AUDIO (AM Quality) NEWS for our users in Africa CLICK HERE
ድምጺ ደሊና
 ዜና 
ኣዳላዊት፡ ኤደን ተስፋይ
ኣንባቢት፡ ፈሩዝ ቐይሲ 

8 ጥሪ 2015


ካብ መዓስከር ሸገራብ ሱዳን ተጨውዮም፣ ኣብ ከተማ ካይሮ ጅሆ ተታሒዞም ዝነበሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ካብ ኢድ ጨወይቶም በደዊን ኣምሊጦም።

ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝመደበሩ ረሊዝ ኤሪትሪያ ( release Eritrea) ዝተባህለ ኣብ ምስሪ ንግዳያት ነጋዶ ደቂ ሰብ ኣብ ምሕጋዝ  ዝነጥፍ ትካል, ትማሊ ካብ ሓሙሽተ ኣብ ክሊ ዕድመ 16 ክሳብ 25 ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናይ ርድኡና ጻዊዒት ተቐቢሉ። ንሳቶም ኣብቲ ኣብ መዓስከር ሸገራብ፣ ምስ ገለ ሱዳናውያንን ኤርትራውያን ስደተኛታትን ኣብ ዝተገብረ ናዕቢ ክሃድሙ ክብሉ ግዳያት መጭወይቲ ኮይኖም ከም ዝጸንሑ ሓቢሮም።

እቶም ግዳያት፣ ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ኣብ መዓስከር ሸገራብ ዝተፈጥረ ዘይርጉእ ኩነታት ሂወቶም ከድሕኑ ብምሕላን ካብቲ መዓስከር ወጻኢ ተሓቢኦም ድሕሪ ምጽንሖም‘ዮም ሃንደበት ኣብ ኢድ ነጋዶ ደቂ ሰብ ዝኾኑ በደዊን ክኣትዉ ዝኸኣሉ። እቶም በደዊን ብኡ ንብኡ ናብ ሓንቲ መኪና ክድይቡ ድሕሪ ምግዳዶም ነቶም ግዳያት ሰብ ከይሪኦም ኣብ ልዕሊኦም ቴንዳታት ሸፊኖም ካብ ከባቢ ሸገራብ ምስ ኣርሓቕዎም ድሕሪ ናይ ክልተ መዓልታት ጉዕዞ፣ ፈለግ ኒል ኣሳጊሮም ናብ ካልኦት ነጋዶ ደቂ ሰብ ሸጥዎም። ኣብ ሓንቲ እቶም ግዳያት ክፈልጥዋ ዘይከኣሉ ግን ከኣ ብግምት ኣብ ኣስዋን እትበሃል ከተማ ከኣ ኣእተዉዎም። ነብስወከፎም ዓዓሰርተው ሽሕ ዶላር ክኸፍሉ እንተኺኢሎም ብማእከላይ ባሕሪ ናብ ኢጣልያ ከሳግርዎም ከምዝኽእሉ ሓበርዎም። እንተኾነ ግን እቶም ስደተኛታት ክሕወለሎም ከምዘይክእል ምስ ሓበሩ፣ ድሕሪ ክልተ መዓልታት ናብ ካይሮ ወሰድዎም። ከምቲ ኣብ ከተማ ኣስዋን ኣብ ካይሮ‘ውን ኣብ ሓደ ገዛ ዓጸውዎም። እቶም በደዊን ኣብ ስጡም ድቃስ ምስ ጠሓሉ ግና እቶም ግዳያት ንዝረኸብዎ ዕድል ተጠቒሞም ካብቲ ጅሆ ዝተታሕዝሉ ብምምላጥ ኣብ ጎደና ምስ ዘጋጠሞም መራሕ ታክሲ ሓገዝ ሓቲቶም ናብ ሓደ ቅድሚ ሕጂ ዝፈልጥዎ ኤርትራዊ መቅርቦም ስልኪ ደዊሎም ብታክሲ ናብቲ ውሑስ ቦታ ክበጽሑ ክኢሎም። እቶም ስደተኛታት ኣብዚ እዋን ኣብ ትሕቲ ጽላል- Unhcr ተመዝጊቦም ከምዘለዉን ኣብ ውሑስ ቦታ ተዓቒቦም ከምዘለዉ ክፍለጥ ተኻኢሉ‘ሎ።


ኣብ መጀመርያ መፋርቕ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ዕስራን ሰለስተን ሽሕን ሰለስተ ሚእትን ኤርትራውያን ስደተኛታት ብዓለምለኸ ደረጃ ፖለቲካዊ ዑቕባ ከምዝሓተቱ unhcr ዝተባህለ ትካል ሕቡራት መንግስታት ሓቢሩ።

