ታሕሳስ 22፡ 2005
ቅሉ መደብ ሕቶን መልስን
ምስ ፕረዚደንት ህግደፍ ነበር
ኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቂ
ሳልሳይ ክፋል (ፈጠራ)

 

ንሳልሳይ መዓልቲ ኣብ ዝቐጸለ መደብ፡ ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡ ብተለቪዝዮን ኣብ ዝተመሓላለፈ ቅሉዕ መደብ ሕቶን መልስን፡ ንኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝቀረበትሉ ሕቶታትን ዝህቦ መልስን ክትሰምዑ ኢኹም። እቶም ሕቶታት፡ ብዛዕባ ድምጺ ሓፋሽ፡ ቲቪኤረ፡ ሓዳስ ኤርትራን ሕድርን ዝብሃላ፡ ዝውረ ገዲፈን ዘይተገብረ እናፈጠራ፡ ንዓመታት  ህዝቢ ዘደናገራ መኹባ-ቲ ሓሶት ህግደፍ፡ ዝምልከቱ ኢዮም።

 ኣብ መወዳእታ ድማ፡ እዚ ሽማግለ፡ ሓድሽ ዓመት 2006፡ ምስ ሓድሽ መንፈስን መብጽዓን መታን ክንፍልሞ፡ በቲ ዘሕጉስ - ዘሕብን - በቲ ግን ዘሕፍር ዘሕንኽ ቃለ ምልልስ እንዕዘበሉ፡ ንእሽቶ መደብ ቀሪቡ ኣሎ። 

 ኣብዛ ምንጪñ ሓበንና ዝኾኑ፡ ፍትሓውያን ኣቦታትናን ሰብ ቅያ ሰማእታትናን  ዘውረሱና ኤርትራና፡ “ምግጋይ ንቡር - ዘይምእራም ግን ነውሪ!” ከም ምዃኑ ኣሚኖም" ብቀጥታ ወይ ብስቕታ፡ ካብ ሓንሳብስ ዓስርተ ግዜ፡ ኣብ እከይ ኢዶም ዝሓወሱ ሰባት፡ መንገዲ  ፍትሕን ርትዕን ምስ ዝመርጹ" ሓድሽ ታሪኽ ከም ዝጽሕፉ ርኢና፡ ክንሕጎስ ክንሕበን ኢና።  ብኣንጻሩ፡ ካብ ኣብራኽ ኣቦ ተፈጢሮም፡ ወላዲኦምን ኣሕዋቶምን ኣብ ምስቓይን ምዝላፍን ዝተዋፈሩ ሕማቅ ሽንቲ ሕብረተሰብ ዝብሉ ዎ  ተዓዚብና፡ ኤህ ክንብል - ክንነብዕ ኢና።

 ኣብዚ መደብ እዚ፡ ወዲ ሰብ፡ ዕትብቲ ሕልንኡ ተበቲኹ፡ ናብ መስርዕ ዝሩጋት ክሳብ ዘይተጸምበረ፡ ንሓበን ሓርበኛታት በራኺ ገብረስላሴ፡ ከም ኣብነት ወሲድና፡ እቲ ንያት ዘዕረበ ዝመስል ፍጡር፡ ቀንዴል ልቡ ብኣጋ ዘይቅህም ብርሃን ሰዲዱ፡ ሃዋርያ ሓቂ ከም ዝገብሮ ክንዕዘብ ኢና።

ብኣንጻሩ፡ ካብ ወለላ ሃገር ተወሊዱ ክንሱ፡ ናሕሲ ሓንጎሉ ከይተረረ - ዓንዲ ልቦንኡ ከይደልደለ፡ ጠበብቲጓዕጾጾም ሓኽሊ ዝገበሩ ዎ  ሰብ፡ ጾር ዓዱ  - መርገም ወላዲቱ ከም ዝኾነ ንምርኣይ፡ ንኣቶ ዓሊ ዓብዱ ከነቕርቦ ኢና።

ክልተ ኣንጻራት፡ ማለት፡ ሓቅን ሓሶትን - መትከልን በለጽን - ጽራይን ሓተላን - ጸሓይን ጸልማትን - ገነትን ገሃነምን ፊት ንፊት ቀሪበን ስለዘለዋ፡ ተዓዛቢ፡ ሓቁ ክመርጽ፡ ገነቱ ክሓሪ፡ ማንም ክግህሶ ዘይግባእ ናይ ተፈጥሮ መሰሉ ከም ምዃኑ ጠቂስና፡ ናብ መደብና ክንሰግር።

ብርዱእ ምኽንያታት፡ ነዚ፡ ድሮ ኣንፈቱ ዘፍለጠ ዝመስል መልሲ ፕረዚደንት ህግደፍን መሳርሕቱን ምንባብ ዝሰልቸ ዎ  ተኸታታሊ ምስ ዝህሉ፡ ነዚ ቃለ ምልልስ ሰጊሩ፡ ናብቲ ካል ኣይ መደብ ክሰግር ንዕድም። እንተኾነ፡ ብዘይ መርድእ ደቖም ዝቀበሩ - ብዘይ ፍርዲ ደቖም ዝተኣስሩ፡ ከም ኩልና ዝቕየሙ፡ ዝነኽሱ ደቀባት፡ 

  • ዕድመ ስለዝዓደሎም፡ መዓልታት ህይወት ምስ ጠበሶም፡ ከም ጎጎ ገው ኢሎም ዝበሰሉ፡ ዝድርበ ዘይብሎም ወራዙት፣
     
  • ካብ ኤርትራ ሰጊሮም፡ ዓለም ክመርሑ ዝኽእሉ፡ ቀለም ሰትዮም ፍልጠት ዝዛርዩ ሊቃውንቲ፣
     
  • ሓጎጽጎጽ ሕሱም ተጋድሎን እከይ ሽርሕታትን ዝደሃኾም" መጋድልቶም ብጾቶም ቀቢሮም ናጽነትና ዘረጋገጹ ገለ ካብ ኣባላት ህዝባዊ ግንባርን ተሓኤን"  

ቂም - በቐል ከየዕወሮም፡ ነቶም ብዘይ መርድእ ደቖም ዝደርበዩ፡ ብዘይ ሕጊ ደቖም ዝኣሰሩ ሰባት፡ ኣብ ክንዲ ኢዶም ዝፈድዩ ዎ ም፡ ፍርዲ፡ መስርሓ ሓልያ ክትከይድ ዕድል ክህቡዋን ሓቂ ከጻርዩን ምክትታል ከይስልችወኩም እናተተስፎና፡ ናብ ፕረዚደንት ነበር ኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝቐርብ ሕቶታት ክንቅጽል።    

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡ ኣቶ ኢሳያስ፡ ምትሕልላፍ ዜና ማለት ትርጉሙ ዶ ክትነግረና?

ኢሳያስ፡      ምትሕልላፍ ዜና ማለት፡ ኣገደስቲ ክዉን ፍጻሜታት ናብ ህዝቢ ምትሕልላፍ ማለት ኢዩ።

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡ ፕሮፖጋንዳ ኸ?

ኢሳያስ፡   ፕሮፖጋንዳ ማለት፡ ሓደ መንግስቲ ወይ ውድብ፡ ንህዝቢ ዘጎሳጉሰሉ መደባት ማለት ኢዩ። 

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡  ኣብ ከመይ ዝበለ ኩነታት ኢዩ መንግስቲ ንህዝቢ ዘጎሳጉስ?

ኢሳያስ፡  ንሃገርን ህዝብን ኣገዳሲ ጉዳያት ምስ ዘጋጥም። ከምኡ ድማ፡ ህዝቢ ክፈልጦ ኣለ ዎ  ዝብሃል ጉዳይ ምስ ዝህሉ፡ እቲ መንግስቲ መደባት ሰሪዑ፡ ንምርድኡ ብዘየጸገም  ኣገባብ፡ ናብ ህዝቢ የመሓላልፎ።

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡  ንሃገርን ንህዝብን ማለት ትርጉሙን ፍልልዩን ዶ ክትነግረና? እንታይ ማለት ኢዩ ንሃገርን ህዝብን?

ኢሳያስ፡   ነቲ ሃገር ዘገድስ፡ ንህዝቢ ድማ ዝምልከት ማለት ኢዩ።

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡  ክሓተካ ካብ ዝብል 15 ዓመት ሓሊፉ። እስከ፡ ንሃገር ዘገድስ ሓደ ኣብነት ሃበና።

ኢሳያስ፡   ንኣብነት፡ ጸላኢ ክወረካ ከሎ፡ ንሃገር ዘገድስ ጉዳይ ኢዩ።

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡ ንህዝቢ ዝምልከት ጉዳይ ከ?

ኢሳያስ፡  ንኣብነት ሕማም ተላገብ ምስ ዝመጽእ፡ ንህዝቢ ዝምልከት ጉዳይ ኢዩ።

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡  ርግጸኛ ዲኻ ኣቶ ኢሳያስ? ጸላኢ ክወረካ ከሎስ፡ ኣብ ምልጋብ ከይብጽሐ ዝልሕስ ሕማም ዶ ኣይኮነን? እንታይ ድዩ? እምበሺ ፡ እቲ ዝዓበየ ሕማም ህዝቢ ንሱ ኢዩ። ድሓን ግን ሰማዒ  ባዕሉ ይፍረዶ። ናብ ካልእ ክንሰግር።

ንስኻ ፕረዚደንት ኣብ ዝነበርካሉ፡ ዜናን ፕሮፖጋንዳን ብምንታይ ይመሓላለፍ ኔሩ?

ኢሳያስ፡  ነቲ ኣብ ገጠራት ዝነብር ህዝብና፡ ብሬድዮ ድምጺ ሓፋሽ ይመሓላለፈሉ ኔሩ። ነቲ ኣብ ከተማታት ዘሎ ግን፡ ኣብ ልዕሊ ድምጺ ሓፋሽ፡ ብጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራን፡ ቲቪ-ኤረን ይመሓላለፈሉ ኔሩ።

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡ እዚ ዜናን ፕሮፖጋንዳን ዘመሓላልፍ ኣካል መንግስቲ፡ ብደረጃ ምንታይ ኢዩ ተወዲቡ ኔሩ?

ኢሳያስ፡ ብደረጃ ሚኒስትሪ።

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡ፈነወ ዜናን ፕሮፖጋንዳን ጥራሮ ድዩ ዕማሙ? ዶ ካልእ መደባት ስራሕ'ውን ኔሩ ዎ  ኢዩ?

ኢሳያስ፡  ኣይነበሮን። ፈነወ ዜናን ፕሮፖጋንዳን ጥራይ ኢዩ።

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡ ሽሙ እንታይ ይብሃል ኔሩ?

ኢሳያስ፡  ሚኒስትሪ ዜና።

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡ ዜናን ፕሮፖጋንዳን ጥራይ ንዝፍኑ ኣካል መንግስትስ፡ ብሚኒስትሪ ደረጃ ተወዲቡ ኔሩ?

ኢሳያስ፡   እወ።

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡ እስከ ከነንጽሮ። ኣብ'ዚ ዘብን'ዚ፡ ኣብ ኣርባዕተ ስታንሳ ዘለዋ ህንጻ፡ ኣብታ ሓንቲ መተሓላለፊ ተለቪዝዮን" ኣብታ ሓንቲ ፈነወ ሬድዮ" ኣብታ ሓንቲ ምድላው ጋዜጣ ግብር ኣቢሉ፡ ዝኾነ በዓል ርእሰማል፡ ሚእቲ ኣከብቲ ወረ ኣዋፊሩ ዘካይዶ ስራሕስ፡ ሚኒስትሪ ኢልኩሞ?

