AUDIO (AM Quality) NEWS for our users in Africa CLICK HERE
ድምጺ ደሊና
 ዜና 04 ለካቲት 2015  
ኣዳላዊ ቪድዮ: ዘካርያስ ክብርኣብ   ኣቕራቢ: ዘካርያስ ክብርኣብ


ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ከተማ ካሌ ፈረንሳ ብውርጪን ቀዝሕን እናተሳቐዩ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ንምእታው ሂወቶም ይኸፍሉ ከምዘለዉ ይሕበር ኣሎ።

ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ካብ ዝሕተማ ጋዜጣታት ዓቢ ተፈላጥነት ዘለዋ ዘ ጋርድያን ዝተባህለት ጋዜጣ ኣብ ጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናይ ካሌ ፈረንሳ ሰፊሕ ጽሑፍ ኣቕሪባ። እታ ጋዜጣ ጠንቂ ስደት ኤርትራውያን ንጸብጻባት UNHCR ብምምልካት ኣብ ዝሓለፈ ዓመተ 2014 ጥራሕ ኣብ ውሽጢ 10 ኣዋርሕ ቁጽሪ ኤርትራውያን ሓተትቲ ዑቕባ ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ 37000 ከምዝነበረ ብምጥቃስ፣ ንጸብጻባት ፍልይቲ ልእኽቲ ሕቡራት ሃገራት ብምርኣይ ከኣ ካብ ክልተ ክሳብ ሰለስተ ሽሕ ኤርትራውያን ኣብ ነብሲ ወከፍ ወርሒ ብሰንኪ ኣብ ሃገሮም ዘጋጥሞም ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ሃገሮም ገዲፎም ይስደዱ ከምዘለዉ ሓቢሩ።

ጋዜጣ ዘ ጋርድያን ወሲኻ ንሓንቲ ፊሩዝ ወረደ ዝተባህለት ኣብ ምጥባቕ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራውያን እትነጥፍ ናብቲ ቦታ ማለት ካብ ዓዲ እንግሊዝ ናብ ካሌ ሃለዋት ኤርትራውያን ስደተኛታት ክትሓትት ኣብ ዝገሸትሉ ሃንደበት ኣብቲ ቦታ ናይ ቀደም መማህርታ ከምዝረኸበትን፣ ፌሩዝ ነዚ ኣመልኪታ „ወለዶ ኤርትራ ይጠፍእ ኣሎ“ ክትብል ነቲ ኩነታት ብሓዘን ከምዝገለጸቶ ብሰፊሑ ገሊጻ።

ኣብ ኤርትራ ግዱድ ዕስክርና ዘኸተሎ ምሕበረቁጠባዊ ጸገማት ከምዘሎ፣ ቀረባት ሃለኽቲ ነገራትን ጥዕናን‘ውን ኣብዝተሓተ ደረጁኡ ወዲቑ ከምዘሎ ዝሓበረት እታ ጋዜጣ ኣቶ ሞርጋን ዝተባህለ ወሃቢ ቓል ወጻኢ ጉዳያት  ሰልፊ ለበር ዓዲ እንግሊዝ ዝኾነ ዓቢ ፖለቲከኛ‘ውን፣ ንኹነታት ኤርትራ ኣዝዩ ኣሰካፊ ክብል ከምዝገለጾ ሓቢራ‘ላ።


ኤምነስትይ ኢንተርናሽናል ዝተባህለ ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ዝነጥፍ ኣህጉራዊ ትካል፣ ንኹነታት ኤርትራውያን ስደተኛታት እተንጸባርቕ ፊልም ኣዳልዩ ንህዝቢ ከቕርብ ጀሚሩ።

ናይ ሓያለ ኤርትራውያን ስደተኛታት በብዓመቱ ናብ ኤውሮጳ ንምስጋር ንተኣፋፊ ጉዕዞ ምድረበዳን ባሕርን ሂወቶም ኣብ ሓደጋ ብምውዳቕ ክሰግሩ ናይ ዝፈተኑ ዕጫ እትገልጽ ዕጹው ባሕሪ ዝተሰመየት ደኩመንታርይ ፊልም ኣብ ወግዓዊ ህዝባዊ ርክባት ኤምነስትይ ንህዝቢ ብብእዋኑ ትቐርብ ኣላ።

