ኤርትራ፦ ሕቡራት ሃገራት ንጉዳይ ኤርትራ ተግባራዊ ውሳኔ ክግበረሉ ዘኽእል ድምጺ ብምሃብ ሓድሽ እማመ  ክሓልፍ ምውሳኑ፡ ኤርትራውያን ማሕበራት ደለይቲ ፍትሒ ደገፈን ይገልጻ።

ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ሎሚ ካብ ጀነቫ በቲ ብመርማሪት ኮምሽን ሕቡራት ሃገራት ዝቐረበ ጸብጻብ ተሞርኪሶም ኣብ ኤርትራ ኣብ ወተሃደራዊ ኑቕጣታት፣ መዳጎኒ መዓስከራትን ካልእ ቦታታትን ተፈጺሙ ዝበሎ ግህሰት ኣንጻር ሰብኣውነት ኣብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ተላኢኹ ተግባራዊ ውሳኔ ክግበረሉ ዘኽእል ድምጺ ብምሃብ ሓድሽ እማመ ኣሚሞም።

መርማሪት ኮምሽን ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኤርትራ ባርነት፣ ኢሰብኣዊ መግረፍቲ፣ ጾታዊ ዓመጽ፣ ቅትለት፣ ምስዋርን ካልኦት ኢሰብኣዊ ተግባራትን ከምዝተፈጸመ እያ ኣረጋጊጻ። እንተኾነ ላዕለዎት መራሕቲ ኤርትራ ነቲ ዝቐረበ ክሲ ኩሉን ብሙሉኡን መሰረት ዘይብሉን ፖለቲካዊ ዕላማ ዝገበረን'ዩ ክብሉ ነጺጎምዎ እዮም።

ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ኣብ ጀነቫ፣ ኣዲስ ኣበባ፣ ተልኣቪቭን መዓስከራት ስደተኛታት ኢትዮጵያን ብምእካብ መራሕቶም ኣብ ኤርትራ ብግህሰት ኣንጻር ሰብኣውነት ተሓተቲ እዮም ብምባል ዝግብኦም ፍርዲ ክረኽቡ ከምዝግባእን እቲ ግህሰት ደው ክብል ኣለዎ፣ ብፍላይ መራሒ ኤርትራ ኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ናብ ፍርዲ ክቐርብ ኣለዎ ክብሉ ጸዊዖም'ዮም።

ኣብቲ ዝተገብረ ሰላማዊ ሰልፍታት ሓያሎ መቕርብ ግዳያት እሱራት ጋዜጠኛታትን ፖለቲከኛታትን መራሕቲ ሃይማኖትን ተረኺቦም ነይሮም። ወደብቲ'ቲ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ ብስም ተሳተፍቲ ጀነቫ 23 ንሃገራት ጁቡትን ሶማልያን በቲ ብዘየወላውል ኣብ ኤርትራ ዝተፈጸመ ግህሰት ኣንጻር ሰብኣውነት ናብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ሓሊፉ ተግባራዊ ውሳኔ ክግበረሉ ኣለዎ ኢሎም ዝወሰድዎ ተሪር መርገጺ ኣመስጊኑ።

እዚ ቀሪቡ ዘሎ እማመ ንኣዳለውትን ተሳተፍትን ጀነቫ 23 ዓቢ ዓወት'ዩ ከመይሲ ኣማኻሪ መራሒ ህግደፍ ኣቶ የማነ ገብረኣብ ማንኪ እዚ ጸብጻብን ክስን ክንጸግ ብሙሉእ ሓይሉ እዩ ክንቀሳቐስ ጸኒሑ። እቲ እማመ ሕቡራት ሃገራት በቲ ንሕና ንጠልቦ ብምሕላፉ እምበኣር ዕወት'ዩ።

ሰላም ኪዳነ ሓንቲ ካብ ወደብቲ ኣካላት ጀነቫ 23 ነቲ እማመ ብሓጎስ ከም እትቕበሎ ድሕሪ ምግላጻ፣ እዚ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ በደል ደው ንምባል ሓደ ዝላ ንቕድሚት ዝወስድ'ዩ ኢላ። ግህሰት ኣንጻር ሰብኣውነት ኣብ ኤርትራ ኮነ ኢልካ ብምልካዊ ስርዓት ኢሳያስ ንህዝቢ ኤርትራ ንምምብርካኽን ኣብ ትሕቲ ከቢድ ፍርሒ ሸሚምካ ንምግዛእን ተባሂሉ ዝተፈጸመ ሙዃኑ ኸኣ ሓቢራ። መወዳእታ ናይ'ዚ ግፍዕታት ማለት ከኣ መጀመርታ ናይ መወዳእታ ናይቲ መላኺ ስርዓት'ዩሞ ነቲ ብባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ዝቐረበ እማመ ኣእዳውና ዘርጊሕና ንቕበሎ ክትብል ገሊጻ።

ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ንገበናት ላዕለዎት መራሕቲ ፖለቲካዊ ትካል ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን ላዕለዎት ወተሃደራዊ መኮንናት ህግደፍን ዝገልጽ ፋይላትን መርትዓታትን ኣዳልዩ ከምዘሎ ኣፍሊጡ'ሎ።


መተሓሳሰቢ፣ መርማሪት ኮምሽን ሕቡራት ሃገራት ንኽልተ ዓመታት ኣብ ኤርትራ ተፈጺሙ ዝተባህለ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ንምጽራይ ድሕሪ ምስራሕ ናይ መወዳእታ ስርሑ ብዕለት 8 ሰነ 2016 ክዉን ገይሩ።

ንሙሉእን ተወሳኺ ሓበሬታን ብኽብረትኩም ን ዛራ ተወልደብርሃን ተወከሱ ኢሜይል This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it. ተሌፎን 00447793469862