AUDIO (AM Quality) NEWS for our users in Africa CLICK HERE
ድምጺ ደሊና
 ዜና 11 ለካቲት 2015  
ኣዳላውን፡ ኣቕራብን: ዘካርያስ ክብርኣብ


Creative Commons License
This work is licensed under a Creative Commons Attribution-NonCommercial-ShareAlike 4.0 International License.


ኣስታት 300 ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ኣብ ማኣከላይ ባሕሪ ጥሒሎም ሂወቶም ከምዝሰኣኑ ተሓቢሩ።

ኣስታት 203 ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ኣብ ክልተ ጀላቡ ተጸፍጺፎም ካብ ሊብያ ተበጊሶም ብማኣከላይ ባሕሪ  ናብ ኢጣልያ ክሰግሩ ድሕሪ ምፍታኖም ብዘጋጠሞም ሓያል ማዕበልን ንፋስን ሂወቶም ሲኢኖም ከምዘለዉ፣ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ዓለም የጋውሓ‘ለዋ። ካብዞም ዝጠሓሉ 203 ስደተኛታት እቲ ዝነኣሰ ወዲ ዓሰርተ ክልተ ዓመት ምንባሩ ወሃቢት ቃል UNHCR ኣብ ኢጣልያ ካርሎታ ሳሚ ኣፍሊጣ።

ካብቶም 85 ብሂወቶም ክድሕኑ ዝኸኣሉ ስደተኛታት ዝተረኽበ ሓበሬታ ከም ዘመላኽቶ ብዝሓለፈ ሰንበት ገለ ሓደ ሚእቲ ዝኾኑ ስደተኛታት ዝጸዓነት ጃልባ ኣብ መንገዲ ከምዝነበረት ይግለጽ እኳ እንተሎ ክሳብ ሕጂ ግና ዝኾነ ኣሰር ከምዘይተረኽበ ተሓቢሩ። እቲ ናይ ሂወት ምድሓን መስርሕ ይቕጽል እኳ እንተሃለወ፣ ናይዞም ደሃይ ኣጥፊኦም ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ተሰዊሮም ዘለዎ ስደተኛታት ዕጫ ሞት ጥራሕ ክኸውን ከምዝኽእል ይግመት ኣሎ። በዚ ኸኣ ብጠቕላላ ኣብዘን ዝሓለፋ መዓልታት ኣስታት 300 ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ሞይቶም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ካብ ቢቢሲ ዝተረኽበ ሓበሬታ የመላኽት። እቶም ሂወቶም ሲኢኖም ዘለዉ ስደተኛታት ወላ‘ኳ ክሳብ ሕጂ መንነቶም ክጻረ እንተዘይከኣለ፣ መብዛሕትኦም ካብ ሃገራት ማሊን ሰነጋልን ሙኻኖም ግን ይግለጽ ኣሎ።


መንግስቲ እስራኤል ኣብ ሃገሩ መንበሪ ፍቓድ ክሕደሰሎም ዘይከኣለ ስደተኛታት ይኣስር።

ካብዝሓለፈ ሰለስተ ሳምንታት ሓያሎ ስደተኛታት ብሰንኪ ምሕዳስ መንበሪ ፍቓዶም ኣብትሕቲ ቀይዲ ይኣትዉ ከምዘለዉ ካብቲ ሃገር ዝተፈነወ ዜና ይሕብር። ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት እስራኤል ካብ ዝሓለፈ ክልተ ኣዋርሕ ጀሚሩ ኣብ ሃገሩ ዝነብሩ ስደተኛታት ከማልእዎ ዘለዎም ነጥብታት ብምክባድ ሕቶ መንበሪ ፍቓድ ስደተኛታት ኣካቢድዎ ከምዝጸነሐ ይዝከር። እቲ ሚኒስትሪ፣ ሓደ ስደተኛ መንበሪ ፍቓዱ ክሕደሰሉ እንተኾይኑ፣ ብስሙ ዝተኻረዮ ገዛን ናይ ዕዮ ሰነዳትን ከቕርብ ከምዘለዎ ክሕብር ጸኒሑ እዩ። ከምዝፍለጥ ግና መብዛሕትኦም ስደተኛታት ብሓባር ኣብ ዝተኻረይዎ ገዛ ስለዝነብሩ፣ ገለ ገለ‘ውን ካብ ኣስራሕቶም ግቡእ ሰነዳት ክረኽቡ ስለዝሽገሩ፣ እቲ ብሚኒስትሪ ምሽጣዊ ጉዳያት ዝስረሓሉ ዘሎ ኣሰራርሓ ኣብቲ ናይ መንበሪ ፍቓድ ሕቶ‘ቶም ስደተኛታት ከቢድ ከምዝኸውን ገይርዎ‘ሎ።

