AUDIO (AM Quality) NEWS for our users in Africa CLICK HERE
ድምጺ ደሊና
 ዜና 20 ጥሪ 2015 
ኣዳላዊን:  ኣቕራቢን: ዘካርያስ ክብርኣብ


ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣቡነ ፍራንቸስኮስ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ርእሳ ኪኢላ ክትመሓደር ወሲኖም።

ሎሚ ካብ ሬድዮ ቫቲካን ዝተፈነወ ዜና ከም ዝሕብሮ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣቡነ ፍራንቸስኮስ፣ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ካብ ናይ ኣዲስ ኣበባ መንበረ ሊቀ ጳጳስ ተፈልያ፣ ሜትሮፖላዊት እመ ኣህጉር ክትከውን፣ መንበረ ሊቀ ጳጳስ ከኣ ኣስመራ ክኸውን ወሲኖም ኣለዉ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ወሲኾም፣ ጳጳስ ዘመንበረ ኣስመራ ከም ሊቀ ጳጳስ ኮይኖም ንኣቡነ መንግስተኣብ ተስፋማሪያም ሃዋርያዊ ኣገልግሎት ክህቡ ሓርዮሞም ኣለዉ። 

ከም ዝፍለጥ ርእሰ ጳጳሳት ኣቡነ ፍራንቸስኮስ ኣብ ንኣገልግሎት ድሕሪ ምምራጾም ንኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ብኣካል ናብ ማእከላይ ባሕሪ ብምኻድ ምብጻሕ ዝገበሩ ናይ ፈለማ ካቶሊካዊ ጳጳስ ኮይኖም፣ እዞም ሕጂ በዞም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝተሓርዩ ኣቡነ መንግስተኣብ ተስፋማሪያም ከኣ ካብቶም ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ኮይኖም ንህዝብን ጉጅለ ህግደፍን „ሓውኻ ኣበይ ኣሎ„ ብዝብል ጽሑፍ ብትብዓት ዝሓተቱ ሙኻኖም ይፍለጥ።


ብኤርትራ ከምዝሕገዝ ዝሕመ ምንቅስቓስ ሑቲ የመን፣ ትማሊ ኣብ ልዕሊ ቀዳማይ ሚኒስተር‘ታ ሃገር ፈተነ ቕትለት ኣካይዱ ተባሂሉ።

እቲ ንስክላ ዘምለጠ ቀዳማይ ሚኒስተር የመን ካልድ ባሓሕ፣ መንነቶም ብዘይተፈልጡ ዕጡቓት ብዝተፈነወሉ መጥቃዕቲ ፈተነ ቅትለት ከምዝተኻየደሉ እኳ እንተተሓበረ፣ ብዙሓት ወገናት ግን ካብ ተቓወምቲ ሑቲ ዝተፈነወ ከይኮነ ከምዘይተርፍ ይግምቱ‘ለዉ። ኮይኑ ግን ተቓወምቲ መንግስቲ የመን ዝኾኑ ምንቅስቓስ ሑቲ፣ ነቲ ብ ሚኒስተር ዜና እታ ሃገር ዝቐረበ ክሲ ከምዘይተቐበልዎ ካብ ሬድዮ ኤረና ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ንወደባዊት ከተማ ሖዴዳን ደሴታት ዝቑር ሓንሽን ተቖጻጺሮም ዝርከቡ ተቓወምቲ ሑቲ ኣቐዲሞም'ውን ንሓለቓ ስታፍ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ኣሕመድ ቢን ሙባረክ ጅሆ ሒዞሞ ከምዘለው ኣረጋጊጾም'ዮም።

ተቓወምቲ ሑቲ፣ መደበር ቴሌቪዥን ንዝርከቦ ኣገዳሲ ትካላት መንግስትን ሰፊሕ ክፋል ከተማ ሰንዓን ተቖጻጺሮም ብምህላዎም፣ መንግስቲ የመን ዝህቦ ወግዓዊ መግለጺታት ካብ ዓደን ክፍኖ ምዃኑ'ውን ሚኒስተር ዜና እታ ሃገር ናድያ ኣል ሳካፍ ኣፍሊጣ።

 


ህግደፍ ይስሓግ’ዩ ዘሎ፡ እጃምና ድማ ሳቮያ ምባል’ዩ!

