23 ጥቅምቲ 2017

ሸርሕን ውዲትን የማነ (ማንኪ) ንኤርትራን ህዝባን ካብ ማእሲ ናብ ጋህሲ የሳሲ

ዝኸበርኩም ደቂ ሃገረይ!!

ራእን ዕላማን ህዝቢ ተጨውዩ ፍትሕን መሰልን ክገሃስ እንከሎ፡ ዘስዕቦም ኣበሳታት ኣዕነውትን ሃሰይትን ብምዃኖም እነሆ ሎሚ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣደዳ ማእሰርቲ፣ ስደት፣ ውርደት፣ ጥምየትን ሞትን ኮይኑ፡ ፈቖድኡ ከም ደቂ ዛግራ ፋሕ ብትን ኢሉ ይርከብ።

 ነዚ ተኸሲቱ ዘሎ ኣዝዩ ዘሕዝን ሃገራዊ ብርሰት፡ ሓልዮት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ዓቕሙ ብዘፍቀዶ፡ ንእኩይ ተግባራት ናይ`ዚ ስርዓት፡ ንህዝቢ ኤርትራን ንማሕበረ ሰብ ዓለምን ከቓልዕ ጸኒሑን ኣሎን።  ተስፋ ንገብር ሓደ መዓልቲ ብቓልሲ ውጹዓት፡ ፍትሒ ኣብ ልዕሊ ፋሉላውነትን ዕንደራን ነጊሱ፡ ነዞም ሕጊ ረጊጾሞ ኣብ ልዕሊ ህዝብን ሃገርን ዘሽካዕልሉ ዘለዉ ዘይሓላፍነታውያን ሰበ ስልጣን፡ ፍትሒ ካብ ዝወደቐሉ ተንሲኡ ክዳንዮም ክንርኢ።

ኣብ ናይ ሎሚ ጽሑፍና፡ እኩይ ተግባራት ናይ የማነ ገብረኣብ፡ ብሓላፊ ፖለቲካውን ውደባውን ጉዳያት ህ.ግ.ደ.ፍ ዝፍለጥ፡ ኣብ ልዕሊ ሃገረ ኤርትራን ህዝባን ዘውርዶ ዘሎ ሳዕቤን ብዝምልከት ክንገልጽ እንከለና እነመሓላልፎ ሓደራ፡ ህዝቢ ኤርትራ ንኣስጋእነትን ሓደገኛነትን ናይዚ ብልኡኽ ኢሳይያስ ዝካየድ ዘሎ ኣጽናቲ ተግባር ብግቡእ ተረዲእካ፡ ብመጀመርታ ንገዛእ ርእስኻ፣ ብምቕጻል`ውን ንቤተ ሰብካ፣ መቕርብካን ሃገርካን ካብዚ ዝካየድ ዘሎ ውዲት ንምድሓን፡ ሰብኣዊ ሕልናኻ ክተበራብርን ኣብ ድሕነት ሃገርን ህዝብን ድማ እጃምካ ክተበርክትን ኣጥቢቕና ንላቦ።

የማነ ገብረኣብ፡ ንሰይጣናዊ ሕልምታት ውልቀ መላኺ ብዝግባእ ኣብ ባይታ ክትግብሩ ይኽእሉ እዮም ተባሂሎም ብጥንቃቐ ተሓርዮም ካብ ዝተመልመሉ እቲ ሓደን ቀንድን እዩ። ብርግጽ ድማ፡ ምስቲ ሎሚ ነዛ ሃገር ንምጥፋእ ዘካይዶ ዘሎ እኩይ ስራሕ ኣወዳዲርና ክንርእዮ ከለና እቲ ዝተገብረ ምልመላን መረጻን ብኣንጻር ዝተነብረሉ ትጽቢት ክረአ እንከሎ ጌጋ ኣይነበረን።

 ሎሚ ኣብ ኤርትራ፡ ኣብዚ መዳይ`ሲ ደሓን ኣሎ ክትብል ድኣ እዩ ዝሽግረካ እምበር፡ ንሕልናኻ ዝርብሽ፣ ንመንብሮ ደቂ ሰባት ኣብ ሓደጋ ዘእተወን መሰል ሰባት ዝገሃሰን ብሰንኪ ተፈጥሮ ዘይኮነስ፡ ከም እኒ የማነ ብዝኣመሰሉ ካሕዳያት ዝሃንደሱዎን ዝኣለሙዎን ሽግራት`ሲ ተንቲንካ`ውን ዝውዳእ ኣይኮነን። ነዛ ብሰንኪ የማነን ደቂ መዛሙርቱን `መቓብር ህሉዋት` ኮይና ዘላ ምስኪን ሃገር፡ እቲ ሒዛቶ ዘላ ዝተደወነ ምስሊ ኣብ ቅድሚ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ተራእዩ መታን ከይቃላዕ፡ ቀንዲ ስርሓት የማነ፡ ሓሶትን ምድንጋራትን ምሂዝካ፡ ኣብ ወጻኢ ንዝርከቡ ኤርትራውያን ይኹኑ፡ ወከልቲ ዝተፈላለዩ መንግስታትን ትካላትን ምትላልን ምግጋይን እዩ።