መንግስቲ እስራኤል መንበሪ ፍቓድ ሒዙ ዘይተረኽበ ስደተኛ፣ ን 120 መዓልታት ከምዝኣስርን ኣስዕኢቡ‘ውን ን 20 ኣዋርሕ ናብ ሖሎት ዝተባህለ መዳጎኒ መዓስከር ስደተኛታት ከምዘሰጋግሮም ይፍለጥ።


ኣብ ስዊዘርላንድ ኤርትራውያን ኣቦን ጓልን ብዘይ ኣሰር ከምእተሰወሩ ይግለጽ ኣሎ።

ኣብ ስዊዘርላንድ ሳንክት ጋለን ኣብ ዝተባህለ ከተማ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ክሳብ ሎሚ፣ ኣቦን ጓልን ኣብዚኣ ኣትዮም ከይተባህሉ ተሰዊሮም ምህላዎም ካብቲ ከባቢ እትፍኖ ራዲዮ ቶፕ ዝተባህለት ማዕከን ዜና ዝተረኽበ ሓበሬታ የረድእ። ቤተሊሄም ዮውሃንስ ጓል ሸሞንተ ዓመት ክትከውን እንከላ፣ ወላዲኣ ኣቶ ዮውሃንስ ሃይለ ተኸለ ኸኣ ወዲ 31 ዓመ`ዩ። ፖሊስ ከተማ ሳንክት ጋለን ከምዝሓበሮ፣ ወላዲት ቤተልሄም ዝሓለፈ ሮቡዕ ድሕሪ ቐትሪ ካብ ገዛ ድሕሪ ምውጻኣ ምሸት ናብ ገዛ ምስተመልሰት ጓላን በዓል ቤታን ክሳብ ሎሚ ክትረኽቦም ኣይከኣለትን። ምስ ጓሉ ተሰዊሩ ዘሎ ዮውሃንስ ኣብ ቀረባ እዋን‘ዩ ናብ ስዊዝ ኣትዩ። ፖሊስ ኣብ ምርካብ እዞም ደሃዮም ጠፊኡ ዘሎ ኣቦን ጓልን ናይ ህዝቢ ምትሕግጋዝ ከይፍለዮ ብምምሕጻን ናይ ሓበሬታ መስመር ተሌፎን ዘርጊሑ ከምዘሎ እታ ራዲኦ ወሲኻ ገሊጻ።


Join VoD

VoD is looking for highly motivated candidates to collect, draft, edit and present relevant news items from various sources exclusively but not limited to Eritrea and the rest of the Horn of Africa. Excellent writing skills in both English and Tigrinya, proficiency in using technology, and ability to scan social media are essential. The candidate should be an active listener, able to communicate with persons of interest, and share timely information with the public.

The Main objective of Voice Of Delina is to collect and disseminate economic, social and political developments pertaining to Eritrea and Eritreans at home and in the Erespora.

We are also determined to develop the media capacity by grooming the new generation of Eritreans to articulate the aspirations of our country.

We are particularly looking for candidates who are keenly interested to play an active role in helping foster peace and democracy in Eritrea.

VOLUNTEER INTERNSHIP OPENINGS

• Media Director/Program Coordinator
o manage the team
o prepare editorials
o make editorial decisions on programs to be broadcast
o edit other program contents

• Researchers
o research topics required for programming
o assist in drafting stories

• Writers and Editors
o draft a regular feature story
o assist in news preparation

• Anchor-Reader
o read program items
o assist in news preparation

• Sound Engineer
o arrange programs, add music and repackage programs for dispatch to the studio

• Translator from English into Arabic and Tigrinya (and, on a limited basis, Amharic)
o translate copy of stories into appropriate language for broadcast
o when necessary, read stories in correct language or dialect

To participate please send email to This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.
Please provide your personal CV, Skype ID, telephone number and best time to call you.

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...