ሓተታ ድምጺ ደሊና

ሒደት መዓልታት ድሕርቲ ገለ ክፋል ናይ ህንጻ ኤምባሲ ስርዓት ህገደፍ ኣብ ርያድ፡ ሱዕዲ ዓረብ ተቓጺሉ ዝተበሃለሉ እዋን፡ ኣምባሳደር ናይቲ ስርዓት መሓመድ ዑመር ማሕሙድን ሓላፊት ቆንስላዊ ጉዳያት ወይኒ ገረዝግሄርን፡ ኣብቲ ሃገር ንዝነብሩ ኤርትራውያን ኣኼባ ከም ዘካየዱ፡ ማዕከናት ዜና ህግደፍ ጸብጺበን ኣለዋ። ብገለ መልክዑ እቲ ዜና፡ ነታ ኣብቲ ሃገር ከም ሓላፊት ቆንስላዊ ጉዳያት ካብ ትምደብ ነዊሕ ዝገበረት፡ በዓልቲ ቤቱ ንየማነ ገብረኣብ (ማንኪ) ዝኾነት ወይኒ ገረዝግሄር፡ ጸብጻብ ዜና ኣምሲልካ ምስ ህዝቢ ንምልላያን ገለ ዝጠቅም ስራሕ ትስርሕ ከም ዘላ ንምምሳልን ዝተደርሰ ዜና ክመስል ዝኽእል እኳ እንተኾነ፡ ካልእ ዕላማ ዘለዎ ከም ዝኾነ ውን ምግማቱ ኣየጸግምን። እቲ ዕላማ፡ ኣቐድም ኣቢሉ ኣብቲ ኤምባሲ ኣጋጢሙ ዝቐነየ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ዝፈጠሮ ዘይተደላዪ ስምዒት ምትህድዳእ እዩ።

ዕላማ ናይቲ ዝተገብረ ኣኼባ፡ ብመራኸቢ ብዙሃን ህግደፍ ክንገረና ዘይንጽበ’ኳ እንተኾንና፡ ንምፍላጡ ዘጸግም ከቢድ ምስጢር ከም ዘይኮነ ግን ርዱእ እዩ። እንተ ህግደፍ ግን፡ ዋላ ውን ምስጢር ንዘይኮነ ነገራት ከመስጥሩ፡ ጸሓይ ትዓርቦም ከም ዘላ ንርኢ ስለ ዘለናስ፡ “ይገርመና’ሎ!” ዘብል ተረኽቦ ምዃኑ ኣብ ርእሲ ምጥቃስና፡ ገለ ተወሳኺ ኣገደስቲ ትዕዝብታት ወስ ምባል ውን ኣድላዪ ኮይኑ ረኺብናዮ ኣለና።

ብቐዳምነት፡ ህግደፍ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ከቢድ ናይ ራዕድን ጭንቀን ኩነተ-ኣእምሮ ተሸሚሙ ከም ዘሎ፡ ካብዚ ናይ ርያድ ተሞክሮ ብቐሊሉ ምርዳእ ይከኣል። እቲ ኣብ ቤት ጽሕፈት ናይቲ ኤምባሲ ኣጋጢሙ ዝተበሃለ ባርዕ ሓዊ፡ ጠንቁ ገና ዘይተፈልጠ’ኳ እንተኾነ፡ ካብ ዓለም ዘይተኸወለን ብኻልኦት ማዕከናት ዜና ውን ብሰፊሑ ዝተዘረበሉን ጉዳይ ክነሱ፡ ነቲ ዜና ህግደፍ ክሓባብኦ ምፍታኑ፡ እቲ ስርዓት ክሳብ ክንደይ ሱር ብዝሰደደ ናይ ኣተሓሳስባ ንድየት ይሳቐ ከም ዘሎ ዘመልክት እዩ።

ያኢ ህዝቢ ዘይፈለጦ ኮይኑስ፡ ማዕከናት ዜና ህግደፍ ነቲ ናይ ባርዕ ሓዊ ዜና ጎስየን፡ ነቲ ተጌሩ ዝበሃል ዘሎ ኣኼባ ጥራይ ምቅልሐን፡ ጥፍሽና ህግደፍ ዝተመስከረሉ ዝቐለለ ኣብነት ኮይኑ ተረኺቡ ኣሎ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰልዎ ጉዳያት፡ እቲ ዘይተደላዪ ናይ ዜና ምዕብዓብ ተግባር፡ ካብ ጥቕሙ ጉዳኣቱ ከም ዝዛይድ ካድራት ህግደፍ ከስተብህልሉ ዘይምኽኣሎም፡ ክሳብ ክንደይ ብናይ ኣንፈትካ ምጥፋእ ሕማም ብብርቱዕ ተለኺፎምን ለሚሶምን ከም ዘለዉ ዘረድእ ኣገዳሲ ኣብነት እዩ።