ገለ ካብቶም የማነ ዝውዕለሎምን ዝሓድረሎምን ናይ ሓሶት ወረታት፥ እሱራትና ኣዝዮም ጽቡቕ ኣለዉ፣ እዚ መንግስቲ እዚ እኮ ሓላፍነት ዝስመዖ እዩ፣ ካብ ንዓኻትኩም እኮ ንዓና ይቐርቡና፣ ቅዋም ዳርጋ 75% ኣብ ምዓልታዊ ስራሓትና ንጥቀመሉ ኣለና፣ እቲ ተሪፉና ዘሎ ዘይተተግበረ ነገር ጉዳይ ምርጫ እዩ፣ እሱ`ውን እንተኾነ ብሰንኪ ወራር ወያኔ ተደናጊና እምበር፡ ሸለል ኢልናዮ ኣይኮንናን ዝብሉን ካልኦት ማይ ዘይጠዓሙ ሓሶታት ብምምሃዝ፡ ነታ ኩላትና እንፈልጣ ምድራዊት ሲኦል ቀይሮማ ዘለዉ ሃገረ ኤርትራ ከዊሉ፡ ብናይ ሓሶትን ፈጠራዊ ወረታቱን ኣብ ዓለም ዘየላ ኤርትራ ፈጢሩ፡ ምድራዊት ገነት እያ ብዝብል ሰራም ሓሶት ኣዒንትና ከንቁረና ይፍትን። ብሓጺሩ ንየማነ ገብረኣብ፡ ካብ ንኤርትራ ዝውክል ፖለቲከኛ፡ ንኤርትራን ህዝባን ከጥፍእ ዘንቀደ  ሉኽመኛ ምባሉ ይቐልል።

እዚ ልኡኽ ጥፍኣት፡ ነዛ ሃገር ፍጹም ክትዓኑን ከም ዘይነበረት ክትከውንን ዘካይዶ ዘሎ ናይ ንዱያት ስራሕ በዚ ዘብቅዕ ኣይኮነን። ህዝቢ ከጽንትን ክበታትንን መጀመርታ ክፈላልዮ: ዘውጸኦ  እኩይ መደብ፡ብካልኣይ ደረጃ ዝስራዕ ገለ ካብቶም ብቀጻሊ ዝነጥፈሎም ዘሎ ናይ ተንኮል ስራሓቱ እዩ። ኣብ ዝሓለፉ ሓያለ ዓመታት፡ ቈልዑ ሃገሮም ከይርስዑን ነንሕድሕዶም ክፋለጡ ብዝብል መታለሊ ምህዞ፡ ወለድን ውሉዳትን ዝፈላሊ ሽርሒ ኢዩ ኣጻዊዱ። መንእሰያት ትሕቲ ዕድመ ምእዙዝነቶም ኣብ ክንዲ ንወለዶም: ንወከልቲ ጥፍኣትን መውደልደልትን ንኽኾኑ ምርግጋጽ ገለ ካብቶም የማነ ኣበርቲዑ ዝዓየሎም ዓውዲታት እከይ ተግባራቱ እዮም።

ኣብ ጻዕዳ ወረቐት ብድላይካ ዓይነት ሕብሪ እንተ ጽሓፍካ፡ ወረቐት ምቕባል ከም ዘይኣቢ ብዓል የማነ ኣጸቢቖም ዝወዓሉሉን ዝተጠቕሙሉን ሜላ ብምዃኑ፡ ብኽፍኣት ዘይተበከለ ኣእምሮ መንእሰያትና ንምምካንን ግራት ናይ ኩሉ እኩይ ተግባራቶም ንምግባርን ዘይተኣደነ ገንዘብ ብምውጻእ ክጓየዩሉ ጸኒሖምን ኣለዉን። መራሕን ተቖጻጻርን ናይዚ ብስም መንእሰያት ህግደፍ ዝተባህለ ማሕበር፡ ኣቦ ወንበሩ መንእሰይ ህግደፍ የማነ ገብረኣብ ምዃኑኸ ትፈልጡዶ?

