ማይ ጥብ! ነፍሒ

ይኸውን ግዲ ሕማም ሕርሲ፡ ኣጋ ፍርቂ ለይቲ
ኣብ ዋዕላ ዓስከሪየን ዓስከርቲ
ተላዒሉ ዘረባ፡  ዘረባ ዘለኣለማዊ ዝኽሪ
ካብታ  ዘለኣለማዊት ድቃስ፡ መበራበሪ

ዕዮበልዩ ብዝበሃል ጉዳይ፡  ብሃንደበት
ጉዳይ በዓል ርብዒት፡ ሚእ’ቲ ት’ዓመት
ብዛዕባ ህልው ኩነት
ካብ ተባህለ እምበኣር፡ እሞ ደኣ እንታይ ይገበር? ብኡነት!

 ንሕና ደኣ፡ በለ ሓደ
ቀደም ሓመድ ዝለበስና፡ ኣብ ውግእ ሕድሕደ
ሕጂኸ እንታይ ይብሉ፡ በዓል ብደዉ ካልኣይ ዝሞተ
ንዓና ክዝክር፡  ብስኻር ተስካር ዝዓበደ

ንሰምዕ  እወ! ሰምሰም እናበልና፡ ሹመት ሂቦምና
ኣብ ወረቐት ዝጸደቐ ስም፡  ተሸሊሙ ሽምና መሰ’ቦና
ተፈሪሙ’ወ፡ ተሰቒሉ ምስ ስእልና
ገና ደሓን፡ ብጥዑያትና ከሎና

መጸት ከኣ እዛ ወርሒ ሰነ
መዐሸዊት እዋን፡ ድጋመት ዓመት ንዝዓመተ
ነቲ ህልው ከተዐሹ፡ ድቃስ ክትከልእ ንዝሞተ
ሽምዓ ተወሊዑ፡ ቃልቃል ይብል ከምዛ ልሳን ዝሰኣነ

ምእንቲ ርእሳ ከይትበኪ፡  'ታልጋነሽ ሓፍተይ
ዓይና እናሓሰየት፡  ትብል አይ! አይ!
በየናይ ዓይነይ እሞ ክበኽየልኪ
እትሰምዕ  እዝኒ'ኳ ዘይብልኪ

'ታደይ'ሞ ግደፋ! በለ 'ትሓደ፡ ትቕብል ኣቢሉ
ኣብቲ ሕልማ ኣትየ፡ ደሓን'የ ተበልኩ
መሊሱ ይገዳ፡ ተመላሊሱ
ዝገብሮ’ኳ ጠፍኣኒ፡ ኣንጉዐይ ፈሲሱ

በሉ ፈራዲ ካብ ተሳእነ ፡  ንድለ ደያኒ ዘየዳሊ
ካብ ስእነት ሰነ ዘናግፍ፡   በሉ ሓደ ዓቢ
እንታይ ንግበር ኣንቱም ኣሕዋት፡ በሉ'ምበኣር ሕጂ
መርየት ከይወግሐት፡ ጸሓይ ብርቂ

'ታ ወርሒ ሰርዋ፡ ገዲሱዋ ድዩ'ኸ ምስተን ከዋኽብቲ
ዕላል ዋዕላ ክትሰምዕ፡ ኣብታ ድቕድቕ ለይቲ
ምስ ኣይህልው ኣይምዉት የዕጽምቲ
ምስታ ጥብ! ማይ ነፍሒ፡ ክትጽበ ነዛ ቐትሪ መዓልቲ

ገብርኤል ጓንጉል
3 ሰነ 2016