እታ ደኩመንታርይ ፊልም ንመሸጣ ገና ኣብ ዕዳጋ ከምዘይወዓለት ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ትካል ኤምነስትይ ኣብ ዘዳለዎ ህዝባዊ ኣኼባታት ግን ንህዝቢ ብነጻ ይረአ ከምዘሎ ካብ ኤምነስትይ ዝተረኽበ ሓበሬታ የረደእ። እታ ንሓቀኛ ታሪኽ እተርእይ ደኩመንታርይ ፊልም ናይ ሓንቲ ኣብ ጉዕዞ ስደት ዝተበታተነት ኤርትራዊት ስድራ ቤት ጉዕዞን ዕጫ ስደትን ብንጹር ኣቕሪባቶ‘ላ። እቶም ኣብቲ ፊልም ዝረኣዩ ኸኣ መሲሎም ዝዋሱኡ ዘይኮኑ ሰብ ሓቐኛ ታሪኽ ሙኻኖም ክፍለጥ ተኻኢሉ‘ሎ። እቶም ነታ ፊልም ዝተዓዘቡ ወገናት ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዘለዎም ኣረኣእያ ከምዝዓበየ ይዛረቡ‘ለዉ።


*** ፍሉይ መደብ ***

ኣየነይተን‘ያ እታ ሓቀኛ ኤርትራዊት ኣደ?

ኣየነይተን‘ያ እታ ሓቀኛ ኤርትራዊት ኣደ እዛ በዓልቲ ለንደን ጸበባ ዘይቀርባ ካብ ዓዳ ሪሒቓ ነቨር ኒል ዳውን ኤሪትሪያ እናበለት ትፍክር፣ ቀደም ዘመን ብዘመነ ንጉሰ ነገስታት ሃይለስላሴ ምስ ሸገራ ኣሽንጦ፣ኣሻምገ፣ኣፈዑጆ ኩዒታ ምልዖ፣ጋባ፣ዓየ ጸርጊፋ ምብላዓ ትዝክር‘ሞ ሎሚ ድሕሪ‘ዚ ኹሉ መስዋእቲ ደቃ፣ ኣብ ዓዲ ንዘለዉ ህዝባ ከምኡ ክገብሩ እናተመነየት ምልኪ ተሳሲ‘ዶ ወይስ እታ ኣብ ገማግም ደሴት ላምፓዶዛ ብጥፍኣት ዕሸላት ደቃ ከብዳ ተቐሪጻ ኣቲ‘ደይ መዓረየ እናበለት ትነብዕ፣ ኣብ ፈቖዶ ማሕቡሳት ሃለዋት ኮብሊልኩም ተባሂሎም ተሃዲኖም ብግፍዒ ኣብ ዝሳቐይሉ ቦታታት ደሃይ ክትፈልጥ ዝርካባ እኽለማይ ሒዛ ኮለል ኣብ ምባል ዘላ፣ ጉልባባ ቀሊዓ ኣብ ጎደና ተጸጊዓ ውሉዳ ከተዐንግል ብሰንኪ ሕሱም ድኽነት ኣብ ልመና ተዋፊራ ትርከብ፣ ኩሉ ስልማታ  ሸይጣ ደቃ ካብ ኣፍ ጨወይቲ ንምድሓን ባዶሽ ዝተረፈት‘ሞ ኣደዳ ጓሂ ኮይና ንብዓት ተደሪራ ዘላ? መን‘ያ ግን እታ ናይ ብሓቂ ምስሊ ኤርትራ እንተጸባርቕ ኤርትራዊት ኣደ?

