ኣብ ሃገርና ኣጋጢሙ ዘሎ ሕጽረት ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ዝተፈላለየ ዓይነት ፍርያት ካብ ዕዳጋ ክጠፍእ ይገብር ኣሎ።
 
ኣብ ውሽጢ ዘለው ምንጭታት ወጋሕታ ኣብ ዝሰደዱልና ሓበሬታ ኣብ ኣስመራ ብጀካ ገለገለ ናይ መገዲ ፓሎታት ዳርጋ ኣብ መላእ እታ ከተማ ተከሲቱ ንዘሎ ጸላም ጠንቂ ኮይኑ ዘሎ ሕጽረት ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ዝተፈላለየ ዓይነት ፍርያት ካብ ዕዳጋ ክጠፍእ ብምግባር ‘ውን ሳዕቤን ክፈጠር ከምዝጀመረ ኣረጋጊጾሙልና’ለው።
 
ከም ውጽኢት ናይቲ ሕጽረት ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ቀረብ ዓይነታት ልስሉስ መስተ ብጀካ ኣብ ውሑዳት ዓበይቲ ሆቴላት ካብ ባራት ጠቅሊሉ ጠፊኡ ከምዘሎ ከኣ እቲ ሓበሬታ ብኣብነት ይገልጽ።
 
መርዓ ዝገብሩ ዜጋታት ከኣ ዝተወሰነ ልስሉስ መስተ ንምርካብ  ካብ ኣመሓደርቲ ከባቢ ወረቀት ኣጽሒፎም ናብቲ ፋብሪካ ክኸዱ ይግደዱ’ለው።
 
ብጀካ’ዚ ኣብ ፋብሪካ ዝፈሪ ዕሹግ  ማይ ‘ውን ካብ ዕዳጋ ዝጠፍአ ኮይኑ እቲ ሕጽረት ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ኣብ ኣስመራ ማይ ቡንባ’ውን ንልዕሊ 2 ሳምንቲ ክቋረጽ ብምግባሩ ዜጋታት ጽሬቱ ዘይሓለወ ናይ ጉድጓድ ማይ ክጥቀሙ ተገዲዶም ከምዘለው ተጠቂሱ’ሎ።
 
እቲ ሕጽረት ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ብቀጥታን ብተዘዋዋሪን ጸገም ዝፈጠረሉ ህዝብና እቲ ጠላም ጉጅለ ብዛዕባ’ቲ ጸገም ጥሉል ሓበሬታ ክህብ ዘይምድፋሩ ተደሚሩዎ ኣብ ሻቅሎት ከምዘሎ መረረቱ የስምዕ ምህላውን ከኣ ሓበሬታ ምንጭታት ወጋሕታ ብተወሳኺ ኣመልኪቱ’ሎ።
 
                             -------------------------------------------//////------------------------------------


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...