ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ሎሚ ወጋሕታ ዕለት 15.03.2015 ኣባይቲ ዜጋታት ኣብ ከተማ ዓዲ ቐይሕ ከፍርስ ከም ዝጀመረ ካብ’ቲ ቦታ ዝበጽሓና ዜና ኣፍሊጡ። እዚ ኣሬመናዊ ተግባር’ዚ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ድሕሪ ምእዋጅ ናይ ምንቅስቓስ እገዳን (ኮብሪ ፎኮ) ዓቢ ዝቝጽሩ ሰራዊት ኣብቲ ከተማ ምዝርጋሓን ከም ዘካየዶ እቲ ዝበጽሓና ዜና ብተወሳኺ ሓቢሩ። ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ፈተንኡ ተመሃሮን መንእሰያትን ከይ ገጥምዎ ስለ ዝሰግአ፡ ኣዕናዊ ዕማሙ ኣብ ምፍጻም ተማሃሮ ዘዕርፍሉ ሰንበት መዓልቲ ምምራጹ ኮነ ኢሉ ብመደብ ዝገበሮ ምዃኑ ካብ ውሽጢ’ቲ ስርዓት ዝመንጨወ ሓበሬታ ኣረጋጊጹ። ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት፡ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ህዝባዊ ናዕቢ ኣላዓዒሎም ኢሉ ዝኸሶም ብዙሓት ኣገደስቲ ባእታት ኣብ ከተማ ዓዲ ቀይሕ ኣሲሩ ምንባሩ ኣብ ዝሓለፈ ዜናና ገሊጽና ነይርና። ሕጂ’ውን ብዓርቢ ዕለት 13/03/2015 እዞም ዝስዕቡ ኣርባዕተ ኣገደስቲ ባእታት፡ እሳቶም ከኣ፣ ሓላፊ ኣውቓፍ ኣብ ዓዲ ቀይሕ ኣቶ ዑስማን ሓጅ ሱለይማ፣ ኣቶ መሓመድ ኦና፣ ወዲ ጎርጆ (ነጋዳይ) ከምኡ’ውን ወዲ ቕሺ፡ ከም ዝኣሰረ ተፈሊጡ።
 
“ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ” !!
 
ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን ግ.ሃ.ድ.ኤ.
 
15/03/2015