AUDIO (AM Quality) NEWS for our users in Africa CLICK HERE
ድምጺ ደሊና
 ዜና 13 ጥሪ 2015 
ኣዳላዊ: ተኸስተ ኣብራሃም:
ኣንባቢ፡ ዘካርያስ ክብርኣብ


ኣብ ጀርመን ከተማ ድረስደን ሓደ ኤርትራዊ ስደተኛ ሞይቱ ተረኺቡ።

ንግዚኡ ስሙ ዓቂብናዮ ዘሎና ወዲ ዕስራ ዓመት ዝኾነ ኤርትራዊ ስደተኛ፣ ትማሊ ዕለት 12 ጥሪ ካብቲ ዝነብረሉ መዓስከር ስደተኛታት ምስ ወጸ ከይተመልሰ ድሕሪ ምትራፉ፣ ሎሚ ንግሆ ኣብ ጎደና ሂወቱ ሓሊፉ ተደርብዩ ከምዝተረኸበ ይሕበር ኣሎ።

ድምጺ ደሊና ካብ ቀረባ ዓርኪ መዋቲ ዝረኸበቶ ሓበሬታ፣ እቲ ጠንቂ ሞቱ ክሳብ ሕጂ ዘይተረጋገጸ ኤርትራዊ ስደተኛ ኣብ ጀርመን ካብ ዝኣቱ ገና ዓመቱ ኣይምአለአን።

ኣብ ከተማ ድረስደን ጀርመን ኣንጻር ምስልምናን ስደተኛታትን ዝቐነዐ በቶም ኣብቲ ከተማ ዝተመስረቱ‘ሞ ደሓር ናብ መላእ ጀርመን ዝለሓሙ ብስም ፐጊዳ ዝፍለጡ ተንቀሳቐስቲ ጻዕቂ ዘለዎ ሰልፍታት ክግበር ከምዝጸንሐ ዝፍለጥ ኮይኑ።

እዚ ሕጂ ኣብታ ከተማ ሞይቱ ተረኺቡ ዘሎ ኤርትራዊ ስደተኛ‘ውን ኣማኒ ምስልምና ብሙኻኑ፣ ኢድ ናይዞም ብስም ፐጊዳ ዝፍለጡ ሕሉፋት ከይህልዎ ይጥርጠር ኣሎ።

ሓደ ዓርኪ መዋቲ ሎሚ ንድምጺ ደሊና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፣ መዋቲ ሬስኡ ብደም ጨቅዩ ምንባሩን ክሳብ ሕጂ ንመርመራ ኣብ ሆስፒታል ከምዘሎን ኣብቲ ከተማ ዘለዉ ስደተኛታት ድማ ኣብ ከቢድ ፍርሒ ጥሒሎም ምህላዎም ሓቢሩ።

 ክቡራት ሰማዕትና ተወሳኺ ሓበሬታ ኣብ ቀጻሊ ከነስዕበልኩም ኢና።


ኤርትራውያን ተቐማጦ ዓዲ እንግሊዝ ምስ ኣጻራይት ኮሚቴ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት  ኤርትራ ተሓባቢሮም ክሰርሑ ወሲኖም።

ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝመደበረን ዝተፈላለያ ንመሰል ደቂ ሰብ ዝጣበቓ ኤርትራውያን ማሕበራት ተወሃሂደን ምስታ  ብሕቡራት ሃገራት ኣብ ወርሒ ሰነ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ዝቖመት ኣጻራይት ኮሚቴ ኣብ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ብጥምረት ሓደ ኮይኖም ክዓይዩ ተሰማሚዖም። እታ ኣጻራይት ኮሚቴ ተዋሂብዋ ዘሎ ዕድል፣ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ካብ ጽባሕ ናጽነት ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ኤርትራ ዝወረደ ግህሰት ሰብኣውነት ብጭብጥታት ኣሰንያ ከተቕርብ‘ዩ።

