AUDIO (AM Quality) NEWS for our users in Africa CLICK HERE
ድምጺ ደሊና
 ዜና 28 ጥሪ 2015 
ኣዳላዊ: ዓንዶም ግርማይ  ኣቕራቢ: ዘካርያስ ክብርኣብ

 


ብዘይ ፍርዳዊ መስርሕ ተቐዪዶም ናይ ዘለዉ ልዕሊ 17 ካልኦት ጋዜጠኛታት ጉዳይ ኣሰካፊ ጉዳይ ኮይኑ ምህላዉ  ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ገሊጹ።


መንግስቲ ኤርትራ ን6 ዓመታት ኣሲርዎም ዝነበረ ሽዱሽተ ጋዜጠኛታት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብዋሕስ ምልቃቚ ከም እወታዊ ተበግሶ ዝውሰድ እኳ እንተኾነ፥ ዛጊት ብዘይ ፍርዳዊ መስርሕ ተቐዪዶም ናይ ዘለዉ ልዕሊ 17 ካልኦት ጋዜጠኛታት ጉዳይ ግና ኣሰካፊ ጉዳይ ኮይኑ ምህላዉ  ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብ27 ጥሪ 2015 ኣብ ዘውጽኦ  ወግዓዊ መግለጺ ሓቢሩ ።

እቲ ክፍሊ ኣብ መግለጺኡ፥ መንግስቲ ኤርትራ ንሓያሎ ጋዜጠኛታት፥ ላዕለዎት ፖለቲከኛታትን  መእመናን ኣብ ዝተፈላለያ ናይ መዳጎኒ መዓስከራትን ኣብያተ-ማእሰርትን ሓዪሩ ንነዊሕ ዓመታት የሳቕዮም ከምዘሎ  ብምግንዛብ፥ ምምሕዳር ዋሺንግቶን  ኩነታትን ተረኽቦ ሕግን እቶም እሱራት ንኽወሓስ ዝገብሮ ጻዕርታትን ጻዊዕታትን ይቕጽል ከምዘሎ ኣተሓሳሲቡ።

መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ምኽባር ሰብኣዊ መሰላት ዘርእዮ ዘሎ ድኻማት ዝተወሃሃደ ቅሩብነትን ጽገናን ብምግባር ከመሓይሾ ከምዝግባእ ወሲኹ ዝጸውዐ መግለጺ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፥ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታት፥ ፖለቲከኛታትን መእመናን ብመንግስቲ ኤርትራ ዝምዝገቡ ዘለዉ ግህሰታት ኣብ ዝሓጸረ እዋን ከብቅዕ ተደላዪ ከምዝኾነ ኣተንቢሁ።

ስርዓት ህ/ግ/ደ/ፍ ንጋዜጠኛታት በረኸት ምስግና፥ ይርግኣለም ፍሰሃ፥ ባሲሎስ ዘሞ፥ መለስ ንጉሰ፡ ግርማይ ኣብራሃምን ፔጥሮስ ተፈሪን ብዘይ ዝኾነ ፍርዳዊ መስርሕ  ንልዕሊ 6 ዓመታት ዳጒንዎም ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብዋሕስ ከምዝለቐቖም ይዝከር።

ስርዓት ኣስመራ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝፍጽሞ ዘሎ ግፍዕታት ልዕሊ ካልእ እዋን ብኢሱ ከምዘሎ ዘመልክቱ ጸብጻባት ፥ ከም ሳዕቤን እዚ ድማ  ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ቀጥታውን ተግባር ዝሕወሶ ዘሎ ዝመስልን  ኣቃልቦ ይምዕብል ከምዘሎ የረድኡ።


ኣዳላዊት ኮሚቴ  “ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዴሞክራስያዊ ለውጢ” ፥ ውሽጣዊ ቅርጺን ቅጺን ስራሓ ሰሪዓ ሓላፍነቶም ንጹር ዝኾነ 5 ኣባላት ከምዝመዘዘት ገሊጻ።

ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዴሞክራስያዊ ለውጢ (ኤሃባደለ) ህጹጽን ዕዉት ምንባሩ ዝተነግረሉን ሳልሳይ ስሩዕ ኣኼባኡ ካብ 14 ክሳዕ 20 ታሕሳስ 2014 ካብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ  ኣብ ዘቃነዓሉ ዝመረጻ  ኣዳላዊት ኮሚቴ (preparatory committee ) ፡ ውሽጣዊ ቅርጺን ቅጺን ስራሓ ሰሪዓ ሓላፍነቶም ንጹር ዝኾነ 5 ኣባላት ከምዝመዘዘት ገሊጻ።

እታ ኣዳላዊት ኮሚቴ ብመሰረት ኣብ’ቲ ናይ ወርሒ ታሕሳስ 2014 ኣኼባ ዝተነጽፈላ መርሓ-ቊጽጽር (regulatory guideline) -  መሓመድ ኣሕመድ ሰፈር ከም ምክትል ፕረዚደንት፥ ተኸስተ ብርሃነ ከም ጸሓፊ፥ መሓመድ ዑመር ጣሃ ሓላፊ ምውህሃድ ኣገልግሎታት፥ ኢብራሂም ሳልሕ ፋር ሓላፊ ባህልን ሓበሬታን፥ ከምኡ’ውን ኣብራሃም ነጋሲ ሓላፊ ፋይናንስ  ኮይኖም  ኣብ ትሕቲ ኣባልነት እታ ኮሚቴ ክሰርሑ ከምዝደምደመት ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

እታ ኣዳላዊት ኮሚቴ ብ 24 ጥሪ 2015 ኣብ ዝዘርገሓቶ ወግዓዊ መግለጺ ፥ ነቲ ኣብ ክልተ መድረኻት  ኣስፊራቶ ዘላ መደብ ስራሕ ዕውት ንምግባሩ ዉርጹጽ ምድላዋት ጌራ ምህላዋ ፥ እቲ ቀዳማይ መድረኽ  ኣብ ምድላው ባጀታዊ-እመታን (budget forecast)  ኣብ ምጽፋፍ’ቶም ንኣሰራርሓኣ  ዘማእዝኑ መምርሒታትን ከድህብ እንከሎ ፥ እቲ ካልኣይ መድረኽ ድማ  ተግባራውያንን ኣብ ምጒስጓስ  ዝዓለሙ  ንጥፈታትን ዛዕባ ዝገብር ከምዝኸውን ኣረዲኣ ኣላ።

ኣቶ  በሺር ኢስሓቕ ነታ ኣዳላዊት ኮሚቴ ከም ዋና ጸሓፊ ኮይኑ ከማእዝና ከምዝኾነ ዘመልከቱ ናይ ቀርባ ተዓዘብቲ ፥ እዚ ተሰሪዑ ዘሎ ቅጺ ሓላፍነትን ውደባን ኣብ ውዱን ጉዕዞ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዴሞክራስያዊ ለውጢ (ኤሃባደለ)  እወታዊ ተራ ክህልዎ ዘለዎም ተስፋ ገሊጾም።


ኣብ ከተማ “ካሌ” ናይ ፈረንሳ  ዝእከቡ ዘለዉ ስደተኛታት ኣብ’ቲ ከባቢ ብዝወርድ ዘሎ ከቢድ ቀዝሒ ይሳቐዩ ከምዘለዉ ተሓቢሩ።

ኣብ ከተማ “ካሌ” ናይ ፈረንሳ  ዝእከቡ ዘለዉ ስደተኛታት ኣብ’ቲ ከባቢ ብዝወርድ ዘሎ ከቢድ ቀዝሒ ይሳቐዩ ከምዘለዉ “ቫይስ” ዝተባህለ ማዕከን ሓበሬታ እታ ሃገር ኣመልኪቱ።

