ሰሒፋት አል-ሰሓፋ ዝተባህለ ጋዜጣ ሱዳን አብ ናይ ሎሚ መዓልቲ ሕታሙ ነፈርቲ ኩናት ኢትዮጵያ ማእከን ዕደና ወርቒ ብሻ ከምዝደብደባ አብ ጽሕፋቱ አስፊሩ፡፡  አብቲ ሎም ዕለት 21 መጋቢት ዝወጸት ጋዜጣ አል ሰሓፋ እቲ ካብ አስመራ አስታት 150 ክሎሜተር ርሒቑ ዝርከብ   ዕደና ወርቒ ብሻ ኤርትራ አብ ዓመት 300-400 ሚልዮን ዶላር ትረኽበሉ እንኮ እትዋት ኤርትራ ምኳኑ ብተወሳኪ ገሊጹ፡፡
 
እዚ ትማሊ ዝተካየደ ደብዳብ ኢትዮጵያ ምርጫ አብ ምግባር ትቐራረበሉ  ዘላ እዋን ነቲ ናይ ውሽጢ ኢትዮጵያ  አድህቦ ንምጥምዛዝ ከኸውን ከምዝክእል አብ ጽሑፋታ ዘስፈረት ሰዳናዊት ጋዜጣ አል-ሰሓፋ ብርቱዕ ነበልባልን ትኪን ካብ ርሑቕ ከምዝተራእየ'ውን ገሊጻ አላ፡፡ 
 
ምስዚ ዝተአሳሰር'ውን መርበብ ሓበሬታ ስሊና ብመንነቶም ዘይተፈልጡ አካላት ዕደና ወርቒ ብሻ ጉድአት ከምዘወረዶ አብዚ ናይ ሎሚ ሕታማ ገሊጻቶ'ላ፡፡ 
 
ድምጺ ደሊና ነዚ ንምርግጋጽ ናብ ቤትጽሕፈት ትካል ዕደና ኔቭሰስ ካናዳ ደዊልና ናብ አስመራ ክንድውል ብዝሓበሩና መሰረት ናብ ቤትጽሕፈት ኔቭሰስ አስመራ ደዊልና ዝምልስ ከምዘይተረክበን ክሳብ ሕጂ'ውን ብዛዕባ እዚ ኩነታት ቤት ጽሕፈት ኔቭሰስ አስመራ መብርሂ ክህበና ጻዕርታት ነካይድ ምህላውና ክንሕብር ንፈቱ