AUDIO (AM Quality) NEWS for our users in Africa CLICK HERE
ድምጺ ደሊና
 ዜና 26 ለካቲት 2015  
ኣዳላውን፡ ኣቕራብን: ዘካርያስ ክብርኣብ

ክቡራት ተኸታተልቲ ድምጺ ደሊና፣ ዘለኩም ርእይቶ፣ ሓበሬታን ነቕፌታን ብመንገዲ ዝኸፈትናልኩም መስመር ተሌፎን viber skype ከተመሓላልፉ መልእኽቲ ማሽን ድምጺ ደሊና ክፉት ምህላዉ ክንሕብረኩም ንፈቱ:: ተሌፎን 001 714 598 3138; Skype: voice.of.delina: Viber: +1714 598 3138


Creative Commons License
This work is licensed under a Creative Commons Attribution-NonCommercial-ShareAlike 4.0 International License.


ኤርትራ ሕጂ‘ውን ኣብ መስርዕ ቁጠባዊ ሓርነት ዘየረጋገጻ ሃገራት ኣብ መወዳእታ ትስራዕ

ዓመታዊ ንዝተፈላለያ 186 ሃገራት ዓለምና ዘካተተ ኣብ ቁጠባን ምዕባለን ጸቒጡ ጸብጻባቱ ዘቕርብ index of Economic Freedom ዝተባህለ ትካል ኣብ ናይ ሎምዘመን 2015 ጸብጻባቱ ንሰሜን ኮርያ፣ ኩባ፣ ቨነዝዌላ፣ ዚምባብወን ኤርትራን ካብተን ኣብ ዓለምና ብቐጠባዊ ሓርነትን ምዕባለን ዝደኸማ ሃገራት ብምባል ኣብ ድሕሪት ሰሪዕወን ከምዘሎ ካብ ኢኤፍ ማጋዚን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ። ከምዝፍለጥ ኤርትራ ቅድሚ ሕጂ‘ውን ኣብ መስርዕ ጋዜጠኛታት ብዘይዶብ፣ ኣብ መስርዕ ድኻታት ሃገራትን ካልእ ጸብጻባትን ኣብ መወዳእታ ክትስራዕ ጸኒሓ‘ላ። ብዙሓት ወገናት ከኣ ኤርትራ እዚ ወሪድዋ ዘሎ ሕማቕ ስእሊ‘ዚ፣ ጾር ኮይኑዋ ዘሎ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ዝባና ክሳብ ዝሃለወ ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ ክትሰጋገር እምበር ምምሕያሽ ኣርእያ ንቕድሚት ክትስራዕ ከምዘይትኽእል ይገልጹ።


መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ፣ ካብቶም ብብዝሒ ናብ ሃገሩ ዝስደዱ ዘለዉ ኣህዛብ፣ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝለዓለ ቁጽሪ ከምዘለዎም ኣፍሊጡ።

ሎሚ ካብ ግሎባል ፖስት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ከምዝሕብሮ፣ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝሓለፈ ዓመት ጥራሕ ኣስታት 24,914 ስደተኛታት ፖለቲካዊ ዑቕባ ከምዝሓተቱ፣ እዚ ማለት ከኣ ካብ ቅድሚኡ ዝነበረ ዓመት ብ ሽዱሽተ ሚእታዊት ወሲኹ‘ሎ። ካብዞም ዝተጠቕሱ ኣሽሓት ስደተኛታት ከኣ መብዛሕትኦም ካብ ኤርትራ፣ ፓኪስታ፣ ሶርያን ኢራንን ከምዝነበሩ ተገሊጹ። ኤርትራ ኣብ ዓባይ ብርጣንያ ጥራሕ ዘይኮነት ኣብ መላእ ኤውሮጳ ብዝውሕዙ ዘለዉ ንትሕተ ዕድመን ኣረጋውያንን ዜጋታታ ወሲኽካ ኣዛራራቢት ገይርዋ‘ሎ። ከምዝፍለጥ‘ውን ኣብ‘ዚ ሳልስቲ ቢቢሲ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ሸገራብ ኣመልኪቱ ኣብ ዘቕረቦ መደብ፣ ገለ ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብታ መንእሰያታ ብሰንኪ መወዳእታ ዘይብሉ ሃገራዊ ባርነት ዝዱንቁሩላን ዝጉፉዕላን ኤርትራ ኣምሊጦም ናብ ዓዲ እንግሊዝ ሰጊሮም ብሓርነት ክነብሩ ከምዝምነዮም ሂወቶም‘ውን ኣብ ሓደጋ ኣውዲቖም ናብቲ ዝደልዩዎ ክበጽሑ ክፍትኑ ሙኻኖም ኣፍሊጦም‘ዮም።


