“ፈስቲቫል’’፤ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ ከም መዘንብዒ ኣተሓሳስባ ዜጋታትን መምልኢ ማሕፉድኡን ዝጥቀመሉ ኣጋጣሚ ምዃኑ ግሁድ ኢዩ። እዚ ሓቂ እዚ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናበርሀን እናደመቐን ብምምጽኡ ኣብ ወጻኢ ዝነብር ኤርትራዊ ህዝቢ(ብዘካ ገለ ተበለጽቲ)፤ ካብዚ መጠጅኢ እከይ ዝኾነ ውራይ-ህግደፍ እግሩ እናሕጸረ መጺኡ ኣሎ። ስለዚ ድማ ፈስቲቫል-ህግደፍ ካብ ምንዮትን ባህግን ናይቲ ስርዓት ወጻኢ ጓይላዊ ሸነኹ ጥራይ ዓቂቡ ኣብ ጠርበስበስ ወዲቑ ይርከብ። እንተኾነ ኣብ ጓይላ ምስታፍ እውን ብተዘዋዋሪ ጁባ ናይ’ቲ ጨቋኒ ስርዓት ምህጣርን መዐመሪ ፕሮፖጋንድኡ ካብ ምዃንን ሓሊፉ ብስቅያት ህዝቢ ምሽክዕላል ኢዩ።

ነዞም ብፍላጥ ወይ ብግርህና መሳርሒ ናይቲ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ ስርዓት ኮይኖም ዝቕጽሉ ዘለዉ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ካብ ድቃሶም ንምብርባርን፤ ነቲ ብስም ፈስቲቫል ዝካየድ ውዲታት ንምቅላዕን ድማ ኢዩ ብቐዳም 18 ሓምለ ኣብ ከተማ ፍራንክፈርት ሰላማዊ ሰልፊ ተኻይዱ።

እቲ ካብ ዝተፈላለየ ቦታታት ሃገረ ጀርመን ዝመጹ ሕሰም ህዝቦም ዘቐንዝዎም ኣማኢት ኤርትራውያን ዝተሳተፍዎ ሰልፊ፡ ኣጋምሸት ሰዓት ሽድሽተ ካብ ኦስት ባሃንሆፍ (Ost Bahnhof) ተበጊሱ፡ ናብ’ቲ ዲክታቶርያዊ መንግስቲ ህግደፍ ብስም ማሕበረሰብ ኤርትራውያን ዝተኻረዮ ኣይስሽፖርትሃለ (Eissporthalle) ዝበሃል ኣደራሽ በጺሑ። እቶም ሰላማዊ ሰልፈኛታት ኣብ ስግር ናይ’ቲ ኣደራሽ ብፖሊስ ዝተፈቕደሎም ቦታ ምስሓዙ ዝወከልዎም ኣስታት ዕስራ ሰባት(መብዛሕቶም መንእሰያት) ናብ’ቲ ኣደራሽ ኣብዘእቱ መንገዲ ኮይኖም ብቛንቛታት ትግርኛን ጀርመንን ዝተዳለወ መበራበሪ ጽሑፋት ነቶም ናብ’ቲ ፈስቲቫል ዝኣትዉ ዝነበሩ ዓዲሎሞም።

ካብዘይሰማዕና፡ካብዘይረኣና፡ካብዘይተዛረብና፡ብመንእሰያት ደለይቲ ለውጢ ዝቐረበ ስእላዊ መግለጺሓያሎ ካብ’ቶም ነቲ ወረቓቕቲ ዝተቐበሉ ሰባት “ኣብ ዓመት ሓንሳብ በዚ ኣጋጣሚ ጥራይ ክንረኽቦም እንኽእል ሰባት ክንረክብ ኢልና እምበር፡ እቲ ሓቅስ እዚ ትብልዎ ዘለኹም ኢዩ’’ ክብሉን ሓፊሮም ክደኑን እንከለዉ፡ ገለ ኣብ ዘመነ-ኢሰያስ ዝጸመሙን፤ ገለ ድማ ህግደፍ “ጽሑፍ ናይ ተቓወምቲ ተቐቢልኩም’’ ኢሉ ናብ ዓዲ ምስከዱ ከይኣስሮም ዝፈርሑን ዝተዳህሉን ንዝተዳለወሎም ወረቐት ንምቕባል እውን ይሕሰሙ ነይሮም።

