AUDIO (AM Quality) NEWS for our users in Africa CLICK HERE
ድምጺ ደሊና
 ዜና 
ኣዳላዊ፡ ዓንዶም ግርማይ
ኣንባቢት፡ ራሄል ሰሎሙን 

31 ታሕሳስ፣ 2014


ብዱዕ ዘረባታት ፕረዚደንት

ፕረዚደንት ስርዓት ኣስመራ ብ30 ታሕሳስ 2014 ምስ’ተን ንሱ ዝዉንነን መራኸቢ ብዙሓን ዝገበሮ ቃለ መሕትት ብልሙዳት ናይ ሓሶት መብጸዓታትን ዝተተኽተኸ ከምዝነበረ ተገሊጹ፣

ሓያሎ በቲ ልሙድን ብሉይን ትሕዝቶ ዝነበሮ ቃለ መሕትት ዝቀርሓኑ ዜጋታትና ናብ ሬድዮ ድምጺ ደሊና ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ዘይዕግበት መልእኽትታት፥ እቲ ምልካዊ መራሒ ዘስመዖ ዘረባ ንንዕቀቱ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዘመስክር ከምዝኾነ ኣገንዚቦም።

እቲ መራሒ ውሒዳን ኣብ ዕላሉ ፥ ካብ’ቶም ቅድሚ ሕጂ ብተደጋጋሚ ዝምድረሎም ሓሶታትን ውዱቓት መብጸዓታትን ዘይፍለ ሓበሬታታት ከምዝሃበ ዘምለከቱ እቶም ዜጋታት፥ እዚ ድማ እቲ መራሒ ክሳብ ክንደይ ኣብ ውዱቕ ባይታ ይነብር ከምዘሎ ዘጉልሕ ከምዝኾነ ኣረዲኦም።

ህዝቢ ኣብ ሕሱም ናብራ እንከሎ ፥ ሃገር ኣብ ዝሓሸ መድረኽ ኣላ ክብል ዝተሰምዐ እቲ ምልካዊ መራሒ፥ ከም ልማዱ “ከምዚ ክንገብር ኢና!” “ከምዚ ተመዲቡ ኣሎ!” ዘስምዑ ኣሰልቸውቲ ዕላላት ንኣስታት ሰዓት ከምዝመደረ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

እቲ ምልካዊ መራሒ ንመሰረታዊ ነጥብታት ጎስዩ ብብድዐ ዝተማእከሉ ንህዝቢ ኣብ ዘየገድሱ ምስሩሓት ኣርእስታት ነዊሕ ከምእተዛረበ ዘመልከቱ’ቶም ዘይዕግቡነቶም ዝገለጹ ዜጋታትና፥ እቲ እንኮ ሃገራዊ ለውጢ ካብ ህዝቢ ጥራይ ምዃኑ ልዕሊ ካልእ እዋን በሪህሎም ከምዘሎ ኣተሓሳሲቦም።


700 ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ድሒኖም

ልዕሊ 700 ስደተኛታት ኣሳፊራ ማእከላይ ባሕሪ እትጥሕስ ዝነበረት መርከብ ብሓለዋ ባሕሪ ጥልያን ተሰንያ ናብ ገማጊማዊ ማያት ጋሊፖሊ ናይ ዓዲ ጥልያን ከምዝኣተወት መደበር ቴሌቪዥን ቢቢሲ ኣመልኪቱ።

እቶም ኤርትራውያን ክርከብዎም ዝኽእሉ ስደተኛታት ኣብ’ታ ናይ ጽዕነት መርከብ ብኣሰጋገርቲ ተጸፍጺፎም ክሰግሩ ከምእተረኽቡ፡ መብዛሕትኦም ኣብ ዘየሰክፍ ጥዕናዊ ኩነታት ከምዝርከቡ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ዛጊት ምስቶም ዝኣተዉ ሓደስቲ ስደተኛታት ሂወቶም ዝሰኣኑ ግዳያት ከይህልዉ ንዝብል ግድል ብዝምልከት ካብ ሰብ መዚ መንግስቲ ዓዲ ጥልያን ዝተዋህበ ወግዓዊ መግለጺ ከምዘየለ ዘመልከተት መደበር ቴሌቪዥን ቢቢሲ ፥እቶም ስደተኛታት ተጸፍጺፎም ይጓዓዙ ብምንባሮም ግና ዝተሃሰዩ ከይህልዉ ስክፍታታት ከምዘሎ ኣገንዚቦም።