 

ፍሉይ መደብ

ካብ ተስዓን ሓደን (1991) ክሳብ ክልተ ሽሕን ሓደን (2001)

ብዘካርያስ ክብርኣብ

ዓርቢ 24 ግንቦት 1991  ሰዓት ሓደን ዓሰርተን ድሕሪ ቀትሪ፣ ኣብ ኣስመራ ብቕንያቱ ድምጺ ጠያይትን መዳፍዕን ካብ ቀረባ ይስማዕ ስለዝነበረ ቤት ትምህርቲ‘ውን ብሰንኪ ተኸሲቱ ዝነበረ ኩነታት ዕጹው ብምንባሩ፣ እቶም ህዝቢ ብሃንቀውታ ንዓመታት ዝጽበዮም ዝነበረ ተጋደልቲ ሃንደበት ብጎደናታት ኣስመራ ምስ ኣግማሎምን ኣጽዋራቶምን ንመግዛኣቲ ጸሪጎም ቅልቅል ክብሉ እንከለዉ ኣብ ገዛ እየ ነይረ። ሓንቲ መሓዛ ሓፍተይ ዝኾነት ጎረቤትና ነቲ ውዑይ ዜና ክትነግረና እናተሃንፈፈት ትመጸና‘ሞ ራድዮ ኣስመራ ናይ ኢትዮጵያ ከፊትና ብስራት ነጻነት ክንሰምዕ ትሕብረና። ኣነ ቆልዓ ስለዝነበርኩ እንታይ ይፍጸም ከምዝነበረ ይርደኣኒ ኣይነበረን። ካብ ዓበይቲ ይሰምዖ ከምዝነበርኩን ካብ ስምዒታቶም ይርድኦ ከም ዝነበርኩን ግን እዚ ወረ‘ዚ ሓቂ እንተኾይኑ ኣቦታትና ክመጹ ሙኻኖምን ብድሕሪኡ ብዘይ ድምጺ ጠያይትን ናይ ሂወት ስግኣትን ክንነብር ከምዝኾና ምግማቱ ኣየሸገረንን።

ኩነታት ካብ ደቒቕ ናብ ደቒቕ ተቐያየረ፣ ካብ ፍርሒ ዝተላዕለ ኣብ ውሽጢ ልዳት ገዛና ኮይና ነቶም ብኣፍደገና ዝሓልፉ ዝነበሩ ተጋደልቲ ብጩራ ክንዕዘቦም እኳ እንተጀመርና፣ ሃንደበት ግን ኣደይ ነቲ ንምሳሕና ተባሂሉ ዝተሰንከተ መጎጎ ሙሉእ ቅጫ ሒዛ እናዘለለት ንግዳም ወጸት። ምሳሕና ኸኣ ተጋደልቲ በልዕዎ። ንመውረዲ ዝኾኖም በዓልቲ ድኳን ገዛውትና ኣደይ ፋጥማ እንጣጢዕ በጽቢጸን ኣቐበለኦም። ኣስመራ ተናወጸት። ገለ ኣደታት ብዘይ ነጸላ፣ ገለ ምስ ቢሑቐን፣ ገለ ፍርቒ ርእሰን ዝተቖነና፣ ገለ ኣቦታት ምስ ናይ ለይቲ ክዳውንቶም፣ መንእሰያት ኣብ ኣፍ ታንኪ ተንጠልጢሎም ምስቲ ዝረኸበ ናይ ሓጎስ ንላዕሊ ዝትኩሶ ዝነበረ ጠያይቲ ተደማሚሩ ኣስመራ ፍሉይ ድምጽን ሕብርን ሓዘት። ፍስሃ ኮነ። መግዛእቲ ተደምደመ። ፍረ ጻማ ተሓፍሰ።