ሎሚ ኣብ ኤርትራ ብዜና ዝሕበር ዘበለ ኩሉ ነገር፡ ካብቲ ዝደቐቐ ክሳብ እቲ ዝገዘፈ፡ ቅኑዕ ድዩ ኣይቅኑዕን፣ ነታ ሃገር የርብሕ ድዩ ኣየርብሕን ተባሂሉ ዘይኮነ ዝምዘን፡ ካብ ቤት ጽሕፈት ናይቲ ውልቀ-መላኺ እንታይ ዓይነት ግብረ-መልሲ የኸትል ተባሂሉ እዩ ዝምመ። ስለ ዝኾነ ድማ፡ ኣብ ቅድሚ ምኽኑይን ዘይምኽኑይን ነድሪ ናይ ውልቀ-መላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ደው ዝብል ዝኾነ ይኹን ሰብ ስለ ዘየለ፡ ዋላ ውን በቲ ዝወሓደ ዓቐን፡ ነቲ ውልቀ-መላኺ ከቖጥዕ ዝኽእል ዜና ብፍጹም ኣይቃላሕን እዩ። ይኹን እምበር፡ እንታይ ስለ ዝኾነ እዩኸ እቲ ዜና ክንድዚ ተፈሪሑን ክሕባእ ተደልዩን ዝብል ስነ-ሞጎታዊ ሕቶ ከለዓል ባህርያዊ ስለ ዝኾነ፡ ምምላሹ ኣገዳሲ እዩ።

ኣብ ንቡር ኩነታት፡ እቲ ኣብ ርያድ ኣጋጢሙ ዝበሃል ዘሎ ባርዕ ሓዊ፡ ከጋጥም ከም ዝኽእል ሓደጋ ተራእዩ፡ ናይ ሓደ መዓልቲ፡ እንተበዝሐ ከኣ ናይ ሒደት መዓልታት ሸፈነ ዜና ተዋሂብዎ፡ ክሕለፍ ዝግብኦ ዝነበረ ጉዳይ እዩ። እንተኾነ ግን፡ እቲ ስርዓት ብውሽጣውን ደጋውን ጸቕጥታት ዓቕሉ እንዳጸበቦ ይኸደሉ ኣብ ዘሎ እዋን፡ ዝኾን ይኹን ኣብ ህዝቢ ኣሉታዊ ስምዒት ከለዓዕል ዝኽእል ዜና ክቃላሕ ከም ዘይደሊ፡ መባእታ ፍልጠት ህዝባዊ ርክባት ዘለዎ ዝኾነ ሰብ ክርድኦ ዝኽእል ጉዳይ እዩ።

ክኢላታት ምሕድራ ስርዓተ-መንግስትን ኣዋድቓ ጨቆንቲ ስርዓታትን ከም ዘረጋግጽዎ፡ እዚ ሕጂ ስርዓት ህግደፍ ዘርእዮ ዘሎ ዘይንቡር ባህርያት፡ ናይቲ ስርዓት ናይ በይኑ ፍሉይ ጠባያት ዘይኮነስ፡ ኣብ ከምዚ ሕጂ በጺሕዎ ዘሎ ናይ ውደቀት ደረጃ ዝበጽሑ መጸይቲ ስርዓታት ኣዘውቲሮም ዘርእይዎ መለለዪ ረቛሕታት ምዃኑ እዩ። ከም ህግደፍ ዝኣመሰሉ ብህዝቢ ዝተጸልኡን ዝተፈንፈኑን ስርዓታት፡ ኣብ ከምዚ ሕጂ ተበጺሑ ዘሎ ደረጃ ምስ በጽሑ፡ ደጋዊ ምስሎም ብዝፈጥሮ ነጸብራቕ ንውሽጣዊ ግዕዘዮም እንዳኸወሉ ክኸዱ ዝገብርዎ ጻዕሪ ኣህላኽን ዘይግብራውን እንዳኾነ ይኸይድ እሞ፡ ብኸምዚ ኣገባብ ክቕጽሉ ከም ዘይክእሉ እንዳተረድእዎ ይመጹ። ኣካይዳ ከይልውጡ ኣንጻር ባህሪኦም ይኾኖም። ካልእ ኣማራጺ ስለ ዘይብሎም ድማ ኣብታ ናይ ዓይኒ’ብለይ ስኒ’ብለይ መገዲ ይደርቁ። እዚ መረዳእታ እዚ መመሊሱ ኣብ ኣእምሮኦም ስለ ዘቃልሕ፡ በቲ ሓደ ወገን ነቲ ክውንነት ምቕባል ይኸብዶም። በቲ ኻልእ ወገን ከኣ ከቢድ ናይ ጭንቀትን ራዕድን ኩነታት ፈጢሩ ንኣእምሮኦም የናውጾ። ብሰሪ እዚ ድማ ኣብ ንቡር ግዜ ዘይግበር፡ መራግእቲ ዘይብሉ ጌጋታት ነናሻዕ ይፍጽሙ እሞ፡ ንውደቀቶም መመሊሶም የቀላጥፍዎ።

