማኖት ኣውራጃ፡ ዓሌት ምፍልላያት ተላቂቁ፡ ኣብ ሀገሩ ፍትሒ ነጊሱ፡ ርህይዎ ብሰላም ኮሪዑ ምእንቲ ክነብር ህዝቢ ኤርትራ ን30 ዓመታት ዝኣክል፡ “ኣታ ሎምስ እምበር ደኺማና” ከይበለ ተዋጊኡ። ማእለያ ዘይብሉ ህይወት ሰብን፡ ኤኮኖምያዊ ዕንወትን፡ ምብትታን ስድራቤታትን፡ ስደትን ኣኸቲሉ።  ሕጂ ድማ ኦሕዝኣመንክዋ ድሙስ ተምጽኣለይ ተመን ከም ዝብሃል፡ ከቢድ ዋጋ ዝኸፈልናሉ ነጻነትና ተኻሒዱ፡ ህዝቢ ዘይመረጾ፡ ብሓይሉ ኣብ ኮረሻ ስልጣን ተወጢሑ፡ ን26 ዓመታት ዝኣክል ንህዝቢ ናይ ዘመናት ታሪኹን ባህሉን ኣጥፊኡ፡ ብኣፉ፡ ብኢዱ፡ብኸብዱ ብሐንጎሉ ሒዙ፡ ካን ነዛ ምንባር ስኢኑ፡ ዝረኸበ ይርከበኒ ኢሉ ይስድድ ኣሎ።  ካብቲ ኣብ መንገዲ  ዘጓንፍ ጥሜትን፡ ሕማምን፡ ሞትን፡ ከም እንስሳ ማሕረድትን፡ ቀለብ ዓሳን ሙዃንን መሸጣን ንስክላ ዝወጸ ዓዲ እንዳማቱ ምስ ኣተወ ድማ  ጸገሙ ቀሊል ኣይኮነን። ስቃይ ናይታ መከረኛ ጓል እንስተይቲ እሞ ኸኣ መለክዒ የብሉን። ክብራ ተጋሂሳ፡ ስንባራቱ ብቀሊ ዘይገድፍ ዓመጽ ተዓሚጻ፡  ብዓመጽ ዝተጸንሰ ሕጻን ወሊዳ፡  ከምቲ  ድልየታ ብጽቡቅ ከይተዕብዮ ከምይ ጌይራ፡  ኣበይ ኾይና! ንኽትዛረበሉ ቀሊል ግን ናይ ከቢድ ከቢድ’ዩ።

በትሪ ሓቂስ ትቀጥን እምበር ኣይትስበረን ዘበለኒ ድማ፡ መንግስቲ እስራኤል ይወስን እምበር ህዝቢ እስራኤል ብኹሉ ኣሜን ኢሉ ኣይተቀብሎን። ራባያትን፡ ፍሉጣት ውልቀ ሰባትን ሊበራላውን ማሕበራትን፡ ኣንጻር’ዚ ዉሳኔ ደው ኢሎም ብበብዓይነቱ መንግደዲ ይምክቱ ኣለው። ከም’ውን ናይ ዓለም ዘይመንግስታውያን ማሕበራት: ዐለምለኻውያን ተጣበቅቲ መሰል ደቀ ሳባትን፡ ገበርቲ ሰናይን ይምክትዎ  ኣለው።  ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ፡ ወርሒ የካቲት ኣብቲ ኣብ ብዙሓት ከተማታት ኤውሮጳን፡ ኣመሪካን፡ ካናዳን ኢርትራውያን ዝገብርዎ ዘለው demonstration   እዞም ዝጠቀስክዎም ብብዝሒ ይርከብዎም።።