ገለ ካብቶም የማነ ዝጥቀመሎም ልቢ ወለድ ስብከታት፥ እዛ ሃገር ጸላእቲ ኣለዉዋ፣ ናይ`ዛ ሃገር ድሕነት ክረጋገጽ ክኢሉ ዘሎ ብቐንዱ ሳላ ህግደፍ ካብኡ ናብኡ ውን ሳላ ኣቦኹም ኢሰያስ ኣፍወርቒ እዩ፣ ድሕነት እዛ ሃገር ንቐጻሊ`ውን ክሕሎ እንተድኣ ኮይኑ፡ ንስኻትኩም ኣብ ወጻኢ ሃገራት እትነብሩ መንእሰያት፡ ኣብ ቅድሚ መንግስትኹም እሙናት ሃገራውያን ምስ እትኾኑ ጥራይ እዩ። ንስኻትኩም ዝሓሸ ኣፍልጦን ትምህርታዊ ዕድላት ዝረኸብኩም ብምዃንኩም፡ ካብቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ መንእሰይ ዝያዳ ዝሓሸ መጻኢ ኣለኩም፡ ንቐጻሊ ተረከብቲ ሕድርን ሃገርን`ውን ንስኻትኩም እኹም። ስለዚ ድማ፡ ነቲ ናይ ጽባሕ ዕድላትኩም ንምሕላው ሎሚ ነዛ ሃገር ንድሕነታ ኣብርቲዕኩም ስርሑ። ነዚ ዘሎ መንግስቲ ዝቃወም ኩሉ ዋላ`ውን ቀረባ ቤተ-ሰብኩም ኣይትንሓፉዎ። ኣቦታትኩምን ኣዴታትኩምን እዚ ሰበይ እዩ፡ እዚ ፈታዊየይ እዩ እንተዝብሉ ወይ ውን እንተዝብላ፡ ነጻነትና ክነስተማቕር ኣይምኸኣልናን፡ ብዝብሉ ናይ ሓሶት ፈጠራዊ ምህዞታት ኣእምሮ መንእሰያትና ኣናዊጹ ናብ ዘይተደልዩ ዘይሕጋዊ መኣዝን የዋፍሮም።

እቲ ብስም ደም ኤርትራ (Eri Blood) ዝቖመ ጉጅለ ተኸታሊ ጥፍኣት፡ ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ዘውርዶ ዘሎ ዘይሕጋዊ ስጉምቲታት ሓደ ኣብነት ናይዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቐሰ ኮይኑ፡ እዚ ጉጅለ እዚ ኣብ ትሕቲ መንእሰያት ህግደፍ ዝነጥፍን ቀጥታዊ ተጸዋዕነቱ ድማ ንየማነ ገብረኣብ ዝኾነ ናይ ገበነኛታት ጭፍራ ኢዩ። ብሓጺሩ፡ ዕላማ መንእሰያት ህግደፍ ብቐንዱ፡ ራዕድን ሽበራን ኣብ ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ክዝርግሕ ቀጻሊ ምትብባዕ ዝግበረሉ ማሕበር እዩ። ናይዚ ናይ ራዕድን ሽበራን ጉጅለ መልማሊ፡ ኣሰልጣንን ተቖጻጻርን ድማ ኣቶ የማነ ገብረኣብ ባዕሉ እዩ። በዚ ኣጋጣሚ፡ እቶም ድሓን መሲሉኩም ደቅኹም ናብዚ ገበነኛ ምትእኽኻብ ትልእኩ ዘለኹም ኤርትራውያን ወለዲ፡ ዝመጸ ከይመጸ፡ ዕለታዊ ምንቅስቓስ ደቅኹም ብግቡእ ክትከታተሉን፡ ደቅኹም ኣብ ገበንን ጥፍኣትን ከይዋፈሩ ናይ ወላዲ ሓላፍነትኩም ከይትዝንግዑ ንላቦ።

ስርዓት ኢሰያስ፡ ንህዝብና ኣርዒዱን ኣደንዚዙን ክመልኽ ካብ ዘኽኣሉዎ ብዙሓት ውዲታት፡ እቲ ሓደን ዝዓበየን ናይ ስለያ መርበብ ምዝርጋሕ እዩ። እቲ ዝገርም ነዚ`ውን እንተኾነ፡ ብሓላፍነት ዘካይዶ እዚ ኣረሜናዊ ውልቀ ሰብ፡ ኣቶ የማነ ገብረኣብ እዩ። የማነ፡ ዘይወግዓዊ ሓላፊ መርበብ ስለያ ብምዃን፡ ነቲ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ወጻእን ኣብ ልዕሊ ንጹህ ህዝብና ዝግበር ኩለንተናዊ ስለያታትን ክትትላትን ይቆጻጸር። ናብዚ ናይ ስለያ መርበብ ዝኽተቡ ሓደሽቲ ኣባላት ይምልምል፣ የንቕሕን ናይ ስለያ ሓበሬታታት ይቕበልን።