ኣብ ተሞክሮ ገለ ሃገራት ከም ዝተራእየ፡ ኣብ ከምዚ ደረጃ ዝበጽሐ ስርዓት፡ ናይ ገዛእ ርእሱ ግዕዘይ ልዕሊ ዓቐን ተኾሚሩ ምጻሩ ስለ ዝስእኖ፡ ብናይ ገዛእ ርእሱ ጾር-ገበን ዘጢጡ ህዝብን ዓለምን ኣብ ዘይተጽበይዎ እዋን ሰጣሕ ኢሉ ክወድቕ ይኽእል እዩ። እዚ ሓቂ እዚ፡ ንተራ ህዝቢ ብቐሊሉ ክርድኦ ዘይክእል ነገራት እኳ እንተኾነ፡ እቶም ዝለዓሉ ካድራት ናይቲ ስርዓት ግን ኣንዳዕዲዖም ዝፈልጥዎ ሓቂ ምዃኑ ዝሰሓት ኣይኮነን። ስለ ዝኾነ ከኣ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ካልኢት ዘባህርር ሓሳብ ኮይኑ የሳቕዮም ኣሎ ጥራይ ዘይኮነ፡ ከምቲ ኣቐዲምና ዝበልናዮ ከቢድ ናይ ራዕድን ሽበራን መንፈስ ውን ኣሕዲሩሎም ኣሎ። ካድራትን መራሕትን ህግደፍ እምበኣር ብሓቂ ብኸቢድ ናይ ኣንፈትካ ምጥፋእ ሕማም ተለኺፎም፡ ዝገብርዎን ዝብልዎን ኣብ ዝጠፍኣሎም ደረጃ እዮም በጺሖም ዘለዉ። እቲ ተሪፉ ዘሎ ዕማም እምበኣር፡ ንህዝብን ንደለይቲ ለውጥን ዝምልከት ኮይኑ፡ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ሓድነትካ ኣደልዲልካ፡ ቅድም ቅዳም ነዚ ዝስሓግ ዘሎ ትሩፍ ስርዓት ሳቮያ ኢልካ ኣብ ናይ ታሪኽ ጎሓፍ ምድርባይ፡ ብድሕሪኡ ድማ ነቲ ዘሪእዎ ዝኸይድ ዘሎ ኣእሻዅ መርገም ንምጽራይ ብንቕሓት ነብስኻ ምቕራብ እዩ።

 

ድምጺ ደሊና

20 ጥሪ 2015

 

 


Join VoD

VoD is looking for highly motivated candidates to collect, draft, edit and present relevant news items from various sources exclusively but not limited to Eritrea and the rest of the Horn of Africa. Excellent writing skills in both English and Tigrinya, proficiency in using technology, and ability to scan social media are essential. The candidate should be an active listener, able to communicate with persons of interest, and share timely information with the public.

The Main objective of Voice Of Delina is to collect and disseminate economic, social and political developments pertaining to Eritrea and Eritreans at home and in the Erespora.

We are also determined to develop the media capacity by grooming the new generation of Eritreans to articulate the aspirations of our country.

We are particularly looking for candidates who are keenly interested to play an active role in helping foster peace and democracy in Eritrea.

VOLUNTEER INTERNSHIP OPENINGS

• Media Director/Program Coordinator
o manage the team
o prepare editorials
o make editorial decisions on programs to be broadcast
o edit other program contents

• Researchers
o research topics required for programming
o assist in drafting stories

• Writers and Editors
o draft a regular feature story
o assist in news preparation

• Anchor-Reader
o read program items
o assist in news preparation

• Sound Engineer
o arrange programs, add music and repackage programs for dispatch to the studio

• Translator from English into Arabic and Tigrinya (and, on a limited basis, Amharic)
o translate copy of stories into appropriate language for broadcast
o when necessary, read stories in correct language or dialect

To participate please send email to This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.
Please provide your personal CV, Skype ID, telephone number and best time to call you.