ንምሳሌ፡ ኣብቲ ኣብ ዋሺንጎቶን ብየካትት 5   ዝተገብረ demonstration  ወከልቲ ናይ እስራኤል ዘይመንግስታውያን ማሕበራትን፡ ሰብ ሕልና ውልቀሳባትን - ራባይን  ኔይሮም። Rabbi Shmuel Herzfeld of Ohev Shalom Synagogue in Washington, DC ምስቲ ዝነበረ ቁርን ንፋስን ርቅቅ ዝበለ ናይ ራባይ መለዮ ክዳኑ ተኸዱኑ መንግስቲ እስራኤል ዝወሰኖ ውሳኔን ሩዋንዳ ትትሓባበሮ ዘላን ኮኒኑ። ብዘይካ እቲ ብእብራይጥን እንጊሊዘኛን ተጻሒፉ ዝነበረ ከምኒ “Stop the “Deportation Stop the Crime” Refugees are not for sale: human being are not for sale” ዝብል  Lucette Moraam ዝተባህለት ሓንቲ ካብቶም ሓላፊት ናይ ሓደ  ዘይመንግስታዊ ማሕበር፡  '”ንሕና እስራኤላውያን ንኣምነሉ፡ ማለት  ምሳና  ዘሎ ወጻእተኛ፡ ከነኽብሮ ምሳና ዘሎ ስደተኛ ከምቲ ንነፍስና ጌርና ነፍቅሮ፡ ከነፍቅሮ ኣለና፡ ከመይ ንሕና ውን ኣብ ግብጺ ስደተኛታት ኢና ኔርና ንብሎ መንግስትና ዝረስዖ ይመስል። እሞ ንሕናስ ብሓቂ ንኣርባዓ ሽሕ ዝክውን ስደተኛ ኣብ ልብና ፍቅሪ የብልናን?  ነርብዓ ሽህ ዝኸውን ከነንብር ኣይንኽእልን ማለት ድዩ? ዘሕፍር ውሳኔ’ዩ ክሳብ መወዳእታ ከይተሓለልና ክናቃልሰ ኣለና” እናበለት  ኣምሪራ ተዛሪባ። ከምኡውን ሓደ ሽማግለ ሰብኣይ “ኣቦይ ካብ ሆሎካስት ዘምለጠ - holocaust  survivor - እዩ ሎሚ እዚ መንግስትና ትገብሮ ዘላ እንተዝርኢ እንታይ ኮን ምበለ ሓዘን ምቀተሎ ነይሩ” እናበለ ብስሚዕት ተዘሪቡ።  ኣነ ድማ ብልበይ ነጻነትን ሓርነትን ንምምጻእ ኹሉ ኣብ ኩናት ዝተሰውኤ ወዱን ጓሉን፡ ኣብ ፈቀዶ ቤት ማእሰርትታት ብሕሱም ምቅጥቃጥ ዝተሰውኤ፡ ንገድሉም ከደልድሉ  ከርተት ኢሎም፡ ዕድመ ደፊኡም  ይኹን ሓሚሞም  ዝሞቱ ፕዚደንት ኢሳያስ ምስ መገልገልቱ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዘውርድዎ ዘለዉ መዓት ዝገብርዎ ዘሎ መዋዳድርቲ ዘይብሉ ጭካኔ እንተዝርእዩስ እንታይ ኮን ምበሉ? ኢለ።

  እወ ኤርትራ ድሕሪ ናይ 30 ዓመታት ኩናት መላእ ህዝቢ፡ ዓቢ ምስ ንእሽቶ ጓል ምስ ወዲ፡ ሰብኣይ ምስ ሰበይቲ ዋጋ ዝኸፈለሉ ጻማ ረኺባ ዓዲ ሰላም፡ ዓዲ ሓጎስ፡ ዓዲ ፍትሒ፡ ዓዲ ሽሻይ ኮይና ንዝተሸገሩ ስደታኛታት ከተዕቁብ ትጽቢት ዝተገብረላ እንሆ ሕጂ ኣብ ዘስካሕክሕ ጥራይ ዘይኮነ  ኣብ ዘሕፍር ኩነታት ወዲቅና። ቅድሚ 26 ዓመታት ሓጎስን ኩርዓትን ዝሰምዓና ዝነበረ ሎሚ ርእስና ኣድኒና ንኸይድ ኣሎና። እሞ ኣብቲ ናይ መጨረሻ ስቃይን፡ ሕፍረትን፡ ዉርደትን ካብ በጻሕናስ ኣዅሉና ማለት ድዩ፡፡ ኣይፋልን።  ንዓይ ከም ዝመስለኒ ንሕና ነዚ ዝስዕብ ሓሳባት ፈጺሙ ሓዲስ ዘይኮነ፡ ቅድም ዝተባህለን፡ ሕጀ ዝብሃል ዘሎን እንተተኸተልና፡ ንዓና’ውን እቲ ንነዊሕ ዓመታት ዝደለናዮ ብርሃን ቀረባና ኣብ ትሕቲ ኣፍንጫና’ዩ ዘሎ።