ሓደ ዕለት ኣብ 1993 ምስ መታዓብይቲ ኣብ ጎደና ሸናዕ እናበልና ሃንደበት ኩነታት ኣስመራ ክቀያየር ተዓዘብኩ። ትካላት ብሓይሊ ክዕጸዉ፣ ብረት ዝሓዙ ኣብ ኩፉታት መካይን ዝተጻዕኑ ገለ ተጋደልቲ ላዕልን ታሕትን ክብሉ ምስ ረኣኹ ገለ ነገር ከም ዘሎ ብምስትብሃል ንገዛይ ኣተኹ። መዕርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ከምዝተዓጽወን ተጋደልቲ ኣብ ሜዳ ችቸሮ ተኣኪቦም ኣድማ ከምዝገበሩን ከኣ ተፈለጠ። ተገረምና ነቶም ከምኡ ዝገበሩ ሓያለ ሰባት ክኹንንዎም ሰማዕኩ። ኣብቲ እዋን ብዛዕባ ኣድማ ክትሰምዕ ኣዝዩ ከቢድ ስለ ዝነበረ ኣስደመመኒ። ኩነታት ግን ቀልጢፉ ሃደአ። እቶም ኣብቲ ጉዳይ ዝተሳተፉ ተለቒሞም ተኣሰሩ። ስዒቡ‘ውን ድሕሪ‘ዚ ፍጻመ ነዊሕ ከይጸንሐ ንናጽነት ዝሰንከሉ ተጋደልቲ ኣድማ ክገብሩ ፈቲኖም ኣብ ማይሓባር ከምዝተረሸኑ ኣብ ኣስመራ ብሕሹኽሑኽ ክዕለል ጀመረ። ገለ ዝሓዝን ገለ ድማ ገለ ጌሮም ይኾኑ ኣምበር እንዳበለ ዝኹንን ድምጽታት ካብ ህዝቢ በጨቕ በለ።

ኣብ መወዳእታ ተስዓታት ንመጀመርያ እዋን ናብ ማእቶታዊ ወፍሪ ክኸይድ ምስ ደቂ መማህርተይ ናብ ዓዲ ቐይሕ ወረድኩ። ንመጀመርያ ጊዜ ካብ ስድራይ ተፈልየ ናብ ካልእ ክፍሊ ኤርትራ ምስ መዛኖይ ይኸይድ ስለዝነበርኩ ሕጉስ በልኩ። ኣማስያና ኸኣ ዓዲ ቐይሕ፣ ኣብ ሓደ ቤት ትምህርቲ ኣተና። መደቀሲ ክህቡና እናተጸበና ኸኣ ንሎሚ ድራር ከምዘየለን መደቀሲ ዝኸውን ፍርናሽ‘ውን ከምዘይተዳለወ ተሓበረና። ከምዝኾነ ኣብ ዛሕሊ ብዘይመንጸፍ ሓደርና። ንጉሆ ንቑርሲ ዝነቐዘ ፋፋ ወይ ፕሮቲን ምስ ዝተበጽበጸ ሳልሳይ ዓለም ሂቦም ናይ ሓሙሽተ ኪሎ ሜተር ብእግሪ ተጋዒዝና ዓዓሰርተ ጉድጓድ ክንኩኦት ተነገረና። ፈልሲ‘ውን ተኸልና። እንተኾነ ዝተኸልና ግቡእ ክንክን ይረክብ ስለ ዘይነበረ ገለ ኣጣል ኣብ ቅድሚ ዓይንና ሸምጢጠን ክበልዖዖ ተዓዘብና። ገለ ኸኣ ብሰንኪ ሕጽረት ማይ ሓረረ። ሓደ መማህርተይ ኣብ ቀዳመ ሰንበት ኣስመራ በጺሑ ስለ ዝመጸ ሓደ ሰኑይ ንጉሆ ኣብ መስርዕ እንከለና ናይ‘ቲ ሽዑ ወዲ ርእሶም ዝተባህለ ስንኩል ሓላፊና ነቲ ብዘይፍቓድ ኣስመራ ዝኸደ ተመሃራይ ሃንደበት ብጽፍዒት ተሳሃሎ። እዚ ንኹሉ ተመሃራይ  ንመፈራርሒ ኢሉ ዝተወስደ ስጉምቲ ሙኻኑ እዩ። ካብታ ዕለት ከኣ ኣብ ኤርትራ ሓደ ሓደገኛ ስርዓት ይስዕርር ከምዘሎ ተረዳኣኩ።