እዚ ተፈጢሩ ዘሎ ወርቃዊ ዕድል ከየምልጠና መታን ነብስ ወከፍ ሰብ ኣብ ልዕሊኡን መቕርቡን ዝወረደ በደላት ቃሉ ክህብ ቅሩቡነቱ ከርኢ ጻዊዒቶም ዘቕርኢ ዘለዉ እዞም ሕጂ ተጠርኒፎም ሓደ ስራሕ ክዓሙ ዝጓየዩ ዘለዉ ማሕበራት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፣ ደጊሞም ደጋጊሞም ህዝቢ ምትሕብባሩ ከዕዝዝ ይምሕጸኑ ኣለዉ። ህዝቢ በዚ ተረኺቡ ዘሎ ዕድል ተጠቒሙ ነቶም ንዓመታት ህጣሞም ጠፊኡ ዘሎ ኤርትራውያን ፖለቲከኛታት፣ ጋዜጠኛታት፣ መራሕቲ ሃይማኖትን ኣመንትን ከምኡ‘ውን ኣብ ግዱድ ዕስክርና መሰላቶም ዝተጋህሱን ድምጺ ክኾነሎም ከምዝግባእ ከኣ ኣዘኻኺሮም።

እቶም ኣጻረይቲ ኮሚቴ ካብ ዕለት 24 ጥሪ 2015 ጀሚሮም ካብ ግዳያት ምስክርነት ክእክቡ ሙኻኖም፣ ነቶም ግዳያት ምስክርነቶም ኣብ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ኣብ ዝህብሉ እዋን ውሕስነት ከምዝህቦምን፣ ናይ ቋንቋ ሕጽረት ከየጋጥም ቶርጎምቲ ከምዘዳሉን፣ ናይ መጎዓዝያ ወጻኢታት ክሽፍን ሙኻኑን ቴክኖሎጅይ ተጠቒሙ‘ውን ብ መንገዲ ስካይፕን ተሌፎንን ክሰርሑ ሙኻኖም ኣፍሊጦም ኣለዉ።

ካብዚ ወጻኢ ህዝቢ ኣብዚ ጉዳይ እኹል ሓበሬታ መታን ክህልዎ ኣብ ከተማታት በርሚንግሃምን ለንደንን ንዕለት ዓሰርተ ሸውዓትን ዓሰርተው ሸሞንተን ጥሪ ሰሚናራት ክወሃብ ሙኻኑ ሃቢሮም።


ላዕለዋይ መሪሕነት ስምረት ምንቅስቓስ ኤርትራውያን ንድሕነት ሃገር ናይ ሰሜን ኣመሪካ ዑደቱ ዛዚሙ።

ብኣቦ ወንበር ስምረት ምንቅስቓስ ኤርትራውያን ንድሕነት ሃገር ተስፉ ኣጽብሃ ዝተመርሐ ላዕለዋይ መሪሕነት‘ቲ ምንቅስቓስ  ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ከካይዶ ዝጸንሐ ዑደት ዛዚሙ። እቲ ዑደት መሪሕነት፣ ብዋሺንተን ዲሲ ዝፈለመ ኮይኑ ብሻርሎት፣ ኣትላንታ፣ ላስቬጋስን ደንቨርን ኣቢሉ ዕደቱ ኣብ ዳላስ ዛዚሙ‘ሎ። መሪሕነት ስምረት "ቃልሲ ወለዶታት"ኣብ ምዕራፉ ይብጻሕ ዝብል ስነ ሓሳብ ተዓጢቖም ህዝቢ ሓላፍነቱ ፈሊጡ ንዝተጠልመ መብጽዓ ገድልና ንምምላስ እጃሙ ከብርክት ስለ ዘለዎ ህዝብን ስምረትን ሰፊሕ ልዝብ ብምክያድ መሰረታዊ ፍታሕ ንምምጻእ ኢድን ጓንትን ኮይኑ ንኽሰርሕ ዝዓለመ ዑደት‘ዩ ኣካይዱ። ኣብቲ ዝተገብረ ኣኼባታት ቁጽሮም ብርክት ዝበሉ ተሳተፍቲ ተረኺቦም ከምዝነበሩ ትሓቢሩ።