ኢሳያስ፡    እወ።

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡  ካን?

ኢሳያስ፡ እወ።

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡ ዜና ጥራይ ዝፍኑ ሚኒስትሪ ዘለወን ሃገራት ዶ ምነገርካና?

ኢሳያስ፡ ክዝክሮ ኣይከኣልኩን።

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡ ኣብ 1960ታት 70ታት ቻይናከ? ሩስያ ገለከ? ኮርያ ከ?

ኢሳያስ፡ እወ።

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡ የቐንየልና። መልስካ ተመዝጊቡ ኣሎ። ስለምንታይ ኢዩ ኸ ትብል? ወረ ኣኪብካ ናብ ህዝቢ ንምትሕልላፍ ሲ፡ እንታይ ሚኒስትሪ ኣድለዮ?

ኢሳያስ፡  ንሱ ከከም ኣወዳድባኻ ኢዩ።

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡ ኣቶ ኢሳያስ፡ ኣይመስለናን። እቲ ሓቂ ዶ ክንነግረካ? ዶ ባዕልኻ ኣሕጽር ኣቢልካ ንዓናን ንተዓዛብን ክትነግር? መዳኸሚ ኣይንግበር።

ኢሳያስ፡ ብርግጽ፡ ዜና ንምፍናው፡ ሚኒስትሪ ኣየድልዮን ኢዩ።  ግን፡ ህዝባዊ ግንባር ኣብ ሜዳ ከሎ፡ ብድምጺ ሓፋሽ ፍጻሜታትን ዜናን እናፈነወ፡ ኣብ ኩሉ ኩርንዓት ኤርትራ ንዝነበረ ህዝብን ሰራዊትን፡ እዋናዊ ኩነታት ተጋድሎ ንናጽነት  ብምሕባር ፍናን ሂቡ ዎ  ኢዩ።  ድሕሪ ናጽነት ግን፡ ቅድም ቀድድም፡ እቲ ዘረባ፡ ናይ ገድሊ ዘይኮነ፡ ናይ ናብራ ኮይኑ።  ናይ ተዂሲ ዘይኮነ፡ ናይ ቁጠባ ኮይኑ።  ብፍላይ ድሕሪ 1998፡  እቲ ዝተጸበናዮ ናይ ወጻ ኢ ወፍሪ ዋሕዚ፡ ኣይግድን ምስ ኮነ፡ ኣቓልቦ ህዝቢ ኣንፈቱ ክንቅይሮ ግድን ኮይኑና። ስለዚ ድማ፡ ዝውረን መጎሳጎሲ ዝኸውንን ዓበይቲ ቁጠባዊ ምዕባሌታት ካብ ዘይብልና፡ መኣዝን ኣተኩሮ ንምቕያር፡ ፖለቲካዊ ሰዋስው ዝበዝሖ ዘረባታት ደጊምካ ደጋጊምካ ንህዝቢ መዛረቢ ክትፈጥረሉ  ኣለካ፡ ካብ ዝብል ምኽንያት፡ ዝገበርናዮ ኢዩ።  ከምኡ ክትገብር እንተኮይንካ ድማ፡ ስፍሕ ዝበለ ኣረኣኣያ ዘብሎም" ይጥቀም ኣይጥቀም፡ ሽርጥጥ ኣቢሎም ብመንገዲ መራከቢ ብዙሓን ክፍኖ ከሎ ዝሰርሑ ዝመስሎም" ቀለም ዘይጸገቡ ጽብብ ዝበለ ኣድማስ ህይወት ዘለ ዎ ም ሰባት ክትምድብ ግድነት ኢዩ። ብሓጺሩ፡ ነቶም ኣብቲ ሚኒስትሪ ዝሰርሑ ሰባት፡ እንታይ ንሰርሕ ኣለና ኢሎም ንከይሓስቡን፡ ልዕልነት ተሰሚዑ ዎ ም ንዝኾነ ክመጽእ ዝኽእል ነቐፌታ ስጋእ ከይበሉ፡ ብድርቅና ክምልሱ ምእንቲ ክኽእሉ ተባሂሉ'ምበር፡ በራኺ ካብቲ ሚኒስትሪ ምስ ወጸ፡ ናብ ንእሽቶ ኣካል ክንቅይሮ ሓሳብ ኔሩ ኢዩ።

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡ የቐንየልና።  ኣንፈትና ክንቅይር። ህዝቢ ክፈልጦ ዝነበሮ፡ ግን፡ ኮነ ኢልካ ወይ ሰኣን ኣቓልቦ ዘይተነግረ እትብሎ፡ ኣብ ዘበንካ ዘጋጠመ ዓበይቲ ዜናታት ወይ ፍጻሜታት ኔሩ ዶ ኣይነበረን?

ኢሳያስ፡  ንሱ፡ ባዕሎም ዜና ይተሓተቱሉ።

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡ ዶ? እሞ፡ ንስኻ ትፈልጦ ኮነ ኢልካ ዝተሰትረ ነገር የልቦን?

ኢሳያስ፡    የለን።

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡ ኣቶ ኢሳያስ፡ ኣብ 1994፡ ብድምጺ ሓፋሽን ተለቪዝዮንን ጋዜጣን ብዛዕባ ጽፈት ህግደፍን፡ ደርጊ ዝፈጸሞ ግፍዕን ክውረ ከሎ" ሰኽራም መራሕ ማኪና፡ ምስ መንደቕ ተላጊዑ፡ ስእሉን ማኪን ኡን ኣብ ጋዜጣ ይጥቅዓሉ ኣብ ዝነበረ ግዜ" ሕሉፍ ቅያን ቅንዕናን ህዝባዊ ግንባር ንመበል ሰለስተ ሽሕ ግዜ ክውረ ከሎ፡ ኣብ ጽርግያ ነፋሲት - ማይሓባር ዘጋጠመ፡ እቲ ዝዓበየን ንህዝቢ ልዕሊ ኩሉ ዘገድሶን  ፍጻሜ ናይቲ እዋን ኣጋጢሙ። ትዝክሮዶ? በዘን፡ “ንህዝብን  ሃገርን ዘገድስ ዜናን ፕሮፖጋንዳን” ክፍንዋ ዘቖምካየን ማዕከናት ዜና ኸ ተፈንዩዶ?

ኢሳያስ፡   ዝፈልጦ የብለይን።

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡ ጉዳይ ስንኩላን ማይ ሓባር ኣይትፈልጦን?

ኢሳያስ፡     ከም ህዝበይ፡ ንጽብሒቱ ኢየ ሰሚዐዮ።

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡ ሽዑ ኸ ኣብ መገሻ ዲካ ኔርካ? ኣበይ ኔርካ? ከምቲ ኩነታት ባድመ ክጅመር ከሎ፡ ኣብ ስዑድያ ዲካ ኔርካ?

ኢሳያስ፡   ኣይፋል። ኣብ ኣስመራ ኢየ ኔረ።

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡  መልስካ ተመዝጊቡ ኣሎ። ንምርሻኖም፡ ትእዛዝ ከም ዘመሓላልፍካ ግን፡ ብምስክር ተረጋጊጹ ኣሎ። ክንቅጽል። እቲ “ንጽብሒቱ ኢየ ሰሚዐዮ” ዝበልካዮ ወረ ወይ ፍጻሜ ኸ እንታይ ኢዩ ኔሩ? ክትነግረና ፍቓደኛ ዲኻ?

ኢሳያስ፡   ዝርዝሩ ኣይዝክሮን።  ብሓፈሻ ግን፡ ስንኩላንን ኮማንዶን ምስ ተገራጨዉ፡ ኣብ ሞንጎ ብዝተፈጥረ ተዂሲ ገለ ስንኩላን ተቐቲሎም።

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡  ክንደይ ስንኩላን?

ኢሳያስ፡   ሰለስተ ምዉታትን፡ 10 ቁሱላትን።

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡ ጠንቂ እቲ ግጭት፡ እንታይ ኔሩ ትብል?

ኢሳያስ፡   ስንኩላን፡ ሰላማዊ ሰልፊ ክገብሩ ደልዮም። ኣዛዚ ኮማንዶ ድማ፡ ብሓላፍነቱ ብዝወሰዶ ስጉምቲ ብብረት መሊሱ ዎ ም።

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡ ብብረት መሊሱ ዎ ም ዶ፡ ብብረት ረሺኑ ዎ ም?

ኢሳያስ፡   ኣነ፡ ረሺኑ ዎ ም ኣይብልን። ከም ዝርድኣኒ፡ ወተሃደራዊ ትእዛዝ ምስ ነጸጉ፡ ሃገር ኣብ ዕግርግር ካብ ትኣቱ፡ ንገለ መምሃሪ ጌርካ ከም ዝምለሱ ጌሩ።

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡ እቶም ዝሞቱ ከ ኣበይ ተቐቢሮም? ዝቖሰሉ ከ ኣበይ ተሓኪሞም?

ኢሳያስ፡   ፈለማ፡ ኣበይ ከም ዝተቐብሩ ዝፈለጥኩ ዎ  ኣይነበረን። ድሕሪ ክንደይ ዓመት ግን፡ ኣብቲ ዝወደቑሉ ከም ዝተቐብሩ ሰሚዐ፡ ሓዚነ። ረሲዐይ'ምበር፡ ናብ መቓብር ሓርበናታት ክመጹ ትእዛዝ ክህብ ሓሲበ ኔረ።

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡ ንሓርበኛታት ኣብ መንገዲ ረሺንካስ፡ ስድራን ኣደን ዘለዉ ዎ ም ጅጋኑ፡ ኣደ ኣይትፈልጥ ውላድ፡ ከም ጠባብቅ ኣብ ዝወደቑሉ ሓመድ ደፊንኩሞም? ቅኑዕ ስጉምቲ ኢዩ ዶ ትብል? ኣብ ኣመሪካ ኣብ እርጋኑ ዝሞተ ሰብ'ውን፡ ብክብሪ ኦኣዱ መጽዩ ኢዩ ዝቕበር። እዚ ትፈልጦ ዶ?

ኢሳያስ፡      ዓቢ ገበን'ምበር ተፈጺሙ ብሓቂ። 

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡ እሞ እዚ “ዓቢ ገበን” ዝገበረ ሰብ፡ ናብ ፍርዲ ቀሪቡ ዶ ኣይቀረበን? መን ኢዩ ኸ ዝብሃል?

ኢሳያስ፡   ፍጹም ወዲ መምህር። ኣብቲ ግዜ'ቲ ግን፡ እቲ ገበን ስለዘይተራኣየንን፡ ዝኸሰሶ ሰብ'ውን ስለዘይነበረን፡ ኣብ ፍርዲ ኣይቀረበን።

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡ መን ክኸሶ ኔሩ ዎ  ኢልካ ትሓስብ?

ኢሳያስ፡     እቲ ተበዲለ ዝብል ወገን።  ብተወሳኺ'ውን፡ ኣኽባሪ ሕጊ ክኸሶ ኔሩ ዎ ።

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡ መን ምስ ነገሮ'ሞ ክፈልጦ? ነዚ ጉዳይ ድምጺ ሓፋሽ ኣመሓላሊፋቶ ዶ ወላ ደንጉያ?

