ድምጺ ደሊና ዜና 
ኣዳላዊ፡ ሳምሶን ሃይለስላሴ
ኣንባቢት፡ ራሄል ሰሎሙን 

16 ታሕሳስ፣ 2014

 


ቃለ-መሕትት ፍልይቲ ልእኽቲ ው/ሕ/ሃ ንጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ምስ ስዊዘርላንዳዊ ሬድዮ

“ኤርትራውያን ኪንዮ ቊጠባዊ ውሕስነቶም፡ እቲ ኣብ ሃገሮም ዘሎ ጸላም ዝመልኦ መጻኢኦም ስለዝገደዶም እዮም ብልዑል ዋሕዚ ዝስደዱ ዘለዉ!”፡ ክትብል ፍልይቲ ልእኽቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ወ/ሮ ሼላ ኬታሩት ገሊጻ።

እታ ኣህጉራዊት በዓልቲ ስልጣን ምስ RSI ዝተባህለት ህዝባዊት ሬድዮ ስዊዘርላንድ ኣብ ዘካየደቶ ቃለ-መሕትት፥ ኣስታት 4 ሽሕ ኤርትራውያን ቤት ንብረቶም ራሕሪሖም ወርሓዊ ናብ ጎረባብቲ ሃገራትን ሃገራት ስግር ባሕርን የምርሑ ከምዘለዉ ብምጥቃስ፥ ንመሰረታዊ ጠንቂ ፍልሰት ኣጽኒዕካ ቀጥታዊ ፍታሕ ክርከብ እንተዘይክኢሉ እቲ ተርእዮ ክብእስ ከምዝኾነ ኣተሓሳሲባ።

ው/ሮ ሼላ ኬታሩት ኣብ ሓበሬታኣ፥ ኣብ ስዊዘርላን ልዕሊ 20 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ተዓቚቦም ከምዘለዉ ብምዝኽኻር፥ እዚ ንሃገረ ስዊዘርላንድ ካብ’ተን ዝበዝሑ ኤርትራውያን ስደተኛታት ሓቚፈን ዘለዋ ሃገራት ከምዝገብራ ኣረዲኣ።

ናብ ባርነት ዝቐረበ ገደብ ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎይ፥ ፍርዳዊ መስርሕ ዝተሓረሞ ድጎና ዜጋታት፥ ልክዑ ዝሓለፎ ወተሃደራዊ ምሕደራ፥ ግዱድ ዕስክርናን ዕጥቆን ዝኣመሰሉ ብስርዓት ኣስመራ ዝስረሓሎም ዘለዉ ሜላታት መሰረታዊ ጠንቂ ንፍልሰት ዜጋታት ኮይኖም ምህላዎም ዝሓበረት ው/ሮ ሼላ ኬታሩት፥ ካብ’ዚ መከራ እዚ ንዝሃደሙ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከም ማላውያን ስደተኛታት ንምምሳሎም ብሓያሎ ሃገራት ምዕራብ ዝግበር ዘሎ ጎስጓስ ካብ ባይታ ዝረሓቐ ከምዝኾነ ኣስሚራትሉ።

ነዊሕ ጸገማት ሓሊፎም ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ዝኣትዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት’ውን በቶም ኣብ’ተን ዝኣትዉለን ሃገራት ዘለዉ ደገፍትን ኣባላት ኤምባሲታትን ስርዓት ኣስመራ ቀጻሊ ጸቕጢ ይወርዶም ከምዘሎ፥ እዚ ግቡእ መጽናዕቲ ተጊሩሉ መሰርታዊ ፍታሕ ክርከቦ ከኣ ንሳን ተሓጋገዝታን ኣብ ቀጻሊ ስራሕ ከምዝርከቡ ኣተንቢሃ።

ኣብ ጎኒ እዛ ፍልይቲ ልእኽቲ ኮይና ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩሉንትናዊ ግህሰት ከተጽንዕ ብባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ወርሒ ሰነ 2014 ዝቖመት መርማሪት ኮሚሽን ፥ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2014 ወግዓዊ ስርሓ ምጅማራ ዝዝከር ኮይኑ፥ ደምዳሚ ጸብጻብ እዛ ኮሚሽን ኣብ ምምሕያሽ ሕርቱም መንብሮ ህዝቢ ኤርትራ ልዑል መቐዪሮን ፍታሕን ከምጽእ ተስፋ ሓያሎ ወገናት ኮይኑ ኣሎ።


