{autoremote linkfromdisplay="false" shuffle="false" autostart="true" width="268" height="180"}http://blip.tv/file/get/Asmarino-EritreanFestivalMilanoJuly3452009279.flv{/autoremote}

ፈስቲቫል ህግደፍ ኢጣልያ፡ ኣብ ዕለታት 3-4-5 ሓምለ 2009(ዓርቢ: ቀዳም: ሰንበት)ከተማ ሚላኖ ተኻየዱ። ኣብቲ ብኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሃገር ኢጣልያ ኣቶ ዘመደ ተኽለ ብዓርቢ ዝተኸፍተ ፈስቲቫል፡ ሰሚናር ንክገብር ብመንግስቲ ኤርትራ ተላኢኹ ካብ ኣስመራ ዝመጸ ላዕለዋይ ሓላፊ መንግስቲ፡ ኣቶ የማነ ገብረኣብ ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍ ኢዩ። ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ፡ ሚኒስተር መሬት ማይን ኣከባቢን ዝነበረ ሕጂ ሚኒስተር ዞባዊ ምምሕዳር ተባሂሉ ኣብ ቤ/ጽ ፕረሲደንት ዝርከብ ወልደንኪኤል ገብረማርያም፤ ከምኡ እውን ጸሓፊ ቤ/ጽ ፕረሲደንት ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ተረኺቦም ነይሮም።

ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሃገር ኢጣልያ ኣቶ ዘመደ ተኽለ ሚኒስተር መሬት ማይን ኣከባቢን ዝነበረ ሕጂ ሚኒስተር ዞባዊ ምምሕዳር ተባሂሉ ኣብ ቤ/ጽ ፕረሲደንት ዝርከብ ወልደንኪኤል ገብረማርያምጸሓፊ ቤ/ጽ ፕረሲደንት ኣቶ የማነ ገብረመስቀል

ሓለፍቲ ህ.ግ.ደ.ፍ ብቐዳም 4 ሓምለ ሰሚናር ኢዮም ኣካይዶም። እቲ ኣጋምሸት ሰዓት ሸውዓተ ብወ/ሮ ሸማይነሽ (ትሪንዳድ) መኽፈቲ ዝተገብረሉ ሰሚናር፡ ብኣቶ የማነ ገብረኣብ ክሳብ ሰዓት 9:00 ቀጺሉ። የማነ ነቲ ሰሚናር ከምቲ ልሙድ መቐሸሺ ውዳሴ ንህዝብን ንህዝባዊ ሰራዊትን ብምቕራብ ኢዩ ፈሊምዎ። ሓፈሻዊ ትሕዝትኡ ከኣ ኣብዚ ዝስዕብ ክጠቓለል ይከኣል።

“ቁጠባዊ ኩነታትና’’ ኢሉ ማንኪ፡ “ከምቲ ናይ ቀደሙ እኳ እንተዘሃለወ፡ ብእነካይዶ ዘለና ልዑል ቃልሲን ጻዕርን፡ ህዝብና ናይ ካልኦት ሃገራት ትኳቦ ከይተጸበየ (ዘይከምተን ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ) ጾሙ ከይሓደረ ሰላምን ቅሳነትን ረኺቡ ይኸይድ ኣሎ:: ልዕሊኹሉ ከኣ ተጻባእነት ናይ ኩለን ምዕራባውያንን ተኸተልተንን ብፍላይ ተጻባእነት ናይቲ ንህዝቢ ኤርትራ ንምክፍፋልን ንምግምማዕን: ክሳብ መንግስቲ ኤርትራ ንምዕላው ዝፈተነ ስርዓት ኣመሪካ ከይዓጠጦ ብጽንዓት እናመከተ ህዝብና ሰላምን ራህዋን ረኺቡ ይናበር ምህላዉ ብቐሊል ዝርኤ ኣይኮነን::’’ ብምባል የማነ፡ ህዝብና ንዝሕልፎ ዘሎ ጥሜትን መሪር ናብራን ክሒዱ። ንፍሽለታት ስርዓት ህግደፍ ድማ ናብ ካልኦት ከላግብ ህርድግ ኢሉ።