እቶም ነዚ ናይ ስለያን ክትትልን ስራሓት ክሰርሑ ዝምደቡ ሰባት፡ መብዛሕትኦም ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ኮይኖም፡ ነዚ ስራሕ ዝሕረዩሉን ዝምልመሉሉን እዋን ኣብ ግዜ ስልጠና ኣብ ወተሃደራዊ ምዓስከር ሳዋን ካልኦት መዕለሚ ቦታታትን ከኸውን ከሎ: ገለ ድማ ካብ ተፈላለዩ ክፍለሰራዊታት ተሓርዮም እዮም ዝመጹ።  ንገለ ኣባላት ፖሊስ ኤርትራ ክትኮኑ ብዝብል ምስምስ፡ ንገለ`ውን ብቐጥታ ኣባላት ሓገራዊ ድሕነት ብዝብል ምኽንያት ኣገዲዶም ናብ ፖለቲካዊ ንቕሓትን ትምሕርትን ከም ዝከታተሉ ይገብሩዎም። ፖለቲካዊ ትምህርቲ ዝወሃበሎም ቦታታት ኣብ ወተሃደራዊ መዓስከር ሳዋን ኣብ ቤት ጽሕፈት ህግደፍ ኣስመራን ኮይኑ፡ ፖለቲካዊ መማህራኖም ድማ ምሩጻት ካድረታትን የማነ ገብረኣብ ባዕሉ እዩ። ዝተዋህቦም ትምህርቲ ምስ ዛዘሙ ብፍሉይ ዝምርቖም`ውን እንተኾነ የማነ ባዕሉ እዩ።

የማነ ነቶም ኣብዚ ናይ ስለያ መርበብ ንኽኣትዉ ዝተሓርዩ ሰባት ፖለቲካዊ ኣስተምህሮ ክህቦም እንከሎ፡ እዛ ሃገር ህግደፍን ብዓቢኡ ድማ ኢሰያስን እንተ ዘይመርሑዋ ኔሮም፡ ክሳብ ሕጂ ከም ሃገር ክትነብር ብፍጹም ኣይምኸኣለትን ኔራ። ስለዚ፡ ቀጻልነት ናይዛ ሃገር ክነውሕስ እንተድኣ ኰንና፡ ነዚ ዘሎ ስርዓትን ንኢሰያስን ጽኑዕ ሓለዋን ፍቕርን ክነርእዮም ይግበኣና። ምእንቲዚ፡ ነዛ ሃገርን ነዚ መንግስትን ኣብ ሓደጋ ከእቱ ዝኽእል ይዕበ ይንኣስ ዝኾነ ተቃውሞ ወይ ጸለመ ይካየድ ምህላዉ እንተ ድኣ ገሚትኩም፡ ሱር ከይሰደደ እንከሎ ብኣግኡ ንምቕጻዩ መታን ክከኣል ሓበሬታ ናብ ዝምልከቶ ክተተሓላልፉ ጽኑዕ እምነት ተነቢሩልኩም ኣሎ፡ ዝብል ኣስተምህሮን ናይ ሓሶት ሓልዮትን የርእዮም።

እዞም ሰባት ኣብዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣዕናዊ መደብ ካብ ዝተጸምዱሉ ግዜ ኣትሒዙ፡ ካልኦት ንጹሃን ኣብ ትሕቲኦም ምእንታን ከዋፍሩን ክቆጻጸሩን፡ ኣባል ስለያ ክትከውን ዘገድድ ቅጥዒ ወይ ፎርም ይወሃቦም እሞ፡ ንሳቶም`ውን ኣብ ህዝቢ ብብዝሒ ዝርከበሉ ቦታታት ማለት ከም እንዳ ሻሂ፣ ባራት፣ ቤት መግቢ፡ መንግስታውን ናይ ብሕቲ ኣብያተ ጽሕፈታት፣ ናይ ከተማን ገጠርን ኣብቶቡሳት፣ ታኽሲታት፣ ቆነንትን ቀምቃሞን ካልኦትን እናረኸቡ፡ ናብዚ ናይ ስለያ ስራሓት ክዋፈሩ ዘገድድ ቕጥዒ ክመልኡ የገድዱዎምን ምዓልታዊ ይከታተሉዎምን። ንገክ ድማ ብቃል ጥራይ ሓበሬታ ከሕልፍ ከምዘለዎም ይሕብሩዎም።

እምበኣርከስ፡ እቶም ኩሎም ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ናይዚ ስርዓት ዝማስኑ ዘለዉ ደቂ ሃገር፡ በዞም ናይ ጎደና ሰለይቲ ሓበሬታ ዝተመሓላለፈሎምን ዝተሓሰወሎምን እዮም። እዞም ኣብ ከምዚ ዝዓይነቱ እኩይ ስለያዊ ስራሓት ተዋፊሮም ዘለዉ ሰባት ተዛሪቦም እዮም ዘዛርቡኻ። ንኣብነት፥ “እዚ መንግስቲ እምበር ዝገብረና ጠፊኡዎ” ይብሉኻ እሞ፡ እዚኦምሲ ሰብ ድሓን እዮም ኢልካ ገለ ንመንግስቲ ዝነቅፍ ዘረባ እንተ ኣምሊቕካ፡ ናብ ሓላፊኦም ሓበሬታ ኣመሓላሊፎም ከም እትተሓዝን ከም እትእሰርን ይገብሩኻ። በዚ ምኽንያት ሎሚ ኣብ ኤርትራ፡ ኣቦ ንወዱ፡ ኣደ ንጓላ ዘይትኣምነሉ ዘፍርሕ ሃዋህው ተፈጢሩ ኣሎ። ነዚ ሓደገኛ ውዲት ዝቆጻጸሮ የማነ ገብረኣብ ባዕሉ እዩ።

