ድምጺ ደሊና ዜና 
ኣዳላዊ፡ ሳምሶን ሃይለስላሴ
ኣንባቢት፡ ራሄል ሰሎሙን 

12 ታሕሳስ፣ 2014


መርገጺ “ባይቶ ኮማዊ ምዕባለ ደቡባዊ ኣፍሪቃ ንዘይመንግስታውያን ውድባት” ንኤርትራውያን ስደተኛታት

“ባይቶ ኮማዊ ምዕባለ ደቡባዊ ኣፍሪቃ ንዘይመንግስታውያን ውድባት” ፥ ሃገራት ኤውሮጳ ነቶም ጭቆና መንግስቶም መሪርዎም ንኸቢድ ሓደጋታት ማእከላይ ባሕሪ በዲሆም ዝመጽወን ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኢደን ክዝርጋሓ ከምዝግባእ  ቀጥታዊ መጸዋዕታ ኣቕሪቡ።

እቲ ዞባዊ ኣካል ምስ ኤርትራውያን ወከልቲ ሰብኣውነት  ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ከተማ ጆሃንስበርግ ናይ  ሪፓብሊክ ደቡብ ኣፍሪቃ ተራኺቡ ኣብ ዝተመያየጠሉ፥ ኤርትራውያን ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ሂወቶም ካብ ዝስእኑ ዘለዉ ኣፍሪቓውያን ስደተኛታት እቶም ዝበዝሑ ኮይኖም ከምዘለዉ ብምጥቃስ፥ እዚ ድማ እቶም ዜጋታት ክሳብ ክንደይ በቲ ዝገዝኦም ዘሎ ስርዓት ዓቕሎም ኣጽቢቦም ከምዘለዉ ዘመስክር ከምዝኾነ ክርዳእ ምኻኣሉ ኣብሪሁ።

ኣብ’ዚ ዓመት እዚ ማእከላይ ባሕሪ ሰጊሮም ናብ ኤውሮጳ ክኣትዉ ካብ ዝሃቀኑ እሞ ኣብ ጉዕዞ ሂወቶም ዝሰኣኑ 3 ሽሕ - ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት እቶም ዝበዝሑ ኤርትራውያን ምዃኖም ንመጽናዕታዊ ጸብጻብ እቲ “ኣህላቒ ጉዕዞ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ብ “ኣህጉራዊ ውድብ ኣብ ጉዳይ ስደት” ዝተዘርግሐ ሓበሬታ ብምጥቃስ  ዘገንዘበ “ባይቶ ኮማዊ ምዕባለ ደቡባዊ ኣፍሪቃ ንዘይመንግስታውያን ውድባት” ፥ ሃገራት ኤውሮጳ ኣብ ልዕሊ’ዚ ተርእዮ ዘለወን ኣጠማምታ እወታዊ ክኸዉን ክሳብ ዘይከኣለ ህልቂት ኤርትራያውያን ነባሪ ፍታሕ ክሰኣኖ ልዑል ተኽእሎ ከምዘሎ ኣተሓሳሲቡ።

ኣብ ምዝዛም’ቲ ናይ ክልተ መዓልቲ እኼባ ፥ ፈጻሚ ዳይረክቶር’ቲ ዞባዊ ባይቶ ፡ ሃገራት ምዕራባዊ ኣፍሪቃ ኣብ ልዕሊ’ቶም ኣብ ሓያሎ ከባቢታ እዚ ዞባ ዝርከቡ ኤርትራውያን እጠማምታአን ከሐድሳን ሓገዛተን ከበርኻን ከምዝግባእ ብምዝኽኻር፥ ደቡብ ኣፍሪቃ  ከም ኣባል እዚ ዞባዊ ኣካልን ኣብ ኣፍሪቃዊ ሕብረትን ዘለዋ መሪሕ ጽልዋን ተጠቒማ ኣብ ልዕሊ’ቲ ጠንቂ ቀጻሊ ስደትን ሕንፍሽፍሽን ኤርትራውያን ዜጋታት ዝኸውን ዘሎ ስርዓት ኣስመራ ዝተረረ ስጒምትታት ንምውሳድ ኣብ ዘኽእሉ መንገድታት ክትጽዕት ከምዝግባኣ ኣስሚሩሉ።

