AUDIO (AM Quality) NEWS for our users in Africa CLICK HERE
ድምጺ ደሊና
 ዜና 19 ለካቲት 2015  
ኣዳላውን፡ ኣቕራብን: ዘካርያስ ክብርኣብ


Creative Commons License
This work is licensed under a Creative Commons Attribution-NonCommercial-ShareAlike 4.0 International License.


ክልተ ካብ ሱዳን ናብ ሊብያ ኤርትራውያን ስደተኛታት ሒዘን  ዝተበገሳ መካይን ደሃይ ከምዘጥፈኣን ኣብ ውሽጢ ሊብያ ኣብ ከተማ ኣዥዳብያ ጅሆ ዝተታሕዙ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከምዘለው ይሕበር ኣሎ።

ድምጺ ደሊና ካብ ሱዳንን ሊብያን ካብ ዝርከቡ ስደተኛታት ዝረኸበቶ ሓበሬታ ክልተ ኤርትራውያን ስደተኛታት ጽዒነን  ካብ ሱዳን ናብ ሊብያ ዝተበገሳ መካይን ክሳብ ሎሚ ደሃይ ብምጥፈአን መቕርቦም ኣብ ከቢድ ሻቕሎት ይርከቡ‘ለዉ። ጉዕዞ ምድረበዳ ሊብያ ቅድሚ ዓሰርተ ዓመታት ኣዝዩ ሓደገኛን ብዙሕ ሰሙናትን‘ውን ዝወስድ ምንባሩ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ኣብዚ እዋን እዚ ግና እቶም ኣስገርቲ ነቲ ከባቢ ስለዘጽንዕዎን ተመክሮ‘ውን ስለዝደለቡን ኣብ ዉሑዳት መዓልታት ምድረበዳ ሱዳንን ሊብያን ክስገር ከምዝከኣል ሓያሎ በቲ ጉዕዞ ዝሓለፉ ስደተኛታት ይገልጹ ። ናይ‘ዞም  ቅድሚ ብርክት ዝበለ መዓልታት ተበጊስኦም ደሃይ ዘይገበሩ ስደተኛታት ጉዳይ ከኣ ከምቲ ልሙድ ኣትዮም ደሃይ ክገብሩ ይግበኦም ከዝነበረ እዮም ሓያሎ ወገናት ዝግምቱ። እዚ ከምዚ‘ሉ እንከሎ ኣብ ኣጅዳብያ ዝተባህለት ኣብ ሊብያ እትርከብ ከተማ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ጅሆ ዝተታሕዙ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከምዘለዉ ድምጺ ደሊና ኣረጋጊጻቶ‘ላ። እቶም ስደተኛታት ገንዘብ እንተኸፊሎም ክወጹ ሙኻኖም እኳ እቶም ጨወይቶም እንተሓበርዎም፣ ነቲ ካብ ሱዳን ሒዞም ዝመጹ ገንዘቦም ከይጥቀምሉ ግና እቶም ጅሆ ሒዞሞም ዘለዉ ድሮ ዘሪፎሞም ይርከቡ።

ድምጺ ደሊና ሕጂ‘ውን ደጊማ ደጋጊማ ኣብዚ እዋን ናብ ሊብያ ዝግበር ጉዕዞ ክሕሰበሉ ከምዘለዎ ትመክር።


ጉጅለ መርማሪት ኮምሽን ሕቡራት ሃገራት ኣብ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ኣብ ጁቡትን ኢትዮጵያን ሓበሬታ ንምእካብ ወሪዳ ከምዘላ ተገሊጹ።

መርማሪት ኮምሽን ሕቡራት ሃገራት ካብ 16 ክሳብ 27 ለካቲት ኣብ ጁቡቲን ኢትዮጵያን ኣትያ ካብ ግዳያት ኤርትራውያን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ህግደፍ ምስክርነት ንምእካብን ርክባት ንምግባርን ድሮ ኣብተን ሃገራት ብምእታው ስርሓ ተሳልጥ ከምዘላ ተሓቢሩ።