ኣብ ወጻኢ`ውን እንተኾነ፡ ገለ ካብተን ኣብ ነብሲ ወከፍ ብዓላት ተሓኒነንን ከክንዲ ካላእ ዝኸውን ወርቂ ተሸኪመን ወዛሕ-ዛሕ ክብላ እንርእየን ደቂ-ኣንስትዮን፡ ገለ ደቂ ተባዕትዮን'ውን ኣባላት ናይዛ ብየማነ እትምራሕ መርበብ ስለያ እዮም።  እተን ዝበዝሓ ግና ደቂ ኣንስትዮ እየን። ናይዞም ሕልን ኦም ዝሸጡ ደቂ ተባዕትዮን ደቀንስትዮን ኣብ ደገ ዝነብሩ ኤርትራውያን-ስራሕ ብቐንዱ፡ ብዕራይ ወሊዱ ዝዓይነቱ ኣደናጋሪ ወረ ናብ ህዝቢ ምዝርጋሕ፡ ንስርዓት ኢሰያስ ዝቃወምን ዝነቅፍን ስሙን እንተ ተኻኢሉ`ውን ዘርኣዊ ሓረጉ እርይ ቁጽር ኣቢልካ ብቐጥታ ናብቶም ነቲ ስለያዊ ስራሕ ንክሰርሑ ኣብ ናይ ኤርትራ ኤንባሲታት፡ ቆንስላዊ ቤት ጽሕፈታትን ቤት ጽሕፈት ህ.ግ.ደ.ፍን፡ ነዚ ስራሕ ብየማነ ገብርኣብ ዝተላኣኩን ይሕብሩ። እቲ ዝተኣከበ ሓበሬታ ድማ ከም ጸብጻብ ናብ ኤርትራ ናብ ኣብ ቤት ጽሕፈት ፕረሲደንት ሓበሬታ ክቅበሉ ብየማነ ገብርኣብ ዝተሓርዩ ይመሓላለፍ።

ነዞም ኣብ ከምዚ ዝዓይነቱ እኩይ ተግባራት ክነጥፋ ዝተመደቡ ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ብላዕለዋይ ደረጃ ዝቆጻጸሩዎም፡ ትማሊ ኣብ ኤርትራ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝነበሩን ገለ ድማ ገዲም ተጋደልቲ ዝነበሩ፡ ኣብ ናይ ስለያ ስራሓት ክዋፈሩ ተመልሚሎም እሙናት ምዃኖም ምስ ተረጋገጸሎም ብዝተፈላለየ መንገዲ ካብ ኤርትራ ወጺኦም ኣብ ኣውሮጳ፣ ኣሜሪካ፣ ኣወስትራልያ፣ ኣፍሪቃን ኮታ ኣብ ኩሉ ኤርትራዊ ዘለዎ ሃገር ተዘርጊሖም ዘለዉ ኣባላት ስለያ ስርዓት ኢሰያስ እዮም።

ናይዞም ሰባት እዚኣቶም ምዓልታዊ ተግባር፡ነተን በብመዓልቱ እዚ ግበራ ዘዝተባህለኦ መደብ ስራሕ ዝምድቡን ዝከታተሉን፡ ካብኡ ሓሊፎም`ውን ክሳብ ኣብ ደንበ ደለይቲ ፍትሒ ብምእታው ሕንፍሽፍሽ ከእትዉ ዝተመደቡ እዮም። ንገለ ካብቶም ኣብቲ ስራሕ ተዋፊሮም ዝነበሩ እሞ፡ ኣብዚ እኩይ ስራሕ እናተቖማጣዕካ ምንባር ዘጽለኦም ኤርትራውያን ከም ዝሓበሩና፡ ብኣቶ የማነ ዝተመልመሉ ኣባላት ስለያ፡ ክሳብ ኣብ ገለ ተቓወምቲ ዉድባት ንጡፋት ተመሲሎም ብምጽፋይ ንጥፍኣተን ይሰርሑ ከምዝነበሩ ክነረጋግጽ ክኢልና ኣለና።

ብተወሳኺ፡ ኣብ ኩለን ሃገራት ዝርከቡ ወከልትን ኣምባሳደራትን ስርዓት ኢሰያስ፡ ካብቲ ዝተነብረሎም ትጽቢት ወጺኦም ብነጻነት ከይሰርሑ ዝከታተሉዎም`ውን እዞም ክብ ኢልና ዝገለጽናዮም፡ ማለት እዞም ሎሚ ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ኣባላት መርበብ ስለያ ስርዓት ኢሰያስን መብዛሕትኦም ናይ ትማሊ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎትን እዮም። ነዚኦም ውን እንተኾነ፡ ዝምልምሎምን ዘሰልጥኖምን ብቐጥታ ዝቆጻጸሮምን የማነ ገብረኣብ ባዕሉ እዩ።

