ምንጭታት ወጋሕታ ሳሊና ኣብ ዝሰደዱልና ሓበሬታ ድሕሪ ሓደጋ ላምፔዱዛ “ጥልመት ህግደፍ ይኣክል” ንዝብል ጠለብ ህዝብና ተቐቢሎም ኣውሮፕላን ሒዞም ናብ ስዑዲ ዓረብያ ዑቕባ ሓቲቶም ዘለዉ ኣብረርቲ ሓይሊ ኣየር ኤርትራ ሜጀር ኢሳይያስ ብርሃነ ካፒተይን ኣሮን ታደሰ ዝብሃሉ ሙኩራት ኣብረርትን ስሙ ዘይጠለለ 3ይ በዓል ሞያ ካርቶግራፊን ከምዝኾኑ ኣረጋጊጾሙልና ኣለዉ።

እዞም ሙኩራት መኮንናት ሒዞማ ዝኸዱ ሄሊኮፕተር ዘይኮነትስ ካብኣ ዕብይ ትብል ነፋሪት ድማ ኣብ ዓመተ 2010 ካብ ኤውሮጳ ዝተዓደገት ኮይና ዓይነታ ድማ  E3 AAJ TILATUS 6 CARTO GRAPHY ፒች ዝዓይነታ ከምዝኾነት እቲ ዝተለኣኸልና ሓበሬታ የነጽር።

ብዛዕባ ኣካይዳ ናይዞም ሙኩራት ኣብረርቲ ብዙሕ ዘይነጸረ ነገር ዘሎ ኮይኑ መንግስቲ ስዑዲ ዓረብያ ንምንታይ F-16 ብዝዓይነታ ነፋሪት ዓጂቡ ከምዘውረዶም ድማ ምኽንያቱ ኣየጥለልናዮን።

እታ ነፋሪት ስራሕታ ንወተሃደራዊ ዕዮታት ዝዓለመ’ኳ ተነበረ ከም ወርቂ ቢሻን ካልኦት ሚስጢራውያን መሳርሕታትን ናውትን እውን ተጓዓዕዝ ምንባራ’ውን ምግላጽና ይዝከር።


Submitted by Eagle Harnet E-mail: This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it. : This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it. : This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...