ቀዳማይ፡ እዚ ዘሎ ስርዓት ብህይወት ጸኒሕሉ ዘሎ ምኽንያት ዋላኳ ናይ ነዊሕ ዓመታት ተመክሮ ሰባት ፈላሊኻ ምሕዝን፡ ከፋራርሓሉን ክሓባብለሉን ዘኽእሎ መላይን ገንዘብ ይህልዎ’ምበር፡ ክሳብ ከምዚ ሓያል ኮይኑ ዘይኮነስ፡ ንሕና ኣብ ሓቂ ዝተመርኮሰ ሕብረት ስለ ዝሳኣና ጥራይ’ዩ። ናይ ኣራኣእያን ናይ ኣገባብ ኣሳራርሓን ፍልልያት ፈቲሕና ናይ ሓባር ጸላኢና ብስምረት ክንገጥሞ ብዘይ ምኽኣል ኣብዚ ካብ ኣውደቀና፡ ሕጂ እታ ሓንቲ ምርጫ ተሪፋትና ዘላ፡ ፋይዳ ዘይብሉ መመሊስና ናይ ቀደም ዛንታት ምንጋርን ገለ ቅርሕንታት ክፍታሕ ዝነብሮን ምኹምሳዕን ገዱፍና፡ ከም ዳሕራይ ቀዳማይ በፍልጦን፡ ብትሕትናን፡ ፍቅርን ምምራሽ’ዩ። ብቀጻሊ ናይ ዝሳቀ ዘሎ ህዝብኻን፡  ኣብ ምጽናት ትኸይድ ዘላ ሀገርካን ክፉእ ምስማዕ፡ ከምኡ’ውን ማዕከናት ዜናታት ናይታ ትነብርላ ሃገርን ናይ መላእ ዓለም ዘይቅስን ወሬታት ምስማዕ ምስኡ ድማ ናይ ገዛእ ርእስኻ ዘሕለፍካዮን ዘላኽዮን ሽግራት እናሓንሻዕ ምዝካር ንውሽጥኻ ሰላም ኣይህቦን’ዩ። ከቢድ ዋጋ ከም ዝተኽፍሎ ናይ ነጻነትና ምጭዋይ ጓህን፡ ሕርቃንን’ውን ኣብ ዉሽጢ ኩላትና ኣሎ። ውሽጥኻ ዓሙቅ ሰላም እንተዘይብሉ ድማ ሳዕቤኑ ኣብ ኩሉ ርክብካ በጨቅ ይብል’ዩ፡ ህድኣትን ምጽውዋርን ድማ ይስኣን። ከመይ ጌርካ ኢኻ  ኣብ ማዓሙቅ ልብኻ ዘሎ ዝተረስዔ ዝመስለካ ጓህን ሕርቃንን፡ መጀመርታ ከም ዘሎ ኣሚንካ ተውጽኦ ንዝብል ሕቶ፡  ኣብ ዘለኻ ኣሊኻ ህድእ ኢልካ ብጽሞና ምስ ርእስኻ ምውሳእን ብሰሚናራት ይኹን ጽሑፋት  ካብ ናይ ህይወት ተመክሮኦም ዝረኸብዎን ካብ ከም  ሞያ ዝትረማሃርዎን ክንጥቀም ንኽእል ልኢና። ክቱር ድልየት ጥራይ ይሃልወና። ምስኡ ድማ ርእስኻ ምሕማቅን፡ ትሕትናን፡ ሕድገትን።

ካልኣይ፡ ሎሚ ዓለም ናይቶም ዓበይቲ ልዕሊ ስሳታታ ዘለው ዘይኮነስ ናይ መንእሰያት’ያ። ዕድሜኦም ዝሰጎመ  ናይ  ዉዱባዊ ይኹን ሲቪካዊ ማሕበራት ኣባላት ብሓጺሩ  ንኹሎም መንእሰያት ካብ ማዓሙቅ ልቦም “ንሕና በዚ ተዓዊትና፡ ኣብዚ ተጋጊና ካብ ጌጋታትና ዝተማሃርናዮ ኣሎ፡ ከም ወለድኹምን፡ ኣያታትኩምን፡ በዚ መንገዲ ክትከዱ ንእምተልኩም፡ ህዝቢ እንተደልይኩም፡ መገልገልትን ሰማዕትን ድኣ እምበር ተገልገልትን ስምዑኒ ብሃልቲ ኣይትኹኑ” ክብልዎም ኣለዎም። ምባል ጥራይ ዘይኮነ ብትምህርትን ብሜላታትን ከም ዝገብዎ ምግባር’ዩ።

ሳልሳይ፡  እተን ተዳኺመን ዘለዋ ሲቪካዊ ማሕበራት፡ ካልኦት ተደለይቲ ሓደስትን ክህልዋ ኣለውን።   ናይዚኣተን ድልዱል ህላዌ ምስ ዘይህሉ ዝኾነ ይኹን መንግስቲ ፋሉል ክኽይድ ከም ዝኽእል ዘይማትእ ሓቂ ከም ዝኾነ ኣራጊጊጽና ኣሎና።

