ዝሓለፈ ሰንበት፡ 3 ሚያዝያ፡ መንግስትና ካብ ኣገልሎት (ግዱድ ዕስክና) ከምልጡ ኢሎም ካብ ተሰቒሎመን ዝነበሩ ናይጽዕነት መኪና ዘሊሎም ክሃድሙ ንዝፈተኑ መንእሰያት፡ ከምቲ ኣብ ዶባት ኤርትራ ዝገብርዎ፡ ብብረት ተኩሶም ሰብ ከም ዝጎድኡን፡ ካብቶም ዝተጎድኡ ድማ ዝሞቱ ከምዘለው ውን ብዝተፈላለየ ምንጭታት ክንገር ቀንዩ።

ጋዜጠኛ ማርቲን ፕላውት፡ ካብ ውሽጢ ኤርትራ ብዝረኸቦ ሓበሬታ  መሰረት፡ ክሳዕ ሕጂ ዝተፈልጠ 29 ሰባት ከም ዝጎድኡ፡ ካብኣቶም ሽዱሽተ ብቕጽበት ክሞቱ ከለዉ ካልኦት 5 ድማ ኣብ ሕክምና ከምዝሞቱ፣ እቶም ዝተረፉ ድማ ኣብ ‘ሆስፒታል’፡ ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ሓለዋ ከምዘለዉ ሓቢሩ። ማርቲን ኣብ ጽሑፉ ናይቶም ዝሞቱ ናይ ኩሎም ኣስማት ኣለኒ፡ ቤተሰብ ክሳዕ ዘይተርኡ ግና፡ ናይቶም ቤተሰቦም ዝተረድኡ ጥራይ ክነግርየ ብምባል ናይ ክልተ መንነት ገሊጹ፡ ንሳቶም ድማ፦

  1. ጨዓይ ሃብተስላሴ ገብረመስቀል -- ኣብኡ፡ ኣቶ ሃብተስላሴ፡ ኣብ ዓዲ ጓዕዳድ ዝቕመጡ ናይ እንዳ ዓለባ ሰራሕተኛ ‘ዮም።
  2. ያፍየት ፍስሃየ መንገሻ -- ኣብኡ ኣቶ ፍስሃየ ኣብ ማይተመናይ ዝቕመጡ ኮይኖም ምስ መጎዓዝያ ዝተተሓሓዘ ስራሕ ‘ዮም ዝሰርሑ።

እዞም ክልተ መወትቲ ካብቶም ክሃድሙ ክብሉ ዝተቐትሉ ኣይኮኑን፡ ኣብቲ እዋን’ቲ ኣብቲ ከባቢ ስለ ዝነበሩ ዝተለከሙ ግለሰባትዮም።

ካብቶም ተጎዲኦም ኣብ ሕክምና ዘለው 18 ሰባት ድማ፡ ናይ 10 ሰባት ኣስማቶም ከምዚ ዝስዕብ ይዝርዝር፦

  1. ዳዊት ሚካኤል
  2. ኣብራሃም ፍሰሃ
  3. ሃብቶም ግርማይ
  4. መድሃኔ ገብረመድህን
  5. ቢንያም ዘርኣይ
  6. ዮናስ ጠዓመ
  7. ሰዓረ ወልዳይ
  8. ዮናታን ዓንደሚካኤል
  9. ባሲልዮስ ዘምህረት
  10. ሳሙኤል ተክኤ

ናብቲ ኣርእስቲ ጽሑፈይ ክመለስ፡ መንግስትና ነቶም ብግፍዒ ዝቐተሎም ግለሰባት “ስውኣት” ብምባል’ዩ ክጽውዖም፡ እዚ ድማ’ዩ ዝገርም ነገር። ብመሰረት መንግስትና ነቶም ግዳያት “ስውኣት” ይብሎም፡ ከም ኡ ድማ ነቶም ምስ መንግስቲ ኮይኖም ሰብ ዝቐትሉ ኣብ ዝሞቱላ መዓልቲ “ስውኣት” ይብሎም። ቀታሊን ተቐታልን ስው ኣት ዮም። ዘስደምም።

እዚ ድሕሪ ሞትካ ዝወሃብ ናይ “መስዋእቲ” ሽመት፡ ንመንግስትና ኣዝዩ ‘ዩ ዝጠቕሞ። ማለት ቤተሰብ ግዳያት-መንግስቲ፡ ወገኖም ከም ገበነኛ፡ ከም ሓደ ዓማጺ ሰብ ብኢድ መንግስቲ ተቐቲሉ ክነሱ፣ መንግስትና ብወገኑ፡ ብዘዕባ’ቲ ዝቐተልዎ ከም ሓደ ምስኦም ዝነበረ፡ ከም መሳርሕቶም ቆጺሮም “ስውእ” ይብልዎ። በዚ ኸምዚ፡ ነቲ ክፉእ ስርሖምን ነቲ ብከንቱ ዝጠፍኤ ህይወትን ከነኣእስዎ ይሕግዞም። ወረ ምንእኣስ ጥራይ ኣይኮነን፡ “ጅግና”፡ “ሓበን”፡ ወዘተረፈ ቃላት ኢናተጠቀሙ... ካብኡ ሓሊፉምውን “ ሕድሪ ሰማእታት” እናበሉ ነቲ ዝገበርዎ ገበን ምንእኣሱ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ካብኡ ሓሊፎም ንዕኦምሓደ ጠቓሚ ባእታ ገይሮምዎ ‘ዮም። በዚ መሰረት ሓደ ዓሰርተ ወይ ዕስራ ‘ስውኣት’ እንተወሰኹ፡ ንመንግስትና ይጠቕሞም እምበር ኣይጎድኦ ምንይ’ዩ።