ኢሳያስ፡    ድምጺ ሓፋሽ'ኮ፡ ሓሳዊት ኢያ። ኣነ ክንደይ ግዜ፡ ኣብ ቅድሚ ኣኼባ ሓለፍትን ካድራትን፡ ኣብ 1995 ኣብ ምምሕዳር ከተማ ኣስመራ ኣብ ዝገበርኩ ዎ  ኣኼባ ከይተረፈ፡ ብጋህዲ፡ “ኣነ ንድምጺ ሓፋሽ ኣይሰምዓን ኢየ። ድምጺ ሓፋሽ ሓሳዊት ኢያ ኢለ ኢየ።” ስለዚስ፡ ካብ ሓንቲ ሓሳዊት ሬድዮ ቁምነገር ዝጽበ እንተነበረ፡ የዋሕ ጥራይ ኢዩ። ብዘይካ ስራሕ ዝሰኣነን ወተሃደርን  መን ዶ ተኸታቲሉዋ ይፈልጥ ኢዩ?

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡ ንዓኻን ንወዲ መምህርን ነቲ ገበን ፈጺሙ ዝበልካዮ ኣዛዚ ኮማንዶን፡ ኢድኩም ተኣሲርኩም፡ ኣብ ውሽጢ ካንቸሎ እንዳ ስንኩላን እንተትግደፉ፡ እንታይ ምተጸበኹም? 

ኢሳያስ፡    እቲ ትብሎ ዘለካ ሓቂ ይርድ ኣኒ ኢዩ። ኣብ ቅድሚ ኦም ቀሪበ ነቲ ሓቂ ኣንተዘብርሃሎም ግን፡ ዶኾን ኖኣይስ ምገደፉኒ ኢየ ዝብል። ንወዲ መምህር ግን፡ ኢድ ዘይብሎም ከማን በስናኖም ምመንጨቱዎ ።

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡ ዶ? ሕጂ ናብ ሕድሪ ክንሰግር። ሕድሪ እንታይ ማለት ኢዩ? እዛ ሕድሪ እትብሃል መጽሔትከ መን ዝውንና ኢያ ኔራ?

ኢሳያስ፡  ሕድሪ ማለት፡ “መብጽዓ፡ ሓደራ” ማለት ኢዩ።  መጽሔት ሕድሪ ድማ፡ ህግደፍ ዝውንና ወርሓዊት መጽሔት ኢያ ኔራ። ሕድሪ ዝተባህለትሉ ድማ፡ ህግደፍ፡ ሕድሪ ሰማእታት ንከኽብር ተባሂሉ ዝቖመ ግንባር ብምንባሩ ኢዩ።

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡ ሕራይ። ህግደፍ ከ ሕድሪ ሰማኣታት ኣኽቢሩ ዶ?

ኢሳያስ፡   ኣየኽበረን። ህግደፍ፡ ከምዚ ሰብ ዝሓስቦ ዝነበረ፡ ኣይኮነን። ብደገ፡ ብሓቂ ብመደብ ዝኸይድ ግንባር ወላ እንተመሰለ፡ እቶም ህግደፍ ሕድሪ ሰማእታት ከኽብር፡ ሓላፍነት ዝተቀበሉ ሰባት፡ ብዘይካ ሓደ ክልተ፡ ግዜኦም ኣብ ስኽራንን ዝሙትን ቀማርን የሕልፉ ዎ  ስለዝነበሩ፡ ህግደፍ ሕድሪ ሰኽራማት ሓለፍቱ'ምበር፡ ሕድሪ ሰማእታት ኣየኽበረን።

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡ እስከ ካብዞም ሰኽራማትን ተቋመርትን ዝበልካዮም፡ ገለ ኣብነት ሃበና።

ኢሳያስ፡   እዚ ድኣ'ሞ፡ እንታይ ኣብነት ተደልዩሉ? ኣብ መስተን ደቀንስትዮን መጾኻ፡ ብዘይካ ማንኪን ዘምሕረትን፡ ኩላ ጥሒላ ኢያ። ከም ኣብነት፡ ዓብደላ ጃብር፡ ኣለኹ ዝበለ፡ ሊቸንሳ ዝወሰደ ዋጽእ ቁማርተኛ ኢዩ። በይኑ ግን ኣይኮነን። ካብ ህግደፍ ሓሊፉ፡ ኣብ ሰራዊት ከይተረፈ ሱር ሰዲዱ ኣጉላዕሊዑê ዝነበረ ኢዩ።  ውጩን፡ መሳርሕቱ ስለዝነበረ፡ ውጩ ባዕሉ ኣዛዚ ፖሊስ ክኸውን ዝሓረዮ ብሪጋዴር ኣብርሃም ዓንዶምን፡ ክሳብ ብዓስርተ ዕስራ ሽሕ ቅርሺ ይቋመሩ ኔሮም። ኣዘዝቲ ክፍለሰራዊት፡ ብሄሊኮፕተር ከይተረፈ ግንባራት ኣቋሪጾም፡ ብደርዘን ደቀንስትዮ ኣገልግሎት ተኸቢቦም ክቋመሩ ክንደይ ግዜ ረኺበ ምዒደ ሰዲደዮም። ግን፡ ተሓሊሉኒ።

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡ ተሓሊሉካ ዶ? እንታይ ድኣ ኮይንካ፡ ኣብቲ “ሕድሪ” ዝብሃል፡ ቀንዲ ልሳንካ ክትሕተት ከለኻ መኣረምታ ዘይትገብረሉ? ኣብ ሓዳስ ኤርትራከ? ኣብ ድምጺ ሓፋሽከ? እዚ “ንሃገርን ህዝብን ኤርትራ ዘገድስ” ስለዘይኮነ ድዩ?

ኢሳያስ፡      ሓድሓደ ግዜ፡ ዝዓበየ ነገር ከተስተብህል፡ ከምዚ ዝበለ ጉዳይ ስለዝርሳዕ'ምበር" እወ፡ ህዝቢ ክፈልጦም ኣብ ቃልዕ ብሕድሪ ወይ ብካልእ መራኸቢ ብዙሓን ከውጽኦ ዝሓሸ ምንባሩ፡ ሎሚ ይርድኣኒ።

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡ ከም ዝብሃል፡ ግምባር ዛላምበሳ ክፈርስ ከሎ፡ ውጩ፡ ብሓጺን ዝደልደለ መደበሩ ገዲፉ፡ ኣብ ሰንዓፈ፡ ኣብ ሆቴል ሓብቲ ሓጎስ ክሻ፡ ብስኽራን ተለኺቱ ቁማር ይጻወት ኔሩ። ሓቂ ድዩ?

ኢሳያስ፡  ግምባር ዛላምበሳ፡ ብርግጽ፡ ብሸለልትነት ኣዘዝቲ ሰራዊት እቲ ግምባር፡ ከም ዝፈረሰ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ውጩ፡ ኣብ መደበሩ ከም ዘይነበረ'ውን፡ ሓቂ ኢዩ።  ኣብ ሰንዓፈ ይሰክር ድዩ ኔሩ ኣይነበረን ግን፡ ክሳብ ሎሚ ዝፈለጥኩ ዎ  ኣይነበረን።  ንሱ ዝብሎ፡ “ጉዳይ ግምባር ባድመ ክከታተል፡ ናብ ከባቢ ጾሮና ተንቀሳቒሰ ኔረ፡” ኢዩ ዝብል።  ኣበይ ኔሩ ብዘየገድስ ግን፡ ግምባር ዛላምበሳ፡ ብጥበብ ወያኔ ዘይኮነ፡ ብድኽመት ኣዘዝቲ ሰራዊት ኤርትራ ኢዩ ፈሪሱ። ወያኔ፡ ንጎቦ ዓይጋ ብገመድ ተንጠልጢሎም ክድይቡ ከለዉ፡ ኣይፈለጠን። ከም ሳዕቤኑ ድማ፡ እቲ ግምባር ፈሪሱ።

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡ ብዛዕባ እዚ ኩሉ ግን፡ መራኸቢ ብዙሓን ድምጺ ሓፋሽ፡ ተቪኤረ፡ ሓዳስ ኤርትራ ኮነ  ሕድሪ ዝገለጽኦ የለን።

ኢሳያስ፡    ንዘለካ ዓቕሚ፡ ናብ ምክልኻል ሃገር ንምቕናዕ ብዝብል ሕልና፡ ልቢ ኣዕቢኻ ዝተሰግረ ነገር ኢዩ።

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡ ዘለካ ዓቕሚ ኣንጻር ወያኔ ንምቅናዕ ዲኻ ዝበልካ? እስከ ድገመልና።

ኢሳያስ፡    እወ።

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡  ነቶም ዓበይቲ ክኢላታት ኲናት፡ ጴጥሮስ ሰለሙን፡ መስፍን ሓጎስ፡ ዑቅበ ኣብርሃን ብርሃነ ገረዝጊሄርን ግን፡ ኣደስኪልካዮም ኔርካ። ከም ዝብሃል፡ ጸላኢ ብከባቢ ማይ ድማ ጽርግያ መንደፈራ ኣስመራ ክቖርጽ፡ ማይ ድማ በጺሑሉ ኣብ ዝነበረ ግዜ፡ መስፍን፡ ዑቕበን ብርሃነን፡ ኣብ ዓረረዛ ኮይኖም፡ ንስኻ ኣደስኪልካዮም ከለኻ፡ ነቲ ግምባር ሳላ ዘወሃሃድ ዎ  ከም ዝደሓነ ኢዩ ዝፍለጥ። እዚ ሓቂ ድዩ?

ኢሳያስ፡    እዞም ሰባት እዚኣቶም፡ ልዕሊ ዝኾነ ሰብ ንዓይ ዝቀርቡኒ ናይ ዓመታት መጋድልተይ፡ መተዓብይተይ ኢዮም። ኣብ ህዝባዊ ግንባር ኣብ ሓላፍነት ብጾተይ፡ ኢዮም ኔሮም።  ሕጂ'ውን፡ ንዓይ ይቀርቡኒ በሃላይ ኢየ። ኣብቲ ግዜ'ቲ ግን፡ ዑቕበ - ብሕማም ኣዝማ" መስፍን ብገለ ዓይነት ሕማም ኣብ ሕማቕ ኩነታት ስለዝነበሩ፡ ናብ ግምባር ኲናት ኣውፊርካ ዝዓበየ ማህሰይቲ ከይመጾም ብሓልዮት ዝገበርኩ ዎ  ኢዩ። ጴጥሮስ ድማ፡ ኣብ ከባቢ ዓሰብ ስለዝነበረ፡ ናብ ከበሳ ዘጸውዕ ምኽንያት ኣይተራእየንን። ብርሃነ ግን፡ ምስ ስብሓት ኤፍሬም ብዝነበሮ ምስሕሓብ፡ ብርእይቶ ስብሓት ኤፍሬም ከም ዝድስክል ኮይኑ  ኔሩ።

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡ ብግምባር ዛላምበሳ ክፈርስ ከሎ፡ መስፍን ሓጎስ፡ ከም ኣመሓዳሪ እቲ ዞባ መጠን፡ ክሕበሮ ዶ ኔሩ ዎ  ኣይነበሮን? መዓስ ከ ፈሊጡ?