2001 ዓመተ ምህረት ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርተይ ዝወዳእክሉ ዓመት‘ዩ ነይሩ። እዚ ማለት ናብቲ መወዳኣታ ዘይብሉ ሃገራዊ ባርነት ዝጽንበረሉ ዓመት ዝተፈረድኩሉ ሙኻኑ ኣዩ። ኣብቲ ዓመት ካብተን ብስም ነጻ ፕረስ ሰሲነን ንህዝቢ ናይ ምንባብ ክእለቱ ኣማዕቢለን ንህዝብና ኣብ ምንቕቓሕ ዝነበራ ጋዜጣታት ብዙሕ ዝተመሃርክሉ ዓመት‘ዩ ነይሩ። ኮይኑ ግን ዕለት 18 መስከረም 2001 ምሳሕ እናበላዕኩ ራድዩ ድምጺ ሓፋሽ ወላዕኩ‘ሞ፣ ብጋዜጠኛ ሰለሙን ኣበራ ዝቐረበ ዜና ምስ ሰማዕኩ ሸውሃተይ ተዓጽወ። እዝየ ኸኣ ተቖጣዕኩ። ንበዓል ሰቲት ተመሊሰ ከንብበን ከምዘይክእል ተርዳእኩ። ኣብታ ዕለት ካብ ህግደፍ ርሒቐ ካብ ኤርትራ ክስደድ ከምዘለኒ ሓሳብ መጻኒ። ክሳብ ሓሳባይ ክዉን ዝገብር ናይ ትምህርቲ መንቀሳቐሲ ወረቐተይ ሓሪሩ ስለዝነበረ ክሕባኣ ነይሩኒ። ንኣዋርሕ ካብ ግፋ ድሕሪ ምኽዋለይ ከኣ ኩነታት ኣጣሊለ ነቲ ኣብ 91 ዘጣቓዕኩሉ ስርዓት ኣብ 2001 ራሕራሕክዎ። ክሳብ ሎሚ ኸኣ ገጽ ህግደፍ ንኸይሪኢ ኣብ ስደት ይነብር ኣለኹ። ይቃለስ ስለዘለኹ ግን ዝምለሰሉ መዓልቲ እናቐረበ ይመጽእ ከምዘሎ ነብሰይ ይነግረኒ‘ሎ።


Join VoD

VoD is looking for highly motivated candidates to collect, draft, edit and present relevant news items from various sources exclusively but not limited to Eritrea and the rest of the Horn of Africa. Excellent writing skills in both English and Tigrinya, proficiency in using technology, and ability to scan social media are essential. The candidate should be an active listener, able to communicate with persons of interest, and share timely information with the public.

The Main objective of Voice Of Delina is to collect and disseminate economic, social and political developments pertaining to Eritrea and Eritreans at home and in the Erespora.

We are also determined to develop the media capacity by grooming the new generation of Eritreans to articulate the aspirations of our country.

We are particularly looking for candidates who are keenly interested to play an active role in helping foster peace and democracy in Eritrea.

VOLUNTEER INTERNSHIP OPENINGS

• Media Director/Program Coordinator
o manage the team
o prepare editorials
o make editorial decisions on programs to be broadcast
o edit other program contents

• Researchers
o research topics required for programming
o assist in drafting stories

• Writers and Editors
o draft a regular feature story
o assist in news preparation

• Anchor-Reader
o read program items
o assist in news preparation

• Sound Engineer
o arrange programs, add music and repackage programs for dispatch to the studio

• Translator from English into Arabic and Tigrinya (and, on a limited basis, Amharic)
o translate copy of stories into appropriate language for broadcast
o when necessary, read stories in correct language or dialect

To participate please send email to This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.
Please provide your personal CV, Skype ID, telephone number and best time to call you.