ሎሚ ክልተ ክራኸባ ዘይክእላ ኤርትራውያን ኣዴታት ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ዓለም ደው ኢለን ኣለዋ። እታ ሓንቲ ኣብ ሉምሉም ሰውነታ፣ ጥማዕን ድማዕን ኣዋርቕ ዝተሰከምት፣ ብሩህ ፍረ ገጽ ዘለዋ፣ ኩሉ ባህጋ ምዕዳግ ሓደስቲ ዙርያ ኮይኑ ኣብ ፈቐዶ ጽንብላት ምስዕሳዕ እትናፍቕ፣ ዓመት መጽ ናብ ኤርትራ ብምብጻሕ ኣብ ልዕሊ ጩቁናት ሕብረተሰባ ምፍስሕ ትፈቱ እያ። እታ ካልኣይቲ ኣደ ድማ፣ ነብሳ ረሲዓ መጻኢ ደቃ ከተጸብቕ ላዕልን ታሕትን ትብል፣ ኣብ ጉዕዞ ምድረበዳን ባሕርን ናይ ዘለዉ ደቃ ጽቡቕ ወረ ክትሰምዕ ፍጭም ትብል፣ መርድእ ኣብ ልዕሊ መርድእ ጓሂ ኣብ ልዕሊ ጓሂ ረሚስዋ ብኣደዳ ማዳ ሕብራ ዝተደወነት ከብዳ ሓቑፋ ዘላ እያ።

ቀደም ጥዑም ነይሩ። ካልእ ይትረፍ ምስሉይነት ግኑን ኣይነበረን። ከምዚ ሎሚ ከብዲ እምኒ ከይኣተዎ ኣዴታት ለዋሃትን ቦቕባቓትን ነይረን። መሬት ጽብብ ክትብል እንከላ እክብ ኢለን ይምህለላ፣ ደቀን ጥምይ ክብልወን ከለዉ ጣይታ ይለቓቐሓ። ቀደም ብሓቂ ጥዑም ነይሩ፣ ይመልሰልና፣ ሎሚንከኣ በምዑት ደቀን ዝጻወታ፣ ኣብ ልዕሊ ሬሳታት ደቀን ዝኮሓላ፣ ብሕሰም ኢሳያስ ጸጉረን ዝድርመማ፣ ሰብ ፍሉያት ረብሓ ዓብሊለናና። ኤርትራ ዘይምስላ ይህበኣ ኣለዋ። ህዝብና ግና ነተን ሓቀኛታት ኤርትራውያን ኣዴታት ይናፍቐን ኣሎ። ከምቲ ቀደም ሎሚ‘ውን ክምለስ ሃረር ይብል ኣሎ። እንተ‘ተን ልበን ረስዔን ዘለዋ ግና ደም ደቀን ውሕጅ ኮይኑ ከይወስደን ካብ ኣትየኖኦ ዘልዋ ዓዘቕቲ ጥፍኣት ክናገፋ ንምሕጸንን።,


Join VoD

VoD is looking for highly motivated candidates to collect, draft, edit and present relevant news items from various sources exclusively but not limited to Eritrea and the rest of the Horn of Africa. Excellent writing skills in both English and Tigrinya, proficiency in using technology, and ability to scan social media are essential. The candidate should be an active listener, able to communicate with persons of interest, and share timely information with the public.

The Main objective of Voice Of Delina is to collect and disseminate economic, social and political developments pertaining to Eritrea and Eritreans at home and in the Erespora.

We are also determined to develop the media capacity by grooming the new generation of Eritreans to articulate the aspirations of our country.

We are particularly looking for candidates who are keenly interested to play an active role in helping foster peace and democracy in Eritrea.

VOLUNTEER INTERNSHIP OPENINGS

• Media Director/Program Coordinator
o manage the team
o prepare editorials
o make editorial decisions on programs to be broadcast
o edit other program contents

• Researchers
o research topics required for programming
o assist in drafting stories

• Writers and Editors
o draft a regular feature story
o assist in news preparation

• Anchor-Reader
o read program items
o assist in news preparation

• Sound Engineer
o arrange programs, add music and repackage programs for dispatch to the studio

• Translator from English into Arabic and Tigrinya (and, on a limited basis, Amharic)
o translate copy of stories into appropriate language for broadcast
o when necessary, read stories in correct language or dialect

To participate please send email to This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.
Please provide your personal CV, Skype ID, telephone number and best time to call you.

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...