ሰማንያ ሚእታዊት ካብቶም ኣብዝሓለፈ መጀመርያ መፋርቕ 2014 ዝተሰዱ ስደተኛታት ካብ ሃገራት ሶርያ፣ ኤርትራ፣ ዒራቕ፣ ሶማል፣ ማእከላይ ሪፓብሊክ ኣፍሪቃን ምያንማርን ከምዝኾኑ ዝሓበረ unhcr፣ ንኣብነት ኣብ ጀርመን ጥራሕ ኣብቲ እዋን 3900 ኤርትራውያን ኣብ ጀርመን ዑቕባ ከምዝሓተቱ ኣፍሊጡ።

ኤርትራ ወላ‘ኳ ኣዝዩ ውሑድ ቁጽሪ ህዝቢ እንተሃለዋ፣ ኣብ ዓለም ምስተን ብዝሒ ዜጋታት ዓዶም ገዲፎም ዑቕባ ንምሕታት ሂወቶም ኣብ ሓደጋ ብምውዳቕ ዝውሕዙለን ሃገራት ኣብ ላዕሊ ብቐዳምነት ተሰሪዓ ምህላዋ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ክግለጽ ጸኒሑ እዩ።

ኣብ ኤርትራ ዝገዝእ ዘሎ ምልኪ፣ ኣብዚ ቀረባ እዋን ብኣፈኝኡ ግርማ ኣስመሮም ኣቢሉ፣ ኣብ ቢቢሲ ዝተባህለ መደበር ተለቭዥን ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ „ጠንቂ ናይዚ ባዕሉ unhcr እዩ“ ምባሉ ናይ ትማሊ ዝኽሪ እዩ።


ሓበሬታ፥  

ድምጹኹም ድምጺ ደሊና ኣብ ቀረባ እዋን ፈነወ ቴሌቪዥን ክትፍልም ዘድሊ ምድላዋት ኣብ ምጽፋፍ ትርከብ ምህላዋ ብሓጎስ ክትሕብረኩም ትደሊ። “ህዝቢ ንእዋናዊ ኩነታት ሃገሩ ዕለታዊ ዝዉከሰሉ ፡ ጸገማቱ ዓው ኢሉ ዘጋውሓሉ፥ ፍልልያቱን መፍቲሒታቱን ብምዝታይ ምልኪ ዘባርረሉ ፥ ባህሉን ልምድታቱን ዘጠንክረሉ ባይታ ንምፍጣር ኣብ ምስራሕ ንርከብ ኣለና እሞ ኣብ’ዚ ዓውዲ እዚ ካብ ዝነኣሰ ክሳብ ዝዓበየ ክእለት ኣለኒ ዝብል ግዱስ ዜጋ ዝከኣሎ ከበርክት ብኣኽብሮት ንጽውዕ ።

ነዛ ንዓቢን ትስፉውን ሃገራዊ ዕማም ንምስላጥ ኢላ ኣሃዱ ትብል ዘላ “ኣዝማሪኖ ቴቪ” ሞያዊ ሓገዝ ክትገብሩ ቅሩብነት ዘለኩም ዜጋታት በዚ ዝስዕብ ኣድራሻ ክትደሃዩና  ሃገራዊ ጻውዒትና ነቕርብ!

ኢመይል- (    This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.           )

ቴሌ- (   001 – 714-598 3138         )

ሃገራዊ ሕልምናን መጻኢ ሓርነትናን  ብመንገዲ “ኣዝማሪኖ ቲቪ” ነመስክር!!!!    


Join VoD

VoD is looking for highly motivated candidates to collect, draft, edit and present relevant news items from various sources exclusively but not limited to Eritrea and the rest of the Horn of Africa. Excellent writing skills in both English and Tigrinya, proficiency in using technology, and ability to scan social media are essential. The candidate should be an active listener, able to communicate with persons of interest, and share timely information with the public.

The Main objective of Voice Of Delina is to collect and disseminate economic, social and political developments pertaining to Eritrea and Eritreans at home and in the Erespora.

We are also determined to develop the media capacity by grooming the new generation of Eritreans to articulate the aspirations of our country.

We are particularly looking for candidates who are keenly interested to play an active role in helping foster peace and democracy in Eritrea.

VOLUNTEER INTERNSHIP OPENINGS

• Media Director/Program Coordinator
o manage the team
o prepare editorials
o make editorial decisions on programs to be broadcast
o edit other program contents

• Researchers
o research topics required for programming
o assist in drafting stories

• Writers and Editors
o draft a regular feature story
o assist in news preparation

• Anchor-Reader
o read program items
o assist in news preparation

• Sound Engineer
o arrange programs, add music and repackage programs for dispatch to the studio

• Translator from English into Arabic and Tigrinya (and, on a limited basis, Amharic)
o translate copy of stories into appropriate language for broadcast
o when necessary, read stories in correct language or dialect

To participate please send email to This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.
Please provide your personal CV, Skype ID, telephone number and best time to call you.