AUDIO (AM Quality) NEWS for our users in Africa CLICK HERE
ድምጺ ደሊና
 ዜና 
ኣዳላዊ: ዓንዶም ግርማይ:
ኣንባቢ፡ ዘካርያስ ክብርኣብ

11 ጥሪ 2015


ድኳናት ሕድሪ ከተማ ኣስመራ ተዳኺመን!

ኩሉንትናዊ ንጥፈታት ናይ’ተን ኣብ  ከተማ ኣስመራ ብ ህ/ግ/ደ/ፍ እናተማእዘና   ክሰርሓ ዝጸንሓ ብዱካን ሕድሪ ዝጽውዓ - መከፋፈሊ  ሃለኽቲ ጥረ ነገራት ዝኾና ነቚጣታት፡  ደስኪሉ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ሓያሎ ነበርቲ ኣስመራ ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቶም ናብ ድምጺ ደሊና ኣብ ዘመሓላለፍዎ ሓበሬታታት፥ እተን ነቚጣታት ብሕጽረት ቀረባት ተሰኒፈን ስራሐን ዳርጋ ደው ኢሉ ህዝቢ  ኣብ ጸገም ወዲቚ ከምዘሎ ኣተሓሳሲቦም።

ስርዓት ኣስመራ ን ዝርግሐ  ሃለኽቲ ነገራት  ኣብ ቊጽጽሩ ስለዘእተዎ ፥ ህዝቢ ዋላ’ውን ናብ ብሕታውያን ድኳናት ከይዱ መሰረታውያን ጠለባቱ ክሽምት ተጻጊሙ ከምዘሎ ዘመከቱ እቶም ነበርቲ ፥ ሓያሎ ዜጋታት ኣብ’ተን መኽዘናተን ነጊፈን ዝርከባ ነቚጣታት ድኳን ሕድሪ ተሰሪዑ ምሉእ ግዜኡ የሕልፎ ከምዘሎ ኣረዲኦም።

ብ ንግዳዊ ኮርፖሬሽን ቀይሕ ባሕሪ ማለት 09 ናይ ህ/ግ/ደ/ፍ ዝምእዘና ድኳናት ሕድሪ ንዕድጋዊ ሓይሊን ባህርን ዜጋታት ከምድላየን እናጠምዘዛ ንዓመታት መሊኸንኦ ከምዘለዋ ፥ ነጋዶ ብብሕቲ ሃለኽቲ ነገራት ናብ ሃገር ከእትዉ ዝጸበበ ዕድል ስለዝወሃቦም ድማ ፥ እተን ድኳናት ሕድሪ ትሕዝቶአን ምስ ዝነጽፍ ህዝቢ ኣማራጺታት ስኢኑ ኣብ ከቢድ ጸገም ከምዝወድቕ’ዩ ብተደጋጋሚ ክግለጽ ጸኒሑ።

እዚ ኣብ ከተማ ኣስመራ ተኸሲቱ ዘሎ ጸገም ቅልጡፍ ፍታሕ እንተዘይተጌሩሉ ከቢድ ማሕበረ-ቊጠባዊ ነውጺ ክፍጠር ከምዝኾነ ኣብ መወዳእታ ዝጠንቀቚ እቶም ነበርቲ፥ ስርዓት ኣስመራ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዘርእዮ ዘሎ ንዕቀት ልዒሉ ብምህላዉ ግና እዚ እዋናዊ ጸገም ነባሪ ፍታሕ ዝርከቦ ከምዘይመስል ይእምቱ።***********


መንብሮ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ደቡባዊ ቴል-ኣቪቭ ናይ እስራኤል

ኤርትራውያንን ሱዳናውያንን ስደተኛታት  ዝነብሩሉ  ዘለዉ ደቡባዊ ከባቢታት ከተማ ቴል-ኣቪቭ ናይ እስራኤል፡ ንሕሱም ማሕበራዊ ሂወት’ቶም ስደተኛታት ዘንጸባርቕ ከምዝኾነ “ጂውስ ጆርናል”   ዝተባህለት  መጺሄት ሓቢራ።

እታ መጺሄት ንሓጺር ተመክሮ ኣመሪካውያን በጻሕቲ ኣብ’ቲ ከባቢ ብምጥቃስ ኣብ ዘስፈረቶ  ጽሑፍ፥ ደቡባዊ ቴልኣቪቭ ካብ ዝተነጸሉን ትሑት ትሕተ-ቅርጺ ዘለዎምን ከባቢታት እስራኤል ኮይኑ ከምዘሎ ፥ እዚ ድማ ነቶም ኣብ’ቲ ከባቢ ጥራይ ተሓጺሮም ክነብሩ ተቐሲቦም ዘለዉ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ከቢድ ጾር ኮይንዎም ከምዘሎ ኣተሓሳሲባ።

