Orotta Referral Hospital Asmara - Photo Credit: global-hospital-guide.com

ተወሳኺ ሓበሬታ ብዛዕባ ለበዳ ሸሮኽ ኣብ ኤርትራ

 ኣብ ኤርትራ ንሰፊሕ ከባቢታት ሃገርና ዝሸፈነ ለበዳ ሸሮኽ ኣጋጢሙ ከምዘሎ ኣቀዲሙ ተሓቢሩ ኔሩ ። ብመሰረት ካብ ኣብ ውሽጢ ሃገር ካብ ዝርከቡ ምንጭታት ረኺብናዮ ዘሎና ተወሳኺ ሓበሬታ፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ነዚ ለበዳዚ ዝምልከት ዝኾነ ሓበሬታ ኣይሃበን። እዚ ካብ ሸለልትነትን ንዕቀትን ዝብገስ ምድፋን ሓበሬታ፡ ነቲ ከባብያዊ ጽሬት ብምሕላው፡ ሕማም ምስ ዘጋጥም ድማ ልሙዳት ዝኾኑን ኣብ ዕዳጋ ብቀሊሉ ክርከቡ ዝኽእሉን መድሃኒታት ብምዝርጋሕ፡ ከምኡ ድማ ከም ORS ዝኣመሰሉ ጸረ-ድርቀት ፈሰስቲ ብምውሳድ፡ ኣድላዩ ምስ ዝኸውን ድማ ክታበት ብምዕዳል ጥራይ ብቀሊሉ ክግታእ ዝኽእል ዝነበረ ሕማም፡ ህይወት ብዙሓት ዜጋታት ለኪሙ ኣሎ። ብመሰረት ኣብ ሚኒስትሪ ጥዕና፡ ክፍሊ ከባብያዊ ጥዕና ዘለው ምንጭታትና ክሳብ ሕጂ ኣብ ንኡስ ዞባ ማይምነ 17 ሰባት፡ ኣብ ዓላ 3 ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ኣብ ንኡስ ዞባ ሞልቂ 3 ሰባት በቲ ለበዳ ሞይቶም ኣለው። ብተወሳኺ ኣብቲ መጀመርያ እዚ ለበዳ ዝተራእየሉ ዞባ ጋሽባርካ፡ ቁጽሮም ዘይተፈለጠ ሰባት ሞይቶም ኣለው። የግዳስ እዚ ናይ ምዉታን ቁጽሪ ነቶም ኣብ ኢድ ሓካይም ዝበጽሑ ሰባት ጥራይ ዝምልከት ብምዃኑ፡ እተን ነቲ ሕማም ክቆጻጸራ ብሃታሃታ ቆይመን ናብቲ ቦታ ዝተላእካ ብኣጻብዕ ዝቁጸሩ ሓካይም ዝሓዛ ጋንታት ድማ ኣብ ማእከላይ ቦታ ጥራይ ዓስኪረን ብምህላወን፡ ኣብቲ ካብ ምዕባለ ዝተነፍገ ርሑቅ ከባቢታት ሃገርና ብዙሓት ሰባት ግዳይ ኮይኖም ከምዘለው ዘማትእ ኣይኮነን።

ብተወሳኺ እቲ ከምቲ ንቡር ነቲ ዜና ክዕፍን ዝወሰነ ስርዓት፡ እቲ ሓበሬታ ሳላ ተባዓት  ስለዝተጋወሐ፡ ሓገዝ ክሓትት ከምዝተገደደን፡ ብሓገዝ ዝተረኽበ ሓደስቲ መሳሪሕታት ሕክምና (Brand new medical equipments) ናብ መወከሲ ሆስፒታል ዞባ ጋሽባርካን፡ ዞባ ደቡብን ተላኢኹ ከምዘሎ እቶም ኣቀዲምና ዝተወከስናዮም ምንጭታት ሓቢሮም። ብዛዕባ ዝርዝራት እዚ ሓገዝ ዝረኸብናዮ ዝርዝራዊ ሓበሬታ ግን የሎን።

ምስዚ ኣብ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ፡ ህዝቢ ከተማ ኣስመራ ንለበዳ ሸሮኽ ብዝምልከት ነንሕድሕዱ ዝጋጮ ወረታት ኣዝዩ ተጨኒቁ ብምህላው፡ ሕማም ሸሮኽ ቀንዲ መዘራረቢ ኣርእስቲ ከተማ ኣስመራ ኮይኑ ኣሎ። ህዝቢ ብዛዕባዚ ሕማም ዝረኸቦ ሓበሬታ ብመንገዲ ራድዮ ኤረናን፡ ምስዚ ብተዛማዲ ተመሓይሹ ዘሎ መስመር ኢንተርኔት ድማ ብመንገዲ ዓርቢ ሓርነትን ብምዃኑ፡ "እዞም ተቃውምቲ ይሕሹ እንበሪ ካብ መንግስቲስ ተሪፍና ኢና" ኢሉ ክዛረብ ይስማዕ ኣሎ። ከም መርኣያ ናይዚ ድማ ኣብታ ብመንግስቲ እትውነን ተሌቭዥን ኤርትራ ዝነበረ መደብ ዶክተራት ኣብ ስቱድዩ መግለጺ ዝህብ ዝነበረ ዶር. ፡ ካብ ሓደ ተዓዛባይ፡ "ብዛዕባ ሕማም ሸሮኽ እንታይ ትብለና" ተባሂሉ ከምዝተሓተተ፡ እንተኾነ ግን እቲ እቲ ብሓይልታት ጸጥታን ሃገራዊ ድሕነትን እቲ ስርዓት ዝዝወርን፡ ከቢድ ቁጽጽር ዝካየደሉ ማዕከን ዜና፡ ብዛዕባ እዚ ሕማም ዝምልከት ዝኾነ ሓበሬታ ከይመሓላልፍ ከቢድ መጠንቀቅታ ተዋሂብዎ ብምህላው፡ እቲ ሓኪም ነታ ሕቶ ሸፈፍ ኢሉ ክሓልፋ ተቀሲቡ።