ምዝመዛ ህዝቢ ብስርዓት ኣስመራ

ስርዓት ኣስመራ ግዴታታት እናጸዓነ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዘውርዶ ዘሎ ኣካላውን ስነኣእምሮኣውን ምዝመዛታት ልዕሊ ካልእ እዋን በሪኹ ከምዘሎ ካብ ውሽጢ ሃገር ዝመጸና ሓበሬታ ኣረዲኡ።

እቲ ስርዓት ፥ ዘይምኽኑያትን ኣብ ውህሉል መደባት ሃገራዊ ልምዓት ጭቡጥ ጽልዋ ዘይብሎምን ማእቶታዊ ወፈራታት  ብቐጻሊ ብምምዳብ ፥ ጸዓት ህዝቢ የህልኽ ከምዘሎ ዘመልከቱ ተዓዘብቲ ፥ ህዝቢ በዚ መዝማዚ ኣካይዳታት ስርዓት ኣስመራ ሰልኪይዎ ከምዘሎ ኣገንዚቦም።

ኣፈኛታት እቲ ስርዓት ዝኾና ማዕከናት ዜና ፥ ህዝቢ ብወለንታኡ  ኣብ ልምዓታዊ መደባት ይነጥፍ ከምዘሎ ኣምሲለን ዘጋውሐኦ ዘለዋ ዜናታት  ባይታ ዘይምስክሮ ከምዝኾነ ፥ እቶም ብወለንታ ህዝቢ  ይዕመሙ ኣለው ዝበሃሉ ልምዓታውያን መደባት ድማ ኣብ ምምሕያሽ መነባብሮ ህዝቢ ዘምጽእዎ ርኡይ ፍታሕ ከምዘየለ’ዩ ዝፍለጥ።

ስርዓት ኣስመራ ፥ ምዝመዛ ነጻ ጉልበት ከም ቀንዲ ሜላ ንምድኻም ሓይሊ ህዝቢ ይጥቀመሉ ከምዘሎዝሓበሩ እቶም ተዓዘብቲ ፥ ህዝቢ ኣብ’ዚ ጉዳይ ልዕሊ ካልእ እዋን ነቒሑ ብምህላዉ ግና በቲ ስርዓት ኣብ ዝምስርሑ ምስሉያት ወፍርታት ብወኒ ካብ ምውሳእ ይእለ ከምዘሎ ኣተሓሳሲቦም።

ህዝብባዊ ወፈራታት እናበልካ ህዝቢ ናይ ምድኻም ፖሊሲ ኣብ ምኩዋን ሰረት ዘለዎ ሃገራዊ ልምዓት ኣድማዒ ከምዘይኮነ ኣብ መወዳእታ ዝጠቐሱ እቶም ናይቀረባ ተዓዘብቲ፥ “ግዱድ ህዝባዊ ወፈራታት ኣርባሒ እንተዝኸውን፡ ህዝብና ካብ 1991 ተገዲዱ ዝወፈሮን ዝጸዓቶም  መደባት ልምዓት ፋይዳ ምተረኽቦ ኔሩ!”  ክብሉ ኣተሓሳሲቦም።


እዋናዊ መግለጺ ኩባንያ ኔቭሱን

ምስ ስርዓት ኣስመራ እናተዋገነ ኣብ ዕደናዊ ንጥፈታት  ዝዋሳእ ዘሎ ካናዳዊ ኩባንያ ኔቭሱን ፥ ኣብ’ዛ ዝሓለፈት ዓመተ 2014 - ካብ ዝዓደኖን ናብ ምህርቲ ዘብጽሖን  58 ሚልዮን ፓውንድ ዝኽብደቱ  ነሓስ  ልዕሊ 400 ሚልዮን ዶላር ኣመሪካ ኣታዊ ከምዝገበረ ገሊጹ።