ኤርትራዊ ዜጋ ኣብ ውሽጢ ሃገሩ ዝወርዶ ዘሎ ኩሉንትናዊ ግፍዒታት ልክዑ ሓሊፍዎ ከምዘሎ እዚ ግፍዕታት እዚ ኣፍልጦ ሓያሎ ኣህጉራውያን ተሓለቕቲ ሰብኣውነት ረኺቡ እናሃለወ፥ ማሕበረ ሰብ ዓለም ኣብ ጉዳይ’ቶም ካብ’ዞም ግፍዕታት ክሃድሙ ብምባል ዝተሓላለኸ ጉዕዞ ሰጊሮም ናብ ጎረባብቲ ሃገራትን ሃገራት ስግር ባሕርን ዝፈልሱ ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዘርእዮ ዘሎ ተገዳስነት ውዱን ከምዘይኮነ’ዮም ዝተፈላለዩ ወገናት ዘይዕግበቶም ዝገልጹ።


 ጽሑፋዊ ምሕጽንታ 8 ኤርትራውያን ማሕበራትን ምንስቓሳት-ንለውጥን ንኤ/ሕብረት

ሸሞንተ ኤርትራውያን ማሕበራትን ምንስቓሳት-ንለውጥን፡ ኣብ ልዕል’ቲ ኤውሮጳዊ ሕብረት ንስርዓት ኣስመራ ክምጥዎ መዲቡ ዘሎ ሓገዛት ዘለዎም ተቛውሞ ብምግላጽ ናብ ሰበስልጣን እቲ ሕብረት ናይ ምሕጽንታ ሰነድ ከምዘቕረቡ ካብ’ቲ ከባቢ ዝተፈነወ ዜና ኣቃሊሑ።

እቶም ሲቪካውያን ማሕበራትን ተንቀሳቐስቲ ንለውጥን ኣብ ምሕጽንታኦም፥ ስርዓት ኣስመራ ኣብ ልዕሊ ዜጋታቱ ዘመዝግቦ ዘሎ ኩሉንትናዊ ግህሰት ደዉ ክሳብ ዘይበለ፡ ኤውሮጳዊ ሕብረት ነቲ ስርዓት ዝኾነ ሓገዝ ክገብረሉ ውድዓውን ንኣድማሳዊ ዓንቀጻት ሰብኣውነት ዘኽብርን ከምዘይኮነ ብምትሕስሳብ፥ ኤውሮጳዊ ሕብረት ሓሳቡ ዳግመ ግምት ክገብረሉ ጸዊዖም።

ኤውሮጳ ሕብረት ነቲ መዲብዎ ዘሎ ሓገዝ ከተግብሮ እንተፈቲኑ፥ ስርዓት ኣስመራ ዝኽተሎ ዘሎ ገሃሲ ምሕደራ ብዝሓየለ ምልክዑ ንኽቕጽሎ ዘተባብዕ ከምዝኾነ ዘዘኻኸረ እቲ ናይ ምሕጽንታ ሰነድ ፥ ነቲ ኣብ ምውሓስ ሰብኣዊ መሰላት መሪሕ ተራ ይጻወትየ ዝብለ ሕብረት’ውን ምስሉ ብኣሉታ ዝነክእ ከምዝኾነ ኣፍኢሞም።

እቲ  ብ“ኤርትራውያን ንሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰላት” ፡“ጎስጋስ ንምኽታም ባርነት” ፡ “ረሊዝ ኤርትሪያ”፡  “ዓርቢ ሓርነት”፡ “ዜጋታት ንደሞክራስያዊ መሰል ኣብ ኤርትራ”፡ “ኮርዲናሜንቶ ኤሪትሪያ ዴሞክራቲክ” ፡ “ኤርትራዊ ተበግሶ ኣብ መሰል ስደተኛታት”ን  “ተገድሶ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ”ን ዝቐረበ ጽሑፋዊ ምሕጽንታ  ብሰብ መዚ ኤውሮጳዊ ሕብረት ክጒሰ ዘሎ ተኽእሎ ትሑት ከምዝኾነ ዘመልከቱ ወገናት፥ ነዚ ምሕጽንታ እዚ ዝተፈላለያ ኣህጉራውያን ተሓለቕቲ ሰብኣውነት ክሳተፍኦ በዘን ኤርትራውያን ማሕበራትን ምንስቓሳት ንለውጥን ሓያል ጎስጓስ ይካየድ ከምዘሎ  ኣረዲኦም።