ኢሳያስ፡  ግምባር ዛላምበሳ ብምሉኡ፡ ብርግጽ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር መስፍን ኢዩ ኔሩ። እንተኾነ፡ ኣነ፡ ምስቲ ሃንደበትነትን ተኣፋፍነትን እቲ ሓድሽ ኩነታት፡ ባዕለይ ተቐላጢፈ ንዓዲ ቀይሕ ክኸይድ መሪጸ ኣይነገርኩ ዎ ን። ጌጋ ጌረ። ግምባር ዛላምበሳ ፈሪሱስ፡ ንጽብሒቱ ኢዩ ተነጊሩ ዎ  ንመስፍን።

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡ ሰብን ፈጣርን ከም ዝፈልጦ፡ መስፍን፡ ከምቶም ባዕልኻ ኣቀዲምካ ሰኽራማትን ዘመውትን ምኳኖም ዝጠቀስካዮም ኣዘዝቲ ሰራዊትካ ኣይኮነን። ኣዝዩ ጽፉፍ፡ እሩም፡ በዓል ስነ ምግባር ከም ዝኾነ ኢዩ ዝምስክር ሰነዳትና። ኣብ ሰራዊት ድማ፡ ኣዝዩ ልዑል ተቐባልነት ከም ዝነበሮ፡ ክሳብ ሕጂ'ውን ከም ዘለ ዎ  ኢዩ ዝምስከረሉ። እዚ ሓቂ ድዩ?

ኢሳያስ፡    ድርቅና ገዲፍካ፡ ብዛዕባ መስፍን ክዛረቦ ዝኽእል ኣበር የለን። ብዛዕባ ኣብ ሰራዊት ዝነበሮ ህቡብነት'ውን፡ ዝከሓድ ኣይኮነን። ወተሃደራዊ ብቕዓቱ ድማ፡ ሓደ ካብቶም ንሓርነታዊ ኲናት መሪሖም ኣብ ዓወት ዘብጽሑ ሰብ ስለዝነበረ፡ ካባይ ምስክርነት ዘድልዮ ኣይኮነን።

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡ እሞ፡ ህይወተይ ከድሕን ከይበለ፡ ኣብ ዓረዛ ኮፍ ኢሉ ጉዳይ ማእከላይ ግንባር እናተከታተለስ፡ ኣይዘከርካዮን? ዶ ኣይደለኻዮን? ናይ ቅድሚኡ ዝነበረ ኣመዳድባ ሓለፍትኻን ሕማም በዓል መስፍንን ዑቕበን እሞ ይጽንሓልና።

ብዛላምበሳ ወይን ጥሒሳ ምስ ኣተወት፡ ንመስፍን፡ ሽዑ ንሽዑ ሓቢርካ፡ ብሄሊኮፕተር ንዓዲቀይሕ ሰዲድካ፡ በቲ ሓደ መዳይ፡ ኩነታት ዘመሓድሮ ህዝቢ ክከታተልን - ተፈናቒሉ ክሃድም ከሎ ጉዳይ መዕቖቢኡ ክውስንን" በቲ ድማ፡ ነቶም ሰኽራማት ዝበልካዮም በዓል ውጩብዶ ኣብርሃም ገለዶ፡ ኣብ ምምራሕ እቲ ኲናት ክሕግዞም፡ ንምንታይ ዘይሓሰብካዮ? ኣበይ ድኣ ኣሎ፡ እቲ“ኩሉ ዓቕምኻ ናብ ምክልኻል ሃገር” ንምውፋር፡ ተባሂሉ ዝበልካዮ ስፍሓተ ሕልና?

ድማ፡ ዘይኮነ ዘረባ ኣይትዛረብ። ንስካ፡ ንዓዲ ቀይሕ ኣይከድካን። ካብ ቤት ጽሕፈትካ ንቤት ጊዮርጊስ ዕስራ ጊዜ ክትመላለስ ኢኻ ቀኒካ። ተስፋልደት ዋርድያኻን፡ ወዲ ካሳን ዝፈረሙ ዎ  ሰነድ ምሳና ስለዘሎ፡ መዳከሚ ኣይትግበር። እንታይ ኢዩ መልስካ?

ኢሳያስ፡    እወ ኣነ፡ ግምባር ምስ ፈረሰ፡ መስፍን ኮነ በዓል ዑቕበ፡ ብርሃነ ወይ ጴጥሮስ  ክገብሩ ዎ  ዝኽእሉ ነገር ዘሎ ኣይመሰለንን። ሎሚ ክርእዮ ከለኹ ግን፡ ተጋግየ።

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡ ስማዕ'ንዶ ኢሳያስ፡ ካብ ትጋደል 1966 ክሳብ ናጽነት 1991፡ እስከ ዝወዓልካሉ ውግኣት ዘርዝረልና። ንሕና ባዕልናን፡ ተዓዛቢ ባዕሉን ምእንቲ ክፈርዶ፡ ዘርዝረልና ኣበይ ኣበይ ኲናት ከም ዝወዓልካን፡ ከም ዝመራሕካን። ብዘይካ ኣንጻር ተሓኤ ዝተካየደ ውግእ ሕድሕድ ገረግርን ቃሩራን ትጠቕሶ ዶ ኣለካ የብልካን?

ኢሳያስ፡   ኣብ ኲናት፡ ብዘይካ ኣብዘን ዝተጠቕሳ ካልእ ኣይተሳተፍኩን። እንተኮነ፡ ኩሉ ውግኣት ህዝባዊ ግንባር ፡ ካብ ምውጣኑ ክሳብ ምክያዱ ምስ መሳርሕተይ ምሉእ ተሳትፎ ኢዩ ኔሩኒ።

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡ መሳርሕትኻ መነመን ኢዮም ኔሮም።

ኢሳያስ፡   ኣብ ወተሃደራዊ ኮሚቴ፡ ኣቦ መንበር ኢብራሂም ዓፋ። ኣባላቱ ድማ፡ (1) ጴጥሮስ ሰለሙን፡ ከም ሓላፊ ስለያን፡ ኣዛዚ ግምባር ሓልሓልን፡(2) ዑቕበ ኣብርሃ፡ ከም ሓላፊ ቀረብ ኣጽዋርን ኣዛዚ ግምባር ሰሜናዊ ምብራቅ ሳሕልን፡ (3)ዓሊ ሰይድ፡ ከም ሓላፊ ሓለዋ ሰውራን ኣዛዚ ግምባር ናቕፋን ኢዮም ኔሮም። ድሓር ግን፡ መስፍን ሓጎስ፡ ኣዛዚ ግምባር ናቕፋ ኮይኑ።  ወዲ ዓፋ ድማ፡ ተሰዊኡ።  ድሕሪ መስዋእቱ ኣብ ዝተካየደ ካልኣይ ውድባዊ ጉባኤ ድማ፡ ኣወዳድባ ቀይርና።  ስብሓት ኤፍሬም ጠቕላሊ ስታፍ ስርሒታት ኮይኑ። ኣብ ልዕሊ ዝነበሮም ሓላፍነት ምስኡ ዝተሓጋገዙ ከኣ፡ ጴጥሮስ ብስለያዊ መዳይ፡ ዑቅበ ብሎጂስቲካዊ መዳይ  ተጸምቢሮሞ፡ ስታፍ ስርሒታት ይብሃል ኔሩ። መሳርሕተይ ዝነበሩ እዚ ኣቶም ኢዮም። መስፍን ኣብቲ ግዜ'ቲ፡ ኣዛዚ ግንባር ኢዩ ኔሩ።

እዞም ሰባት እዚኣቶም፡ ስለምንታይ ኣብዚ ሓላፍነት'ዚ ከም ዝሰርሑ ተጌሩ ሽዑ?

ኢሳያስ፡    ኣብ ፖለቲካዊ ስልጣን፡ ብምርጫ ስለመጹን፡ ወተሃደራዊ ብቕዓት ስለዝነበሮምን።

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡ የቐንየልና።  እሞ፡ ካብዚ ባዕልኻ ዝሃብካና ዝርዝር፡ ብዘይካ ስብሓት፡ ንኩሎም ካብ ዕማም ምክልኻል ሃገር ኣርሒቕካ ብምምዳብ፡ ወይ ብምድስካል ኢዶም ኣሲርካዮም ከም ዝነበርካ መሰኻኽር ዘረጋገጹ ዎ  ጉዳይ ኢዩ። ኣብቲ ግዜ'ቲ፡

  • ዑቕበ ኣብርሃ፡ ደስኪሉ፡
     
  • ብርሃነ ገረዝጊሄር፡ ደስኪሉ መዓርጉ ተቐንጢጡ፡
     
  • መስፍን ሓጎስ፡ ኣዛዚ ክንዲ ዝኸውን ኣመሓዳሪ ኮይኑ፡ ተረሲዑ፣
     
  • ጴጥሮስ ድማ፡ ብስንፍናኻን ወዲ ካሳን፡ ሚእቲ ሽሕ ሰራዊት ወያኔ ሃሚሙ ጎቦታት ሰጊሩ ግምባራት ከፍርስ ከሎ፡ ኣብ ስለያዊ መዳያት ጥበቡ ከይገብር፡ ነስመራ ከይመጸ ኣብ ባጽዕ ኮፍ ክብል ኣዚዝካ፡
     
  • ነቲ ብቕዓት ዝነበሮ ጉጅለ ኣርሒቕካ፡  ንኲናት ባዕልኻ ክትመርሖ ከም ዝፈተንካን ኢዩ ዝምስከር።

ስለዚ ከኣ፡ ከምቲ ኣብ ኢድና ዘሎ ጭብጥታት ዝሕብሮ፡ ብሰንክካ፡ ግምባራት ፈሪሱ። ህዝቢ ኤርትራ ኣደዳ ስደትን ሞትን ራስያን ኮይኑ። ሞራሉ ተሴሩ። ዓዲ ርእሳ ኣድኒና፡ ሓይልታት ሰራዊት ኤርትራ፡ ክሳብ ብደረጃ ቦጦሎኒታት ንከሰላ ሰሊመን።

ከምዚ ምስ ረኣኻ፡ ኣቶ ኢሳያስ፡ እዚ ነውሪ'ዚ ዘጉሃዮም ወለላ ሃገር፡ “ስለምንታይ ከምዚ ንኸውን ኣሎና?” ኢሎም ከምዝሓቱ ስለእትፈልጥ፡ ጉድካ ክትሽፍን፡ ስሩዕ ኣኼባታት ከይግበር ወሲንካ። ክንደግመልካ፡ ግምባራት ምስ ፈረሰ፡ ድሕሪ ኣዋርሕ ኢዮም ሚኒስቴራትን ሓለፍትን ኤርትራ ሕቶ ዘልዓሉ። 

ይርድኣካ ዶ ኣሎ?