እዚ ሰራም`ዚ ክምህሮም እንከሎ፡ ሓለፍቲ ኣይትእመኑ እዩ ዝብሎም። ኣብ ሓለፍቲ እምነት እንተድኣ ኣንቢርኩም፡ ሎሚ ዝረኣየኩም ንእሽቶ ዝመስል ቁስሊ ፈጨቕ-ፈጨቕ እናበለ ከም ሕማም መንሽሮ ሰፊሑን ተዘርጊሑን ንሃገር ብሃገራ ዘይምሕርን ቀታልን ሕማም ኮይኑ ክርከብ እዩ። ስለ ዝኾነ፡ ንሽሙ ድኣ እዮም ሓላፍነት ሒዞም ዘለዉ እምበር እሳቶም ዘይኮኑስ እስኹም ኢኹም ሓለፍቶም። ዝኾነ ወኪል ኤርትራ ወይ ኣምባሳደር ካብ ዝተዋህቦ ሓላፍነት ወጻኢ ክሰርሕ ጸኒሑ ዝብል እምነት እንተ ኣሕዲርኩም፡ ከይ ወዓልኩም ከይሓደርኩም  ኣፍልጡና፡ ክንገብሮ ዝግበኣና ኩሉ ብቕጽበት ክንገብር ስለ ዝሕግዘና እናበለ የረሳስኖም።

ኣብዚ ክነስተውዕሎ ዝግበኣና ሓደ ነገር፡ እዞም በብግዚኡ እንተስ ብመልክዕ ኣኼባ፣ ንኣገዳሲ ስራሕ ወይ ንጸብጻብ እናተባህሉ ኤርትራ ድሕሪ ምእታዎም ናብ ስርሖም ዘይምለሱ፡ ዝድስክሉ ወይ ዝእሰሩ ሰበ ስልጣን ናይዚ ስርዓት እምበኣርከስ በዞም ናይ ኣባላት መርበብ ስለያ ኣቐዲሙ ብዝመሓላለፍ ሓበሬታ እዮም ድሓን ኣለና እናበሉ ዓዲ ምስ ኣተዉ ኣብ ዘይተጸበዩዎ ደልሃመት ዝወድቁ።

ገለ ሰበስልጣናት ኤርትራ ኣብ ደገ ምስ ህዝቢ ንክራኸቡ ከመጹ ከለው፡ ጥቡቅ ክትትል እዩ ዝግበረሎም። ኣብ ኣኼባን ብውልቕን እንታይ ኢሎም እንታይ ተዛሪቦም፡ ምስ መን ተራኺቦም፡ ደቂቕ ጸብጻብ ይሓልፍ።

ዝኸበርካ ህዝብና!!

እዚ ኩሉ ኣብ ላዕሊ ዝገለጽናዮ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ወጻኢን ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ተዘርጊሑ ዘሎ መርበብ ስለያን ምዓልታዊ ክትትልን፡ ሎሚ ነዚ ጽሑፍ ኣብ ንዝርገሓሉ ዘለና ዝጅመር ዘሎ ኣዕናዊ መደብ ዘይኮነስ፡ ንዝሓለፉ ሓያሎ ዓመታት ብዘይ ምቁራጽ ክስረሓሉ ዝጸነሐን ዘሎን ምዃኑ፡ ካብቶም ከይፈተዉ ናይዚ መርበብ እዚ ኣባላት ክኾኑ ዝተገደዱን ሎሚ ግን ዕድል ረኺቦም ሰብኣዊ ሓርነቶም ካብ ዘረጋገጹን ደቂ ሃገር ብዝተረኸበ ጭቡጥ ሓበሬታ መሰረት እዩ። እሳቶም ኩላቶም ብዘይ ኣፈላላይ ከም ዝሰማምዑሉ፡ ኩሎም ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ኣባላት እዛ መርበብ ስልያ ንክኾኑ ተሓርዮም፡ ካብ ክልተ ስጋዕ ስለስተ ኣዋርሕ ጽዑቕ ስልጠና ድሕሪ ምውሳድ፡ ተመሪቖም ነናብ ዝተመደቡሉ ቦታታት ከም ዝተዘርግሑ እዩ።  ነዚ ናይ የማነ ገብርኣብ ናይ ስለያ መርበብ ንክኾኑ ድልየት ከምዘለዎም ዘይተሓተቱ፡ ተገዲዶም ዝኣተውዎን፡ ንክስልጥኑ ዝኣዝዝን ዝምርቆምን ድማ የማነ ገብርኣብ እዩ።

የማነ፡ ኣብ ኢዱ ጥራይ ዘይኮነስ መላእ ሰብነቱ፡ ብደም ንጹሃን ኤርትራውያን ዝጠልቀየ፡ ንሓገርና ኤርትራን ህዝባን ብሓበራ እናተሳሕጉ ክሞቱ ኩሉ ዓቕሙን ክእለቱን ዝገብር ዘሎን ንኤርትራና ብዓል ደማ ምዃኑ፡ ብዝግባእ ክንፈልጥ የድልየና።

ኣብ ውሽጢ ሃገር እትነብር ህዝብና!!