ደቡባዊ ቴልኣቪቭ ካብ ነዊሕ ዘመናት ፈሊሙ ብዋሕዚ ስደተኛታት ዝተፈላለያ ሃገራት ክጽሎ እኳ እንተጸንሐ ፥ ድሕሪ’ቲ ካብ ቀረባ ዓመታት  ዝፈለመ ዛጊት ናብ ልዕሊ 50 ሽሕ በጺሑ ዘሎ ዋሕዚ ኤርትራውያንን ሱዳናውያንን ስደተኛታት ግና- እቲ ከባቢ ብመንግስቲ እስራኤል ዘድሊ ምክትታል ስኢኑ ከምዘሎ ዘመልከተት እታ መጽሄት፥ መንግስቲ ኣብ’ቲ ከባቢ ዝኾነ ጸጥታዊ ትሕተ ቅርጺ የውሕስ ብዘይምህላዉ ዝስዕርር ዘሎ ገበናት’ውን ንሂወት እቶም ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ተደራቢ ጸገም ይፈጥር ምህላዉ ኣተንቢሃ።

እታ መጽሄት ንገለ ርእይቶታት ናይ’ቶም በጻሕቲ መርኩስ ብምግባር ኣብ ዘስፈረቶ ተወሳኺ ጽሑፍ፥ ኤርትራውያንን ሱዳናውያንን ስደተኛታት ብዘይ ስራሕ ኣብ ጎደናታት ግዜኦም የሕልፍዎ ከምዘለዉ ፥ ብፍላይ ኣብ መናፈሻታት ዘወን ክብላ ናይ ዝውዕላ ደቂ ኣንስትዮ ቊጽሪ ኣዚዩ ኣሰካፊ ከምዝኾነ ክርዳእ ተኻኢሉ ኣሎ።

መንግስቲ እስራኤል ኣመሓላሊፍዎ ብዘሎ ሓድሽ ሕጊ፥ እቶም ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ክሳብ 20 ኣዋርሕ ብዘይ ዝኾነ ፍርዳዊ መስርሕ ንኽእሰሩ ዝገብር ከምዝኾነ ወሲኻ ዘዘኻኸረት መጽሄት ጂውሽ ፥ መንግስቲ እስራኤል ኣብ’ዚ ጉዳይ እዚ ዘርእዮ ዘሎ ኣተሓሕዛ እናከረረ ዝኸይድ ከምዝመስል ኣሚታ ኣላ።

ሃገራዊ ባይቶ እስራኤል (ክነሰት) ኣብ ዝሓለፋ ቀረባ ኣዋርሕ ዝበጽሖ ሓድሽ ውሳኔ፥ እቶም ብዘይ ሕጋዊ መስርሕ ናብ ሃገረይ ኣትዮም ዝብሎም ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ናብ’ቲ ኣብ ምድረበዳ ነገቭ ተደኲኑ ዝርከብ መዓስከር ሓሎት ክመልሶምን ክቕይዶምን ዘኽእል ከምዝኾነ’ዩ ዝሕበር።

ኣብ መዓስከር ሓሎት መብዛሕትኦም ኤርትራውያን ምዃኖም ዝንገረሎም ልዕሊ 2 ሽሕ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ተቐዪዶም ከምዘለዉ ይፍለጥ።


ጻውዒት ጠቕላሊ ዳይረክቶር  ኣህጉራዊ ውድብ ስደት (IOM)

ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ጉዳይ ስደትን ምግታእ ገበናት ንግዲ ደቂ ሰብን  ዘለዎ ጠመተ ክኽልሶ ከምዝግባእ ፡ ጠቕላሊ ዳይረክቶር  ኣህጉራዊ ውድብ ስደት (IOM) ኣቶ ዊሊያም ሌሲ ስዊንግ ምስ መደበር ቴሌቪዥን ሲ.ኤን.ኤን ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት ሓቢሩ።

እቲ ኣህጉራዊ በዓል ስልጣን ኣብ ሓበሬታኡ፥ ዘይሕጋዊ ንግዲ ደቂ ሰባት  ኣብ ማያዊ ከባቢታት ንምግታእ ብማሕበረሰብ ዓለም እቲ ዝድለን ዝተወሃሃደን  ስራሓት  ይዕመም ከምዘየለ ብምምካት ፥ እብ’ዚ ብቐጥታ ክጥቀስ ዝኽእል ድኻም ፥ እቲ ብማሕበረአብ ዓለም ብሓፈሻ ኣብ ጉዳይ ስደት ብዘትኲራ ኣህጉራውያንን ዞባውያንን ማሕበራት ከኣ ብፍላይ ዝምዝገብ ዘሎ ዘይተገዳስነት ከምዝኾነ ኣተሓሳሲቡ።