ንስካ ግን፡ ግምጥል ኢልካ፡ ኣብቲ ”ንህዝብን ሃገርን ዘገድስ ዜና ፕሮፖጋንዳን” ዝፍነወሉ ዝበልካዮ፡ ንስኻ ትመርሖ ህግደፍ ዝውንኖ፡ “ሕድሪ” ብዝብል ቅዱስ መጸውዒ፡ ብሽም ሰማእታት ሃገር ዝሽቅጥ መኹባዕቲ ሓሶት፡ ኣብ ናይ ሕዳር 2003 ዘዳለ ዎ  ሕታሙ፡ “ብዘይካ እቶም ኣቐዲመ ዝጠቀስኩ ዎ ም ብልጫታት፡ ንወያነ መሬትና ክወርር ዕድል ዝሃቡ፡ ተራ ናይቲ ኣብ ውሽጥና ዝተፈጥረ ዘራጊ ማእዝንውን ኣነኣኢስካ ዝርአ ኣይኮነን። ክልተ ኩናት ክትዋጋእ፡ ምስቲ ወያነ ዝነበሮ ብልጫ፡ ናይ ውሽጢ መሳርዕካ ዝዘርግ ኩናት ዝኸፍአዩ። ሓደ ኣሃዱ ናይ ሰራዊት ኣብ ግንባር ተሰሊፉ እንዳተዋግአ ከሎ፡ ንውሽጣዊ መሳርዑ ዝዘርግ ንእሽቶ ኣበር እንድሕሪ ተረኺቡ፡ ዋላ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ጸላኢ ድኹም ይኹን፡ ክዕወትዩ ኢልካ ክትሓስብ ኣይትኽእልን ኢኻ። ህዝቢ ኤርትራ ግን ተዓዊትሉ፡ ብኹሉ መለክዒታት።” ኢልካ ተዛሪብካ። 

ካብ ኮልተፍተፍ ክትድሕን፡ ሓበሬታ ክንህበካ። እቲ ሓታቲ፡ የማነ ገብርኣብ (ማንኪ) ጽሒፉ ዝሃቦ ምካኑ ሓቢሩ ኢዩ።  የማነ ድማ፡ ንስካ ብተሌፎን ዝሃብካዮ መምርሒ ምዃኑ ሓቢሩ ኢዩ። ስለዚ፡ ኣሕጽር ኣቢልካ፡ ብዛዕባ'ዚ እንታይ ትብል?

ኢሳያስ፡   ተጋግየ።

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡ ተጋጊኻ ዶ፡ ኮነ ኢልካ ሰብ ኣደናጊርካ፡ ንስኻ ጥራይ ሓላይ ሃገር ኮይንካ ክትቀርብ? ተጋጊኻ ዲኻ፡ ኮነ ኢልካ፡ ሓሲኻ ሰብ ከተደናግር? ቅድሚ ምምላስካ ኣጸቢቕካ ሕሰበሉ።

ኢሳያስ፡   እወ፡ ካብ ተሓታትነት ክሃድም ስለዝደለኹ፡ ዝበልኩ ዎ  ዘረባ ኢዩ።

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡ እሞ ሓቂ ድዩ፡ ሓሶት? ክዉን ድዩ ጸለመ ኢዩ?

ኢሳያስ፡     ሓቂ ኣይኮነን። መስርሕ ፖለቲካ ኮይኑ ዝበልኩ ዎ  ኢዩ።

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡ እሞ፡ “መስርሕ ፖለቲካ ኮይኑ” ኢልካስ፡ ደቂ ሃገር ኣብ ጉድጓድ ደርቢካ ክትነብር? ሓሶት ኩሉ ግዜ ተሰዓሪት ምዃና ኣይትፈልጥን ዲካ? ድሓን ግን፡ ዳኛ ባዕሉ ስለዘለ ዎ ፡ ኣብ ኡ ይጽናሕካ።

ትስዕብ ሕቶ፡ እዘን “ንፈነወ ዜናን ፕሮፖጋንዳን” ዝበልካየን ድምጺ ሓፋሽ፡ ሓዳስ ኤርትራ፡ ቲቪኤረን ሕድርን፡ “ንሃገርን ህዝብን ዘገድስ” ጉዳይ ድየን ዘመሓላልፋ ኔረን፡ ወይስ፡ ከምዚ ዝተዓዘብናዮ፡ ዝተረሸኑ ስንኩላንን፡ ቅኑዕ ሕቶ ዜጋታትን መረረ ሰብን ገዲፈን፡ “መስርሕ ፖለቲካ ኮይኑ” ባዕልኻ ዝፈጠርካዮ ሓሶታት ነዚሐን ኢየን ህዝቢ ከደናግራ ዝፍትና ኔረን?

ኢሳያስ፡       ኣነ ዝበልኩወን ኢየን ዝገብራ ኔረን።

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡ እሞ፡ የቐንየልና። መልስካ ተመዝጊቡ ኣሎ።

ኣብ ግንቦት 1998፡ ኲናት ባድመ ቅድሚ ምጅማሩ፡ ንስኻ ኣበይ ኔርካ?

ኢሳያስ፡       ስዑድያ።

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡ ቅድሚ ክንደይ ኬድካ?

ኢሳያስ፡      ገለ መዓልታት ቅድሚኡ ከይደ፡ ወያኔ ነጋሪት ኲናት ዝሃረመሉ መዓልቲ መጽየ።

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡ ኣብቲ ግዜ'ቲ፡ ብውጩ ዝምራሕ ክፍለሰራዊት፡ ድሮ ታንክታት ሒዙ ንባድመ ተቖጻጺሩ ኣሎ። 

ኢሳያስ፡        እወ።

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡ ንባድመ ሰራዊት ኤርትራ ከይዱ ካብ ኢድ ኢትዮጵያ ክወስዳ መን ኢዩ ኣዚዙ? ምስክርነት ኣለና። ከይትጋገ ቅኑዕ ክትምልስ እሕብረካ።

ኢሳያስ፡        ኣነ።

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡ መዓስ? ምሽ ኣብ ስዑድያ ኢኻ ኔርካ?

ኢሳያስ፡    ንስዑድያ ዝኸድኩሉ መዓልቲ ትእዛዝ ኣመሓላሊፈ ከይደ።

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡ ወርሒ ቅድሚ'ዚ ኸ፡ ኣገልግሎቶም ወዲኦም ተፋንዮም ዝነበሩ ኣባላት ቀዳማይን ካልኣይን ዙር፡ “ንናይ ወርሒ ታዕሊም” ብዝብል ጉልባብ ዶ ክጥርነፉ ኣዚዝካ?

ኢሳያስ፡    እወ።

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡ ስለዚ፡ ወያኔ ነጋሪት ኲናት ቅድሚ ምህራማ፡ ወርሒ፣ ዝኾነ ሚኒስቴርን ባይቶን ከይፈለጦ፡ ንበይንኻ፡ ምስ ወዲ ካሳን ውጩን ኮይንካ፡ ምድላው ኲናት ምስ ወዳእካ ኢኻ፡ ውጩ ሰራዊት ሒዙ ንባድመ ክቖጻጸራ ኣዚዝካ?

ኢሳያስ፡    እወ።

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡ ስለዚ፡ ነታ ካብ 1983 ክሳብ 1998 ረሲዕካያ ዝነበርካ ባድመ ንክትመልስ፡ ንስኻ ኢካ ኲናት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝፈለምካዮ? ሓቂ ዶ ሓሶት?

ኢሳያስ፡       መሬትካ ንምውሳድ ኲናት ምግባር ግጉይ ኣይመስለንን።

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡ ግጉይ ኢዩ ኣይበልናን። ዝበልና፡ ነቲ ኲናት ዝኣክል ምድላው ምስ ገበርካ፡ ድሕሪ ወርሒ ኢዩ ኲናት ጅሚሩ።  ሓቅና ዶ?

ኢሳያስ፡    እወ።

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡ እሞ፡ ኣብዚ መደናገሪ ናይ ሕድሪ ቃልካ፡ ስለምንታይ፡ “ከይተዳሎና” ወያኔ ዝፈለሙ ዎ  ኲናት ኢልካ ተመሳምስ? ስዕረትካ ክትሸፋፍን ድዩ? ክኢላታት ኲናት፡ ከይሓቱኻ ስለዝፈራሕካ ድዩ?

ኢሳያስ፡    እወ።

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡ የቐንየልና። በቲ ዝሰዓበ ህልቂት ደቅና እሕተት ኢየ ዶ ትብል ኣይትብልን?

ኢሳያስ፡     ንባድመ ንምምላስ ዝተገብረ ኲናት ስለዝኾነ፡ ብውልቀይ እሕተተሉ ኢየ ኣይብልን።

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡ ሕራይ ድሓን፡ ንዳኛ ይችነቖ። ሕጂ ስለምንታይ ኲናት ከም ዝጅመርካ ክፍለጥ ስለዘለ ዎ ፡ ብባድመ ክንጅምር። ስለምንታይ ኣብ 1993፡ ኣብ ኩሉ ከተማታት ኤርትራ ረፈረንደም ክግበር ከሎ፡ ኣብታ መሬት ኤርትራ ምዃና ኩሉ ዝፈልጣ ባድመ ዝነበሩ ኤርትራውያን ኣብ ረፈረንደም ተካፊሎምዶ? 

ኢሳያስ፡      ባድመ ኣይተዘከረትን። ኣብዝቲ ከባቢ ዝነበረ ኤርትራዊ፡ ምናልባት ናብቲ ዝቀረበ መደበር ረፈረንደም ከይዱ ኣድምጹ ይኸውን። ተረሲዓ።

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡ ድሓር ድኣ፡ ኣብ 1998 ብምንታይ ዘከርካያ? ስለምንታይ ኲናት ከም ዝፈለምካ ክትነግረና ፍቓደኛ ዲካ? ብገለ መጠን ንፈልጦን ንግምቶን እንተኾነ'ኳ፡ ካብ ቃልካ ክንሰምዖን ተዓዛቢ ክሳብ ክንደይ ኣህውቲትካዮ ከም ዝነበርካን ካብ ቃልካ ክሰምዖን፡ ክትምልሶ ንሓተካ ኣለና።

ኢሳያስ፡  ምስ ወያኔ፡ ሓደ ሓደ ዘፈላልዩ ጉዳያት ኣይነበሩን ማለት ኣይኮነን። ግን፡ ክሳብ 1997 ብምርድዳእ ኢና ንኸይድ ኔርና። ድሓር ግን፡ ኣብ 1997፡ ንሕና ባጤራና ፈሊና። ምስ'ዚ ድማ፡ ኩሉ ሽግራት መጽዩ።

(1) ኣብ ዶብ ክልቲኡ ሃገራት ዝነብር ህዝቢ፡ ናብ ዘዝቐርቦ ዕዳጋት ክልቲኡ ሃገራት ኢዩ ዝኸይድ። ነዚ ሽግር'ዚ፡ ክሳብ 2,000 ናቕፋ ወይ ብር፡ ዝኾነ ሰብ፡ ኣብ ክልቲኡ ሃገራት ከይዱ ኣስቤዛ ክገብር ተሰማሚዕና። እንተኾነ፡ ጸገም ፈጢሩ።

(2) ኣብ ዓሰብ፡ ማካይን ኢትዮጵያ፡ ርግጫ ብዶላር ክኸፍላ ወሲንና። ኣውቲስቲ ኢትዮጵያ ዶላር ሒዞም መጽዮም፡ መግቦም ድዩ ሆቴሎም ክኸፍሉ ወሲንና። እዚ ን ኢትዮጵያ ስለዘየሐጎሶም፡ ነተን ብዛላምበሳን ዓሰብን ዝከዳ ማካይን ኤርትራ፡ ብዶላር ከኽፍሉወን ጅሚሮም። ዝኾነ ኤርትራዊ፡ ልዕሊ ሚእቲ ናቕፋ ሒዙ ናብ ኢትዮጵያ ከይሰግር ከልኪሎም። እዚ መሊሱ ምፍሕፋሕ ፈጢሩ።

