AUDIO (AM Quality) NEWS for our users in Africa CLICK HERE
ድምጺ ደሊና
 ዜና 
ኣዳላዊ፡ ዓንዶም ግርማይ
ኣንባቢት፡ ራሄል ሰሎሙን 

26 ታሕሳስ፣ 2014


ህልቂት ኤርትራውያን ኣብ መዓስከር ሸገራብ

ኣብ ጥቓ መዓስከር ስደተኛታት ሸገራብ ኣብ እትርከብ ሩባ ኣትባራ ብጀላቡ ዝሰግሩ ዝነብሩ ዓሰርተታት ኤርትራውያን ስደተኛታት፥ ጎፍ ካብ ዝበልዎም ራሻይዳ ክሃድሙ ተገምጢሎም ብምጥሓሎም ኣስታት 15 ካብ’ቶም ተሳፈርቲ ከምዝሞቱ ይግለጽ ኣሎ።

ካብ’ቲ ሩባ ብሂወት ወጺኦም ክሃድሙ ዝፈተኑ ሓያሎ ካልኦት በቶም ራሻይዳ ተጨውዮም ኣበይ ከምዝኣተዉ ከምዘይተፈልጠ ዝሓበሩ ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ፥ ነዚ ኣውያት ብምስማዕ ካብ ውሽጢ እቲ መዓስከር ክረድኡ ዝመጹ ኤርትራውያን ምስ’ቶም ራሻይዳ ኣብ ጎነጽ ከምዝኣተዉ ተሓቢሩ።

ኣብ’ቲ ናዕቢ ሓያሎ ኤርትራውያን ቦተም ራሻይዳ ከምእተጨውዩ ፥ እቶም ኤርትራውያን ስደተኛታት ክልተ ራሻይዳ ሒዞም ኣብ’ቲ መዓስከር ኣሲሮምሞም ከምዘለዉ ምስተፈልጠ ድማ ካልኦት ጨወይቲ ነቲ መዓስከር ኣካቢቦሞ ከምዘለዉ ተሓቢሩ።

ካብ ግርባ ዝተላእዂ ኣባላት ፖሊስ ሱዳን ነቲ ናዕቢ ንምዝሓል ዘንብዕ ጋዝ ከምዝተጠቕሙን ሓያሎ ኤርትራውያን ኣሲሮም ናብ ግርባ ከምዝወሰዱን ዘመልከቱ ተዓዘብቲ፥ እቶም ፖላይስ ምስ’ቶም ራሻይዳ እናተሰማምዑ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን መግረፍትን መቚሰልትን የውርዱ ከምዘለዉ ኣፍሊጦም።

እቲ መዓስከር ስርዓት ስኢኑ ሓያሎ ኤርትራውያን ብዘይ ዝኾነ ውሕስነት ይብደሉን ይግፍዑን ከምዘለዉ ወሲኾም ዝገለጹ እቶም ተዓዘብቲ፥ ኣብ’ቲ መዓስከር ዝሰርሑ ኣባላት UNHCR ብምልኦም በዓል ልደት ንምሕላፍ ንዕረፍቲ ከይዶም ብምህላዎም ፥ ስደተኛታት ተሓላቒ ዘብሎም ኣደዳ በደል ኣባላት ፖሊስን ጨወይትን ይኾኑ ከምዘለዉ ነጊሮም።

እቲ ናዕቢ ብዝሓየል መልክዑ ይቕጽል ከምዘሎን ሓያሎ ኤርትራውያን ካብ’ቲ መዓስከር ክሃድሙ ይፍትኑ ከምዘለዉ ኣብ መወዳእታ ዘተሓሳሰቡ እቶም ተዓዘብቲ፥ UNHCR ቅልጡፍ ፍታሕ ክገብር እንተዘይክኢሉ እቲ ዝወርድ ዘሎ ሰብኣዊ ሃስያ ክልዕል ከምዝኾነ ኣጠንቂቖም ኣለው


መንግስቲ ሱዳን ኣዋሃሃዲ ሰብኣዊ ሓገዛት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ካብ ሃገሩ ይሰጒግ

መንግስቲ ሰሜን ሱዳን ንኣብ ሃገሩ ዝርከብ ኣዋሃሃዲ ሰብኣዊ ሓገዛት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣቶ ኣል ዛጥዓሪ ኣብ ውሕዳት ሰዓታት ካብ’ታ ሃገር ክወጽእ ከምዝሓበሮ መርበብ ሓበሬታ ዎርልድ ትሪቡነ ገሊጹ።