ንመን ኪሕድካ ንመን ከም እትኣምን ኣብ ዘይትፈልጠሉ እዋን ምህላውካ ብሓቂ የሕዝነና። እንተ ኾነ፡ ሕሱማት ጸላእትኻ፡ ሜላታት ገዛእትና ብምኽታል፡ ገረብ ብሓኽላ ንዝብል እኩይ ሸርሒ ገዛእቲ ከም ዘለዎ ደጊሞም ብምምጻእ፡ ንዓኻ ብኣኻ የጣፍኡኻን የባልዑኻን ኣለዉ። ስለዚ፡ እትዛረቦን እትገብሮን ብስቱርን ምስ ኣዚኻ እትኣምኖምን እትቐርቦምን ጥራይ ክኸውን ከም ዘለዎ ኣጥቢቕና ንምሕጸን። "ዘይወግሕ መሲሉዋስ ኣብ ቦኽራ ቀልቀል ትወጽእ" ከም ዝተባህለ፡ እዚ ሕሱም እዋን ሓሊፉ፡ ነዞም ደም ዘንብዑኻ ዘለዉ  ኣረሜናውያን ኣብ ትሕቲ ሕቲ ተቕርበሉን ፍርድኻ እትህበሉን ምዓልቲ ክመጽእ መታን ግን ኣበርቲዕካ ተቓለስ።

ኣብ ወጻኢ እንነብር ኤርትራውያን!!

የማነ ገብረኣብ፡ ኤርትራን ህዝባን ከም ዘለዉዎ ክጸንte ለይትን ቀትርን ከይተሓለለ እኩይ መደባት ኣብ ምፍሓስ ተጸሚዱ ከም ዘሎ ብዝግባእ እንፈልጦ ጉዳይ ካብ ኮነ፡ ንዓና ነጻነት ከሊኡና ከብቅዕ እሱ ግን ናብ ዝደለዮ ቦታ ክንቀሳቐስን ንንጹሃት ኣብ ገበን ከዋፍር፡ ፈላላይ መርዚ ንምንዛሕ ሰሚናራት ከካይድ ክነፍቅደሉን ትም ኢልና ክንርእዮን ኣይግባእን። ስለ ዝኾነ፡ ኣኣብ ንነብረሉ ሃገር፡ የማነ ገበነኛ ምዃኑ ንዝምልከቶም ንጹር ሃበሬታ ንሃብ፡ እሱ ዝመርሖ ኣኼባታት ከይካየድ ብጽኑዕ ንዕየ፡ እንተ ተካኢሉ`ውን ገበነኛ ምዃኑ ንናይ ሕጊ ማእከላትን ንመሰል ደቂ ሰባት ዝጣበቑ ማሕበራት ንሓብር። ዓለምና ገበነኛታት ብሰላም ክሰፍሩላን ከይሰፍሩላን እነፍቕድን እንኽልክልን ንሕና እቶም ኣብ ልዕሌና ኩሉ ዓይነት ግፍዒታት ዝፍጸመና ዘሎ ኣህዛብ ኢና እሞ ሃየ ነገበነኛ የማነ ገብረኣብ ቦታ የብልካን ኢልና ተሓታቲ ንግበሮ።

ኣብ ወጻኢ ዘለኹም ወከልቲ ስርዓት ኢሰያስን ኣምባሳደራትን!!

ድሓን ኣለና እናበልኩም ብዝተዋህበኩም ሃላፍነት ተዛኒኹም እትሰርሑሉ ተኽእሎ ከም ዘየለ ኣዳዕዲዕኩም ትፈልጡ ኢኹም። ካባና ንላዕሊ ንስኻትኩም ከም እትፈልጡዎ፡ ክንደይ ካባኹም እዮም ትማሊ ብሓላፍነት እናሰርሑ ኔሮም ሎሚ ግን ንኣኼባ`ዶ ንጸብጻብ እቶ ዝብል ትእዛዝ ምስ መጾም ዓዲ ኣትዮም ህጣሞም ኣጥፊኦም ዘለዉ? ናትኩም ሓላፍነት ከም ጽላሎት እምበር፡ ንዓኹም ኮነ ነቲ እስኻትኩም እትውክሉዎ ህዝቢ ከም ሓለፍቲ ኮይኖም ዘውደልድሉስ እቶም እስኻትኩም`ውን እትፈልጡዎም ኣብ ከባቢኹም ዘለዉ ሰለይትኹም እዮም እሞ፡ ደጊምሲ ከም ገንሸል ፋሲካ እናተተሓዝኩም እትሕረዱሉ ሁመት ከብቕዕ፡ ሓደራ ምስቲ ውጹዕ ህዝብኹም ስመሩ።

መልእኽቲ ንኹልኹም ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ወጻኢን እትርከቡን ብየማነ ገብረኣብ እትምርሑ ኣባላት መርበብ ስለያ!!