ስርዓት ኣስመራ ካብ’ዚ ኣማኢት ዶላራት እዚ ልዑል እጃም ከምዝህልዎ ዘመልከቱ ምጭታት፥ እዚ መጠን ገንዘብ እዚ ኣብ ረብሓ ዝበዝሐ ሓፋሽ ከይወረደ ከምቶም ዝሓለፉ  ብዘይ ዝኾነ ባጀታዊ ክፉትነትን ተሓታትነትን  ዝጠፍኡ  ዕደናዊ ኣታዊታት ኣብ ኢድ እቲ ስርዓት ክኣቱ ከምዝኾነ ኣገንዚቦም።

እቲ ካናዳዊ ኩባንያ ኣብዚ እዋናዊ መግለጺኡ ፥ ኣብ ቢሻ ዘካይዶ ዘሎ ዕደናት ነሓስ ኣብ’ዚ ሓድሽ ዓመት እዉን ልዑል ኣታዊታት ክረኽበሉ ምዃኑ ዝኣምን ዕደናዊ ጥህዞ ከምዘሎ እዩ ሓቢሩ ዘሎ።

ስርዓት ኣስመራ ፥ ነዚ ካብ ግምጃ ሃገር ዝሕፈስ ዘሎ ገንዘባዊ ኣታዊ ህዝቢ ኣብ ዘይፈልጦ  ባዕላዊ ወፍርታት የህልኾ ከምዘሎ ዝገለጹ ጸብጻባት ፥እቲ ስርዓትን  ምስ ጸቢብ ኣካይዳታት እናተላዘበ ረብሓኡ ጥራይ ከይትንከፎ ዝጽዕት ዘሎ ኩባንያ ኔቭሰን ኣብ ቀጻሊ ህዝብን ሃገርን ክሓቶም ከምዝኾነ ሓቢሮም።

ኩባንያ ኔቭሱን ንስርዓት ኣስመራ ከም ምንጪ ነጻ ጉልበት ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ይጥቀመሉ ከምዘሎ፥ እቲ ኩባንያ ነዚ ባርነታዊ ምሕደራ ኣብ ቅጺ ስራሑ ኣእትዩ ድማ ምስ ስርዓት ኣስመራ ህዝቢ ኣብ ምምዝማዝን  መሰላቱ ኣብ ምግሃስን  ይነጥፍ ከምዘሎ እዩ ብ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን ካልኦት ተጣበቕቲ ሰብኣውነትን   ዝንቀፍ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ምስ እዚ ጉዳይ ብዝተኣሳሰረ  ከም ኔቭሱን ዝኣመሰላ ኣብ ኤርትራ ዝነጥፋ ዘለዋ  ናይ ወጻኢ ኩባንያታት ዕደና ቀጻሊ መዝናዕትታት ይገብር ምህላዉ ዝፍለጥ ኮይኑ ፥ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ኩሉንትናዊ  ኣካይዳታት  ኩባንያ ኔቭሱን ልዑል ዝኾነ ኣተኲሮ ጌሩ ምህላዉ ይንገር።****


*** ሓተታ ድምጺ ደሊና ***

ህግደፍን ቅዋምን ሓውን ሓሰርን እዮም!