(3) ብድሕር'ዚ፡ እቲ ክዕምብብ ዝተጸበናዮ ንግዳዊ ምልውዋጥ፡ ተተንኪፉ።  ካብ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ዝከይድ ዝነበረ ኩሉ ነገራት፡ ወያኔ ብዘውጽኡ ዎ  መምርሒ፡ ብመንገዲ ባንክታት ክኸውን ተወሲኑ።  ንባንክታት ኤርትራን ባንክታት ኢትዮጵያን ዘራኽብ መካኒዝም ግን ኣይነበረን። ስለዚ፡ ሓደ ነጋዳይ ኢትዮጵያ፡ ካብ ኣስመራ ኣቕሑት ክገዝእ ምስ ዝደሊ፡ እታ ናቱ ባንክ፡ ምስ ባንክትት ኤርትራ ርክብ ስለዘይብላ፡ ዓለምለኻዊ ኣገባብ ንግዲ ክጅምር ግድን ኮይኑ። እዚ ማለት፡ እቲ ነጋዳይ፡ ካብ ኣስመራ ዋጋ ሸውዓተ ሽሕ ዶላር ድስቲ ከምጽእ ገንዘብ ከፊሉ ከም ዘሎ ነስመራ ንምሕባር፡ ብመንገዲ ዓለም ለኸ ባንክታት ኤውሮጳ ወይ ኣመሪካ  ኣቢላ ናብ  ኣስመራ ትልእኮ። ባንክታት ኣስመራ ድማ፡ ነቲ ትእዛዝ ተቀቢለን ክሳብ ዘመሓላልፍኦ፡ ወርሒ ክወስድ ግድን ኢዩ። ኤርትራውያን ካብ ኢትዮጵያ ንዝገዝኡ ዎ  ነገራት ድማ፡ ብግምጣሉ፡ ተመሳሳሊ መስርሕ ክኸውን ኔሩ ዎ ። 

እዚ፡ ርኡይ ነውጺ ፈጢሩ። ኣብ ዶብ ክልቲአን ሃገራት ዛላምበሳን ዓዲኳላን ምስሕሓብ ገኒኑ።  ኣብ ዓሰብ ከምኡ።  ወያኔ ድማ፡ ንነጋዶ ኢትዮጵያ፡ ካብ ኤርትራ ኣቕሑት ከይገዝኡ ጸቕጢñ ጅሚሮም።  ነገራት፡ ከሪሩ፡ ኣብ ጫፍ በጺሑ።  ዘይተጸበናዮ ዓቢ ሽግር መጽዩና። ኣብ መወዳእትኡ፡ ንሓደ ብር 90 ሳንቲም ናቕፋ ዝነበረ፡ ቀልጢፉ ንሓደ ብር 1፡25 ናቕፋ ኮይኑ።

ኣነ ሓሲበ ሓሲብ፡ ፍታሕ ኣይረኸብኩን።  ስለዝኾነ፡ ሓደ ፍታሕ ኢለ ዝሓሰብኩ ዎ ፡ ንወያኔ፡ ብወተሃደራዊ ሓይሊ ኣምበርኪኽካ፡ ቁጠባዊ ፖልሲኦም ከም ዝቕይሩ ምግባር ኢዩ ኔሩ።

ስለዚ ድማ፡ ነቲ ዝተሓስበ ነገር ንምግባር፡ በቲ መሬትና ከም ዝኾነ እንኣምነሉ ባድመ ክንጅምር ወሲነ። ድሕር'ዚ ዝንበረ፡ ኩሉ ሰብ ዝፈልጦ ነገር ስለዝኾነ፡ ምድጋሙ ዘድሊ ኣይመስለንን።

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡ ነዚ ኩሉ ነገራት፡ ምስ መን ኮይንካ ሓሲብካዮን ወሲንካዮን?

ኢሳያስ፡  በይነይ።

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡ ስለዚ፡ ጠንቂ ኲናት፡ ኤርትራ፡ እቲ ምስ ምቅያር ሰልዲ ዝመጽእ ኩሉ ጉዳያት፡ ብፍላይ ድማ ዓለም ለኻዊ ኣገባብ ንግድን ምልውዋጥ ሰልድን፡ ብወገን መንግስቲ ኤርትራ ምድላው ስለዘይተገብረሉን፡ ፈጺሙ ስለዘይተሓስበሉን ኢዩ ዝመስል። ሓቀይዶ?

ኢሳያስ፡    እወ፡ ብወገን ወያኔ'ውን ዝተረስዐ ጉዳይ ኢዩ።

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡ እንታይ? ወያኔ ተደልዮም ገደል ይእተዉ። ተደልዮም ይረስዑ ዎ ፡ እንታይ ይምልከተና? “መለስ  ኣብ ዓመት ሓደ ቢልዮን ይረክብ ኣሎ'ሞ፡ ኣነ ኣንታይ ኮይነ ወላ ፍርቁ ዘይረክብ?” ዝብል ቅዱስ ቅንኢ ኣይሓደረካን።  ኣብታ ምስ ኡ ተመዓራርየካ ሕማቕ ግን፡ ትብስ ትብስ። ኣታ! ፌራ ሰብ ኢዩ ምስ ሕማቓት ክመዓራረ ዝፍትን። ካብ ጸላኢኻ ምምሃር ዝዓበየ ልቦና ከም ዝኾነ ሰሚዕካዮ ዶ ትፈልጥ? ናብ ጉዳይና ንኺድ ግን።

ስለዚ፡ ናቕፋ ዝብሃል ሰልዲ ከተተኣታቱ ከለኻስ፡ ምስ ጎሮቤት ሃገራት ዝህሉ መስርሕ ፈጺምካ ኣይሓሰብካሉን፡ ወይ ንዝሓስቡሉ ሰባት ኣይነገርካን ማለት ኢዩ።

ኢሳያስ፡  እወ።

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡  እሞ፡ ብሰንኪ ናትካ ድንቁርናስ፡ ኣርብዓ ሽሕ መንእሰይ፡ ብዘይ መርድእ፡ ኣብ በረኻ ተቀቢሩ? እሞ፡ ድማ ስዕረት ተሰኪሙ? ሚልዮን ህዝቢ ተፈናቒሉ? ብሰንክኻ ክብሪ ኤርትራዊ ሓሲሩ፡ ካብ ዓደምሓራ ሚእቲ ሽሕ ሰብ ተሰጕጉ? ሰብ ተዋሪዱ?

ኢሳያስ፡     ነዚ ይቕሬታ ኣሓትት።

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡  ኣንታ ኢሳያስ፡ ኣብ 2001 ይቕሬታ እንተትሓትት፡ ኣነ በዛ ነብሰይ፡ “ይቕሬኻ” ካብ ሕጂ ንድሓር ግን ኣይደገም ምበልኩ።  ሕጂ ግን፡ ብማዕበል ህዝቢ ምስ ወረድካ እሞ እንታይ ክዓብስ ኢዩ ይቕሬታ? ሰንኩላን ቀቲልካ፡ ዘይኮነ ብዘውርያ መደናገርቲ መራኸቢ ብዙሓን፡ ናይ ደቅንስትዮ ሃበሮ ትዛረብ!? ኲናት ኣዚዝካ፡ ንስዑዲያ ኬድካ ከተብቅዕ፡ ድምጺ ሓፋሽ፡ ዝሃብካያ ሓሶት ተውሪ!? ሰልዲ ናቕፋ ምሂዝካ፡ ሃገር ከመይ ከም ዝምራሕ ስለዘይትፈልጥ፡ ኣብ ዓለም፡ ኤርትራ ትብሃል ሃገር ክዛብ ዘላ ዘይርሳዕ ስዕረት ኣሰኪምካ፡ ንዓዲ ጅጋኑ ብወያኔ ኣድፊርካያ!

ዝገደደ ድማ፡ ንዓሰርተው ኣርባዕተ ዓመት፡ ብሬድዮን ጋዤጣን ተለቪዝዮንን ካልእ መሳርሒ ሓሶትን፡ ህዝቢ ኣደናጊርካ።

ስለዚ፡ ኣነ ክብለካ ዝኽእል፡ ካብ ሎሚ ኣብ ውሽጢ 27 መዓልቲ፡ ናብ ሕጋዊ ቤት ፍርዲ ክትቀብር መሰል ከም ዘለካ ምዝኽካር ጥራይ ኢዩ። ብመንገድና ግን፡ ብዘይካ'ዚ ዝሓተትናካ ኣብነት ገበንካ፡ ክልተ ሚእቲ ሰብ ዝጸምቁ ዎ  ዘለዉ ከባቢ ክልተ ሽሕ ገጽ ገበናት ይዝርዘር ኣሎ። ክንደይ ኣሉ ዝበልካሉ፡ ምስ ጭብጡ ናብ ዳኛ ክቀርብ ኢዩ። ጥውይ ኣቢልካ፡ ቅዱስ ዘምሰልካዮ ሓጥያት፡ ተነጺሩ ክቐርብ ኢዩ። ንሕና ክንገብረልካ ንኽእል ነገር እንተላ፡ ዳኛ “ገበነኛ ኢዩ፡” ክሳብ ዘይበለካ፡ መሰል ስድራቤትካ ከይትንከፍ ምእዛዝን ምክትታልን ኢዩ። ገበነኛ ኮይንካ ምስ ትርከብ ድማ፡ ንደቅካ ክወርዶም ዝኽእል ሓደጋ ተረዲእና፡ ንድሕነቶም ክንብልን፡ ርስሓትካ ተሓጺቡ ክኸደልናን፡ ጥበብ ክመሃዝ ነጽንዕ ኣለና።

ትብሎ እንተዘይብልካ፡ ኣብ ሰለስተ ክፋል ዝቀረበ ቀዳማይ መደብ ምጽራይ ጉዳያትካ፡ ኣብዚ ተዛዚሙ ኣሎ።

ኢሳያስ፡  ዝብሎ የብለይን። ንስድራቤተይ ብዝግበረሎም ዘሎ ድማ አመስግን።

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡  ኣይኮነን ስድራካ፡ ነቦታትካ እኮ ኢዩ ዘእንግድ ኤርትራዊ ኣቶ ኢሳያስ። ኣይኮነን ሎሚ፡ ጓልና ንዝወለደቶም ደቅኻ፡ ነቦታትካ'ውን ኣኽቢርና ንኸይድ ህዝቢ ኢና። ኢድና ግን ኣይፈደኻንን። ሕጂ ግን፡ ብሰንክካ፡ ኣብ ኤርትራ ዝተፈጥረ ኩነታትን ሕማቕ ምህሮኻን ዘነጽር፡ መደብ ኣለና።

ጸሓፊ፡ ኣቶ በራኺ ገብረስላሴ መጽዩ'ንተሎ፡ ኣብ የማናይ ወገን ናይዚ ኣደራሽ ኣብ ዘሎ መድረኽ ክመጽእ ለመናና ኣቕርበሉ። ኣቶ ዓሊ ዓብዱ ድማ፡ ካብ ናኹራ መጽዩ ኣብ መጸበዪ ቦታ ስለዘሎ፡ ሰንሰለቱ ፈቲሕኩም ናብ ሸነኽ ጸጋም ናይዚ ኣደራሽ ኣምጽኡ ዎ ።