ጎኒ ጎኒ እዚ፤ እቶም ኣብ ስግር ዝነበሩ ኣማኢት ሰላማዊ ሰልፈኛታት፡ ብወኪል ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ኣብ ጀርመን ኣቶ ሰመረ በያን ነቲ ኣጋጣሚ ዝምልከት መደረ ድሕሪ ምስምዑ፡ ተሳተፍቲ ዝተፈላለየ ጽሑፋት ኣቅሪቦም። እቶም ኣስታት ዕስራ ናብ መእተዊ እቲ ኣደራሽ ቀሪቦም ወረቓቕቲ ዝዕድሉ ዝነበሩ እውን ብወገኖም ጭርሖታት ምቅላሕ ኣየቛረጹን። “ጁባ ህግደፍ ብምህጣር ስቅያት ህዝቢ ኤርትራ ኣይተናውሑ’’፤ “ናይ ፖለቲካ እሱራት ይፈትሑ’’፤ “ህግደፍ ንህዝብና ብጥሜት ዝቐጽዕ ዘሎ ኣረሜን ኢዩ’’፤ “ኢሰያስን ስርዓቱ ህግደፍን ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራ ኢዮም’’፤ “ክንደይ ሳዕ ክትጥበር ደጊም ተበራበር’’፤ “ንብዓት ኣዴታትና ከብቅዕ ህግደፍ የብቅዕ’’፤ “ስደት ከብቅዕ ዲሞክራስያዊ መንግስቲ ይተኸል’’፤ “ንመሰልካ ተምበርኪኽካ ኣይትድለያ’’፤ ዝብልን ካልእን ጭርሖታት ብመጐልሒ ድምጺ ክሳብ’ቲ ዝነበርዎ ኣደራሽ የንጐድጉድ ነይሩ፡፡ ስለዚ ድማ ኣብኡ ዝነበሩ ዝርካቦም ሰባት ምርጋእ ብዘይምኻሎም፡ወኪል ኢሰያስ ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍ የማነ ገብረኣብ(ማንኪ)፡ መርዛም ስብከቱ ብግቡእ ክነዝሕ ስለዘጸገሞ፤ በዓል“ነጸላይ ኣቐብሉኒ’’ ምስ ዓጀብተን ከምኣመለን ጸርጸር እናበላ ካብ’ቲ ኣደራሽ ብምውጻእ ክጻረፋን ከዕገርግራን ኣምስየን። ኣባ ጓይላ ናይ’ቲ ናይ ጸርፊ ጉጅለ ዝነበረት ሓንቲ ውልቀሰብ፡ ዋላ’ኳ ዓባይ ሰበይቲ እንተኾነት ኣብ ናይ መንእሰያት ፈስቲቫል ክትሳተፍ ዓሚ ካብ ጀርመን ናብ ሳዋ ከይዳ ነይራ ኢያ። ሽዑ ንኢሰያስ ኣብ ሳዋ ስለዝሰዓመቶን ብተለቪዥን እውን ስለዝተራእየትን ብታሕጓስ ዛጊት ነብሳ ክትቆጻጸር ዘይከኣለት ብምዃናን ነቲ ፍጻሜ ክሳብ ሕጂ ክትንየተሉ ስለእትስማዕን፡ መንእሰያትና “ኣደይ ሰዓሚት’’ ብዝብል ቅጽል ክጽውዕዋ ጀሚሮም ኣለዉ። “ኣደይ ሰዓሚት’’ ኣብዚ ፈስቲቫል ገለ ግዲ ጠዓዒማ ነይራ፡ ንተቓወምቲ ሰልፈኛታት ክትጻረፍ ክትብል ካብ መሬት ክትነፍር ደልያ ኢያ ኣምስያ። ምሕረት የውርደላ።

ፈስቲቫል ህግደፍ ዓቕሙ እናጸንቀቐ ብምምጽኡ፡ ሎሚ ብዘይካ ወኒ ምስዕሳዕ ዝሓደሮ ወይ በቲ ኣጋጣሚ ገለ ክጥቀም ዝደሊ እንተዘይኮይኑ፡ ካልእ ብዛዕብኡ ዝፈልጥን ዝሓትትን’ኳ ዘይርከበሉ መድረኽ ኮይኑ ኣሎ። በዚ ምኽያት ንህዝቢ ኣገዲዶም ከሳትፉ ዝፍትኑ ኣይተሳእኑን። እዞም በቲ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ክፍተዉ ላዕልን ታሕትን ዝብሉ ገለ ውልቀሰባት ኣብ ዘዝነብሩሉ ከባቢታት ንዝቕመጡ ኤርትራውያን፡ “ኩላትና ኣብ ፈስቲቫል ክንሳተፍ ኣሎና’’ ኢሎም ብኣኼባን ብተለፎናትን ዝጉስጉሱ እኳ እንተኾኑ፤ ህዝቢ ግን “ሕራይ ክንመጽእ ኢና’’ እናበለ ስለዝተርፍ፡ “ተኣኪብና ብኣውቶቡስ ኢና እንኸይድ፡ኣብኡ ከኣ ህላወ ክንቆጻጸር ኢና፡፡ስለዚ ብውልቀመካይንን ብባቡርን ምኻድ ኣይፍቀድን ኢዩ።’’ ክሳብ ምባል ዝበጽሑ እውን ኣለዉ። ለጊብካ-ለጋጊብካ፤ ደጊፍካ-ደጋጊፍካ ግን ክሳብ መዓስ፧ ንህግደፍ፡ “ቀትሪ ምድሪ ካብበለካ ገብገብ፡ ኣብ ሰይቲ ወድኻ ካብትምገብ ተፋኖ እምበር ዓለም’ዶ ትጽገብ’’ ዝድረፈሉ መድረኽ ተበጺሑ ኣሎ። ናይ ምቅባጹ ግደ ድማ ናትና ናይ ዜጋታት ኢዩ።