ኣብ ድሮ ሓድሽ ዓመት ናይ 2015፡ ብመራሒ ጭፍራ ህግደፍ ኣብ ቴሌቪዥን ኤርትራ ዝተወሃበ፡ “እቲ ናይ 1997 ቅዋም ወይ ሕገ-መንግስቲ ሞይቱ እዩ”  ዝብል መግለጺ፡ ንብዙሓት ተዓዘብቲ ዘስደመመ ምዃኑ ዘካትዕ ኣይኮነን። እቲ ጉዳይ፡ ባህርያት ናይቲ ስርዓት ንዝፈልጡ ብዙሕ ዘገርሞም ነገር’ኳ እንተዘይኮነ፡ ኣብ ደገፍቲ ናይቲ ጠፋሽ ስርዓት ፈጢርዎ ዘሎ ስንባደን ምድንጋርን ግን፡ እቶም ደገፍቲ ናይቲ ስርዓት ከይተረፉ ብቕሉዕ ዝዛረቡሉ ዘለዉ ኣርእስቲ ኮይኑ ተረኺቡ ኣሎ። ልዕሊ ኩሉ ኣቓልቦ ክንገብረሉ ዝግባኣና ነገር ግን፡ ኣብ ኤርትራ ቅዋማዊ ስርዓት ምትካል ማለት ምስ ረብሓታት ህግደፍ ፈጺሙ ዘይቃዶ ተራጻሚ መስርሕ ስለ ዝኾነ፡ ህግደፍ ኣብ ስልጣን ክሳብ ዝሃለወ ክትግበር ዘይክእል ባዶ መብጽዓ ምዃኑ ምፍላጥ የድሊ። ነዚ ብግቡእ ንምርዳእ፡ ካብቲ ብመራሒ ጭፍራ ህግደፍ ዝተባህለ ነገራት ተበጊስና ነቲ ጉዳይ ስኽን ኢልና ክንምርምሮ ይግበኣና።

ቅድም ቀዳም ክስትብሃለሉ ዘለዎ ጉዳይ፡ ከምቲ ህግደፍ ንብዙሕ ዓመታት ዓንገረር ዝበሉሉ፡ እቲ ዝነበረ መስርሕ ኣነዳድፋን ኣጸዳድቓን ብዘየገድስ፡ ንሳቶም “ቅዋምና” እንዳበሉ ዝጀሃሩሉ፡ ብውሱን ዓቐን ውን እንተኾነ ከም መበገሲ ከገልግል ዝኽእል፡ ኣብ 1997 ዝጸደቐ ሃገራዊ ሰነድ (ቅዋም) ኣብ ኤርትራ ኣሎ። ህግደፍ ናይ ብሓቂ ቅዋማዊ መንግስቲ ናይ ምትካል ቅኑዕ ድሌት እንተዝህልዎ፡ እቲ ዝቐለለ ነገር ነቲ ባዕሉ ባሪኹ ዘጽደቖ ቅዋም ምትግባር ድኣ እምበር ካልእ ሓድሽ ቅዋም ምንዳፍ ኣይኮነን ዘድልዮ። ንኸም ኤርትራ ዝኣመሰለት ንእሽቶን ድኻን ሃገር ዘመሕድር ስርዓት፡ ብዙሕ ግዜን ዓቕምን ሓቲቱ ዝጸደቐ፡ ምስ ገለ ጉድለታቱ ድማ ዋላ ውን ንግዚኡ ከስርሕ ዝኽእል ቅዋም እንዳሃለዎ፡ “ካልእ ቅዋም ክነድፍ ይብገስ ኣለኹ” እንተበለ ናይ ነገር ጥዕና ከም ዘይኮነ ምግማቱ ዘጸግም ኣይኮነን። ዝኾነ በዓል ቅኑዕ ሕልና ክግምቶ ከም ዝኽእል እምበኣር፡ እዚ “ሓድሽ ቅዋም ክንነድፍ ኢና” ኢልካ ዝግበር ዘሎ ዳምዳም፡ መመሳመሲ ግዜ ዓዲግካ፡ ኣብ ስልጣን ትጸንሓሉ ዓመታት ንምንዋሕ ዝተኣልመ ብላይ ሽጣራ ምዃኑ ጥራይ’ዩ።

