AUDIO (AM Quality) NEWS for our users in Africa CLICK HERE
ድምጺ ደሊና
 ዜና 05 ለካቲት 2015  
ኣዳላዊ : መሓመድ ኢድሪስ   ኣቕራቢ:መሓመድ ኢድሪስ


*** ፍሉይ መደብ ***

“መን ኢዩ ተሓታቲ ድሕነት ስደተኛ ኤርትራውያን ኣብ ምብራቕ ሱዳን”

ክቡራት ሰማዕትና ንሎሚ 5 ለካቲት 2015 ኣብ ክንዲ ስሩዕ ዕለታዊ ዜናና፡ መደበሩ ኣብ ብሪጣንያን ዝኾነ ኣልሒዋር ቴለቭዥን “መለፋት ኤርትርያ” ወይ ድማ ናይ ኤርትራ ፋይላት ኣብ ዝብል መደቡ “መን ኢዩ ተሓታቲ ድሕነት ስደተኛ ኤርትራውያን ኣብ ምብራቕ ሱዳን” ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ጥሪ 5 2015 ዘቕረቦ ክፍለ-መደብ ብምሙካዝ ዘዳልናዮ ጸብጻብ ክነቕርበልኩም እና

ኣልሒዋር ኣብ መባእታ እዚ መደቡ ዘቕረቦም ዜናታት ከምዚ ይብሉ፡ 

ካብ ሽገራብ ስደተኛታት ካምፕ ብጃልባ ንምህዳም  ዝፈተኑ 10 ኤርትራውያን ሕይወቶም ምስ ሰኣኑ ኣብቲ ካምፕ ሓደ ዓቢ ናዕቢ ይፍጠር፤

ካብዞም ስደተኛታት መባዛሕትኦም መናእሰይ ከምዝኾኑ ይፍለጥ።ነቲ ናዕቢ ንምዕጋት ናይ ሱዳን ወተሃደራት ቁጽሪ ዘለዎም ስደተኛታት ከምዝኣሰሩ ካብቲ ቦታ ብዝተረኸበ ሓቤረታ ክርዳእ ተኻኢሉ።

            ኣልሒዋር  ምስዚ ቅድም ኢልና ዝጠቐስናዮ ተረኽቦ ዘጓነፈ ካልኦት ጉዳያት  ክገልጽ ድማ ከምዚ ይብል።ካብ ኤርትራ ናብ ሱዳን ክሃድሙ ዝፈተኑ 13 ኤርትራውያን መናእሰይ ብጥይት ወተሃደራት መንግስቲ ኤርትራ ይቕተሉ።ካብ ዞም 13 ኤርትራውያን ስለስተ የሕዋት ኣዋልድ ክኾና እንከለዎ እሳተን ድማ ደቂ ተጋደላይ-ስንኩልን ኣቦንን  ተጋዳሊት ኣደን እየን። ብተማሳሳሊ ኩነታት ድማ ሓደ ኣራዊት ንስለስተ ኤርትራውያን ቆለውዕ ብምጥቃዕ ነቶም ክልተ ክቐትል እንከሎ እቲ ሓደ ግን ኣምሊጡ ናብ ኢድ ሓልወቲ ዶብ ኤርትርውያን በጺሑ ይብል ኣልሒዋር። ብተውሳኺ ኣብ ምዕራብ ከሰላ ኣብ ዝርከብ በረኻ ወተሃደራት ሱድን ምስ ጨወይቲ ሰብ ድሕሪ ቶኽሲ ምልልውዋጥ 16 ኤርትራይና ናጻ ኣውጺኦሞ ብምባል ኣልሒዋር ዜናትጋቱ ይድምድም።