ኣስዒቡ ማንኪ፡ “ነብስና ኪኢልና እቲ መሰረታዊ ስርሓት ናይ ትሕቲ-ቅርጺ ነካይድ ኣሎና:: እዚ ኸኣ ብዝስራሕ ዘሎ ጽርግያታት ኣብያተ ትምህርቲ ሕክምናን ክሊኒካትን፡ ራህያታት ሓጽቢታት ዲጋታትን ቢንቶታትን ክምስከር ይከኣል ኢዩ:: እዚ ከኣ ዝኾነ ይኹን ሓገዝን ደገፍን ከይተጸበና ነካይዶ ስለዘለና እቲ ብእኡ መጠን ዝህልወና ቁጠባዊ ይኹን ካልኦት ጸገማት ክንሓልፎ ኢና::’’ ኢሉ። ነቲ መንግስቲ ኤርትራ ብመልክዕ ሓገዝን ልቓሕን ክቕበሎ ዝጸንሐ ኣማኢት ሚልዮናት ገንዘብ ግን ክሓብኦ ፈቲኑ። ነቲ ኣብ መነባብሮ ህዝቢ ኣወንታዊ ለውጢ ዘየምጽአ ብናጻ ጉልበት ዝህነጽ ዘሎ እውን ከተዓባብዮ ፈቲኑ።

ቀጺሉ ኣፍ ናይቶም ብረብሓታቶም ጥራይ ዘዕዘምዝሙ ደገፍቶም ብኣጋ ንምዕባስ፡ “ተቛሪጹ ዝነበረ ኣባይቲ ናይ ምህናጽ ስርሓት ሕጂ ክቕጽል ጀሚሩ ኣሎ:: ገሊኡውን ኣብ ምዝዛም ተቓሪቡ ኣሎ::’’ ኢሉ። ኣስዒቡ፡“ናይ ሕክምና ኣገልግሎትና ካብ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃን ሳልሳይ ዓለምን ኣዚዩ ዝበለጸን ዝማዕበለን ኮይኑ:: ኣብ ሕርሲ ይኹን ጥንሲ ከምኡውን ኣብ ምፍዋስን ምክልኻልን ሕማማት ልዑል ውጽኢት ሒዙ ይረከብ::’’ ብምባል ከምኣመሉ መስደመም ሓሶት ተዛሪቡ።

ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍ የማነ ማንኪ ብዛዕባ ፖለቲካ እውን እዚ ዝስዕብ ኢሉ።“ኣብ ፖለቲካዊ መዳያት፡ እቲ ቅድሚ ሕጂ ዘጋጥመና ዝነበረ ተጻብኦታት ገና እናቐጸለ፡ ኣብዚ ናይዚ ሰሙን'ዚ ዝነበረ ኣኼባ ሓድነት ኣፍሪቃ (African Union ) እውን ኣብ ልዕሊ ኤርትራ እገዳ ክግበር (embargo) ክግበር ውሳነ ኣሕሊፉ ኣሎ። እቲ ዝቐረበ ምኽንያት ኤርትራ ንህዝቢ ሶማል ትድግፍን ትሕግዝን ኢያ ዝብል ኢዩ። እዚ ከኣ ብድፍኢት መንግስቲ ኣመሪካን ሰዓብታን: ስርዓት ወያኔን ዝተገበረ ውዲት ኢዩ:: ዝርዝር ናይቲ ዝቐርበልና ዘሎ ክሲ፡ መንግስቲ ኤርትራ ንሶማልያውን ተቓወምቲ ናይ ኣጽዋር፡ ፋይናንስ፡ ምእንጋድን ካልእን ሓገዝ ትገብረሎም ኣላ ዝበል ኢዩ:: ንሕና ንህዝቢ ሶማል እወ ንድግፎን ንሕግዞን ኢና:: እንተኾነ ኤርትራ ካብ ካልኦት ሃገራት ዕጥቃዊ፡ ፋይናንሳዊን ካብ ካልኦት ሃገራት እናተቀበለት ናብ ሶማል ተሰጋግር ኣላ ዝብል ክሲ እውን የቕርቡ ኢዮም። ንሕና ነዚ ኩሉ ዘቕረብዎ ዘለዉ ኣይገበርናዮን ብኣንጽሩ እኳድኣ ካብ ኢራን: ቀጠር: ስዑድ ዓረብ: ኣመሪካ: ኢትዮጵያ ... ወዘተ እዩ ናይ ኣጽዋር ይኹን ካልእ ደገፋት ናብ ሶማል ዝኣቱ ዘሎ:: ናይ ኣመሪካ ውዲት ንህዝቢ ሶማል ኣድኪምካን:ንፍትሓዊ ቃልሲ ህዝባ ሶማል ጨፍሊቅካን ንመንግስትን ህዝቢን ኤርትራ ንምድኻምን ንምንብርካኽን ኢዩ:: ከምዚ ሰለዝኾነ ንሕና ክሳብ መወዳእታ ንቃልሲ ሶማል ክንድግፎ ኢና:: ካብዚ ዘለናዮ ንላዕሊ ክመጽእ ዝኽእል የለን:: እቲ ናይ ሓድነት ኣፍሪቃ ውሳኔ ናብ ብይቶ ጸጥታ(security counsil) ናይ ሕቡራት ሃገራት(UN) ሓሊፉ ስለዘሎ: እቲ ዝስዕብ ውሳኔ ክንርእዮ ኢና:: ክሳብ መወዳእታ ድማ ክንቃወምን ክንቃለስን ኢና:: እቲ ብሓድነት ኣፍሪቃ ቀርቡ ዘሎ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ እገዳ ክግበር ዝብል ውሳኔ ብባይቶ ጸጥታ እንተተግቢሩ ክንምክቶ ድልዋት ስለዘለና፡ ኩሉ ሰብ ብትብዓትን ቆራጽነትን ክምክቶ ድልው ክኸውን ኣለዎ’’ ብምባል ኣብቲ መንግስቲ ኢሰያስ ብቐንጠብጠቡ ዝኣተዎ መጻወድያ ንህዝቢን ሃገርን ኤርትራ ንምጽንባር ተመጻዲቑ።

ኣስዒቡ ማንኪ፡ ንመንግስቲ ኣመሪካ ብዝምልከት “ምስ ሓዲሽ ስርዓት ናይ ኦባማ (Obama) ኣብ ጉዳይና ዝመጽእ ለውጢ ክንርኢ ኢና:: ክሳብ ሕጂ ንሕና ብሕማቕ መንገድን ሓሳብን ኣይርኣናዮን ዘለና። እቲ ብሕጂ ስርዓት ኦባማ (Obama) ብዛዕባና ዝገብሮን ዝህልዎ ኣጠማምታን ከኣ ንጽበ ኣሎና።’’ ዝብል ትንታነ ብምሃብ ኢዩ ነቶም ከም ዓያሹ ዝቖጽሮም ሰዓብቱ ሃረር ከብሎም ፈቲኑ። ነቲ ብኣምባሳድር ኣመሪካ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሱዛን ራይዝ ዝቐረበ ንጹር መርገጺ መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ግን ሸፋፊንዎ ኢዩ ክሓልፍ መሪጹ።

ኣስዒቡ ሓላፊ ፖለትካዊ ጉዳያት ህግደፍ የማነ ማንኪ፡ “ዝወጸና የብልናን ካብ ዓወት ናብ ዓወት ኢና ክንሰጋገር ጸኒሕና፡ ብሕክምና፡ ብምሕደራ፡ ብሓልዮት ህዝቢ፡ ብህንጸት መን ክወዳደረና’’ ክብል ከምዘይጸንሐ፡“ኣብ መጻኢ ክልተ ዓመታት ኩሉ ጌጋታትና ኣሪምና ብሓድሽ መንገዲ ክንጓዓዝ ኢና’’ ብምባል ነቲ ዓመት መጸ ዝኮማሳዕ ናይ ሓሶት መብጽዓ ደጊምዎ።

