ኣብዚ ሰሙን ካብ ዝበጹሑና ዜናታት: 

እቲ ዕሉል ተለኣኣኪ ክፍእ ኮይኑ ኣሽሓት ሰባት ከበሳብስ ዝጸንሔ ወዲ ከበደ (ሓላፊ ቤት ምእሰርቲ ዓዲ ኣቤቶ) ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣቲዩ። እዚ ብጭካኒኡ ዝልለ ንጽሃት ዜጋታትና ከበሳብስ ዝጸንሔ: ንሱ ዝርገቦም ገለ ገል ኣባላት እታ ቤት ማእሰርቲውን ኣብ ቀይዲ ኣቲዮም ኣለው። ዝሓለፈ ሰሙን መራሒ ጉጂለ ህግደፍ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ዑደት ናብ ዓዲ ኣቤቶ ጌሩ ከምዝነበረን ብሓላፍነት ክትሕተቱ ኢኩም ኢሉ ከም ዝኸደ ተወሳኪ ሓበሪታ ከምዘሎ ንሕብር። ኢሰያስ ካብ ሓላፍነት ንምሕዳም ዝጥቀመሉ ዝበለየ ሜላ ከምዝኾነ ኩላትና ንፈልጦ ጉዳይ እዩ። 

ብተወሳኪ: ካብ ዓዲ ኣቤቶን ማይ ስርዋን ብእምነቶም ምኽንያት ተኣሲሮም ዝነበሩ ገለ ካብኣቶም ነጻ ከምዝወጹ ንሕብር። እቲ ቤት ማእሰርቲ ግን ከምዘይተዓጽወን እቶም ዝተፈትሑውን እምነቶም ከምዝኸሓዱን ዳግማይ ኣብ ናይ ፔንተኮስታል (ፔንጠ) እምነት ንዝግበር ምትእኽኻባት ንከይጽንበሩን ፈሪሞም ዝወጹ እዮም። እቶም ኣብ እምነትና ክንጸንዕ ኢና ዝበሉ ስጋብ ሕጂ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዘለው ንሕብር።

ጀነራል ፍሊፖስ ወልደየውሃንስ ተኣሲሩ ዝብል ክነረጋግጾ ከምይዘይከኣልናን የግዳስ ካብ መዓስከር ሳዋ ከይትንቀሳቀስ ዝብል ትእዛዝ ተዋሂብዋ ዝብል ዜና ከምዝመጸና ንሕብር። ጉዳይ ናይ ፍሊፖስ ንከታተሎ ከምዘለናን ሓዲሽ ሓበሪታ ምስመጸና ክንሕብር ኢና።

ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎትውን ኣብዝተፈላለየ ቦታትት ሕቶታት ናይ ምፍናዎም ከልዕሉ ከምዝጀመሩን እቲ ናህሪ ናብ ኩሉ ቦታትት ይላባዕ ከምዘሎን ብተወሳኪ ንሕብር። በዚ ተረኪቡ ዘሎ ናይ ሰላም ኩነታት ንሕናውን ሂወትና ክንመርሕ ኣፋንውና እንዳበሉ ሕቶታቶም የቅርቡ ኣለው። ነዚ ድማ ኩሉ ኤርትራዊ ክስዕቦ ዝግብኦ ጻዊዒት እዩ።

ካብ ሓደ ናይ ወጻኢዲፕሎማት ዝረኸብናዮ ሓበሪታ ክምዝእምቶ ኢሰያስ ምስ ተቃወምቲ ኤርትራ ናይ ሰላም መስርሕ ክጅምር እየ እንዳበለ ይቅሽሽ ከምዘሎ ተፈሊጡ ኣሎ። እዚ ናይ ሰላም መስርሕ ዘይኮነስ ናይ ምጽጋን ክኸውን ከምዝኽእል ኣባላት ዓርቢ ሓርነት ካብ ውሽጢ ዓዲ ሓቢሮም። ኣብዚ ሕጂ እዋን ገለ ገለ ሓለፍቲ ምእሳርን ምቅይያርን ብምክያድ ካብ ሓላፍነት ንምሕዳም ዝፍትን ዘሎ ከምዝመስልን ቃልስና ግን ንልዕልና ሕግን ሓገራዊ ልኡላዊነትን ክኸውን ከም ዘለዎ ነተሓሳስብ።

ብካልእ ሸነኽ ካብ ኢትዮጵያ ኣስታት 20 ዝኾኑ ኣውፈርቲ ንኣስመራ ኣቲ’ም ከምዘለው ሓዲሽ ሓበሪታ መጺኡና ኣሎ። እዞም ኣውፈርቲ ንኤርትራውያን ዝተነፍጎም ዕድላት ብዘይ ቅድመ ኩነት ኩወሃቦም ምኮኑ ይንገር ኣሎ። ኤርትራውያን ኣብዘይ ዓደም ከይዶም ከውፍሩን ከልምዑን ኣብ ገዛእ ዓዶም ከውፍሩ ብዘይምክኣሎም ኣዚዩ ዘሕዝን ፍጻሜ እዩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣንፈት መጻኢና ናበይ ምኾኑ ንጹር ኣብዘይኮነ ህሞት: ኩልኻ ወዲ ሃገር ኣብ ሓደ ዓሲልካ ህዝብካን ሃገርካን ክተድሕን ንምሕጸን።

ፐሮጀክት ዓርቢ ሓርነት