ኤርትራ ምስ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ዓለማዊ ማሕበረሰብን ርክባ ንከተመሓይሽ ጸቢብ ዕድል ጥራይ ተሪፍዋ ከምዘሎ፡ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣምበሳድር ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ሱዛን ራይዝ ኣፍሊጣ።

ኣምባሳድር ራይዝ ብረቡዕ 29 ሓምለ ንቤትምኽሪ ኮሚቴ ጉዳያት ወጻኢ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብዘቕረበቶ ጸብጻብ፡ “እንተደኣ ኤርትራ ኣካይዳኣ ከምዘመሓየሸት ኣብ ሓጺር ግዜ ምልክት ዘይርኢና፡ ብሰሪ እቲ ኣብ’ቲ ከባቢ ትፍጽሞ ዘላ ናይ ምህዋኽ ሸርሕታት፡ ምስ ኣፍሪቃውያን መሓዙትናን ምስ ባይቶ ጸጥታን ብሓባር ኣድላዪ ስጉምቲ ክንወስደላ ኢና’’ ብምባል ተሪር መተሓሳሰቢ ኣስሚዓ።

ኣስዒባ ኣምባሳድር ኣመሪካ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሱዛን ራይዝ፡ ኤርትራ ኣብ ሶማል መጥቃዕትታት ንኽፍጸም ንኣ'ሸባብን ካልኦት ኣኽረርቲ ሓይልታትን ተዕጥቕ፡ ትሕግዝን ትምውልን ከምዘላ ብምግላጽ፡ እዚ ፍጻሜ እዚ ንሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣዝዩ ከምዘተሓሳሰባን ከምዘቖጥዓን ኣፍሊጣ። “ነዚ መልእኽቲ እዚ ብኣዝዩ ቀጥታዊ መንገዲ ንመራሕቲ ኤርትራ ከነብጽሕ ፈቲንና ኢና’’ዝበለት ኣምባሳድር ራይዝ፡ መራሕቲ ኤርትራ ግን ብቕንዕና ክቕበልዎ ከምዘይከኣሉ ሓቢራ።

ምስ'ዚ ኣብ ዝተኣሳሰር ዜና፡ ኣመሪካ ተልእኾ ዓቃብ ሰላም ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከዘይትድግፍ ብምሕባር፡ እቲ ዓቢ ህዝባዊ ተቐባልነት ረኽቡ ዘሎ ሓይሊ ዓቃቢሰላም ኣፍሪቃዊ ሕብረት ዝበለጸ ኣማራጺ ምዃኑ ኣፍሊጣ።

ኣፍሪቃዊ ሕብረት 4300 ዓቀብቲ ሰላም ኣብ ሶማል ከምዘለውዎ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ስጉምቲ ክውሰድ ናብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጠለብ ምቕራቡ ይፍለጥ።


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...