ናቕፋ!

ናቕፋ ዓባይ ደብሪ
 
ቅሚጦ ናይ ጽንዓት ናይ ሕልምታት ኩምሪ
 
ምስጢራዊት ፈትሊ ናይ ተስፋ መጥመሪ።
 
መሬት ኣብ ም’ጋሓ
 
ብሰልሚ ዋላኻ መረብ ድያ ሰጊኣ
 
ወይስ ብገዓት መሸላ ሑመራ ተመኪሓ?
 
ሰሜን ካበ’ስመራ ደቡብ ካብ ቃሮራ
 
ስግር ባሕሪ ዓደን፡ ማዕረ ወደብ ዓሰብ
 
ኣጻድፍን ጎቦታትን ተሓጺራ
 
ንሰማይ ከተንቃዕርር፡ ኣብ ጠረር ተሰቒላ?
 
  ምስ አደን ዶብ ከምትጥርር
 
  ደረት ወርሒ ክትጽሕትር
 
 ኣብ ዝሓለፈ ሕድር ውዕል
 
ብመኣዲ ተስፋ ዝሓረመቶ ሸውሃት ከይኣኽላ፡
 
ብእልፊ ኣእላፋት እናፈቐደት
 
 ኡንኮ ብኡንኮ ትንፋስ እናቐረመት
 
 ናብ ንፋስ ከምዘይቀየረት፡
 
 ኣብ’ዛ ናይ ናይ ኢንተርነት ዓለም
 
ናይ’ዛ ዓለም ዕዳጋ መቐረት
 
ኣብ ውንጭሕቲ ምስ ቀረበት፡
 
 ንምዕባለን ግስጋሰን መለክዒ ክትከውን
 
ብር ኢላ ምስ በዓል ዶላር ምስ ተሰርዐት
 
ኣቐዲማ ንጽባሕ ከምዘይሓለነት
 
ዓድን ዓውድን ክሳብ ዝኽዕብዋ ብቐትሩ ዝባዕዘዘት
 
ናቕፋ እንታይ ምስኮነት?
 
ኣቤት ብኡነት፡ ፈለማ ፍናን ናይ ናጽነት
 
ደሓር ኣይፈል ንባርነት ምስተጎልበበት፡
 
እንተ ብምፍላጥ እንተ ብገርህነት
 
ንታዕሪፋ ተኪኣ ዕዳጋ ምስ ወረደት
 
ብቐትሩ መሬት ኣድለቕሊቑ ሰማያት ከምዝተሰንጠቑ
 
ናይ መጻኢ ዕድል መግድዒ ክሳብ ትመስል
 
ብለቖታን ዘንቢልን ዝተመዝነት
 
ናቕፋ እንታይ ምስኮነት?
 
ውረድ ደይብ ድዩ ኣጊሙዋ
 
ናብ መርዓት ውሻጠ ዝተቐየረት፡ ናቕፋ
 
ወይስ ገና ብሕጂ’ውን ኣብ ጉሩምባኣ ትዓብጦ ምስጢራ’ለዋ?
 
ዳንኤል ተ/ዮ ተኽለጊዮርጊስ (01/26/16)

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...