ራብዓይ  ደንበታት website ናይ ኢርትራ ይኹና  ራድዮታት ንህዝቢ ኣብ ዘለዎ ሃልዩ ዝመስገን እጎልግሎት የገልግላ ኣለዋ። ብሐቂ ቀሊል ስራሕ ኣይኮነን፡ ሓንጎልካን፡ ኩሉ እንትናኻ ዝጥይቅ ንምድላው ነዊሕ ሰዓት ዝወስድ’ዩ። ኣብ እዋን ቃልሲ ኣብ ውሽጢ ሜዳ እንታይ ይግበር ከም ዝነበረ፡  ዛንታ ጀጋኑን ከሓድን ተነጊሩ፡ ናይ ኢሳያስን ናይቶም ኩላቶም ሰብልጣንን፡ ቀደምን ሕጅን ዝገብርዎ ዘለው ብደቂቁ ኩሉ ተነጊሩ’ዩ’። ሕጂ መልክዑን ኣባሃህልኡን ይለዋውጥ እምበር ምንም ሓዲስ ነገር የልቦን። ስለዚ ንሱ ንታሪኽ ጊዲፍና። ናይ ሕጂን ናይ ዝመጽእን ንዛራረብ።  ርእስና እናሃነጽና: ብዝዕባ ኣብ ዓቢ ጸገም ዘልው ኣሕዋትናን፡ ኣሓትናን ኣብ መዓሰክራት ዘለውን፡ ብሕልፊ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ልብያን እስራኤልን ዘለው - ሓንሳእ ክልተ ሳዕ demonstration  ጊርካ ንገብርቲ ሰናይ ናይ ኤርትራውያን ማሕበራትን፡ ኣብ ጎኒ ውጹዕ ደው ዝብሉ ወጻእተኛታትን ክንገድፎ ኣይግባእን’ዩ። ኩላትና ሓቢርና ክንልዓለሉን። ክንጕየየሉን ኣሎና። ሰብ ምስ ተርኽበ’ዩ ሀገር ዝርከብ። ከምኡ ድማ ኣኣብቲ ዘለናዮ ሀገር ሽግርናን ሽግር ደቅናን ንፈትሓሉ ከም ተቀማጦ ንኸብረሉ፡ ኣብ መጻኢት ሀገርና ተደቢስና ተዳባቢባስና ድኽነተን ድንቁርና፡ ከመይ ጌርካ ከም  ዝጠፍእ  ንምዝርራብ  ኢና እዚ ደንቤታት እዚ ክንጥቀመሉ  ዝግባእ።  ጻባ ገዲፍካ ማይ  ጸባ እሞ ድማ  ምስ ጸርፉን ስድነቱን ይኣክል። ኣብ ፓልቶክ ኣብ ዘረባ ዝጠፍእ ሰዓታት  ሕደር ዉዓል ከይተባህለ ኣብ ትምሃርትን ኣብ ከምዚ ዝበልክዎ ክጠፍእ ኣልዎ።   ምእንቲ መጎጎ  ትሕለፍ ኣንጭዋ ክንብልን ምርክኩስና ትሕትናን ልቦናን ክኽውን ኣለዎ።  ጊዜ ድማ የለን። ሰብ ተጺልኢዎ ክብሉኻን፡ ይኽደነና ድእ’እምበር ዝምሕር ዘይመስል’ዩ ክብሉኻን ትጕዮ ኣጓይያ ሰማይን መሪትን’ዩ። ነብሲ ወከፍ ሰብ ሕልና ይሃልዎ እምበር እግዚኣብሄር ዝሃቦ ክእለት ኣለዎ። ድሓር ድማ ክፉእ ዝገበረን፡ ኩፉእ እናራኣየ ስቅ ዝበለን ክልቲኦም ገብኛታት ሙዅኖም ኣይንርስዕ።

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ እዚ ኩሉ ዝበልክዎ  ሓዲስ ኣይኮነን መራሕቲ ሃይማኖታትን ብዙሓት ሰባት ደቂ ተባዕትዮ ይኹኑ ደቂ እንስትዮ መንእሰያት ንባዕሎም ይብልዎ እዮም። ኣነ ውሕጅ እናሳሓቅካ እዩ ዝወስድካ ዝባሃል፡ እቲ ኩነታት እናኽፍኤ ይከይድ ስለ ዘሎስ፡ ክንቃላጥፍ ዕድል ረኺበ ጥራይ’የ ዘዛኻኽር ዘሎኹ።

 እምበኣር እንሆ ዘረባይ ኣብዚ ክዓጽዋ’’የ።   ዘለዓለማዊ ክብርን ምስጋናን ንዕኡ ንእምላኽና ይኹን። ኣሜን። 

ኣበባ