ክቡር ተዓዝቢ፣ ክቡር ኤርትራዊ ዜጋ፣ ክቡር ሰራዊት ኤርትራ፣ ኣብ ኩሉ ኩርናዕ ኤርትራ ትርከቡ ኣዴታትን ኣቦታትን ምስ ድቅኹም፡-

“ካብታ ሕማቕ ዝገብሩኻስ፡ ሕማቕ ዝምህሩኻ” ዝብል ምስላ ኣሎና። ኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብርሃ ሃይሉ ዝመርሖ ዝነበረ መንግስቲ፡ እንታይ ጽቡቕ - እንታይ ከ ሕማቕ? እንታይ ምህሮ - እንታይከ እምባጋሮ? እንታይ ፍትሒ - እንታይ ከ ሽርሒ ርኢኹምሉ፡ ዝተሰግረ ምረትን ዝጸረረ ንብዓትን ስለዝምስክሮ፡ ካባና፡ ካብ ሽማግለ ምጽራይ፡ ትጽበዩ ዎ  ሓድሽ ነገር ከም ዘየለ ንፈልጥ ኢና።

ስለ ወግዒ ስለ ኣገባብ ግን፡ እቲ ዝሓለፈ፡ ወላ ንፍለጦ ክሕድሰና'ሞ፡ ከምዚ ዓይነት ሸለልትነትን ምዕዛምን ከይነርኢ መታን፡ ከም ዝተኸታተልኩሞ፡ ብተለቪዝዮንን ሬድዮን ብቀጥታ ክመሓላለፍ ቀንዩ። ዝገበርናዮ ጉድለት፡ እንተሎ፡ ናብቲ ካልኣይ መደብ ሕቶን መልስን ኣቶ ኢሳያስን መሳርሕቱን ቅድሚ ምስጋርና፡ በቲ ዝቀረበ ኣገባብ ክትሕብሩና ደስ ይበለና። ዘይጋገ ሰብስ፡ ኢሳያስ'ምበር፡ ርኢና ስለዘይንፈልጥ፡ ንለበዋታትኩም ክንመሃረሉ ድሉዋት ምዃንና፡ ኣቐዲምና ንሕብር።

ቀጺልና፡ ሰብ ዕድል ኣብ መድረኾም ቀሪቦም ስለዘለዉ። ናብኦም ንስገር።

ኣቶ በራኺ ገብረስላሴ፡ እንቋዕ ካብ ምንጋጋ ሞት ኣውጺኡ ናብዚ ኣብቅዓካ። ደቅኻን ስድራካን ድማ፡ እንቋዕ ብኽያቶም ብሓጎስ ተደበሱ። ደቅኻ ተዕብን፡ ኣብ ዓድኻ ትኮርዕን ይግበርካ። ብሓለፋ ብዙሓት፡ ሰለስተ ግዜ  ዝተጋደልካላ ሃገር ድማ፡ ካብዚ ገፋዕትኻን ገፋዕቲ ህዝብካን ዝሸመሙዋ ዓዘቕቲ ውጽያ፡ ናብ ጎደና ምዕባሌ ገጻ ክትምርሽ ክትርኢ፡ ዕድመ ይሃብካ። ዕድሜና ኣኽቢርካ ኣብዚ ምምጻእካ ድማ፡ ነመስግነካ። የቐንየልና።

ኣቶ ዓሊ ዓብዱ፡ ድሓን ዶ ኣለካ?

ዓሊ ዓብዱ

ዓሊ ዓብዱ፡  መስገኖ።

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡ ኣቶ ዓሊ፡ ካልኣይ ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ኣብ ናኹራ ንዘቅረበልካ ሕቶታት ብምዝካር፡ ደረጃ ትምህርትኻ፡ ናይ ስራሕ ተመኩሮካን፡ ኣብ ግዜ መንግስቲ ህግደፍ ዝነበረካ ሓላፍነትን ክትገልጸልና ፍቓደኛ ዲኻ?

ዓሊ ዓብዱ፡ ፕረዚደንት ሃገረ ኤርትራ፡ ኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ከም ዝበሎ፡ እቲ ንሃገር ዘድሊ ቀንዲ ነገር፡ ተወፋይነት..

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡ መን ከም ዝበሎ? ኣቶ ዓሊ፡ ስራሕካ ኢኻ ተሓቲትካ። እንታይ ኣምጽኦ ተወፋይነት ዶ ኢሳያስዶ? ንስካ ትብሎ'ምበር፡ ኣቶ ኢሳያስ ዝበሎ ኣይኮናን ደሊና። ኣቶ ኢሳያስ እንተኽኢሉ፡ ዘይተመለሰ መላይን ሕቶታት ኣለ ዎ ።  ናባና ናብ ሽማግለ እሞ ጠምት። ኣይትፍራሕ! ኣብ ተለቪዝዮን ስለዘይሰማዕካዮ'ምበር፡ ኣቶ ኢሳያስ፡ ከማኻ እሱር ኢዩ። ስልጣን ናብ ህዝቢ ተሰጋጊሩ ኢዩ።  ሃገር ዝገዝእ፡ ቅዋም ኢዩ። ስለዚ፡ ካብ ሕጂ ንድሓር፡ ብዝገበሮ ገበንን ዝጠሓሶ ሕግን'ምበር፡ ብዝተዛረቦ ዘረባ ዝእሰር ኤርትራዊ ስለዘየለ፡ ግልጽ ምልጽ ኣይትበል። እንተደሊኻ፡ ነዚ  ሽማግለ'ውን፡ ምምላስ ክትኣብዮ መሰልካ ኢዩ። ድሓር ግን፡ ንእትሕመየሉ ነገር ንጹር መልሲ ከይሃብካሉ ናብ ዳኛ እንተቐሪብካ፡ ንዝመጸካ ፍርዲ ተሓታቲ ባዕልኻ ምዃንካ ኣቐዲምካ ክትፈልጦ ነዘኻኽረካ። 

ናይ ፍትሒ ሚኒስቴር ድማ፡ በራኺ ገብረስላሴ ኢዩ። ኣቶ በራኺ፡ እግረ መንገድና፡ ሽማግለ ሕርያ ሓለፍቲ መሰጋገሪ መንግስቲ ኤርትራ፡ ግዝያዊ ሚኒስቴር ፍትሕን፡ ኣቦ መንበር ሽማግለ ሃገራዊ ዕርቅን፡ ኮይንካ ከም ዝተመዘዝካ፡ ብቅዳሕ ደብዳቤ ስለዝተሓበረና፡ ዮሃና ንብለካ። ምስ ኣቶ ዓሊ ዓብዱ ደው ኣቢልና ክንሓተካ ዝወሰነና ድማ፡ ኤርትራውያን፡ ባዕሎም ተዓዚቦም ናይ ትማሊ ገምጊሞም ናብ ጽባሕ ክሰጋገሩ ምእንቲ፡ ብፍላጥ ዝገበርናዮ ኢዩ። ስለዚ፡ ናብ ሕቶታትና ክንሰግር። ንሓንቲ ሕቶ፡ ክልቴኹም በብወገንኩም መልሲ ክትህቡላ ክትሕተቱ ኢኹም። ዘይደለየ፡ ኣይምልስን ክብል መሰሉ ኢዩ። ተረዳዲእና ዶ?

ዓሊ ዓብዱ፡     እወ።

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡  የቐንየልና። ንነብሲ ወከፍ ሕቶ፡ ፈለማ ዝምልስ፡ ኣቶ ዓሊ ኢዩ። ስዒቡ ድማ፡ ኣቶ በራኺ።

ናይ ስራሕ ተመኩሮኻን፡ ትምህርትኻን ክትነግረና ፍቓደኛ ዲካ?

ዓሊ ዓብዱ፡    እ...እ,,, እወ። ዓሊ ዓብዱ እብሃል፡ ደረጃ ትምህርተይ፡ ሻሙናይ ክፍሊ ወዲአ ንሜዳ ተሰሊፈ። እንተኾነ፡ መዋእለይ ምስ ዋና ጸሓፊ ህዝባዊ ግንባር ስለዝሰራሕኩ፡ ብዙሕ ተመኩሮ ኣለኒ። ዝነበረኒ ስራሕ ድማ፡ ንዓሰርተ ኣርባዕተ ዓመት ናይ ኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኦፕረይተር ኔረ። ብድሕሪ'ዚ፡ ናይ ማሕበር መንእሰያትን ተመሃሮን ኤርትራ ሓላፊ ኔረ። ኣብ መወዳእታ ድማ፡ ሓላፊ ሚኒስትሪ ዜና ኮይነ ኣገልጊለ።

በራኺ ገብረስላሴ

በራኺ ገብረስላሴ፡   ሽመይ በራኺ ገብረስላሴ እብሃል። ደረጃ ትምህርተይ፡ ብሕጊ፡ ክሳብ ሳልሳይ ዓመት ዩኒቨርሲቲ ተማሂረ። ተመኩሮይ፡ ኣብ ንእስነተይ መምህር ኔረ። ብድሕርዚ፡ መምህር ከለኹ፡ ትምህርተይ ክቕጽል ወሲነ። ምስ ዝነበረ ኩነታት ሰውራ ግን፡ ንሜዳ ከይደ። ኣብ ግዜ ቦጦሎኒታት ኮሚሳር ቦጦሎኒ ኮይነ ሰሪሐ። ኣብ 1977 ኣብ ዝተኻየደ ቀዳማይ ጉባኤ ህዝባዊ ግንባር ድማ፡ ኣባል ማእከላይ ሽማግለ ኮይነ ተመሪጸ። ብድሕርዚ ኣብ ዝተፈላለየ መደባት ስራሕ፡ ከም ሓላፊ ኮይነ ኣገልጊለ። ኣብ መወዳእታ ድማ፡ ድሕሪ ናጽነት፡ ከም ሚኒስቴር ትምርቲ ፈለማ፡ ድሓር ከም ሚኒስቴር ዜና፡ ኣብ መወዳእታ ክሳብ ምድስካልን ምእሳረይን'ውን፡ ኣብ ሃገር ጅርመን ከም ኣምባሳደር ሃገረ ኤርትራ ኮይነ ሰሪሐ።

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡ ሓላፊ ናይ ሚኒስትሪ ዜና ኮይንካ ኣብ ዘገልካሉ ግዜ፡ እትሕበነሎም ዓሚመዮም ትብሎም ዕማማትን፡ ዝነበሩ ጸገማት እቲ ሚኒስትሪን ክትገልጸልና ፍቃደኛ ዲካ?