 ህዝቢ ሽግሩን ሽግር መቕርቡን ከቃልዕ ይግባእ

ንመበል 11 ዓመት ዝኽሪ ማእሰርቲ  ኣስቴር የውሃንስ በዓልቲ ቤቱ ንጴጥሮስ ሰለሙን  ኣመልኪቱ ኣብ መርበብ ሓበሬታ “ፍትሒ ኒውስ” ዝሰፈረ ጽሑፍ ፥ ተመሳሳሊ ሽግር  ዝሓልፉ ዘለዉ ኤርትራውያን ዜጋታት ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊኦምን ኣብ ልዕሊ መቕርቦምን  ብስርዓት ኣስመራ ዝወርድ ዘሎ ግፍዒ  ብድፍረት ንኸጋልጹ ከም ኣብነት ዝዉሰድ  ምዃኑ ተሓቢሩ።

ኤርትራውያን ዘሕልፍዎ ዘለዉ ሽግር ብዓውታ ከጋልጹ ክሳብ ዘይደፈሩ ክሰምዖምን ቀልቢ ክገብረሎምን ዝድረኽ ወገን ከምዘይህሉ ዘተሓሳሰቡ ወገናት፥  ብፍላይ እቶም ነዊሕን ፈታንን ናይ ስደት ጉዕዞ በዲሆም ኣብ መሬት ኣማን ዝርከቡ ዜጋታት ንዝሓለፍዎ መከራን ኣብ ልዕሊ’ተ ኣብ ውሽጢ ሃገር ተሪፉ ዘሎ ህዝቦም ዝወርድ ዘሎ ግፍዕታትን ኣብ ምጉዋሕ መሪሕ ተራ ክጻወቱ ከምዝግባኣ ኣገንዚቦም።

ኣብ ዝሓሸ መንብሮን ርግኣትን ዝርከብ ኤርትራዊ ስደተኛ  ዉክልና ናይ’ቲ  ዝበዝሐ ኤርትራዊ  ሓፋሽ ብምውሳድ ንዕምሪ  ጨቋኒ ከሕጽር ሓላፍነቱ ከምዝኾነ ዘዘኻኸሩ’ቶም ወገናት፥ ዝኾነ ኣብ ወጻኢ ዝርከብ ስደተኛ ብዛዕባ ዝፈልጦ ጸገማት ህዝቡ ኣብ መራኸቢ ብዙሓንን መርበባት ሓበሬታን ከስፍር እንተኽኢሉ  ክርከብ ዝኽእል እወታዊ ፋይዳ ዓቢ ከምዝኸዉን ኣተንቢሆም።

መርበብ ሓበሬታ “ፍትሒ ኒውስ”  ንተዝካር 11 ዓመት ማእሰርት ኣስቴር የውሃንስ  ኣመልኪቱ  ኣስፊርዎ ዘሎ ሓበሬታ፡ ህዝብና  ብዛዕባ’ቶም ብዘይ ተመልሶ ሕጊ ኣብየ ኣብያተ ማእሰርቲ ተዳጒኖም ዘለዉ ፖለቲከኛታት፥ ጋዜጠኛታት፡ ኣባላት ሲቪካዊ ማሕበራት፥ መእመናን ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ብዝምልከት ቀጻሊ ሓበሬታት ክልገስ  ከምዝግባኣ ዘዘኻኽር ከምዝኾነ  እቶም ወገናት ኣብ መወዳእታ ኣዘኻኺሮም።


Join VoD

VoD is looking for highly motivated candidates to collect, draft, edit and present relevant news items from various sources exclusively but not limited to Eritrea and the rest of the Horn of Africa. Excellent writing skills in both English and Tigrinya, proficiency in using technology, and ability to scan social media are essential. The candidate should be an active listener, able to communicate with persons of interest, and share timely information with the public.

The Main objective of Voice Of Delina is to collect and disseminate economic, social and political developments pertaining to Eritrea and Eritreans at home and in the Erespora.

We are also determined to develop the media capacity by grooming the new generation of Eritreans to articulate the aspirations of our country.

We are particularly looking for candidates who are keenly interested to play an active role in helping foster peace and democracy in Eritrea.

VOLUNTEER INTERNSHIP OPENINGS

• Media Director/Program Coordinator
o manage the team
o prepare editorials
o make editorial decisions on programs to be broadcast
o edit other program contents

• Researchers
o research topics required for programming
o assist in drafting stories

• Writers and Editors
o draft a regular feature story
o assist in news preparation

• Anchor-Reader
o read program items
o assist in news preparation

• Sound Engineer
o arrange programs, add music and repackage programs for dispatch to the studio

• Translator from English into Arabic and Tigrinya (and, on a limited basis, Amharic)
o translate copy of stories into appropriate language for broadcast
o when necessary, read stories in correct language or dialect

To participate please send email to This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.
Please provide your personal CV, Skype ID, telephone number and best time to call you.

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...