ካብ ሱዳን ብውሕጅ ናይል ንምህዳም ዝፈተኑ 22 ኤርትራውያን ኢዮም። ነዞም ኤርትራያን ጽዒና ትጓዓዝ ዝነበረት ጃልባ ቀዲምን ተራን ጃልባ ነበረት። ናይ ሱዳን ወተዳሃራት ታ ጃልባ ጠጠው ክትብል ድድሕሪኣ ይስ ዕቡ፥፡ ግን ታ ኤርትራውይን ዝጻዓነት ጃልባ ትሰጥም። ካብኣ 8 ክሞቱ እንከለው እቶም ዝተረፉ ግን ክሳብ ሕጂ ኣሰሮም ኣይተረኽበን። እዚ ወሬ ኣብ ሸገራብ ምስተበተን ድማ ኢዩ ቲ ናዕቢ ዝተፈጠረ። ነቲ ናዕቢ ፈጢርኩም ኢሉ ድማ መንግስቲ ሱዳን ብዙሓት ኤርትራውያን ከምዝኣሰረ ቅድም ኢልና ሓቢርናኩም ኢና።

ክቡራት ሰማዕትና ሸገራብ ኣብ ምብራቕ ሱዳን ካብ ዝረከቡ ናይ ስደተኛታት ካምፕ እታ ዝገጀፈት ኢያ።

እቶም ናይ ኤርትራ መጀመሪያ ወግዓዊ ስደተኛታት ናብ ሱዳን ዝመጹ ብ1968 ነይሩ።

ሎሚ ብግምት 1600 ዝኾኑ ስደተኛታት ወርሒ ወርሒ ዶብ ብምስጋር ኣብ ሸገራብ ዑቕባ ይሓቱ።

“ካብዞም ሓደሽቲ መጻእቲ መብዛሕትኦም መናእሰይን ምሁራትን ኮይኖም ምስቲ ኣብቲ ከባቢኦም ዘሎ ሕዝቢ ባህላዊ ወይ ቀቢላዊ ዝምድና ዘይብሎም ካብ ከበሳ ዝመጹ ኢዮም”ይብሉ ሚስተር መሓመድ ኣሕመድ ኣልጋብድ ናይ ሱዳን ሰድተኛታት ኮሚሽነር ብምቅጻል ድማ  “መብዛሕትኦም ንሱዳን ከምመሰጋገሪ ዓዲ ብምቑጻር ክሳብ ንሰሜን ንምንቅሳቓስ ዕድል ዝረኸቡ ንግዚኡ ኣብኡ ይጸንሑ።ሓደ ሓደ ግዜ ሚዲትራንያን ባሕሪ ብምስጋር ንኣውሮፓ ይህቅኑ” ኢሎም ይሕብሩ ሚስተር ኣልጋብድ

ብ1968 ዝመጹ ግን ናብራኦም ኣብ ሱዳን ገበሩ ገለ ድማ ናይ ሱዳን መንነት ሓዙ

ካብ ስደተኛታት ኤርትራ ብግምት 40000 ዝኾኑ ምስቲ ኣብቲ ከባቢኦም ዘሎ ሕዝቢ ዝነብሩን ምስቲ ሕዝቢ በቀቢላነት ዝዛመዱ ኢዮም። በጃን ራሻይዳን ንኣብነት ኣብ ክልቲኡ ወገን ዶብ ይርከቡ፥፡

መን ኢዩም ተሓተትቲ ድሕነት ስደተኛ ኤርትራውያን ኣብ ምብራቕ ሱዳን”

መንግስቲታት ሱዳንን ኤርትራን ከምኡ ድማ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ብፍላይ ላዕለዋይ ልኡኽ ስደተኛታት ተሓተትቲ ድሕነት ስደተኛ ኤርትራውያን ኣብ ምብራቕ ሱዳን” ኢዮም ኢሎም ተዛረቡ ብዛዕባ ዚ ጉዳይ ኣብ ናይ ኣልሒዋር መደብ ሓሳባቶም ዘቕረቡ ዕዱማት

ኣብዚ ዝጠቕስናዮ ናይ ኣልሕዋር መደብ - ጉዳይ ብገለ ናይ ሱዳን ጸጥታ ሓይሊታት ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝወርድ ዘሎ ግፍዒ  በቶም ዑዱማት ይደጋገም ነይሩ።

መንግስቲ ሱዳን ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብሒዶት ናይ ሱዳን ጸጥታ ሓይልታት ዝወርድ ዘሎ ግፍዒ ጠጠው ከብል ካብቶም ዑዱማት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ዝኾኑ ውልቀሰባት ጻውዒቶም ኣቕሪቦም ኢዮም።

