ምዕባለታት ድሕሪ ኣክርያ

ካብ ፍሽለት ናብ ፍሽለት ዝሰጋገር ዘሎ ዐቅሊ ጽበታዊ ፈተነ ምጉጅጃል ህዝቢ ኤርትራ መርኣያ ምፍላም ተሪር ተቃውሞ ህዝቢ ኤርትራ ምኻኑ ምንጭታትና ካብ ኣስመራ ይሕብሩ። ህግደፍ ነቲ ካብ ኣኽርያ ዝተፈሓሓመ እምብይታ ሕዝቢ ፈለማ ናይ ሃይማኖታዊ ጥሩፍነት ጠቀነ ክህቦ ፈቲኑ ምስ ፈሸለ ነቲ ስሙር ተቃውሞ ብናይ ብሔር ምጉጅጃል (ናይ ኣክርያ ጉዳይ ናይ ጀበርቲ ዘለዓዓልዋ ናይበይኖም ግዳይ ደኣምበር ናይ ምስልምና ኣይኮነን ብምባል) ብላይ ሜላ ይጥቀም ምህላዉ ብተወሳኺ ይሕብሩ። ከምቲ ኣብ ውሽጢ ኣብ ደገ ዘሎ ኤርትራዊ ድማ ነቲ ተጀሚሩ ዘሎ ተቃውሞ ሰሚሩ ከጓሃህሮ ድማ ምሕጽንታ እቲ ፍትሒ ተሓሪማቶ ዘላ ሃንቀው ዝብል ዘሎ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ህዝብና ከነመሓላልፍ ድማ ተላብዮምና።

ምስዚ ተኣሳሲሩ ዝመጸና ሓበሬታ ከምዘረድኦ ኣብ መዐስከር ሳዋ ንተዐላሞ ጽኑዕ ክትትል ይግበረሎም ከምዘሎን እቲ ግቡእ ስርዐተ ትምርቲ ንክልተ ኣዋርሕ ተጓናዲቡ ከምዘሎን የመልክት። ተመሃሮን ሞባይል ቴሌፎናቶም ተሓዲጎም ከምዘለውን መምሃራን ሞባይል ሒዞም ካብ ሓደ ቦታ ናብ ካልእ ቦታ ምንቅስቃስ ተኸልኪሎም ኣለው። ሰዐታት እቶእቶ ከምዘሎን ኣብ እዋን ምሸት ምንቅስቃስ ከምዝተኸልከለንውን ይሕብሩ።

ኣብ ዝተፈላለይ ከባቢታት ኤርትራውን ምፍራስ ገዛዊቲ ይቅጽል ከምዘሎ ተስወሳኪ ሓበሪታ ብስእሊ ዝተሰነየ ጭብጢ ተመልከቱ። 

ብተወሳኪ ኣብዝተፈላለይ ከባቢታት ኣስመራ ብካብ ኤርትረኣ ወጻኢ ዝሞቱ ደቂ ሃገር ምልክታታት መርኣይ ከምዘይብሉ ንሕብር። ከምዚ ኣብ ስእሊ ትሪኡዎ፡ ወድና ኣብ ሊብያ ምይቱ፤ ጋልና ኣብ ኡጋንዳ ተጎዲኣ ዝብሉ ወረቃቅቲ ኣብ ዝኽድካዩ ኮይኑ። ዓዲ መርድእ ብመርድእ እያ ኮይና ብምባል ህዝቢ የስተንትን ከምዘሎ ንሕብር።

ኣባላት ዓርቢ ሓርነት ካብ ኤርትራ