ኣብዚ ግን ብጋዜጠኛ ኤሪቲቪ ዘይተሓተተ ግን ከኣ ብኹሉ ግዱስ ኤርትራዊ ክሕተት ዝግብኦ መሰረታዊ ሕቶ ኣሎ። እቲ “ብወራር ዝተጎብጠ መሬትና ከይተመልሰ ቅዋም ኣይንትግብር፤ ንምትግባር ቅዋም ዝምልከት ሕቶታት ውን ኣይነሳስን ኢና” እንዳበለ ንዝሓለፈ 15 ዓመታት ወግሐ-ጸብሐ ብዘይ ዕረፍቲ ዝግዕር ዝነበረ መጻይ ስርዓት፡ እንታይ ስለ ዝተረኽበ’ዩ ሕጂ፡ ቃና ቅይር ኣቢሉ ኣድላይነት ቅዋማዊ መንግስቲ ክሰብኽ ዓንገረር ዝብል ዘሎ? ሓደ ካብቲ ቀንዲ ምኽንያት፡ ምስ ምንዋሕ ግዜ፡ ደገፍቲ ናይቲ ስርዓት ከይተረፉ፡ ሃገር ንኽንዲ ዝኣክል ግዜ ብዘይ ቅዋም ክትመሓደር ከም ዘይትኽእል እንዳበርሃሎም ስለ ዝመጸ፡ በብእዋኑ የልዕልዎ ንዘለዉ ኣዋጣሪ ሕቶታት፡ እቲ ስርዓት ብብቕዓት ክምልሸሉ ኣብ ዘይክእል ደረጃ በጺሑ ስለ ዝርከብ እዩ። ማዕረ ማዕረ እዚ ውን ብኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ኣብዚ መዳይ እዚ ዝሕተት ዘሎ ተመሳሳሊ ሕቶታት፡ እንኮላይ እቲ ንዓቐን ዝሓለፈ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ብዝምልከት ዝጋሃድ ዘሎ ናይ ተጸባጻብነት (accountablity) ሕቶታት፡ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ እንዳበርትዐ ይኸይድ ብምህላዉ እዩ።

ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ወጥርታት ንምፍኳስ እምበኣር፡ ህግደፍ ግዚያዊ መጠበሪ ሜላ ከናዲ ግድን እዩ። ስለ ዝኾነ ኸኣ፡ “ቅዋማዊ መንግስቲ ንምትካል ይሸባሸብ ኣለኹ” ዝብል ሓድሽ ግን ከኣ ከይተማሕለ ዝተጠልመ መብጽዓ ሒዙ ቅልቅል ውጥም እንተበለ፡ ብጀካ እቶም በብዝተኣልመ ማይ ዘይጠዓመ መደናገሪ ሜላታት ክታለሉ ዘይደኽሞም የዋሃት ካልእ ማንም ክታለለሉ ዘይክእል ዝበለየ ሽጣራ እዩ። ካብኡ ሓሊፉ፡ በዚ ዘረባ እዚ ብቐሊሉ ክደናገሩ ዝኽእሉ ናይ ደገ ተዓዘብቲ ክህሉ ከም ዝኽእሉ ግን ዝሰሓት ኣይኮነን። ነዚ ሓቂ እዚ ገሊጽካ ምሕላፍ ጥራይ ግን እኹል ስለ ዘይኮነ፡ ብመትከል ደረጃ ተመርሚሩ ህዝቢ ክነቕሓሉ ዝግባእ እዚ ዝስዕብ መሰረታዊ ሓቅታት ከም ዘሎ ምስትብሃል የድሊ።

