ስቕ መሪጽና

 

ኣብ ስቕ ዘሎ መሰቓስቕ

መዓስከር ንብላሽ  ምስተባህለ፡ ስቕ

ስቕ ጥዑም፡ ከም ጨው ክሳብ ዝሓቅቕ

ተመሪጹ'ወ፡ ሰብ ብኸንቱ ከህልቕ

 

ኣስናን ኣብሊሑ፡  እናበለ ፍሽኽ

ልሳን ዓቢሱ፡ መሬት ክገዝእ ብሕሹኽ፡ሹኽ

ኣፉ ከፊቱ፡ ኣብዒጡ ዘረባ ህልኽ

ይተፍእ ደም ድብልኽ

 

'ታ ስቕ ንባዕላስ እንታይ ኣላታ

ኣብታ እዋና፡ ኮታ'ብታ ሰዓታ

እዝኒ'ኳ ትድሀ፡ ክትሰምዕ ድምጺ ባይታ

ዓይና ቋሕ ኣቢላ፡ ትርኢ መረጽየን ትርኢታ

 

ንሕና መዓስ ስቕ መሪጽና፡ ባዕልና

ዘይ'ታ ስቕታ'ያ ባዕላ፡ መሪጻትና

ኣብ እዋናት እምኒ እኒ፡  ኣብ ደናጉላ ዶንጎሎ ከሎና

ወዮ ሕጂ ሓመድ ምስ ለበስና፡ ንብል ሽዑስ'ወ መሲሉና

 

'ዛ መልሓስ፡ እነሆ ትዝርዘር ከም ቅርሺ

ትግዛእ ብገንዘብ፡ ዘይገንዘባ በሊዓ ትብል ሕራይ እሺ

ትብል'ወ ዘብዘብ፡ ረኺባ መጋየሺ

ወዮ ምስ ጸበባ፡ በብእዋኑ ትጎዪ ናብ ቀሺ

 

ስቕ መረጽና'ሞ፡ መጸና ዘይምርጫና

ኣብቲ ርእሲ ሕሹኽ፡  ሹኽ ተጎልቢብና

ነስተንፍስ፡  ሃየ እነሆና

ረኣዩልና ወስምዑልና፡  መርቑና

 

ንማዕተብ፡ ነዛ መዓልቲ

እስኪ ናይ ብኡነት፡ ስቕ ምረጹ ናይ ብሓቂ

ክንሰምዕ መቓልሕ ስቕታ፡ ነዛ ሕጂ

ክትዓርፍ 'ዛዘረባ፡ ዘለኣለማዊት ድቃስ ዝኽሪ

 

ገብርኤል ጓንጉል
20 ሰነ 2016