ብዕለት 31/08/ 2016፡ ክልተ መንእሰያት ኣብ ሊንክ ኢንተርኔት ካፈ ብ ኣባላት ወኪል ሃገራዊ ድሕነት ተቀይዶም።

እቶም ኣባላት ወኪል ሃገራዊ ድሕነት ምዃኖም ዝገለጹ ሰባት፡ ነቶም መንእሰያት ክንድዚ ሰዓታት ኣብ ኢንተርኔት ኮፍ ትብሉ፡ ሓደው ኣብ ዘይሕጋዊ ሸርፍን ሓዋላን እትነጥፉ ኢኹም ወይ ድማ ንተቃወምቲ ሓበሬታ እተቀብሉ ኢኹም፡ ኢሎም ከምዘጉባዕብዑሎምን፡ ናብ ዘይተፈልጠ ቦታ እናጋፍዑ ከምዝወሰድዎምን ኣብቲ ፍጻሜ ብ ኣካል ዝነበሩ ኣባላት ዓርቢ ሓርነት ሓቢሮም።

ኣብ ኤርትራ ብፍላይ ድማ ኣብ ርእሰ ከተማ ኣስመራ ካብ ቅድሚ ቁሩብ ኣዋርሕ ጀሚሩ ኣብ ናይ ውልቂ እንዳ ኢንተርኔት ካፌታት ዝተኣታተወ ስልኪኣልቦ ኢንተርኔት (WiFi); ነቲ ኣዝዩ ውሑድ ዝነበረ ተጠቃሚ ኢንተርኔት ብተዛማዲ ከምዘበራበሮ፡ ብመንጸሩ ድማ ተጠቃምነት ኢንተርኔት (ብፍላይ ናይቶም ብገዛእ ሞባይሎም ዝጥቀሙ) ብተዓጻጻፊ ከምዝወሰኸ ይፍለጥ።

እንተኾነ ኣባላት ሃገራዊ ድሕነት ዳርጋ ኣብ መብዛሕትኡ ኢንተርኔት ካፈ ተዋፊሮም፡ ኣብ ኢንተርኔት ብዙሕ ሰዓታት ንዘሕልፉ ሰባት ኣብ ዒላማ ከእትውዎም ከምዝጸንሑ፡ ክሳብ ንገለ ሰራሕተኛታትን ወነንትን ኢንተርኔት ካፈ ድማ ብዛዕባ ኣብ ኢንተርኔት ብዙሕ ሰዓታት ዘሕልፉ ሰባት ክሕብሩ ከምዘጠንቀቅዎም ሓበሬታ ጸኒሑና። እዚ ናይ ሕጂ ምቅያድ እምበኣር ነቲ ኣቀዲሙ ዝጸንሓና ሓበሬታ ዘራጉድ እዩ።

ዓርቢ ሓርነት ዜጋታት ኢንተርኔት ኣብ ዝጥቀሙሉ እዋን ሰፊሕ ጥንቃቀታት ክገብሩ ተዘኻኽር።

ፕሮጀክት ዓርቢ ሓርነት