ህግደፍ ስሚ መንእሰያት ኤርትራ ምዃኑ ብግብሪ ኣመስኪሩ ኢዩ። ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍ፡ ብሓልዮት ኤርትራዊ መንእሰይ ልቡ ዝሞለቘ ክመስል፡“ጉዳይ መንእሰያት ኣገዳስነቱ ተገምጊሙ ኣብ ልዕሊ መንእሰያት ዓቢ ቖላሕታ ክንገብር ኢና:: እዚ ሓደ ካብ ተታሒዝናዮ ዘለና መደባት ክኸውን ኢዩ::’’ ኢሉ። ናይ ፕሮፖጋንዳ ዕዮታቶም ከሐይልዎ መደብ ከምዘለዎም እውን ኣፍሊጡ።

ብድሕሪ’ዚ ካብቶም ኣብኡ ዝነበሩ ደገፍቲ ህግደፍ ተሳተፍቲ ገለ ሕቶታትን ርእይቶታትን ስዒቡ።



1. “መንእሰያት ኤርትራ ኣብ ፈቐዶ በረኻታትን ምድረ-በዳታትን ቀላያትን ብኸንቱ ይሃልቁ ኣለዉ:: እዚ ኩሉ ሽግር ሰጊሮም ኣብ ዓዲ ጥልያን ምስኣተዉ እውን ኣብ ፈቐዶ መደበር ባቡርን ጀራዲንን ተደርብዮም ክንርእዮም ከለና ከም መጠን ኤርትራውያን ብዙሕ ይስምዓናን የሰክፈናን ስለዘሎ ፍታሕ ይገበረሉ:: ጌጋታት እንተልይዎም: ብጌግኦም ተኣሪሞም ናብ ዓዶም ክምለስሉ ዝኽእሉ መንገዲ ክኽፈት ኣለዎ::'' ዝብል ምርኡይ ርእይቶ ኢዩ ፈለማ ቀሪብሉ።

ብዛዕባ’ዚ ሓላፊ ህግደፍ፡ “ናይ መንእሰያት ቀሪቡ ዘሎ ቅቡል እዩ:: ብወገና'ውን መደብ ሒዝናሉ ከምዘለና ገሊጸዮ ነይረ:: ብዙሓት'ውን ንሃገር ዝምለሱ ኣለዉ:: ተመሊሶም ከኣ ንገዝኦም ብሰላም ይኣትዉ ኣለዉ:: ንኣብነት ካብ ግብጺ: ሊብያ: ኢትዮጵያ. ወዘተ ዝተመልሱ ኣለዉ።’’ ኢሉ። ኣሳቒኻ ንዘባረርካዮም መንእሰያት ሓላዪ ተመስሊካ ንምድህላል።

2. ዝቐጸለ ሕቶ ኢዩ። “ኣብ ግዜ ወራር ወያኔ ብቦንድ ዝሃብናኩም ገንሰብ ህዝቢ ስለምንታይ ዘይትመልሱልና?’’

መልሲ የማነ ማንኪ፡ “እወ ሓቅኹም ኢኹም። ገለ-ገለ ሕጂ ዝምለሰሎም እኳ እንተሃለዉ ብምሉኡ ብሓባር ክንመልስ ግን የጸግመና እዩ:: ኣብዚ ግዜ'ዚ መንግስቲ ናይ ገንዘብ ሕጽረት ስለዘለዎ።’’ ቁማር ከምተበልዑ ኣውኪእሎም።

3. ዝሰዓበ ሕቶ ንመሬት ዝምልከት ነይሩ፡“መሬት ግዝኡ ተባሂሉ ሰብ ገንዘቡ ኪፊሉ:: እንተኾነ ብሎሚ ጽባሕ መሬትና ከይተወሃብና ዓመታት ኮይኑ: : ናይዚ መልሲ የድልየና ኣሎ።’’

