AUDIO (AM Quality) NEWS for our users in Africa CLICK HERE
ድምጺ ደሊና
 ዜና 
ኣዳላዊ: ዓንዶም ግርማይ:
ኣንባቢ፡ ዘካርያስ ክብርኣብ

12 ጥሪ 2015


ሓድሽ ምዕባለታት ኣብቲ ትማሊ ዝተፈነወ ስብራ  ዜና ካብ ዓርቢ ሓርነት ።

ትማሊ ኣብ ከተማ ኣስመራ ኣብ ከባቢ ሓድሽ ዓዲ ቶኽሲ ከምዝተስምዐን ኣብ ሳልሳይ መደበር ፖሊስ ዕግርግር ከም ዝነበረን ካብ ዓርቢ ሓርነት ዝተረኽበ ዜና ኣመልኪትና ስብራ ዜና ኣቕሪብናልኩም ነይርና።

ሎሚ ካብ ኣስመራ ናብ ዓርቢ ሓርነት ዝተላእከ ጸብጻብ ከምዝሕብሮ፣ ኣብ ከባቢ ዕዳጋ ዓርቢ ዝርከብ ሳልሳይ መደበር ፖሊስ ተሓይሮም ዝጸንሑ እሱራት፣ ናብ ዘይተፈልጠ ቦታ ብመካይን ጺዒኖም ክወስድዎም ምስ ፈተኑ ከምዝሃደሙን እቶም ኣሱራት‘ውን ክሳብ ሕጂ ክተሓዙ ከምዘይከኣሉን ተፈሊጡ‘ሎ። እቲ ዝተቶኮሰ ጠያይቲ ከኣ ካብቶም ሓለውቶም ዝተፈነወ ክኸውን ከምዝኽእል ይግመት ኣሎ። ኣብ ኣስመራ ዝርከቡ ኣባላት ዓርቢ ሓርነት ባዕላቶም ዝቖጸርዎ ድምጺ ጠያይቲ ጥራሕ ከባቢ ዓሰርተ ሓደ ከምዝበጽሕ ሓቢሮም ኣለዉ። እንተኾነ ግን ዛጊት ኣዝዩ ጹጹይ ዝኾነ ሓበሬታ ክረኽቡ ተሸጊሮም ከምዘለዉ ናብ ዓርቢ ሓርነት ኣብ ዝሰደድዎ መልእኽቶም ገሊጾም።

እዚ ከምዚ‘ሉ እንከሎ፣ እቲ ካብ ሰለስተ ጥሪ ናብ ሎሚ ተሰጋጊሩ ዝነበረ ናይ ታዕሊም ጻዊዒት ከምዝፈሸለ ተረጋጊጹ‘ሎ። ካብቶም ንታዕሊም ክወርዱ መጸዋዕታ ዝተገብረሎም ኣሽሓት ከኣ ብ ኣጻብዕ ዝቑጸሩ ውሑዳት ከም ዝተረኽቡ ካብ ኣስመራ ዝተላእከ ዜና የመላኽት። ኣብ ገለ ገለ ምምሕዳራት ካብ ሓሙሽተ ክሳብ ሸሞንት ዜጋታት እኳ ቁሩባት ኮይኖም ኣብ ዝተባህልዎ እንተተረኽቡ፣ ኣብ ዓዲ ኣበይቶ ግን ወላ ሓደ‘ውን ሰብ ክርከብ ኣይከኣለን።

ከተማ ኣስመራ ርግእቲ ከምዘላን ኩሉ ዕለታዊ ንጥፈታት‘ውን ከም ቀደሙ ይቕጽል ምህላዉን እቶም ካብ ኣስመራ ነዚ ዜና ዝለኣኹ ኣባላት ዓርቢ ሓርነት ይገልጹ።


ኣብ ኲናት ዝቐሰሉ ኣባላት የመናዊ ምንቅስቓስ ሖቲ ኣብ ኤርትራ ክሕከሙ?

መንግስቲ ኤርትራ -  ኣብ ግጭት ንዝተጎድኡ ገለ ኣባላት ናይቲ ምስ ማእከላይ መንግስቲ የመን ኣብ ኲናት ኣትዮ ዘሎ ምንቅስቓስ ሖቲ፡ ኣብ ኤርትራ ሕክምናዊ ረድኤት ከምዝረኽቡ ይገብር ከምዘሎ መርበብ ሓበሬታ ዎርልድ-ቡሌቲን ሓቢሩ።

