ድምጺ ደሊና ዜና 
ኣዳላዊ፡ ሳምሶን ሃይለስላሴ
ኣንባቢት፡ ራሄል ሰሎሙን 

15 ታሕሳስ፣ 2014

 


ኤርትራዊት ተንቀሳቓሲት ሰብኣዉነት የሩሳሌም ያቆብ ኣብ ካርቱም ተቐዪዳ

ኤርትራዊት ተንቀሳቓሲት ሰብኣዉነት የሩሳሌም ያቆብ ብኣባላት ጸጥታን ሃገራዊ ድሕነትን መንግስቲ ሰሜን ሱዳን ተቐዪዳ ዛጊት ናብ ዘይተፈልጠ  ቦታ ከምእተወስደት መርበብ ሓበሬታ “ሑርያት-ሱዳን” ኣቃሊዑ።

እቲ መርበብ ኣብ ሓበሬታኡ ፥ ወ/ሮ ዮሩሳሌም ያቆብ ንኣብ ሱዳን ዝርከቡ መቕርባ ክትበጽሕን ኣብ’ታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝወርድ ዘሎ ኣደራዕ ከተመስክርን ናብ ከተማ ካርቱም ከምዝበጽሐት ፥ ዘምጽኣ ዕላም ዓሚማ ናብ’ታ እትነብረላ ሃገረ ዓባይ ብሪጣንያ ንኽትምለስ ኣብ ማዕርፎ ነፈርቲ ካርቱም ኣብ ዝተረኽበትሉ ከኣ ብኣባላት ጸጥታ ከምእተወስደት ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

እታ ኤርትራዊት ተንቀሳቓሲት ሰብኣዉነት ዝተቓረበት ነፍሰ-ጾር ምንባራን ፥ ንጹር ሓበሬታ ናይ’ቲ ተቐይዳትሉ ዘላ ከባቢ ስለዘይተፈልጠ ድማ ፥  ካብ ኣባላት ጸጥታ ክወርዳ ዝኽእል ኣካላውን ኣእምሮኣውን ጸቕጥታት፡ ቀጥታዊ  ኣተኲሮ መንግስትን ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ብሪጣንያ ከይተዋህቦ ዝሓልፍ ከምዘይኮነ ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ ይገልጹ ኣለዉ።

ኤርትራዊት ተንቀሳቓሲት ሰብኣዉነት የሩሳሌም ያቆብ ፥ ብኣባላት ጸጥታ መንግስቲ ሰሜን ሱዳን ቀሪብላ ዘሎ ናይ መቐየዲኣ ምኽኒት፡ “ኣብ ውሽጢ ሰሜን ሱዳን ንሰብኣውነትን ነጻነት ዜጋታትን ጎስጒስኪ!” ዝብል ምዃኑ ወሲኹ ዘገንዘበ መርበብ ሓበሬታ ሑሪያት-ሱዳን፥ መንግስቲ ንጉዳያ ኣመልኪቱ ዛጊት ዝሃቦ ወግዓዊ መግለጺ ብዘይምህላዉ፥ ኩነታት እታ ኤርትራዊት ንምርግጋጽ ኣጸጋሚ ኮይኑ ምህላዉ ኣስሚሩሉ።

ስርዓት ኣስመራ ምስ ስርዓት ካርቱም ዘለዎ ክልተኣዊ ዝምድናታት ልዕሊ ካልእ እዋን እናተራጎደ ይመጽ ከምዘሎ ዝፍለጥ ኮይኑ፥ ብፍላይ ኣባላት ጸጥታን ሃገራዊ ድሕነትን መንግስቲ ሱዳን ካብ ናይ ስርዓት ኣስመራ  መዘናታቶም ዝመጾም - ኤርትራውያን ስደተኛታትን ተንቀሳቐስቲ-ንለውጥን ናይ ምእሳርን ምምላስን ጠለባት ብቐጻሊ ተግባራውያን ክኾኑ ምጽንሖም ዘተሓሳሰቡ ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ፥ እዚ ኣብ ልዕሊ ኤርትራዊት ተንቀሳቓሲት ሰብኣዉነት የሩሳሌም ያቆብ ተወሲዱ ዘሎ ስጒምቲ ጠለብ ስርዓት ኣስመራ ንንምላእ ብኣባላት ጸጥታ ሰሜን ሱዳን ዝተፈጸመ ከይኮነ ከምዘይተርፍ እመታኦም ይህቡ ኣለዉ።