ቅርሰና ኣብ ማያዊ ከባቢታት ቀዪሕ ባሕሪ ሳላ ዝተወሃሀደ ስሪሒታት ሃገራት ምዕራብን ማሕበረ ሰብ ዓለምን ናብ ዝተሓተ ብርኩ ወሪዱ ምህላዉ ዘዘኻኸረ እቲ  ጠቕላሊ ዳይረክቶር  ኣህጉራዊ ውድብ ስደት ፥ ኣብ ማያት ማእከላይ ባሕርን ካልኦት ከባቢታትን ዝምዝገብ ዘሎ ዘይሕጋዊ ንጥፈታት ንግዲ ደቂ ሰብ ተመሳሳሊ ቅሩቡነትን ዉሁድ ስርሒትን እንተተኻዪዱሉ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ክግታእ ከምዘየጸግም ኣተንቢሁ።፥

እቲ ኣህጉራዊ በዓል ስልጣን ወሲዂ፥ ነጋዶ ደቂ ሰብ ፈሊሞሞ ዘለዉ ሓድስ ሜላ ልዕሊ ካልእ እዋን ኣብ ልዕሊ ሂወት ስደተኛታት ዝበኣሰ ጸገማት ከየኸትል ተሰጊኡ ከምዘሎ ብምትሕስሳብ ፥ ማሕበረሰብ ዓለም  ኩሉንትናዊ ሓላፍነቱ ክስከም እዋናዊ መድረኽ ይጠልቦ ምህላዉ ኣገንዚቡ።

ብማእከላይ ባሕሪ ስደተኛታት ዘሰጋግሩ ዘለዉ ነጋዶ ደቂ ሰብ ፥  ልዑል ቊጽሪ ስደተኛታት ኣብ ዝኣረጋን ውሕስነት ዘይብለንን ናይ ጽዕነት መራኽብ እናጸፍጸፉ ብዘይ ዝኾነ መርከበኛ ናብ’ቲ ተኣፋፊ ከባቢ ክፍንዉዎም ጀሚሮም ከምዘለዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፥ እቶም ግዳያት ቅልጡፍ ረድኤት ክረኽብሉ ዝኽእሉ ግዳሴ ማሕበረ-ሰብ ዓለም “ክውን እናተዘይተጌሩ ክስዕብ ዝኾነ ሰብኣዊ ሃስያ ከቢድ ከምዝኾነ’ዩ ዝእመት።

ኤውሮጳዊ ሕብረት ብሓፈሻ መንግስቲ ጥልያን ድማ ብፍላይ -  ማያት ማእከላይ ባሕሪ ጥሒሶም ናብ ኤውሮዓ ኣብ ልዕሊ ዘምርሑ ኣፍሪቃውያንን ኤስያውያንን ስደተኛታት ከካይድዎ ዝጸንሑ ዝተወሃሃደ ስርሒታት ምድሓን ሂወት  የደስክልዎ ከምዘለዉ ዘመልከቱ ጸብጻባት ፥   እዚ ብጠቕላሊ ዳይረክቶር  ኣህጉራዊ ውድብ ስደት (IOM) ኣቶ ዊሊያም ሌሲ ስዊንግ ብመንገዲ መደበር ቴሌቪዥን ሲ.ኤን.ኤን ዝተዋህበ ጻውዒት - እወታዊ ጽልዋ ከይሃለዎ ከምዘይተርፍ ዝተፈላለዩ ወገናት ይገልጹ ኣለው።


Join VoD

VoD is looking for highly motivated candidates to collect, draft, edit and present relevant news items from various sources exclusively but not limited to Eritrea and the rest of the Horn of Africa. Excellent writing skills in both English and Tigrinya, proficiency in using technology, and ability to scan social media are essential. The candidate should be an active listener, able to communicate with persons of interest, and share timely information with the public.

The Main objective of Voice Of Delina is to collect and disseminate economic, social and political developments pertaining to Eritrea and Eritreans at home and in the Erespora.

We are also determined to develop the media capacity by grooming the new generation of Eritreans to articulate the aspirations of our country.

We are particularly looking for candidates who are keenly interested to play an active role in helping foster peace and democracy in Eritrea.

VOLUNTEER INTERNSHIP OPENINGS

• Media Director/Program Coordinator
o manage the team
o prepare editorials
o make editorial decisions on programs to be broadcast
o edit other program contents

• Researchers
o research topics required for programming
o assist in drafting stories

• Writers and Editors
o draft a regular feature story
o assist in news preparation

• Anchor-Reader
o read program items
o assist in news preparation

• Sound Engineer
o arrange programs, add music and repackage programs for dispatch to the studio

• Translator from English into Arabic and Tigrinya (and, on a limited basis, Amharic)
o translate copy of stories into appropriate language for broadcast
o when necessary, read stories in correct language or dialect

To participate please send email to This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.
Please provide your personal CV, Skype ID, telephone number and best time to call you.

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...