ኣካል ናይዛ መርማሪት ኮምሽን ካብ ከተማ ጀነቫ ከምዘፍለጠቶ፣ እዛ መርማሪት ኮምሽን ክሳብ ሎሚ ናብ ውሽጢ ኤርትራ ኣትያ ብናጻ ክትምርምር ንመንግስቲ ኤርትራ ፍቓድ ኣብ ምሕታት ከምዘላን እንተኾነ ግን ብወገን ኤርትራ ዝኾነ ምላሽ ከምዘይረኸበት ከሙኡ ክንዲ ዝኾነ ከኣ ስርሓ ብደገ ጥራሕ ከተሳልጥ ከምዝተገደደትን ሓቢራ። እዛ ጉጅለ መርማሪት ኮምሽን ኣብ ኢትዮጵያን ጁቡቲን ኣብ እትጸንሓሉ እዋናት ብቐረባን ብቐጥታን ካብ ግዳይት ሓበረታታትን ምስክርነትን ክትእክብ ከምዝሕግዛ ማይክ ስሚዝ ዝተባህለ ናይታ መርማሪት ላዕለዋይ ሓላፊ ገሊጹ።

እታ መርማሪት ጉጅለ ኣብ ኤርትራ ይፍጸሙ እዮም ዝበለቶም ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ከም ቅትለት፣ ኢሰብኣዊ መግረፍቲ፣ ኣሰቃቒ ኣተሓሕዛ እሱራት፣ ኣብ ግዱድ ዕስክርና ዘጋጥሙ ግህሰታት፣ ምርጋጽ መሰል ሃይማኖታት፣ ምኽልካል ናጻ ምንቅስቓስን ካልእን ክትፍትሽ ሙኻና ዘፍለጠት ኮይና፣ ስርሓ ምስ ዛዘመት፣ ብመልክዕ ጽሑፍ ዝቐርብ ሰነድ ኣዳልያ ኣብ ወርሒ መጋቢትን ሰነን ንቆንስል ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ከሙኡ‘ውን ኣብ ወርሒ መስከረም ኣብ ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ከተቕርቦ ሙኻና ካብ ኦል ኣፍሪካ ዶት ኮም ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ ። 


*** ፍሉይ መደብ ***

  • ናዕታ፡ ውዲ ኣፎም ውረድ ይኣኽለካ (ኣሕመድ አሰናይ)

  • ደርፊ፡ ጾርካ ከቢዱኒ፡ ውረድ ይኣኽለካ (ኣስፋሃ ተስፋንኪኤል)

Join VoD

VoD is looking for highly motivated candidates to collect, draft, edit and present relevant news items from various sources exclusively but not limited to Eritrea and the rest of the Horn of Africa. Excellent writing skills in both English and Tigrinya, proficiency in using technology, and ability to scan social media are essential. The candidate should be an active listener, able to communicate with persons of interest, and share timely information with the public.

The Main objective of Voice Of Delina is to collect and disseminate economic, social and political developments pertaining to Eritrea and Eritreans at home and in the Erespora.

We are also determined to develop the media capacity by grooming the new generation of Eritreans to articulate the aspirations of our country.

We are particularly looking for candidates who are keenly interested to play an active role in helping foster peace and democracy in Eritrea.

VOLUNTEER INTERNSHIP OPENINGS

• Media Director/Program Coordinator
o manage the team
o prepare editorials
o make editorial decisions on programs to be broadcast
o edit other program contents

• Researchers
o research topics required for programming
o assist in drafting stories

• Writers and Editors
o draft a regular feature story
o assist in news preparation

• Anchor-Reader
o read program items
o assist in news preparation

• Sound Engineer
o arrange programs, add music and repackage programs for dispatch to the studio

• Translator from English into Arabic and Tigrinya (and, on a limited basis, Amharic)
o translate copy of stories into appropriate language for broadcast
o when necessary, read stories in correct language or dialect

To participate please send email to This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.
Please provide your personal CV, Skype ID, telephone number and best time to call you.