ካብ ምንጭታት ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤስደለ)
ካብ ምንጭታት ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤስደለ)

1.     ውልቀ-መላኺ ኢሳይያስ፡ ኣብ ድሮ 6 ፌስቲቫል መንእሰያት ህግደፍ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ፡ ንህዝቢ ንምድንጋርን ፈላልዩ ንምግዛእን ይጠቕመኒ'ዩ ዝበሎ መርዛም ፕሮፓጋንዳ ክነዝሕ ውዒሉ፡፡ ኣብቲ ኣኼባ፡ መንእሰያት ንምድንጋር ዓሊሙ፡ "መንግስቲ ዓቕምታት መንእሰያት ንምብርባር፡ ኣብ ትምህርትን ንግድን ንዝጸንሕዎ ድኽመታት ንምእራም ክጽዕር'ዩ" ክብል ሽሒጡ፡፡ እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ፡ ውልቀ-መላኺ ኢሳይያስ፡ ን27 ዙር ሃገራዊ ዕንወት (ሃገራዊ ኣገልግሎት) ክምርቕ ከሎ "ኣብ 27 ዙርያታት ናይ ነብሲ-ወከፍ መንእሰይ 12 ዓመታት ትምህርቲ ብፍቕዲ ኣሃዛትን ዓይነታዊ ፍልጠትን ሞያን እቲ ዚድለ ውጽኢት ኣይሃበን" ክብል ድሕሪ ምግላጹ  "ኣብ መልቀቒ ፈተና፡ ናብ ላዕለዋይ ትምህርቲ ዝቕጽሉ ካብ 20% ( እዚ’ውን ዝተጋነነ’ዩ) ክሓለፉ ኣይጸንሑን" ድሕሪ ምባሉ፡ ናይቲ ኩሉ ድምር ውድቀት መሰረታዊ ጠንቂ ንሱ እቲ ስርዓትን ኣዕናዊ ፖሊሲታቱን ንምዃኑ፡ "እዚ ከኣ ውርጹጽ ካሪኩለም፡ ኣዕጋቢ ደገፍ ካሪኩለም፡ ብቑዕን ዝኣክልን መሳለጥያታት፡ ኣሰልጠንትን መማህራንን ተማሊኡ ስለ ዘይተዋደደ'ዩ" ክብል ምግሃዱ ይዝከር፡፡ ኢሳይያስ፡ ኣብቲ ንወከልቲ ማሕበራት መንእሰያት ዘካየዶ ኣኼባ ወሲኹ ከም ዝሓበሮ፡ "ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ፡ ብፍላይ ንተወለድቲ ብሄረ ትግረ፡ ዓቢ ሃስያ ክወርዶም ብምጽንሑ፡ ክከሓሱ ይግባእ" ክብል፡ ነቲ ባዶ መብጽዕኡን ህዝብታት ፈላሊኻ ናይ ምግዛእ ፋሺስታዊ ሜላኡን ብግልጺ ከምዘግሃዶ እሙናት ምንጭታትና ካብቲ ውሽጢ ኤርትራ ሓቢሮም፡፡

