በሰላ!

ኣብ ልበይ ዘላ በሰላ፡
 
እንዳ ኦሪክል ውትፊ’ላ
 
ብጎድኒ ቨንትሪክል ተቐርቂራ
 
ዝሓወት ትመስል ቀምሲላ፡
 
መውጋእቲ ፍቕሪ ምዃና
 
መዋዕልተይ እንተዘስተባህሉላ፡
 
ናይ ቅብጥሮት፡ መውጽእላዶ ብሮት
 
ወይስ ናየ’ንጸርጽሮት፡
 
ስምብራት ጥልመት ምዃና፡  ምእንቲ ክስቆራ
 
 መውጽኡላ ሓበላ።
 
ኣብ ከርሰይ ዘላ ቂሐጽልሚ
 
በርቃዊ መጥቃዕቲ ናይ ዓሚ
 
ክሳብ ዘቕሕረኒ  ክንዲ ትነዝዕ ትደሚ፡
 
 እንተትቕምርር ክትሓዊ
 
ምመሓልኩ ሎሚ፡
 
 ኣብ ስደት፡ ሕጓሕጓ’ንዳ ጓኖት
 
ተጠሊዐ ካብ ዘእዊ፡
 
 ንዓመታ ክምለስ’ሞ ዓዲ
 
 ኣሰር ኣቦሓጎይ ኖላዊ
 
ኣንጊሀ ክወፍር ክጎዪ።
 
ንመጋርያ ዓቢ ህድሞ
 
ክውልዓሉ ቀንዴል፡ ክኣጉደሉ ሓዊ።
 
ኣብ ግምባረይ ዘላ ውቃጦ
 
ሓደራ ዘለዋ ዝፈልጦ
 
መልእኽቲ ና’የደይ ዝሰንቆ
 
ከም መዓርን ጠስምን ዝብህጎ
 
ብሕልሚ ብጋህዲ ዘይጸግቦ
 
ኣብ ስደት ኣብ ከርተት
 
 ምስ ሕሱም ናፍቖት፡ ዝኾነኒ ሓቦ።
 
ኣብ እንግድዓይ ዘላ በሰላ
 
 ብረመጽ በደዊን ሓሪራ
 
ሓውል ንምባል’ሲ
 
ብጎዲብ ካራ ተፋሒራ
 
ሃመማ ምስ ደቆም ክስሕቁላ
 
ክሳብ መኣስ’ያ ከምኣ’ይላ?
 
ኣብ ኮለል ኣብ ከርተት፡
 
ንእስነት ኣሕሪራ
 
“እዚ’ውን ይሓልፍ”
 
ክቐርብ፡ መኣዲ ድራራ።
 
ኣብ ምዑጉርተይ ዘላ ማዳ
 
ጓሂ ምስ ሓዘን ድምቀታ
 
ርሑቕ መኣስ ኮይኑ ብልሓታ
 
ካብ ሰማይ ኣይኮነን ካብ ጎይታ
 
ካብ ባይቶ’ዩ ካብ ባይታ
 
ዝጥፍጠፍ ዝቑጸር፡ ክታብ መድሓኒታ።
 
ኣብ ልበይ ዘላ በሰላ
 
ካብ ዓመት ናብ ዓመት ምስጋራ
 
ጸበል ተ’ኾይና ስኢና
 
ትጽበ እነተ’ልያ ምህልላ፡
 
ምስ’ዛ ዓውደዓመት
 
ፓነቶነ ምስ ዱለትስ ይጽነሓላ፡
 
ንሓዲሽ ሂወት ክትጭንጉዓሉ ደም
 
ወ’ለ’ዝጊ ሕጻን፡ ካብ መባልዖ ማል
 
ቡቕቡቕን ዱዂዕን  
 
ሓዊሱ፡ ሓመዱ’ንጸገላ።
 
ብዳግማይ ልደት
 
ነብሳ ትፈቕደሉ ድፍረት ይዓድላ።
 
ዳንኤል ተፍስዮውሃንስ (This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.)

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...