እቲ መርበብ ኣብ ሓበሬታኡ ፥ ስርዓት ኣስመራ ነቲ ብኢራን ምሉእ ደገፍ ዝግበረሉ ዘሎ ምንቅስቓስ ሖቲ ዝተራቐቚ ምድንጋጻትን ሓገዛትን ይገብር ከምዘሎ፥ እዚ ድማ እቲ ስርዓት ምስ ኢራን ከደልድሎ ዝህቅን ዘሎ ኩሉንትናዊ ርክባት ንኽወሓስ ከይኮነ ከምዘይተርፍ ኣገንዚቡ።

ሖቲ ንዝሰፍሐ ክፋል የመን ተቖጻጺሩ ዘሎ ዕጡቕ ምንቅስቓስ ኮይኑ ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ እዋን ኣብ መጻብቦ ባብ ኤልመንደብ ኣገዳሲ ኣቀማምጣ ንዘለዋ ወደብ ሁዳይዳህ ድሕሪ ምሓዙ፡ ሓይልታት ማእከላይ መንግስቲ የመን ንእኩባት ደሴታት ሓኒሽ ለቒቖመን ከምዘለዉ ዘመልከተ መርበብ ሓበሬታ ዎርልድ-ቡሌቲን፥ ስርዓት ኣስመራ ኣብ’ቲ ማያዊ ከባቢ ዘለዎ ጽልዋ ንምትዕርራይ ምስ’ዚ ምንቅስቓስ ሕቡእ ምቅርራባት ይገብር ምህላዉ ኣተንቢሁ።

ላዕለዎት ሰበስልጣን ስርዓት ኣስመራ ነዚ ተርእዮ እዚ ብተደጋጋሚ ክኽሕዱን ምስ ማእከላይ መንግስቲ የመን ዝጸንሐ ዝምድናታት ኣብ ቦታኡ ከምዘሎ ክምስክሩን እኳ እናተጸንሑ፥ እቲ ስርዓት ምስ ዕጡቕ ምንቅስቓስ ሖቲ ዝምስርቶ ዘሎ ምስጢራዊ ዝምድናታት ዛጊት ይቕጽል ከምዘሎ’ዮም ተንተንቲ ፖለቲካ እቲ ዞባ ዝሕብሩ።


ጥርዓን ክልተ ማሕበራት ተጣበቕቲ ስደተኛታት እስራኤል ብጉዳይ መዓስከር ሖሎት 

መንግስቲ እስራኤል ነቶም ኣብ መዓስከር ሖሎት ዳጒንዎም ዘሎ ዝበዝሑ ኤርትራውያን ምዃኖም ዝንገረሎም ስደተኛታት ጥጡሕ ትሕተ ቅርጺ ከዋድደሎም ፥  ክልተ እስራኤላውያን ማሕበራት ተጣበቕቲ ስደተኛታት   ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር ጥርዓን ከምዘቕረባ ተሓቢሩ።

እተን ማሕበራት ኣብ ጥርዓነን፥ ኣብ መዓስከር ሖሎት ተዳጒኖም ዘለዉ ስደተኛታት  ኣብ’ቲ ከባቢ ብዘሎ ቆራሪ ኩነታት ኣየር ይሳቐዩ ከምዘለው ብምምልካት ፥ መንግስቲ ናብ ሙቐት ትሕተ ቅርጺ ከዋድድ ኣተሓሳሲበን።

ኣብ’ቲ መዳጎኒ መዓስከር ኩነታት ኣየር ናብ 2 ዲግሪ ሰንትግሬድ ኣሉታ ወሪዱ ከምዘሎ ዘመልከታ እተን ማሕበራት ፥ ኣካየድቲ ስራሕ እቲ መዓስከር ነቶም ስደተኛታት ዋዒ ዘመንጩ ጸዓት ክተኽልሎም ወይ ድማ እቶም ስደተኛታት ነቲ መመንጨዊ ብገንዘቦም ገዚኦም ኽጥቀምሉ ከፍቁዱሎም ከምዝግባእ ኣብ’ቲ ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣቕሪበንኦ ዘለዋ ጥርዓን ሰፊሩ ምህላዉ ኣገንዚበን።