2.    ውልቀ-መላኺ ኢሳይያስ፡ ብዘይፍርድን ፍትሕን ንዓመታት ኣሲሩ ከሳቕዮም ንዝጸንሑ ልዕሊ 78 እሱራት፡ ድሕሪ ምፍትሑ ኣኼባ ብምክያድ፡ ብሓሶት ንምድዕዓስ ዘይትግበሩ መብጽዓታት ክገብረሎም ምውዓሉ ምንጭታት ኤስደለ ሓቢሮም። ነቶም መብዛሕቲኦም ካብ ተወለድቲ ብሄረ-ትግረ ዝኾኑ፡ ዑስማን ጠዊልን ተስፋይን (ላዕለዋይ ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነትን) ዝርከብዎም 78 ማእከሎትን ታሕተዎትን ሓለፍቲ ህግደፍ ዝነበሩ ዝተፈትሑ እሱራት ኣኪቡ፡ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ብፍላይ ሳሕልን ሰምሃርን ኣብ ሰውራ ዝነበረኩም ግደ ዝለዓለ’ዩ ነይሩ፡፡ እንተኾነ ግን መንግስቲ ጻማኹም ክኸፍልኩም ኣይጸነሐን፡፡ ሕጂ ግን መንግስቲ ግቡእ ካሕሳ ክኸፍሎም’ዩ" ድሕሪ ምባሉ፡ ሽሕጣኑ ብምቕጻል፡ " እዞም ሕጂ ትፍትሑ ዘለኹም፡ ኣብ ኣብያተ-ጽሕፈታት መንግስቲ ተመዲብኩም ክትሰርሑን ኣብ እትነብሩሉ ከባቢታት ከኣ ትካላት ከግበረልኩምን’ዩ" ክብል ከደናግር ምፍታኑ ተገሊጹ፡፡ ምንጭታት ኤስደለ ዝለኣኹዎ ጸብጻብ ወሲኹ ከምዝሓበሮ፡ እዚ ንህላወን መንነትን ብሄራዊ ህዝብታትና ክሒዱ ከሳቕዮም ዝርከብ ቶታሊታርያን ስርዓት፡ ኣብ ሎሚ በጺሑ ተሓላቒ ህዝቢ ብሄረ-ትግረ ንምምሳል ስግንጢር ምዃኑን፤ "እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ፍሉይ ኣቀራርባ ውልቀ-መላኺ ኢሳይያስ፡ ኣዚዩ ሓደገኛን መርዛምን ህዝቢ ፈላሊዩ ንምግዛእን ንምንቛትን ዓሊሙ ዘካይዶ ዘሎ’ዩ" ክብሉ ሓቢሮም፡፡

3.    ኩሉ ቁጠባዊ ሂወት ሃገር ረሚሱ ዝገዝእ ዘሎ ስርዓት ኢሳይያስ፡ ምስ ሓደ ኣብ ሱዳን ዝርከብ ፋብሪካ ወረቐትን ሕትመትን ንትምህርቲ ዝኸውን መጻሕፍቲ፣ ፓስፖርትታትን ታሴራታትን ንምስራሕ፡ ከምኡ’ውን ባጤራ (CURRENCY): ሃገረ-ኤርትራ ናቕፋ ከሕትም ውዕል ኣትዩ ምህላዉ ወሲኾም ኣረጋጊጾም፡፡

4.    ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ፡ ሰበ-ስልጣን ኣውራጃ ከሰላ (ሃገረ-ሱዳን) ኣብ ዝገበርዎ ገምጋም፡ ብኤርትራ ዝዋፈር ዘይተኣደን ዘይሕጋዊ ገንዘብ ኣብታ ከተማ ኣዕለቕሊቑ ካብ ዓቕሚ ናይቲ ምምሕዳር ንላዕሊ ኮይኑ ምህላዉ ምምሪሮም ሓቢሮም፡፡ እዚ ንምምሕዳር ኣውራጃ ከሰላ ኣጫናኒቑ ዝርከብ ወፍሪ ዘይሕጋዊ ርእሰ-ማል፡ ሕጋዊ መፍትሒ ንክገብሩሉ፡ ሓንቲ ኣጻራይት ሽማግለ ቆይማ ምህላዋን፣ ክሳብ ሕጂ ኣብ ዝገበረቶ መጽናዕቲ፡ ብስም ውልቀ-ሰባት ዝተዋፈረን ብኩባንያ ቀይሕ-ባሕሪ ዝዝወርን፡ ብድሕሪ’ቲ ኩባንያ ኮይኑ መንግስቲ ኢሳይያስ ዝመርሖ ምዃኑ ኣረጋጊጾም ምህላዎም ምንጭታትና ወሲኾም ሓቢሮም፡፡ እዚ ዘይሕጋዊ ወፍርን ኮንተሮባንዳዊ ንግድን እቲ ስርዓት፡ መዋእሉ ዝዓበየሉ ማፍያዊ ባህርያቱ ምዃኑ፡ ናብ ናይ ደቂ-ሰባት ንግዲ (HUMAN TRAFFICING) ከይተረፈ ዝዓረገ ኣረሜናዊ ስርዓት ናይ ህግደፍ ምዃኑ ምንጭታትና ወሲኾም ይሕብሩ፡፡