እቲ ማዕከን - ኣባላቱ ናብ’ቲ ከባቢ ልኢዂ ኣብ ዝኣከቦ ሓበሬታታት ፥ ኣብ “ካሌ” ዘሎ ሂወት ስደተኛታት ኣስካሕካሒ መልክዕ እናሓዘ ይመጽእ ከምዘሎ፥ ነቶም ስደተኛታት ዝቕረበሎም መሰረታዊ ጠለባት መግብን መዕቆብን ኣዝዩ ትሑት ብምዃኑ ድማ ሓያሎ ስደተኛታት ኣብ ከቢድ ጥዕናዊ ጸገማት ይወድቊ ከምዘለዉ ኣገንዚቡ።

ኣብ ከተማ “ካሌ”  ዘለዉ ስደተኛታት ብዘይካ’ቲ  ዝወርዶም ዘሎ ክሊማዊ ተጻብኦታት ፥ እቲ ካብ ኣባላት ጸጥታ መንግስቲ ፈረንሳ ናይ’ቲ ከባቢ ዝወርዶም ኣደራዕ እናተጋደደ ምምጻኡ ዘመልከተ ማዕከን ዜና  “ቫይስ” ፥ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ልዕሊ’ዚ ጉዳይ ግዳሴኡ ኣጒዲሉ ከምዘሎ ኣተሓሳሲቡ።

ኣህጉራዊ ትካል ሓለዋ ሰብኣዊ መሰላት (Human Rights Watch) ፥ ኣብ ወራሓት ሕዳርን ታሕሳስን ናይ ዓመተ 2014- ኣብ “ካሌ” ጸገማት ካብ ዝረኸቡ 44 ስደተኛታት ብዝኣከቦ ሓበሬታ መሰረት፥ ኣባላት ጸጥታ ፈረንሳ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝተፈላለዩ በደላት የውርዱ ከምዘለዉ ብወግዒ ምግላጹ ይዝከር።

ኣብ’ታ መብዛሕትኦም ስደተኛታት ከም መሰጋገሪት ናብ ጎረቤት ሃገር ዓዲ-እንግሊዝ ዝጥቀሙላ “ካሌ” ልዕሊ 2000 ኣፍሪቃውያንን ኤስያውያንን ስደተኛታት ኣብ ቃልዕ ከባቢን ኣብ ረቀቕቲ ቴንዳታትን ተዓቚቦም ከምዘለዉ ጸብጻባት የመልክቱ። 


Join VoD

VoD is looking for highly motivated candidates to collect, draft, edit and present relevant news items from various sources exclusively but not limited to Eritrea and the rest of the Horn of Africa. Excellent writing skills in both English and Tigrinya, proficiency in using technology, and ability to scan social media are essential. The candidate should be an active listener, able to communicate with persons of interest, and share timely information with the public.

The Main objective of Voice Of Delina is to collect and disseminate economic, social and political developments pertaining to Eritrea and Eritreans at home and in the Erespora.

We are also determined to develop the media capacity by grooming the new generation of Eritreans to articulate the aspirations of our country.

We are particularly looking for candidates who are keenly interested to play an active role in helping foster peace and democracy in Eritrea.

VOLUNTEER INTERNSHIP OPENINGS

• Media Director/Program Coordinator
o manage the team
o prepare editorials
o make editorial decisions on programs to be broadcast
o edit other program contents

• Researchers
o research topics required for programming
o assist in drafting stories

• Writers and Editors
o draft a regular feature story
o assist in news preparation

• Anchor-Reader
o read program items
o assist in news preparation

• Sound Engineer
o arrange programs, add music and repackage programs for dispatch to the studio

• Translator from English into Arabic and Tigrinya (and, on a limited basis, Amharic)
o translate copy of stories into appropriate language for broadcast
o when necessary, read stories in correct language or dialect

To participate please send email to This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.
Please provide your personal CV, Skype ID, telephone number and best time to call you.

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...