ኣባል ቤትጽሕፈት ቆንስል መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ፍራንክፈርት ዝኾነ ተኽሉ ለባሲ ምስ ድምጺ ጀርመን ፈነወ ቋንቋ ኣምሓርኛ ብዛዕባ እቲ ፈስቲቫል ኣብዝገበሮ ቃለመጠይቕ፡ እቲ ፈስቲቫል ፖለቲካዊ ኣጠማምትኡ ብዘየገድስ ንኹሉ ኤርትራዊ ብክፉት ዘሳትፍ ባህላውን ማሕበራውን መድረኽ ኣምሲሉ ኢዩ ክገልጾ ፈቲኑ፡፡ እንተኾነ እዚ ናጻ ናይ ህዝቢ መድረኽ ክኸውን ዝነበሮ ፈስቲቫል፡ ብስርዓት ህግደፍ ተጨውዩ መስበኽን መራሰንን የዋሃት ከምኡ እውን መሕበጢ ጁባታት ህግደፍ ምዃኑ ጭሩ’ኳ ምመስከረት። እዚ ህግደፍ ዝጨወዮ መድረኽ፡ ካብ ኣስመራ በቲ ዲክታቶርያዊ ዘይቅዋማዊ ስርዓት ዝተላእኩ መራሕቲ ህግደፍ ዝምድሩሉ ደኣ’ምበር፡ እቶም ዘውደኽድኹ እኳ ናጻ ኮይኖም ዝዛረቡሉ ኣይኮነን። ተቓወምቲ ኣብ መድረኽ ደዪቦም ሓቂ ክገልጹ እሞ ዝሕሰብ’ውን ኣይኮነን። ካብዚ ሓቂ እዚ ብምብጋስ፡ እዚ ብስም “ፈስቲቫል’’ ዝጽዋዕ ፖለቲካዊ መድረኽ፡ ናይ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኢሰያስ ደኣ እምበር ናይማሕበረሰብ ኤርትራ ኣይኮነን። ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ኣባል ቤትጽሕፈት ቆንስል መንግስቲ ኤርትራ ዝነበረን ዘሎን ሰብ ብዛዕባ እቲ“ናጻ መድረኽ’ዩ’’ ዝበሎ “ፈስቲቫል’’ መግለጺ ምሃቡ እውን ናይዚ ሓቂ’ዚ ተወሳኺ መርትዖ ኢዩ። ፈስቲቫል ህግደፍ እምበኣር፡ ህዝቢ ነቲ ጨቋኒ ስርዓት ገንዘብ ከዋጽእ ዝሕተተሉ፡ ወከልቲ ዲክታቶር ኢሰያስ ብሓሶትን ባዶ መብጽዓታትን ንልቢ ገርህኛታት ክሰርቁ ዝፍትኑሉ፡ መጋበርያታቶም ክሳብ ንዓመታ ትልኽ መበሊ ናይሓይሊ(Infusion) ዝወስዱሉን ትእዛዛት ዝቕበሉሉን መድረኽ ኢዩ። እዚ ሓቂ እዚ ድማ ኢዩ ክኽሻሕ ዘለዎ። ኣብ ጀርመን ዝርከቡ ኤርትራውያን ሲቪካውያን ማሕበራትን ተቓወምትን ኪኖ ሰላማዊ ሰልፊ ምክያድ፡ ህግደፍ ብጉልባብ ኤርትራዊ ማሕበረሰብ ንዝፍጽሞ ኩሉ ዘይሕጋዊ ተግባራት ብሕጋዊ መንገዲ ንምቅላዕ፡ ኣሰር ናይ ኣውስትራልያ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ካልኦትን ክኽተሉ ትጽቢት ይግበር። ነዚ ክዉን ንምግባር ድማ ኩሉ ብሃገሩን ብህዝቡን ዝግደስ ዜጋ ክነጥፈሉ ይግባእ። ንበገስ።

ተዓዘብ
ካብ ፍራንክፈርት

Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...