መልሲ የማነ ማንኪ፡“መሬት ንዋናታት ዘይምዕዳሉን ክሳብ ክንድዚ ዓመታት ምውሳዱን ወግሔ-ጸብሔ ነንሕድሕድና ይኹን ምስቶም ዝምልከቶም ሚኒስትሪታትን ክፍልታትን ንዘራረበሉ ኢና:: ኣነ’ውን ክምልሶ ዘይኽእል ኮይኑኒ ስለዘሎ ሕጅ'ውን "እወ ክዕደል ኢዩ" ክብል እይክእልን እየ::’’ ከም ጡብ ኣዲኦም እንተቐበጽዎ ዝሓሸ ምዃኑ ዝእንፍት ኢዩ።

4. ንምልኣኽ ኣስቤዛ ዝምልከት ርእይቶ እውን ቀሪብሉ። “ ኣብ ልዕሊ ካብ ወጻኢ ንውሽጢ ሃገር ናብ ዝርከቡ ስድራ-ቤታት ዝልኣኽ ንብረትን ሓገዛትን ተገይሩ ዘሎ ገደብ ክልዓል ኣለዎ:: እዚ ዳሕረዋይ ተመሓይሹ ተባሂሉ ዝወጸ ኣዋጅ፡ ካብ ደገ ናብ ውሽጢ ሃገር ንቤተ-ሰብን ፈተውትን ወዘተ ዝልኣኽ ንብረት ብኪሎታት እናተመዝነ ክኣቱ ስለዝብል ክሕሰበሉ ኣለዎ።’’

መልሲ የማነ ማንኪ፡“እቲ እዋጅ ተበልጽቲን ሸቃጦን ንውልቓዊ መኽሰቦም ከይጥቀሙሉ ዝወጸ ኣውጅ እዩ:: እዚ ኸኣ ኣኻሊ ፍታሕ ንስድራ-ቤት ስለዝኾነ ዝቕየር የለን።’’

5. ቀጺሉ፡“ካብ ኤርትራ ንወጻኢ ንዝኸዱ ዜጋታት ኣብ ኢሚግረሽን (immigration) ክሳብ 5-10 ሽሕ ጉቦ እናኸፈልካ ዝግበር ዘሎ ከመይ ኢዩ?

መልሲ የማነ ማንኪ፡“ብዛዕባ ዝብሃል ዘሎ ጉቦ (corruption) ኣብ ኢሚግረሽን (immigration) ፡ መንግስቲ ኣድላይ ስጉምታት ይወስድ ኣሎ::’’

6. ሕቶ፡ ጉዳይ እገዳ ብዝምልከት ከመይ እዩ? ኣመሪካ ወሲዶምልና ዝበሃል ገንዘብከ

መልሲ የማነ ማንኪ፡“መንግስቲ ኣመሪካ ንሓዋላና ዓጺዩ ዝውሰዶ ገንዘብ ክሳብ ሕጂ ኣይተመለሰልናን:: ነዚ ናይ ሕጂ እገዳ ዝምልከት ኣቐዲመ ገሊጸዮ ስለዝኾንኩ ብጽንዓት ክንምክቶ ኢና:: ናይ ሓለፍቲ ካብ ሃገር ከይወጽኡ ዝግበር እገዳ እንተሃልዩ: ጽቡቕ ንሕና ካብ ሃገር እንተ ዘይወጻእና ብዝያዳ ኣብ ውሽጢ ሃገር ኮይና ንሰርሕ’’ ብምባል ናይ ተስፋ ምቑራጽ መልሲ ኢዩ ሂብሉ።

ኣብ ኢጣልያ ከተማ ሚላኖ ጥራይ ኣስታት 5000 ህዝቢ ይነብር። ኣብቲ ኣኼባ ዝተሳተፈ ግን ትሕቲ 2% ናይቲ ህዝቢ ኢዩ። ካብ ካልኦት ከተማታት ዝመጹ እውን ኣዝዮም ዉሑዳት ኢዮም። እቶም ዝተሳተፉ ስለምንታይን እኒ መንን ምዃኑኖም ምፍላጡ ዘጸግም እውን ኣይኮነን::

ኣብቲ ዝቐረበ ርእይቶታትን ሕቶታትን፡ ንድኻማት ህ.ግ.ደ.ፍ. ዝገልጽ እንተዘይኮይኑ ደገፍ ንመግስቲ ይኹን ንህ.ግ.ደ.ፍ ኣይነበረን።


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...