ኣባላት ሓለዋ ባሕርን ኣሃዱታት ምድሕን ሂወትን መንግስቲ ጥልያን ኣብ ውሽጢ’ዘን ዝሓለፋ 6 መዓልታት፥ ማእከላይ ባሕሪ ክሰግሩ ኣብ ጉዕዞ ዝነበሩ  ዛጊት ልዕሊ 3000 ሽሕ ስደተኛታት ብሂወት ከምዘድሓኑ ዘመልከቱ ጸብጻባት፥  ዝበዝሑ ካብ’ዚኦም ዜጋታት ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ  ከምዝኾኑ የረድኡ።

ካብ ማያዊ ገማግም ሊብያ ብዕብይ ዝበላ መራኽብ ስደተኛታት ዘሳግሩ ነጋዶ ደቂ ሰብ ኣብ ማያዊ ገማግም ኤውሮጳ ከይተሓዙ ስለዝፈርሑ፥ ካብ ገማግማዊ ማያት ሃገራት ኤውሮጳ ርሕቕ ኢሎም ብምልሓቕ ብናእሽቱ ጀላቡ እናተጠቕሙ ነቶም ስደተኛታት ናብ’ቲ ተኣፋፊ ማያዊ ከባቢታት ከምዝፍንውዎም ከምሳዕቤን ናይዚ ከኣ ሓያሎ ካብቶም ስደተኛታት ኣብ ሓደጋ ክወድቊ ከምዝረኣዩ ይፍለጥ።

ላዕለዋይ ወኪል ስደተኛታት ኣብ ዓዲ ጥልያን ኣቶ ኣንቶንዮ ጒተረዝ ኣብ ቀረባ መዓልታት እብ ዝሃቦ መግለጺ፥ እቲ ኣህጉራዊ ወጊል ኣብ ዝመጽእ ዓመተ 2015 ገንዘባውን ቀረባውን ሕጽረታት ከየጋጥሞ ተሰጊኡ ብምህላዉ፥ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ንዝሰግሩ ስደተኛታት ክህቦ ዝጸንሐ ሓገዛት ክጎድል ከምዝኽእል ኣሚቱ ኣሎ።

 


Join VoD

VoD is looking for highly motivated candidates to collect, draft, edit and present relevant news items from various sources exclusively but not limited to Eritrea and the rest of the Horn of Africa. Excellent writing skills in both English and Tigrinya, proficiency in using technology, and ability to scan social media are essential. The candidate should be an active listener, able to communicate with persons of interest, and share timely information with the public.

The Main objective of Voice Of Delina is to collect and disseminate economic, social and political developments pertaining to Eritrea and Eritreans at home and in the Erespora.

We are also determined to develop the media capacity by grooming the new generation of Eritreans to articulate the aspirations of our country.

We are particularly looking for candidates who are keenly interested to play an active role in helping foster peace and democracy in Eritrea.

VOLUNTEER INTERNSHIP OPENINGS

• Media Director/Program Coordinator
o manage the team
o prepare editorials
o make editorial decisions on programs to be broadcast
o edit other program contents

• Researchers
o research topics required for programming
o assist in drafting stories

• Writers and Editors
o draft a regular feature story
o assist in news preparation

• Anchor-Reader
o read program items
o assist in news preparation

• Sound Engineer
o arrange programs, add music and repackage programs for dispatch to the studio

• Translator from English into Arabic and Tigrinya (and, on a limited basis, Amharic)
o translate copy of stories into appropriate language for broadcast
o when necessary, read stories in correct language or dialect

To participate please send email to This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.
Please provide your personal CV, Skype ID, telephone number and best time to call you.