ካብ ሓቂ ዝረሓቓ መራኸቢ ብዙሓን ስርዓት ኣስመራ

ባሕታውያን መራኸቢ ብዙሓን ሬድዮን ቴሌቭዥንን ስርዓት ኣስመራ ዘጋውሕኦ ሓበሬታታት ይዂኑ መደባት፡ ንሓቐኛ ምስሊ ኤርትራዊ ሕብረተሰብ ዘይውክል ከምዝኾነ ብሓያሎ ወገናት ይግለጽ ኣሎ።

“መንግስቲ ማሕበራዊ ፍትሒ የንግስ ኣሎ!”፥ “ዝበዝሐ ህዝቢ ተጠቃም ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ኮይኑ!”፥ “ጽላት ትምህርቲ ኣብ ምስሳን ንቊሕን ብሱልን መንእሰይ ልዑል ተራ ይጻወት ኣሎ!”፥ “ጥዕናዊ ጸገማት ዜጋታት ብርኡይ ኣንቆልቂሉ!” እናተባህለ በዘን መጋበርያታት ስርዓት ኣስመራ ዝግበር ጎስጓስ፡ ነቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝርከብ ህዝቢ ዘሕልፎ ዘሎ ኩሉንትናዊ ጸገማት ዝጎስን ንምስሉይ ምሕደራ’ቲ ስርዓት ዘነጽርን ከምዝኾነ ዘመልከቱ እቶም ወገናት፥ ጽልዋ ናይዘን መራኸቢ ብዙሓን ኣብ’ቶም ብቚጽሪ ኣዝዮም ውሕዳት ዝኾኑ ደገፍቲ ናይቲ ስርዓት ጥራይ ተሓጺሩ ከምዘሎ ኣመልኪቶም።

ነቲ መሰረታዊ ጠለባት ሂወት’ኳ ክረክብ ተጻጊሙ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ኪሒደን ዘቚጸልጽሉ ዜናዊ ሸፈነታት ኣብ ምጉዋሕ ዝጽዕታ ዘለዋ ሬድዮን ቴሌቭዥንን ስርዓት ኣስመራ፥ ነቲ ህዝቢ ዝሓልፎ ዘሎ ጸገም ገምጢለን የቕርብኦ ብምህላወን፥ ሰማዒ ንመሰረታዊ ዕላማአን ንኽርድኦ ከምዘይጽገም ዘተሓሳሰቡ እቶም ወገናት፥ ስርዓት ኣስመራ ከይተረድኦ ንድኻማቱ ዘንጸባርቓ መሓውራት ጥራይ ወኒኑ ምህላዉ ንምግንዛብ ከምዘየጸግም ኣረዲኦም።

“ጠምዩ ዘሎ ህዝቢ ጸጊብካ ኣለኻ እንተኢልካዮ!” ፥ እቲ ህዝቢ ትሕሱ ከምዘለኻ ክርዳእ ግዜ ከምዘይወስደሉ ዘመልከቱ እቶም ወገናት፥ መራኸቢ ብዙሓን ስርዓት ኣስመራ ካብዚ ዓንኬል እዚ ከምዝይወጻ ኣስሚሮምሉ።


 

Join VoD

VoD is looking for highly motivated candidates to collect, draft, edit and present relevant news items from various sources exclusively but not limited to Eritrea and the rest of the Horn of Africa. Excellent writing skills in both English and Tigrinya, proficiency in using technology, and ability to scan social media are essential. The candidate should be an active listener, able to communicate with persons of interest, and share timely information with the public.

The Main objective of Voice Of Delina is to collect and disseminate economic, social and political developments pertaining to Eritrea and Eritreans at home and in the Erespora.

We are also determined to develop the media capacity by grooming the new generation of Eritreans to articulate the aspirations of our country.

We are particularly looking for candidates who are keenly interested to play an active role in helping foster peace and democracy in Eritrea.

VOLUNTEER INTERNSHIP OPENINGS

• Media Director/Program Coordinator
o manage the team
o prepare editorials
o make editorial decisions on programs to be broadcast
o edit other program contents

• Researchers
o research topics required for programming
o assist in drafting stories

• Writers and Editors
o draft a regular feature story
o assist in news preparation

• Anchor-Reader
o read program items
o assist in news preparation

• Sound Engineer
o arrange programs, add music and repackage programs for dispatch to the studio

• Translator from English into Arabic and Tigrinya (and, on a limited basis, Amharic)
o translate copy of stories into appropriate language for broadcast
o when necessary, read stories in correct language or dialect

To participate please send email to This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.
Please provide your personal CV, Skype ID, telephone number and best time to call you.

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...