ኣብ እስራኤል ዝርከቡ 35,000 መብዛሕቲኦም ኤርትራውያንን ሱዳናውያንን ዝኾኑ ኣፍሪቃውያን ስደታኛታት ዝጀመርዎ ሰለማዊ ሰልፍን ስራሕ ደው ናይ ምባል ኣድማን ብዝሓየለ መልክዑ ይቕጽል ኣሎ። እዚ ብሰንበት ዕለት 05/01/2014 ጀሚሩ ክሳብ ሕጂ ዝቕጽል ዘሎ ሰለማዊ ሰልፊ፣ ትማሊ ሮቡዕ ካብ መላእ እታ ሃገር፣ ብኣውቶብሳት ናብ ከተማ እዮርሳሌም ብምትእኽኻብ፣ ኣብ ኣፍ-ደገ ቤት ጽሕፈት ፓርላማ'ታ ሃገር ድምጾም ከስምዑ ውዒሎም። እቶም ብልዕሊ 155 ኣውቶብሳት ናብ'ቲ ቦታ ዝበጽሑ ስደተኛታት፣ ናይ ፖለቲካ ሓተቲ ዑቕባ ምዃኖምን ዘእስር ገበን ከምዘይብሎምን ዝገልጽ ብርክት ዝበለ ጭርሖታት ክጭርሑ ውዒሎም። ንጉዳዮም ዝምልከት ጽሑፍ ዝሓዘ ደብዳቤ ብመንገዲ ወከልቶም ኣቢሎም ናብ ፓርላማ'ታ ሃገር ክበጽሕ ኣብ ዝገበርዎ ፈተነ ግን ተቐባልነት ኣይረኸበን። ኣብ'ቲ ኣጋጣሚ ሰለስተ ኣባላት'ቲ ፓርላማ ኣብ ቅድሚ'ቶም ተሳተፍቲ ናይ'ቲ ሰለማዊ ሰልፊ ቀሪቦም ናይ ደገፍ ድምጾም ኣስሚዖምን ዝከኣሎም ከበርክቱ ምዃኖም ብምግላጽ ኣተባቢዖም። ሓደ እስራኤላዊ ውሩይ ጸሓፊ'ውን ኣብ'ቲ ኣጋጣሚ ዘለዎ ደገፍ ገሊጹ። ፕረዚደንት'ታ ሃገር ሽሞን ፐረዝ'ውን ነቲ ጉዳይ ብዝምልከት "ዋላ" ንዝብሃል መርበብ ሓበሬታ ኣብ ዝሃቦ ቃል እስራኤል ነቲ ብ1951 ዝተበጽሐ ንስደተኛታት ዝምልከት ውዕል ከተኽብር ግዴታ ከምዘለዋን ከምዘይትሰግሮን ኣተንቢሁ። ነዚ ጉዳይ ብዝምልከት ብመንግስቲ እስራኤል ዝተዋህበ ወግዓዊ መግለጺ እኳ እንተዘይሃለወ ኣባላት ፓርላማ'ታ ሃገር ግን፣ ነቲ ጉዳይ ብዝምልከት ዝተፈላለየ መርገጺ ከምዘለዎም ዘነጽር ኣብ መርበባት ሓበሬታ እስራኤል ይወጽእ ኣሎ።

ሓምሻይ ማዓልቲ'ቲ "ሰብኣዊ መሰልና ይተሓሎ" ዝመንቀሊኡ ናይ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ስራሕ ደው ናይ ምባል ኣድማን ሰለማዊ ሰልፍን ኣብ'ቲ ብለቨንስኪ ፓርክ ዝፍለጥ ቦታ ብምትእኽኻብ ቀጺሉ ውዒሉ።

እዚ ምስ ብዝሒ ተሳተፍቱ ብምንጽጻር ብስነ-ስርዓቱ ብፖሊስን ኣኽበርቲ ጸጥታን ዓቢ ናእዳ ዘተረፈ ሰለማዊ ሰልፊ፣ ምስ እስራኤላውያን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ብምትሕብባር፣ ብኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሕን ሱዳናውያንን ብጽፈትን ብብቕዓትን ይምራሕ ኣሎ። እቲ ሰልፊ ቀዳም ምሸት ብደቅ-ኣንስትዮን ህጻናትን ብዝካየድ ሰለማዊ ሰልፊ ክቕጽል ምኻኑን ኣወሃሃድቲ ናይ'ቲ መደብ ገሊጾም።

እስራኤል፣ ኣብ'ታ ሃገር ዘለዉ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ናይ ቁጠባ ስደተኛታት ዝብል መርገጺ እዩ ዘለዋ። ካብ ኩሉ መሰረታዊ መሰል ስደተኛ ብምእጋድ ድማ ብዝተፈላለየ መንገዲ ካብ እስራኤል ዝወጽሉ ሜላ ሃሰው ትብል። ኣብ'ዚ ሕጂ እዋን ነዞም ስደተኛታት ኣብ ክልተ ኣማራጺታት ብምእታው ወይ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ንነዊሕ ዓመታት ክትእሰሩ ኢኹም ወይ ድማ ናብ ሃገርኩም ተመለሱ ዝብል ምርጫ እዩ ዝወሃቦም ዘሎ። 80% ካብ ኤርትራውያን ኣብ ካልኦት ሃገራት ፖለቲካዊ ዑቕባ ክረኽቡ ከለዉ ኣብ እስራኤል ግን ብጥርኑፍ ናይ ቁጠባ ስደተኛታት እዮም ዝባሃሉ።

እዚ ከምዚ'ሉ፣ ከሎ ነዚ ብስደታኛታት ዝግበር ዘሎ ኣድማ ዝቃወሙ ገለ ዜጋታት'ታ ሃገር ብዝተፈላለየ መልክዕ፣ ኣብ ስደተኛታት ጸቕጥን በደልን ይፍጽሙ ኣለዉ። ማይን ኤለክትሪክን ናይ እትነብረሉ ገዛ ምቁራጽ ገለ ካብ'ቲ ብብዝሒ ዝርአ ጸገም'ዩ፣ ኣብ ተል-ኣቪቭ "ሃግራ" ኣብ ዝብሃል ጎደና ናይ ዝርከብ ሓደ፣ ህጻናት ዝርከብዎም ኣማኢት ኤርትራውያንን ሱዳናውያንን ዝቕመጥሉ ባዓል ሓሙሽተ ደርቢ ህንጻ፣ ካብ'ቲ ስደተኛታት ሰለማዊ ሰልፊ ዝጀመሩሉ ዕለት ጀሚሩ፣ ኣገልግሎት ኤለክትሪክ ኣቋሪጹ፣ ንወናኒ'ቲ ህንጻ ሓቲቶም ብምኽንያት'ቲ ዝገብርዎ ዘለዉ ኣድማን ሰለማዊ ሰልፍን ከምዘቋረጸ ክሕብሮም ከሎ፣ ንፖሊስን ምምሕዳር ከተማን ሓቢሮም'ውን ብክልቲኡ ወገን ተስፋ ዘቑርጽ መልሲ ከምዝተዋህቦም ቢንያም ዝተባህለ ሓደ ኤርትራዊ ተቐማጢ ናይ'ቲ ህንጻ ይገልጽ።


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...