1ይ. በቲ መራሒ ጭፍራ ህግደፍ ዝበሎ መሰረት፡ ኣድላይነት ቅዋማዊ ስርዓት፡ ወይ ከኣ በቲ ናቱ ቋንቋ መስርሕ ምንዳፍ ሓድሽ ቅዋም፡ ግዚኡ ኣኺሉ እንተኾይኑ፡ ኤርትራ ድሕሪ ደጊም ኣብ ናይ ህጹጽ እዋን ኩነታት (state of emergency) የላን ማለት’ዩ። እዚ ማለት ድማ፡ ብin other wordsencye Neuchatel, v if need be on Skype. meaequied of mehe view point of migrants themselves).ኻልእ ኣዘራርባ፡ እቲ ህግደፍ ወግሐ-ጸብሐ ዘመኻንይሉ ዝነበሩ፡ “ስግኣታት ግዳማዊ ወራር” ኣብቂዑ’ዩ ማለት ስለ ዝኾነ፡ በዚ ምስምስ እዚ ተኣጓጊሉ ዝጸንሐን ይጽንሓለይ ዘይበሃልን ካልእ ሃገራዊ ጉዳያት ውን ማዕረ ኣቓልቦ ክግበረሉ ከም ዝግባእ እዩ። ስርዓት ህግደፍ ነዚ ብግብሪ ምስ ዘመስክር ጥራዩ’ዩ ኸኣ እቲ ዝበሃል ዘሎ ናይ ቅዋም ምንዳፍ ዘረባ ክእመን ዝኽእል። ሓደን ቀንድን ካብዚ ንዛረበሉ ዘለና ጉዳያት ድማ፡ ጉዳይ ናይቶም ኣብ ፈቐዶ ኣብያተ ማእሰርቲ ብዘይ ፍትሒ ዝሳጽዩ ዘለዉ ናይ ፖለቲካን ናይ ሃይማኖትን እሱራት ዝምልከት እዩ። ስርዓት ህግደፍ ብሓቂ ቅዋማዊ መንግስቲ ናይ ምትካል ቅኑዕ ባህጊ ኣለዎ እንተኾይኑ፡ ከም መርኣይ ሰናይ ድሌት መጀመርታ ነቶም ፍትሒ ስኢኖም ዝሳቐዩ ዘለው ዜጋታት ፍትሒ ይፍረደሎም። እዚ ማለት ወይ ኣብ ናጻ ኣብያተ ፍርዲ ኣቕሪቡ ይፍረዶም፡ ወይ ከኣ ዝግባእ ናይ ካሕሳ መሰሎም ሓልዩ ናጻ ይልቀቆም።

2ይ. ኣብ ተሞክሮ ብዙሓት ሃገራት ከም እተራእየ፡ መስርሕ ምንዳፍ ቅዋም ወግዓዊ ውክልና ህዝቢ ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ብዝተቐበሉ ወከልቲ ህዝብን ንሳቶም ብዝመርጽዎም ወይ ብዝሓርይዎም ክኢላታትን ኢዩ ዝካየድ። ብሱሩ ክሕተት ዘለዎ ሕቶ ከኣ፡ ህግደፍ ኣብዚ ሰዓት እዚ ወግዓዊ ውክልና ስልጣን ናይ ህዝቢ ዘይብሉ ፖለቲካዊ ሓይሊ ብምዃኑ፡ ንበይኑ ኣብ ክንዲ ህዝቢ ኤርትራ ኮይኑ ኣብ ኣገደስቲ ሃገራዊ ጉዳያት፡ እንኮላይ ንምትካል ቅዋማዊ ስርዓት ኣብ ዝምልከት ጉዳያት ብኢደ-ወነኑ ክውስን ብቑዕ ውክልና ስልጣን (ለጂትማሲ/legitimacy) የብሉን። እቲ ሓቂ እዚ ክነሱ፡ብቑዕ ውክልና ዘለዎ ከምስል ዝገብሮ ዘሎ ተበግሶ ናይ ምስሉያት ተዋስኦ ምዃኑ ህዝቢ ብንቕሓት ክግንዘቦ ይግባእ። ህግደፍ ትብዓትን ድሌትን ክህልዎ ድዩ ኣይክህልዎን ብዘየገድስ፡ እቲ ቀንዲ ክግበር ዝግብኦ ነገር ነቲ መስርሕ ናብ ዋንኡ ዝኾነ ህዝቢ ምምላስ እዩ። ህግደፍ እቲ ኣለኒ ዝብሎ ሕጋዊ ተቐባልነት ወይ ብቑዕ ውክልና ስልጣን ባዕሉ ብዝኣሰሎ ናይ ግዜ ሰሌዳ መሰረት ኣብ 1997 ዘብቅዐ ምስ ምዃኑ፡ ኣብ ኤርትራ ክግበር ዝግብኦ ዝኾነ ናብ ዲሞክራስያዊ ወይ ቅዋማዊ ስርዓት ናይ ምስግጋር መስርሕ ቅድም ቀዳድም ብምምስራት ሃገራዊ ናይ ሓድነት መንግስቲ (government of national unity) ክጅመር ከም ዝግባእ ኩሉ ዜጋ ክፈልጦ ይግባእ። እዚ ማለት ድማ፡ እቲ መስርሕ ንህግደፍ ንበይኑ ጥራይ ዝምልከት ዘይኮነስ፡ ንኹሎም ኤርትራውያን ፖለቲካውያን ሓይልታት ዝምልከት ምዃኑ ምእማንን ምቕባልን የድሊ። እዚ ነጥቢ እዚ መትከላዊ ኣተናትና ናይቲ ጉዳይ ብምዃኑ ድኣ እምበር ህግደፍ ንኸምዚ ዝኣመሰለ እማመ ፋዕራ ይገብር’ዩ ካብ ዝብል እምነት ዝነቐለ ከም ዘይኮነ ግን ምግንዛብ የድሊ።

