ልበይ!

ስምዕኒ’ሞ ልበይ ኣነ ከም ዓለመይ

ሰሪሑ ዝነብር ፍጡር እንዳኣለይ።

መን’ዩ ዝፈልጠለይ፡

ርብዒ ዘመን ከይዱ ኣብ ኮለለይ

ምስጢሩ ኸቢዱ ዓይነት ናይ ዕድለይ

ተሻቒሉ’እምሮይ፡ እንክትጎዪ እግረይ

ንቕድሚት ምስጓም ከም ዝኾነ ባህገይ

መን’ዩ ዝነግረለይ።

ዓቢኹም ንኡስኩም ሰብ ኤርትራ

ሽመልባ ዘለኹም እግሪ ቴንዳ

ኣብ ሱዳን ዘለኹም እግሪ ጋርሳ

እስራኤል ዘለኹም እንዳ ይሁዳ

ትነብሩ ዘለኹም ኣብ ኡጋንዳ

ትነብዒ ዘለኺ ምስ ራሻይዳ

እዛ መሬት እንታይ ድያ ወሊዳ

ልበይ’ኮ ምስኹም’ያ ኸይዳ።

ኣብ ሊብያ ዘለኹም ከመ’ለኹም

ኣብ ግብጺ ዘለኹም ደሓን ድኹም

ኣብ መርከብ ዘለኹም ናበ’እኹም

ካብ ሰብ እንክትሃድሙ ዝተቐበልኹም

ዓሳታት ናይ ባሕሪ እንታይ በልኹም

ሰራዊት ናይ ዓይሲስ ክገርፍኹም

ወሰድኩማ ልበይ ደድሕረኹም

ሂወት ጓና ኮይና ብዘይካኹም።

ብበዓል ብስራሕ ሓሳበይ ንምስራዕ

ኣብ ስደት ምስፋሕ ዘሎ ፋሕ ጨንገራሕ፡

ልበይ ተገዲዓ

ደሃይኩም ንምስማዕ

ትናፍቕ’ያ ዘላ ፍርሓት ተጸጊዓ።

ኣቤት’ዞም ሓሳባት

ከም መጽሓፍ ናይ ለቓሕ ዝምለስ ንጽባሕ፡

እንተዝርዕሙ ጸብጻብ

ልበይ ምዓገበት ምሃድአት ቀልበይ

መስለጥኩ መደበይ።

ብሓሳብ ሰኺረ ብውነይ ብሕልመይ

ንዘይውግሕ መሬት ክሳቐ ከዕገርግር

ብእግሪ ብሳእኒ ክነጥር ሓጻውር

ግዜ ካብ ዘጥፍእ ምስ መን’የ ዝመክር።

እዋይ’ዞም ሓበሻ

ዝፈትዉ ሙገሳ ዝሓንኩ ንጣዕሳ

ልቦምዶ ንኢሳ ባህሎም ተደኒሳ

እንዳኦም ፈሪሳ ትግነዝ ብኻሻ

ደቆም እናጠፍኡስ

ንሶም ይጣልዑ ዕድሎም ይቐልዑ

ኣኽቢቦም ከምቃርሳ።

ከም’ቲ ንቡር ዳሳ ሰኣን ዝድብሳ

ልበይ ተረሚሳ

ኩምትር ትብላ’ላ ስኢና መለሳ

ማ’ጨሎት ዝነጽግ ፈውሲ ቓንዛ።

ዳንኤል ተ/ዮ ተኽለጊዮርጊስ 06/05/2016