እዚ መጠንቀቕታ እዚ ሰሙን ድሕሪ’ቲ መንግስቲ ሱዳን ኣብ ሃገሩ ንዝርከብ ወኪል UNDB ኣቶ ይቮኒ ሄለ ኣብ ውሽጢ 72 ሰዓታት ካብ ሱዳን ክምወጽእ ዝሃቦ ትእዛዝ ዝስዕብ ዘሎ ኮይኑ ፥ መሰረታዊ ጠንቂ ምስጓግ ኣዋሃሃዲ ሰብኣዊ ሓገዛት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣቶ ኣል ዛጥዓሪ ፥ እቲ በዓል ስልጣን ምስ ሓንቲ ናይ ሽወደን ጋዜጣ ንመንግስቲ ሱዳን ኣመልኪቱ ዝሃቦ ሓበሬታት ከምዝኾነ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ ። ኣዋሃሃዲ ሰብኣዊ ሓገዛት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣቶ ኣል ዛጥዓሪ ኣብ’ቲ ምስ ጋዜጣ ሽወደን ዝገበሮ ቃለ መሕትት፥ መንግስቲ ሱዳን ንጉዳይ ስደተኛታትን ሰብኣዊ ሓገዛትን ከም እንኮ ምንጪ ኣታዊኡ ጌሩ ይሰርሓሉ ከምዘሎ’ዩ ገሊጹ።

በዚ መግለጺ እዚ ዝተቖጥዐ መንግስቲ ሰሜን ሱዳን ፥ ድማ እቲ በዓል ስልጣን ኣብ ሓጺር እዋን ካብ ሃገሩ ክወጽእ ቅልጡፍ መጠንቀቕታ ሂብዎ ከምዘሎ ዘመልከተ መርበብ ሓበሬታ ዎርልድ ትሪቡን ፥ እዚ ክስተት እዚ ነቲ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት እናሰሓወ ይመጽእ ከምዘሎ ዝንገረሉ ኣተሓሕዛ መንግስቲ ሰሜን ሱዳን ዘብእስ ከምዝኸውን ዘለዎ ስክፍታታት ኣነጺሩ።

ኣዋሃሃዲ ሰብኣዊ ሓገዛት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣቶ ኣል ዛጥዓሪ ኣብ ቃለ መሕትቱ ንኣተሓሕዛ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበናት ንጉዳይ ፕረዚደንት ዖማር ኣልበሺር ብዙሕ ዘረባታት ከምዘምሎቐ’ውን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ። ኣብ ሱዳን ልዕሊ 21 ኣህጉራውያን ትካላት ሰብኣዊ ሓገዛት ከምዘለዋ ዝፍለጥ ኮይኑ፥ መንግስቲ ሱዳን ኣብ’ዘን ትካላት ንዝሰርሑ ሰራሕተኛታት ወጻኢ ብሱዳናውያን ንምቕያሮም መዲቡ ምህላዉ ድሕሪ ዘውጽኦ መግለጺ፥ ኣመሓድራ መንግስቲ ሱዳን ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ ሓገዛት እናጸበበ ከይከይድ ስክፍታታት ሰፊኑ ከምዘሎ’ዮም ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ ዝሕብሩ ዘለው


Join VoD

VoD is looking for highly motivated candidates to collect, draft, edit and present relevant news items from various sources exclusively but not limited to Eritrea and the rest of the Horn of Africa. Excellent writing skills in both English and Tigrinya, proficiency in using technology, and ability to scan social media are essential. The candidate should be an active listener, able to communicate with persons of interest, and share timely information with the public.

The Main objective of Voice Of Delina is to collect and disseminate economic, social and political developments pertaining to Eritrea and Eritreans at home and in the Erespora.

We are also determined to develop the media capacity by grooming the new generation of Eritreans to articulate the aspirations of our country.

We are particularly looking for candidates who are keenly interested to play an active role in helping foster peace and democracy in Eritrea.

VOLUNTEER INTERNSHIP OPENINGS

• Media Director/Program Coordinator
o manage the team
o prepare editorials
o make editorial decisions on programs to be broadcast
o edit other program contents

• Researchers
o research topics required for programming
o assist in drafting stories

• Writers and Editors
o draft a regular feature story
o assist in news preparation

• Anchor-Reader
o read program items
o assist in news preparation

• Sound Engineer
o arrange programs, add music and repackage programs for dispatch to the studio

• Translator from English into Arabic and Tigrinya (and, on a limited basis, Amharic)
o translate copy of stories into appropriate language for broadcast
o when necessary, read stories in correct language or dialect

To participate please send email to This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.
Please provide your personal CV, Skype ID, telephone number and best time to call you.

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...