ስርዓት ኣስመራ ምስ ጎረቤት ሃገር ጂቡቲ ከይዛተ ይሕንግድ

ስርዓት ኣስመራ ምስ ጎረቤት ሃገር ጂቡቲ ኣትዪዎ ዘሎ ዶባዊ ዘይምስምማዓት ብሰላማዊ መንገዲ ክፍታሕ ዝኾነ ይዂን ድሌት ወይ ቊሩብነት የርኢ ከምዘየለ ብዝተፈላለዩ ወገናት ይግለጽ ኣሎ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ጂቡቲ ኣቶ ማሕሙድ ዕሊ ዮሱፍ ኣብ ቀረባ መዓልታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ፥ ጂቡቲ ምስ መብዛሕትአን ጎረባብታን መዳውብታን ዝኾና ሃገራት ኣብ ምርብባሕን ምምልላእን ዝዓለመ ውዱን ዝምድናታት ኣብ ምምስራት ተዓዊታ ክንሳ፥ ምስ ኤርትራ ዘለዋ ምቅርራባት ግና ክሳዕ ሕጂ ኣሉታዊ ስሩዕነት ወኒኑ ይቕጽል ከምዘየለ ኣተሓሳሲቡ።

እቲ በዓል ስልጣን ኣብ መግለጺኡ፥ ከም ቐጠር ፡ ሰሜን ሱዳንን ካልኦት ዞባውያን ውድባትን ነቲ ኣብ ሞንጎ ሃገሩን ኤርትራን ዘሎ ዶባዊ ምስሕሓባት ዝጠንቊ  ወተሃደራዊ ጎንጺ ነባሪ ፍታሕ ንኽረክብ ይጽዕቱ ከምዘለዉ ፡ ካብ ስርዓት ኣስመራ ብዝምዝገብ ዘሎ ዘይቅሩቡነት ግና እዞም ጻዕርታት ዛጊት እወታዊ ፋይዳ ክርከቦም ኣጸጋሚ ኮይኑ ከምዘሎ ኣረዲኡ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቐጠር ዶክቶር ካሊድ ቢን ሞሃመድ ኣልቲያህ ፥ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር 2014 ንጉዳይ’ቶም መንግስቲ ኤርትራ ሒዝዎም ዘሎ  ምሩኻት ኲናት ጁቡቲ  ፍታሕ ክረኽቡ ብምባል ናብ ከተማ ኣስመራ ብምብጻሕ ምስ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ከምእተራኸበ ዝፍለጥ ኮይኑ፥ ካብ ስርዓት ኣስመራ እወታዊ ምላሽ ብዘይምርካቡ ብዘይ ፍረ ከምእተመልሰ ይዝከር።

ስርዓት ኣስመራ ምስ ጎረቤት ሃገር ጁቡቲ ኣብ 2008 ኣብ ዶባዊ ኲናት ከምዘምርሐ ዝፍለጥ ኮይኑ፥ ብሞንጎኛነት ቐጠር ደዉ ድሕሪ ምባሉ ቀጠር ኣብ ‘ቲ ዘሰሓሕቡ ከባቢታት ሰራዊታ ከምዘቐመጠትን ኣብ ምምሕያሽ ክልተኣዊ ዝምድና’ተን ሃገራት ዘድሊ ጻዕሪ ተካይድ ከምዘላ ዝተፈላለዩ ወገናት የገልዝቡ።

መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጸጥታዊ ዘይምርግጋኣት ክነግስ ልዑል ተራ ካብ ዝጻወቱ ዘለው ስርዓታት ብቐዳምነት እናተጠቕሰ ኣብ ከቢድ ኣህጉራዊ ትነጽሎ ዝነብር ዘሎ ስርዓት ከምዝኾነ ሓያሎ ተንተንቲ ፖለቲካ ዝሰማምዑሉ ሓቂ ኮይኑ ኣሎ 


 

Join VoD

VoD is looking for highly motivated candidates to collect, draft, edit and present relevant news items from various sources exclusively but not limited to Eritrea and the rest of the Horn of Africa. Excellent writing skills in both English and Tigrinya, proficiency in using technology, and ability to scan social media are essential. The candidate should be an active listener, able to communicate with persons of interest, and share timely information with the public.

The Main objective of Voice Of Delina is to collect and disseminate economic, social and political developments pertaining to Eritrea and Eritreans at home and in the Erespora.

We are also determined to develop the media capacity by grooming the new generation of Eritreans to articulate the aspirations of our country.

We are particularly looking for candidates who are keenly interested to play an active role in helping foster peace and democracy in Eritrea.

VOLUNTEER INTERNSHIP OPENINGS

• Media Director/Program Coordinator
o manage the team
o prepare editorials
o make editorial decisions on programs to be broadcast
o edit other program contents

• Researchers
o research topics required for programming
o assist in drafting stories

• Writers and Editors
o draft a regular feature story
o assist in news preparation

• Anchor-Reader
o read program items
o assist in news preparation

• Sound Engineer
o arrange programs, add music and repackage programs for dispatch to the studio

• Translator from English into Arabic and Tigrinya (and, on a limited basis, Amharic)
o translate copy of stories into appropriate language for broadcast
o when necessary, read stories in correct language or dialect

To participate please send email to This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.
Please provide your personal CV, Skype ID, telephone number and best time to call you.