ዕዮ በልዩ

በሉ እቲ ዕዮ እነሆለ
ተገቲሩ የእዊ፡ ኣብ ክንዲ ዝእለ
ሆ! እናበለ፡ ገና’ኳ  ሀ  ከይበለ
በልዩ ደስኪሉ፡ ይከኣሎ! በለ

ሎምስ ዕዮ በልዩ፡ ከይብሉ ኣግሂዶም
እዮበልዩ በሉ፡ ስራሕ ግዲ ፈሪሖም
እግዚኦ መሓረነ ከይብሉ፡ በቃ ዓዊሮም
ግድነት ግዲ ኮይኑ፡ ንሱ ኾይኑ ሓዳሮም

ዕዮ ተበለየ፡ ንርእሱ
ስራሕ ተረኸበ፡ ንኸርሱ
ርብዒት ከልዕል፡ ኢድ ወስዊሱ
ልቢ ተዕበየ፡ ነዛ ነብሱ

ዕዮ ምእንቲ ርእሳ፡ እንተ ትዓቢ
ተዓየ’ኳ ኢላ፡ ሰብ ከተዕቢ
መን ከም ማይ ከይበለት፡ የዕብዮ ክትብሎ ካብ ልቢ
ገና ከይዓረብት፡ ከየጥፈአት ቀልቢ

መጹ ኸኣ፡ በዓል ኣዋርሕ መስከረም ግንቦት
ልብሲ ለቢሶም፡ ከምስሉ ክዳን ሓልዮት
ዓጽመ-ስጋ ሓግሒጎም፡ ክዝክሩ ዓመታት ጸሎት
ግደፍ ተበልካ፡ መንከ ይስማዕ ኣብ ጓይላ ፍሱስ ሓሞት

‘ታማይከ? ናይ መን ኮይና ባዕላ
ጃሕ፡ጃሕ ገዲፋ፡ ኣብ ጥብ!ጥብ! ዓሊባ
ግዲ ንሳውን፡ ዘይልሙድ ለሚዳ
ደረቕረቕ ክትብል፡ መሬት ፈንፊኑዋ
 

በሉ እምበኣር እምቢ፡ ብዘይ እምብልታ
በዓል ዕዮ፡ ገዲፈን ምህለላ እኳ በላ
ሰብዶ ይድቅስ፡ ክሳብ ክንድዚ
እዋን ካብ ሓለፈ፡ እዋን ፍዚ?

ገብርኤል ጓንጉል

፯ ግንቦት 2016