ብ ቀዳም 10 ጥሪ 2015 ልዕሊ 100 ዝፍቕደን ኣባላት ናይ ሓንቲ “ ኣዴታት ኣንጻር ሖሎት “  እትጽዋዕ ጉጅለ ኣብ ኣፍደገ እቲ መዓስከር ተኣኻኺበን  ናይ ተቛውሞ ሰልፊ ከምዘካየዳን ፥ መንግስቲ እስራኤል ኣብ ልዕሊ’ቶም ኣብ’ቲ መዓስከር ዝርከቡ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ዘርእዮ ዘሎ ሕሱም ኣተሓሕዛ ደዉ ክብል ኣትሪረን ከምዝጸውዓን  ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ 2014 እውን ብርክት ዝበሉ ኣብ’ቲ መዓስከር ዝርከቡ ኤርትራውያንን ሱዳ    ናውያንን ስደተኛታት  ንዝግበረሎም ዘሎ ተሪር  ኣተሓሕዛ ዝቋወም ሰልፊ ከምዘካየዱ ዘዘኻኸሩ  ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ ፥ እተን ኣዴታት መንግስቲ እስራኤል ኣብ ልዕሊ’ቶም ናብ ሃገሩ ዝኣትዉ ዘለዉ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ርህራሄ ከርኢ ከምእተማሕጸና ኣረዲኦም።

ኣብ መዓስከር ሓሎት ልዕሊ 2 ሽሕ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ብዘይ ውሑስ ኣተሓሕዛ ተዳጒኖም ከምዘለዉ ዘረድኡ ጸብጻባት፥ መንግስቲ እስራኤል ዘጽድቖም ብዘሎ ተረርቲ ሕግታት ፡ ስደተኛታት ኣብ ዝበኣሰ ጸገማት ይወድቊ ከምዘለዉ የረድኡ።


ኤርትራ ፥ ራብዓይ ደረጃ ዝሓዘት ምንጪ ስደተኛታት

ክሳብ መፋርቕ 2014  ካብ’ተን ዝለዓላ ምንጪ ስደተኛታት ኮይነን ዝተረኽባ 20 ሃገራት:  ኤርትራ - ንሶርያ፡ ዒራቕን ኣፍጋኒስታንን ተኸቲላ ኣብ ራብዓይ ደረጃ ከምእትስራዕ  ላዕለዋይ ወኪል ንጉዳይ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።

እቲ ኣህጉራዊ ወኪል ኣብ መግለጺኡ ፥ ኤርትራ ዝለዓለ ቊጽሪ ዜጋታተን ካብ ዝተሰዱወን ሃገራት ኣፍሪቃ ኮይና ምህላዋ ብምግንዛብ ፥ ኣብ መፋርቕ 2014 ልዒሊ 18 ሽሕ ኤርትራውያን ናብ 44 ሃገራት ምዕቡል ዓለም ከምእተሰዱ ኣተሓሳሲቡ።

እዚ ኣሃዝ እዚ ነቶም ኣብ ጎረባብቲ ሃገራትን ሃገራት ምዕራብን ተዘርጊሖም ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከምዘይዉክል ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

መሰረታዊ ጠንቂ ስደት ኤርትራውያን እቲ ኣብ ሃገሮም ዘሎ ፖለቲካዊ ጸቕጥን  ማሕበረ-ቊጠባዊ ሕሰምን ከምዝኾነ ወሲኹ ዝጠቐሰ እቲ ኣህጉራዊ ወኪል ፥ ማሕበረ ሰብ ዓለም  ኣብ’ዚ ጉዳይ እዚ ተግባራዊ ጽገናታት ከይገበረ እዚ  ዋሕዚ እዚ ኣብ ቀጻሊ  ብዝሓየል ናህሩ ክዛይድ ከምዝኾነ ኣጠንቂቚ።

 


Join VoD

VoD is looking for highly motivated candidates to collect, draft, edit and present relevant news items from various sources exclusively but not limited to Eritrea and the rest of the Horn of Africa. Excellent writing skills in both English and Tigrinya, proficiency in using technology, and ability to scan social media are essential. The candidate should be an active listener, able to communicate with persons of interest, and share timely information with the public.

The Main objective of Voice Of Delina is to collect and disseminate economic, social and political developments pertaining to Eritrea and Eritreans at home and in the Erespora.

We are also determined to develop the media capacity by grooming the new generation of Eritreans to articulate the aspirations of our country.

We are particularly looking for candidates who are keenly interested to play an active role in helping foster peace and democracy in Eritrea.

VOLUNTEER INTERNSHIP OPENINGS

• Media Director/Program Coordinator
o manage the team
o prepare editorials
o make editorial decisions on programs to be broadcast
o edit other program contents

• Researchers
o research topics required for programming
o assist in drafting stories

• Writers and Editors
o draft a regular feature story
o assist in news preparation

• Anchor-Reader
o read program items
o assist in news preparation

• Sound Engineer
o arrange programs, add music and repackage programs for dispatch to the studio

• Translator from English into Arabic and Tigrinya (and, on a limited basis, Amharic)
o translate copy of stories into appropriate language for broadcast
o when necessary, read stories in correct language or dialect

To participate please send email to This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.
Please provide your personal CV, Skype ID, telephone number and best time to call you.

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...