ብ2011 ኣብ ሸጀራብ ምብጻሕ ዘካየዳት ተሓጋጋዚት ስርሒት ላዕለዋይ ልኡኽ ስደተኛታት ጃነት ሊም  ከም መፍትሕ ሽግር ምጭዋይ ስደተኛታት ዘቕረበቶ ሓሳብ ቶም ስደተኛታት ምስቲ ከባቢኦም ዘሎ ማሕበረሰብ ምውህሃድ ዝብል ነበረ።ኣብ ርእሲ ዚ ድማ ማይ ዝዝርግሑ ቡምባታትን ምዕዳል እኽሊን ኣብ ሸጀራብ እንተበርኪቶም ንስደተኛታት ናይ ስራሕ ዕድል ካብ ምፍጣር ንላዕሊ ቶም ስደተኛታት ምስቲ ኣብቲ ከባቢኦም ዘሎ ማሕበረሰብ ምውህሃድ ከምዝሕግዝ ጃነት ተማጻቢዓ ኢያ።

ናይ ሱድንን ናይዚ ዓለም ለኸ ውድብን ተራኦም በዚ ቅድም ኣቢልና ዘቕረብናዮ ሓበሬታ ተሓጺሩ ይርከብ።

ኣብ ወጻኢ ንርክበ ኤርትራውያን ኸ ተራና  ከመይ ክኽውን ኣለዎ?

1.      ቀዳማይ ኣብ ሸጅራብ ሰብ ኣዊ ሓገዝ ዘቕርባ ዘለዎ መንግስታዊ ዘይኮና ትካላት ብገንዘብ ምሕጋዝ።

2.     ካልኣይ ኤርትራውይን ስደተኛታት ኣብ ሽጀራብ ኮነ ሓምዳዊት ወይ ድማ ኣብ ካልእ ናይ ስደኛታት ካምፕታት ድሕነቶም ክሕሎ ኣብዘዘለናዮ ሃገር ዝረከብ ጨንፈር ውድብ ሕቡራት መንግስቲታት ሰለማዊ ሰልፊ ምክያድ

3.     ናይ መውዳእታ ግን ቲ ዓቢይ ድማ ነዚ ቀንዲ ጠንቂ መዓት ስደተኛታት ኮይኑ ዘሎ መላኺ መግዛእቲ ህግደፍ ስርዓቱ ከብቕዕ ኣብ ሕጊ ቀሪቡ ንሃገርን ሕዝብን ብዘሳዕቦ ጥፍኣት ብያኒኡ ክርከብን ብ ኣንጻሩ ድማ ሃገርናን ሕዝብናን ሰላምን ባህታን ክረኽቡ እነካይዶ ዘለና ቃልሲ ኣበርቲ ዕና ምቕጻል ኢዩ፤፡


Join VoD

VoD is looking for highly motivated candidates to collect, draft, edit and present relevant news items from various sources exclusively but not limited to Eritrea and the rest of the Horn of Africa. Excellent writing skills in both English and Tigrinya, proficiency in using technology, and ability to scan social media are essential. The candidate should be an active listener, able to communicate with persons of interest, and share timely information with the public.

The Main objective of Voice Of Delina is to collect and disseminate economic, social and political developments pertaining to Eritrea and Eritreans at home and in the Erespora.

We are also determined to develop the media capacity by grooming the new generation of Eritreans to articulate the aspirations of our country.

We are particularly looking for candidates who are keenly interested to play an active role in helping foster peace and democracy in Eritrea.

VOLUNTEER INTERNSHIP OPENINGS

• Media Director/Program Coordinator
o manage the team
o prepare editorials
o make editorial decisions on programs to be broadcast
o edit other program contents

• Researchers
o research topics required for programming
o assist in drafting stories

• Writers and Editors
o draft a regular feature story
o assist in news preparation

• Anchor-Reader
o read program items
o assist in news preparation

• Sound Engineer
o arrange programs, add music and repackage programs for dispatch to the studio

• Translator from English into Arabic and Tigrinya (and, on a limited basis, Amharic)
o translate copy of stories into appropriate language for broadcast
o when necessary, read stories in correct language or dialect

To participate please send email to This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.
Please provide your personal CV, Skype ID, telephone number and best time to call you.

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...