ኣብ መደምደምታ እምበኣር፡ ህዝቢ ክነቕሓሉ ዝግብኦ ካልእ ኣገዳሲ ነጥቢ ከም ዘሎ ምግንዛብ ውን ከድሊ እዩ። ህግደፍ ብጋህዲ ብዛዕባ ኣድላይነት ቅዋማዊ ስርዓት ተኣሚኑ ግዚኡ ኣኺሉ’ዩ ክብል ካብ ጀመረ፡ ረስኒ ናይቲ እንዳበርትዐ ዝኸይድ ዘሎ ውሽጣውን ግዳማውን ጸቕጥታት ክሳብ ክንደይ ከኸርዝዞ ጀሚሩ ከም ዘሎ ዘመልክት እዩ። እዚ ምዕባለ እዚ እቲ ደለይቲ ፍትሒ ሃንቀው ዝብልዎ ናይ ለውጢ ቀውዒ እንዳቐረበ ይመጽእ ከም ዘሎ ዘመላኽት ተኣማኒ ሓበሬታ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ማዕረ ማዕረኡ ክውሰድ ዝግብኦ ጥንቃቐታት ከም ዘሎ ውን ምግንዛብ ከድሊ እዩ። ህዝቢ ካብ ኩሉ ዓይነት ትኹላውን ጋድማውን ምትፍናን (vertical and horizontal polarization) ከስዕቡ ካብ ዝኽእሉ ድሑራት ዝንባለታት ነቒሑ፡ ንውድቀት ስርዓት ህግደፍ ኣብ ምቅልጣፍ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ቃልሱ ከበራትዕ ዝሕተተሉ ዘሎ መድረኽ እዩ።

13 ጥሪ 2015

ድምጺ ደሊና

 


Join VoD

VoD is looking for highly motivated candidates to collect, draft, edit and present relevant news items from various sources exclusively but not limited to Eritrea and the rest of the Horn of Africa. Excellent writing skills in both English and Tigrinya, proficiency in using technology, and ability to scan social media are essential. The candidate should be an active listener, able to communicate with persons of interest, and share timely information with the public.

The Main objective of Voice Of Delina is to collect and disseminate economic, social and political developments pertaining to Eritrea and Eritreans at home and in the Erespora.

We are also determined to develop the media capacity by grooming the new generation of Eritreans to articulate the aspirations of our country.

We are particularly looking for candidates who are keenly interested to play an active role in helping foster peace and democracy in Eritrea.

VOLUNTEER INTERNSHIP OPENINGS

• Media Director/Program Coordinator
o manage the team
o prepare editorials
o make editorial decisions on programs to be broadcast
o edit other program contents

• Researchers
o research topics required for programming
o assist in drafting stories

• Writers and Editors
o draft a regular feature story
o assist in news preparation

• Anchor-Reader
o read program items
o assist in news preparation

• Sound Engineer
o arrange programs, add music and repackage programs for dispatch to the studio

• Translator from English into Arabic and Tigrinya (and, on a limited basis, Amharic)
o translate copy of stories into appropriate language for broadcast
o when necessary, read stories in correct language or dialect

To participate please send email to This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.
Please provide your personal CV, Skype ID, telephone number and best time to call you.

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...