ኣሕመድ ዑመር

ገፍቲ መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣንጻር ጸብጻብ መርማሪት ኮሚሽን ብ21 ሰነ ኣብ ጀኔቫ ንዘካየድዎ ሰለማዊ ሰልፊ ብቀጥታ ንምትሕልላፍ ካብ ኣስመራ ካብ ዝተላእከኡ ሰለስተ ኣባላት ሚኒስተሪ ዜና ሓደ ዑቕባ ንምሕታት ከምዝተረፈ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ኣረጋጊጾም።

እቲ መንግስቲ፣ ነቲ ኣብ ኤርትራ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ይፍጸም ኣሎ ዝብል ጸብጻብ መርማሪት ኮሚሽን ንምቕዋም፣ ደገፍቱን ኣንጻር መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝቓወሙ ኢትዮጵያውያን ናብ ጄኔቫ ክውሕዙን ነቲ ንሳቶም ዘካየድዎ ሰለማዊ ሰልፊ ድማ ብቀጥታ ብኤሪ ቲቪ ንኸመሓላልፎን ልዑል ውዳቤ'ዩ ኣካይዱ።

ነዚ ንምስልሳል ካብ ኣስመራ ዝተላእከት ኤፍሬም ግደን ኣሕመድ ዑመርን ዝተባህሉ ክልተ ጋዜጠኛታት ሬድዮን ቲሌቪዥንን ተፈሪ ተኽለ ዝተባህለ ከኣ ሰኣላይን ዝሓቖፈት ጉጅለ ኣባላት ሚኒስተሪ ዜና፣ ካብ ኤምባሲ ኢጣልያ ሸንገን ቪዛ ብምሕታት ናብ ጄኔቫ ኣምሪሖም።

እንተኾነ ሓደ ካብኣቶም ኣሕመድ ዑመር ዑቕባ ንምሕታት ካብታ ጉጅለ ከምዝተሰወረ እቶም ምንጭታት[ራድዮ ኤረና] የረድኡ።