ዓሊ ዓብዱ፡ ንዓይ ከም ዓሊ መጣን፡ ሰሪሐዮ ዝብሎ ዘሕብነኒ ነገር እንተሃልዩ፡ ፈነወ ድምጺ ሓፋሽ ሰዓታትን ቋንቋን ወሲኹ። ሰኣን መሳርሒ ዜና ሃገርም ብቲቪ ክከታተሉ ዘይከ ኣሉ ኣብ ኩሉ ዓለም ዝነብሩ ኤርትራውያን፡ ንወርሒ ከባቢ ሽሕ ናቕፋ ከፊሎም ጉዳይ ሃገሮም ክከታተሉ ኣገባብ ኣተኣታቲና። ብዙሕ ዓሚል ግን ኣይረኸብናን። ካልእ..ብፍቃድ ኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ምስ ቪ ኦ አ ብተደጋጋሚ ቃለ መጠይቕ ጌረ። ዝነበረ ዕንቅፋታት እንተኾይኑ፡ ኣብ ሚኒስትሪ ዜና እንግሊዝ ዝኽእሉ ኣባላት ስለዘይነበሩና፡ ዜናና ብጽቡቅ ይመሓላለፍ ኣይነበረን። ሰባት ከይንቖጽር መንግስቲ እኹል ገንዘብ ኣይነበሮን።

በራኺ ገብረስላሴ፡  ኣነ ኣብ ዜና ከለኹ ጌረዮ ዝብሎ፡ ዘሕብነኒ ነገር ኣይነበረን። ዕረፍቲ ሕልና ዝህበኒ ግን፡ ድምጺ ሓፋሽን ካልእ መራኸቢ ብዙሓንን፡ ናይ መንግስቲ ብምንባሩን ኣዝዩ ከቢድ ጸቕጢ ፕረዚደንት ነበር ኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቂስለዝነበረናን፡ ካብዚ ጸቕጢ'ዚ ናጻ ኮይነን ክሰርሓ ዝኽእላ ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ስርሐን ክጅምራ፡ ምስ መሳርሕተይ ኣባላት ሚኒስትሪ ዜና ኮይነ፡ ባይታ ኣብ ምጥጣሕ እጃመይ ኣበርኪተ። ካልእ ግን፡ ውሽጥካ ኣሕሪሩ ኣብ ዘይሕማምካ ዘብጽሕ ስራሕ፡ ቖሎ ጥጥቖ ወረ ንህዝቢ ፈንየ ዝሕበነሉ ጉዳይ ፈጺሙ የለን። ቀልጢፈ ነቲ ስራሕ ደርብየ ዘይወጻኹ ከማን፡ መሳርሒ ተንኮል ክኸውን ስቕ ምባለይ፡ ገበን ጌረ በሃላይ ኢየ ኣነ። 

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡ ኣብ ሚኒስትሪ ዜና ከለካ፡ ብክንደይ ቋንቋታት ትፍንዉ ኔርኩም? ጠቕሙኸ ክሳብ ክንደይ ኢዩ ኔሩ?

ዓሊ ዓብዱ፡  ኣነ ኣብ ሚኒስትሪ ዜና ክመጽእ ከለኹ፡ ኣምሓርኛን ኦሮሞን ሓዊስካ፡ ብሽዱሽተ ቋንቃቊታት ጸኒሑኒ። ምስ መጻኹ፡ ብትሽዓቲኡ ቋንቃታት ኤርትራን ኣምሓርኛን ኦሮሞን ከም ዝመሓላለፍ ጌረ። ሳልኡ፡ ህዝቢ ጉዳይ ዓዱ በብቋንቋኡ ክከታተሎን ተሳትፍነቱ ከዕብን ክኢሉ።

በራኺ ገብረስላሴ፡   ኣነ ዝብሎ፡ ብኣንጻሩ ኢዩ። እቲ ፈነወ ዜና፡ ቅኑዕ፡ ሓቀኛ ፍጻሜ፡ ምስ ዝኸውን፡ ብርግጽ ኩሉ ህዝቢ ዝረብሓሉ - ዝመሃረሉ ኢዩ።  እንተዘይኮነ፡ ንህዝቢ እንጅራ ኣይኮኖ ክዳን፡ ውቅያኖስ ዘረባ ክትቅልቦ፡ ብትሽዓተ ቋንቋ ምዝራብ፡ ነቲ ከይሰምዐ ምትራፍ ዝሕሾ ህዝቢ፡ መሊስካ ንምግጋይ ዝውሰኽ ዘሎ ቋንቋ ጥራይ ኢዩ ኮይኑ ዝተርፍ። ምኽንያቱ፡ ዜና፡ ብብዝሒ ቋንቋ ዘይኮነ፡ ብመጠን ክብደቱን ሓቁን ክውንነቱን ስለዝምዘን፡ ድሕሪ ምዝዛም ረፈረንደም 1993፡ ሚኒስትሪ ዜና ዝገበሮ ጉድኣት'ምበር፡ ዘፍረዮ ቁም ነገር ኣይነበረን። ምኽንያቱ፡ ሓሶት ኣውሪኻ ሰብ ትሃሲ፡ ተታልል'ምበር፡ ንህዝቢ ኣይትጠቅምን ኢኻ።

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡ ጽባሕ፡ ሚኒስቴር ዜና ኮይንካ እንተትምደብ፡ እንታይ ምገበርካ?

ዓሊ ዓብዱ፡   እዚ ዝተካየደ ዕልዋ፡ ንረብሓ ህዝቢ ኤርትራ ከም ዘይኮነን፡ እቶም ንህዝቢ ኣነዓዒቦም ዕግርግር ዝፈጠሩ ሰባት፡ ጸላእቲ ህዝቢ ከም ዝኾኑን ከቢድ መቕጽቅዕቲክውሰነሎምን ርእይቶ ምሃብኩ። ቅኑዕ መራሒና ፕረዚደንት ሃገረ ኤርትራ ኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ድማ፡ ንዘይተወሰን ዓመታት፡ ኣብ ስልጣን ኮይኑ ንወፍሪ ዋርሳይ ይከኣሎ ክቕጽል መጎሳጎስኩ። ሰዓታት ድምጺ ሓፋሽ ድማ፡ ናብ 24 ሰዓት ኣብ መዓልቲ መንዋሕኩ ዎ ።

በራኺ ገብረስላሴ፡   ኣነ ሕጂ'ውን፡ ፍልይ ዝበለ መርገጺ ኢዩ ዘለኒ። (1)ናይ መንግስቲ ማዕከናት ዜና፡ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሰብ ከም ዝደልዮ ዝጥምዝዘን መጋበርያ ኣብ ክንዲ ዝኾና" መን ኣብ ስልጣን ኣሎ ብዘየገስ፡ ምንጪታት ቅኑዕ ሓበሬታ" ወሃብቲ ሓቀኛ ነቐፌታ"መኣዲ ፍልጠትን ሓቅን ክኾና መታን  ክኽእላ" ናጽነት ዝህበን፡ ብሕጊ ዝጸደቐ ኣዋጅ ክህሉ ምጸዓርኩ። ስነ - ምግባራውያን ዜጋታት ድማ ምመደብኩ። (2) ድምጺ ህዝቢ ዝስመዓለን ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት፡ ብከምቲ ጅሚረንኦ ዝነበራ ዝድነቕ ኣከያይዳ፡ ብሓላፍነታዊ መንገዲ፡ ንህዝቢ መሃሪ መልእኽቲ ከመሓላልፋ" ህዝቢን መንግስትን ክፈልጦም ዝግባእ ጉድለታት መንግስትን ምምሕዳሩን ኣብ እዋኑ ኣለሊየን ኣራሚ ርእይቶታ ክህባ"ጽቡቅ ዘሎ ኣለልየን ምትብባዕ ክቕጽላ" ንኩሉ ሰብ ማዕጾአን ከፊተን፡ ሓደሽቲ ደረስትን  ጸሓፍትን ከፍርያ" ባህሊ ሃገር ምስ ዓለም ከፋልጣ፡ ዝከኣል ምገበርኩ። ብሕጽረት ገንዘብን መሳርሕን፡ ካልእ ኣማራጺ ምስ ዝሰኣን፡ ካብዚ ክልተ ህንጻታት ሚኒስትሪ ዜና፡ ነቲ ሓደ ብውሑድ ክራይ ክጥቀሙሉ ፈቂደ፡ ኣዳለውተን፡ ክሳብ ጋዜጣታቶም እቶት ረኺበን ነብሰን ዝኽእላ፡ ብናይ መንግስቲ መሳርሒ ክቅጽላ መፍቀድኩ። (3) ናይ መንግስቲ ማዕከናት ዜና ኮነ ናይ ብሕቲ ጋዜጣታትን ምስ ምዕባሌ ዝጥረ ሬድዮን ቲቪን፡ ብማዕረ ደረጃ ሓበሬታ ምርካበንን ብማዕረ ደረጃ ተሓታትነተንን እትከታተል ሽማግለ፡ ኣብ ሃገራዊ ባይቶ ክትቀውም ርእይቶ ምሃብኩ። (4) ነቲ ሚኒስትሪ ድማ፡ ዜናን ባህልን ስፖርትን ዘጠቓልል ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ" ወይ ነብሱ ዝኸኣለ፡ ሓደ ካብ ንኡሳን ጨናፍር መንግስቲ ክኸውን ርእይቶ መቕረብኩ።    

ሽማግለ ምጽራይ ገበናት ህግደፍ፡ክቡራት ተዓዘብቲ፡ እቲ ዝተባህለ፡ ብማዕረ ሰሚዕናዮ ኣለና። መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ኢድና ስለዘሎ፡ ነገር ኣቶ ዓሊ ዓብዱ ከነትርር፡ ኣብ ዘይጉዳይና ኣቲና፡ እታ ዝበላ ኣገባብ ተጠቒምና፡ ዓይኒ ክንዲ ዓይኒ፡ “ብከቢድ ይቀጻዕ” ኣይንብልን።

በንጻሩ እኳ ድኣ፡ ዘረባ ዓሻ ንጎኒ ገዲፍና፡ እቶም ኣብነታዊ ወላዲኡ ኣቦና ዓብዱ፡ ወዶም ዝሓቁፉሉ ዕለት ንምነየሎም። ንሕና ብዓቕምና፡ እቶም ኣብ እርጋኖም ከም ከልቢ ዝተሞቕሑ ወረጃ ኣቦ፡ ክልተ ግዜ ከይነብዑ ብምሕላይ፡ ኣብ ውሽጢ 27 መዓልቲ፡ ኣብ ቅድሚ ዳኛ ቀሪቡ ጉዳዩ ክሳብ ዝርአ፡ ኣቶ ዓሊ ስለዝግብኦ ዘይኮነ፡ ስለ ሕልና፡ ብናይ ህይወት ውሕስነት በዓልቲ ቤቱ ክወጽእ፡ ካብ ዝምልከቶ ቤት ፍርዲ ፍቓድ ረኺብና ኣለና።

ምናልባት፡ ቅር ዘብል ነገር ከይህሉ፡ ኣቶ ዓሊ ዓብዱ፡ ዝተባህሎ ምትግባርን ምውጣይን እንተዘይኮይኑ፡ ብርእስካ ሓሲብካ ዘግብር ዓቕሚ ኮነ ትምህርቲ ስለዘይነበሮ፡ ንሱ ዝብርዞ መስርሕ ምጽራይ ከምዘየለ ምስ ተፈልጠ ዝተበጽሐ ውሳኔ ምዃኑ ንተዓዝቢ ክንሕብር ንፈቱ። ብተመሳሳሊ፡ ካብቶም 50 ዝኾኑመጋበርያ መራሕቲ ህግደፍ፡ ከምዚ ናቱ ዕድል ዝተዋህቦም ሰባት ከም ዘለዉ ንጠቅስ።

ናይ ሎሚ መደብና፡ ኣብዚ ተዛዚሙ ኣሎ። እዚ ዝመጽእ ሓድሽ ዓመት፡ ራሕስን ጠልን ዘምጽእ" ፍትሕን ርትዕን ዕርቅን ዘንግስ ዓመት ክኾነልና ድማ ንምነ።

ድሓን ቀንዩ።


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...