5.    ስርዓት ኢሳይያስ ንጎረቤት ሃገረ-ሱዳን ናይ ምህዋኽ ልሙድ ተግባሩ ይቕጽል ምህላዉ ተሓቢሩ። ኣብ መጀመርያ ናይዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ፡ ንሰውራዊ ምንቅስቓስ ሱዳን ወሲኹ ኣብ ደቡብ ሱዳን፣ ደቡብ ዳርፉርን ምዕራብ ኩርዱፋንን ንዝርከቡ ተቓወምቲ መንግስቲ ሃገረ-ሱዳን ወከልቶም ናብ ኣስመራ ብምዕዳም ምስ ተቓዋሚ ውድብ ምብራቕ ሱዳን (ቤጃ) ከረዳድኦም ምቕናዩ፡ ምንጭታትና ካብ ውሽጢ ኤርትራ ሓቢሮም፡፡ በዚ ጻሕታር ኲናት’ዚ ባህርያት መንግስቲ ኢሳይያስ ዝተሻቐለ መንግስቲ ሃገረ-ሱዳን፡ እዚ ቶኽቷኲ ባህርያት መንግስቲ ኤርትራ፡ ነቲ ንዓመታ (ዓመተ-2015) ኣብ ሱዳን ንክካየድ ተወጢኑ ዘሎ ሃገራዊ ምርጫ ንምትዕንቃፍ ዘካይዶ ዘሎ ውዲት ክኸውን ከምዝኽእል ብምግማት ልዑል ጸጥታዊ ምክትታል የካይድ ከምዘሎ ምንጭታትና ሓቢሮም፡፡ ነዚ ተግባራትዚ ብትኩርነት ዝከታተሉ ምሁራት ከምዝሕብርዎ፡ "ስርዓት ኢሳይያስ፡ እዚ ጻሕታር ኲናት ባህርያቱ’ዚ ኣብ ህላዌኡ ዝቕጽሎን ካብኡ ወጻኢ ሂወት ዘይብሉን፣ ምስ ግብረ-ሽበራዊ ሓይልታት’ውን ተመሓዝዩ ክሰርሕ ዝጸንሐን ዘሎን ዓለም እትፈልጦ ሓቂ’ዩ" ክብሉ ይገልጹ፡፡

6.    ነቲ ብህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ ዝህነጽ ዘሎ ዲጋ-ህዳሴ (Renaissance dam) ንምትዕንቓፍ ንዝየካድ ዝተዋደደ ውዲት: ሓለቓ-ስታፍ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ፊሊጶስ ወልደ-ዮውሃንስ ከምዝመርሖ ተቓሊዑ፡፡ እዚ ኣዕናዊ ውዲትዚ፡ ብግብጽን ኢማራት ዓረብን ዝምወል ምዃኑን፡ ነቲ ኣዕናዊ ተልእኮ እሙን ኮይኑ ንክለኣኽ ዝተዓስበ ድማ ግብረ-ሽበራዊ ስርዓት ኢሳይያስ ከም ዝኾነን እቲ ካብ እሙናት ምንጭታትና ዝመጸና ጸብጻብ ወሲኹ ሓቢሩ፡፡

 

ቤት ጽሕፈት ዜናን ሓበሬታን

ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤስደለ)

10/08/2014

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...