እተካይዱዎ ንጥፈት ንድሕነት ሃገርን ህዝብን መሲሉኩም ነቲ ስርዓት እተገልግሉ ዘለኹም፡ ሓደ ነገር ክትግንዘቡልና ንደሊ። እቲ ብኣኻትኩም ዝከየድ ዘሎ ናይ ስለያ ስራሓት፡ ነቲ ውጹዕ ሕዝብኹም የእስር፡ የሳቕይ፡ የቅትልን፡ ይበታትን፡ ሃገር ውን የዕኑ ከም ዘሎ በጃኻትኩም ተረድኡ። እዚ ኣረሜናዊ ስርዓት ገበናቱ መታን ከይክሻሕ፡ ከምቲ ወትሩ ዝገብሮ፡ እስኻትኩም ኣገልገልቱ ድኣ እምበር ፈተውቱ ስለ ዘይኮንኩም፡ ዕማምኩም ወዲእኩም ኢኹም ኢሉ ኣብ ዝሓስበሉ እዋን፡ ንዓኻትኩም`ውን ከምቲ ንኹሉ ህዝቢ ብሓበራ ዘጽንቶ ዘሎ፡ ሓደ ምዓልቲ ክበልዓኩም ምዃኑ ፍጹም ክትዝንግዑዎ ዘይግባእ ጉዳይ እዩ። እዚ ስርዓት ፈታዊ ኢሉ ዘቐምጦን ዝብህጎን ነገር የብሉን። ተጠቒምካ ምድርባይን ምጉሓፍን ሓደ ካብቶም ፍሉጣት ባህሪታት ናይዚ ስርዓት እዩ እሞ፡ ሓደራ ታሪኽኩም ኣጸብቑ። ምስቲ ለኪምኩም ዝኸይድ ዘይኮነስ ምስቲ ብኽብሪ ዝጥምተኩም ውጹዕ ህዝቢ ደው ምባል ወትሩ ዘይቅየር ምርጫኹም ይኹን።

ኣብ መወዳእታ ክንብሎ ንደልይ፥ እኩይ ባህግታት ኢሰያስ ኣፍወርቒ ከም ዘለዉዎ ኣብ ባይታ ዝትግብሮም የማነ ገብረኣብ ምዃኑ ኩሉ ዝፈልጦ ጉዳይ እዩ። ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝተንተንናዮ ሓበሬታ ዝድግፍ ጭቡጥ መርተዖታት'ውን ካብቶም ነዚ ጉዳይ ብቐረባ ዝፈልጡዎን ክሰርሑሉ ዝጸንሑን ደቂ ሃገር ኣብ ኢድና ከም ዘሎ ክንሕብረኩም ንፈቱ። ሕጂ'ውን እንተኾነ፡ የማነ ገብረኣብ ቀደም ኣብ ግዜ ንእስነቱ ሓደገኛ ሰባኻይ ኮይኑ ሰባት ንእየሱስ ክስዕቡ መንፈሳዊ ዕዮ ብምዕያይ ህቡብነት ከጥሪ ክኢሉ ዝነበረ ውልቀ ሰብ፡ ሎሚ ግን፡ ሓደግኛ ኪዳን ምስ ጎይትኡ ዲክቴተር ኢሰያስ ተወዓዒሉ፡ ኩሉ ግዜኡ፣ ዓቕሙ፣ ጉልበቱን ክእለቱን ኣብ ምጽናት ህዝብን ሃገርን የውዕሎ'ሎ። ስለ ዝኾነ፡ ነዚ ገበነኛ ውልቀ ሰብ ብዘለና ኩሉ ዓቕሚ በቲ ክፍጽሞ ዝጸንሕን ዝፍጽሞ ዘሎን ገበናቱ ክሕተትን ኣብ ሕጊ ቀሪቡ ፍርዱ ከም ዝረክብ ንግበር፡:

 እቲ የማነ ብዘውረዶ ከም ማይ ኣይሂ ዝፈስስ ዘሎ ደምን ንብዓትን ህዝብናን እግዚኣቢሄር/ረቢ'ውን ዕዉታት ክገብረና ከም ዝኾነ ጥርጥር የብልናን።

ልዕልና ሕጊ ይንገስ

ኤልሳ ጭሩም

ካብ ሓልዮት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ

ለንደን ፡ ዓዲ እንግሊዝ